ልሳነ ግእዝ- 2015. this is a final version

38
Ge’ez Language Learn Basic Ge’ez Grammar 2015 Prepared by Zerezghi Haile December 2015 Toronto, Canada 1

Upload: uwontario

Post on 18-Nov-2023

0 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Ge’ez Language

Learn Basic Ge’ezGrammar 2015

Prepared by Zerezghi Haile

December 2015

Toronto, Canada

1

ሐጺር ጽሑፍ ብዛዕባ ሰዋስው ግእዝ

መውጽኢ

አርእስቲ ገጽ

ቋንቋ ግእዝ- ስሙን ታሪኹን 4

፩- ፊደላት ግእዝ 5

፪- ግሲን ተወሳኽ ግሲን 9

፫- ምርባሕ ግሲ 12

፬- ተሳጋሪ ግሲን ተሰሐቢ ስምን 13

፭- ስምን ክንድ ስምን 16

፮- ቅጽል 19

፯- ቍጽሪ 20

፰- ዘርፍን በዓል ቤትን 22

፱- ናይ ዋንነት 24

፲- መስተዋድድ 24

፲፩- መስተጻምር 25

፲፪- ናይ ሕቶ ቃላት 26

፲፫- እወታውን አሉታውን ቃላት 26

፲፬- መመልከቲን ቃለ አጋንኖን 28

መመላእታ 29

2

ቋንቋ ግእዝመእተዊ

’ ቋንቋ ግእዝ ሽሕኳ አብዚ እዋን ዚ አብ መዓልታዊ ዘረባናን ጽሑፋትናን

ዘይንጥቀመሉ ናይ ዘመን ጥንቲ ቋንቋ ኮይኑ አብ ገዳማት ዚነብሩ ባሕታውያንን ተመሃሮ ዜማን ቅኔን ወገን ቤተ- ክህነትን ጥራሕ ዚርድእዎ እንተመሰለ፡ ቋንቋ ግእዝ

ጌና ሕያውን ዝውቱርን ቋንቋ እዩ እንተበልኩ ካብ ሐቂ ዝረሐቅኩ አይመስለንን።

ቋንቋ ግእዝ ክዕቀብ ዘለዎ ቋንቋ እዩ ኢለ እአምን ’ ።አብዚ ሐሳብ ዚ ብምምርኳስ

ከአ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ብዛዕባ ቋንቋ ግእዝ ከቅርብ እፈቱ። ዋና ዕላማ ናይዚአ ጽሕፍቲ አብ ናይ ቤተ- ክርስትያናት ጽሑፋትን ጸሎታትን ዚርከቡ ቃላትን ምሉእ

ሐሳባትን ብቅኑዕ መንገዲ ምእንቲ ክነንብቦምን ክነዘይሞምን ክንርድኦምን መሠረታዊ ሰዋስው ግእዝ ምፍላጥ የድሊ ብዝብል ተበግሶ እዩ። ብፍላይ ከአ ብትግርኛ

ዝተጻሕፈ ሰዋስው ግእዝ አብ መርበብ (internet) ክረክብ ብዘይ ምኽአለይ ከም ’ ዓቅመይ ነንበብቲ ክዝርግሖ ኢለ ጀሚረዮ ሎኹ። አብ ሀገርና ሰዋስውን መዝገበ

ቃላትን ብዝምልከት ጽሑፋት ከምዘሎ ብቁዕ ሐበረታ አሎኒ። ስለዚ ንመን እያ ዝጽሕፋ ዘሎኹ እንተተባህለ መሠረታዊ ቋንቋ ግእዝ ኪመሃር ንዝደሊ ሰብ ወይ

ከአ ነቲ ቅድም ዚፈልጦ ከም መዘኻኸሪ ንክኾኖ ብዝብል ሐሳብ እዩ። ግሲታት ምዝርዛርን ቅኔን ድጓን ምውሳእን ምዝራብን ኪመሀር ንዚደሊ ሰብ እዛ ሐጻር

’ ጽሕፍቲ ዚኣ ካብ ዓቅማ ንላዕሊ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ።

በብምዕራፉ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ንሰዋስው ግእዝ ዝምልከት አርእስትታት ከቅርብ

እየ። እቶም ዝሔሸ ፍልጠትን ሐበረታን ዘሎኩም ሰባት ከአ ጌጋ ንዘሎ እናአረምኵም ክተንብብዎ እዕድም። ዘመናዊ ማዕከናት ወይ መራኸብቲ ብዙኃን (Youtube) ዜማታትን ጸሎታትን ጽሑፋትን እናበዝሑ ምህላዎም እውን ዘተባብዕ ምልክት እዩ።

3

ቋንቋ ግእዝ- ስሙን ታሪኹንልሳነ-ግእዝ “the tongue of the free” ተባሂሉ ይጽዋዕ (Ludolf, 1661). እዚ ማለት ቋንቋ ናይ ሐራ ዚኾኑ ሕዝቢ ማለት’ዩ። ቋንቋ ግእዝ ሴማውያብ ካብ የመን ናብ ዓዲ ሐበሻ (ኣቢሲንያ) ዘምጽእዎ ቋንቋ እዩ ተብሂሉ’ዩ ዝግመት። ገለ ተመራመርቲ ግን ካብ ግብጺ’ዩ መጺኡ ፡ መንነቱ አፍርቃ እዩ እምበር ማእከላይ ምብራቅ አይኮነን ይብሉ። ቋንቋ ግእዝ በደማምጽኡንሕጊ-ሰዋስዉን መሠረቱን ብሐቂ ናይ ቋንቋ ቅጥዕን አገባብን አለዎ ይብል ጀርመናዊ ጸሓፋይ ዲልማን (Dillmann 1899)። ግእዝ ምስ ቋንቋታት ማእከላይ ምብራቅ ብፍላይ ከአ ምስ ዓረብ ከአ ይዛመድ። ንኣብነት ኣስማት ናይ ኣዋርሕ ካብ ቋንቋታትሴማውያን ዚመጸ ይመስል፡ ካብ ግሪኻውያን ዚተወስደ ስነ-ጥበባዊ (art) ነገራት’ውን አሎ።

’ ቋንቋ ግእዝ ናይ ቤተክርስትያንን ናይ ቅዱስ ነገራትን ቋንቋ ተባሂሉ ውን ይስመ እዩ። እቲ ሐደ ዓቢይ ነጥቢ ንግእዝ ሐፍ ዘብሎ ግን ተጽዕኖ ናይ ጓና-ቃላት(ካብ

ግሪኽ ወይ አርመንያ ወይ ዓርብ) ከይተለቅሔን ከይተዳቀለን ምትራፉ’ዩ ፣ እዚ ኪበሃል ከሎ ግን ብዙሐት ቃላት ካብ ግርኽ ዝተወስዱ ክመዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ነኣብነት ሊጡርጊያ ጰራቅሊጦስ ተሎግያ ወዘተ...፥ ን ቋንቋ ግእዝ ሰዋስው ከውጽኡሉ ዚፈተኑ ብዙሐት ደቂ ዓዲ የለዉን (አይነበሩን)፣ መዝገበ ቃላት ኪጸሐፍ ምስ ተሐስበ ከአ እቲ ቋንቋ እናተገድፈ ከደ ይብል ዲልማን። ሐዲስ ኪዳን ብ 1548 ዓ.ም. ፈ. አብ ሮማ ናብ ግዕዝ ተተርጐመ (ተርጐምቲ- ተስፋጽዮንን ብጾቱን) ። ሉዶልፍ ከአብ 1661 ዓ.ም.ፈ. Gramatica Aethiopica ትብል መጽሐፍ ጸሐፈ። ዲልማን ከአ ብ 1889 Aethiopic Grammar ዘርእስቱ መጽሐፍ ብላቲን ጸሐፈ።

እዚ ናይ ዲልማን መጽሐፍ ብእንግሊዘኛ አብ ኢንተርነት (e-library) ይርከብ። ዚበዝሕ ትሕዝቶ ናይዚአ ጽሕፍቲ ካብዚ ናይ ዲልማን ጽሑፍ’የ ወሲደዮ።

ቋንቋ ግእዝ ብመበል 100 ዓመት ምሕረት ፈረንጂ (ዓ.ም.ፈ) መልክዕ ናይ ጽሑፍ ኪሕዝ ጀመረ፣ ብ 450 ዓ.ም. ከአ አድመጽቲ ቃላት (vowels) አማዕበለ። አብ ሐደ ጽሑፍ ከምዝረኸብክዎ አድመጽቲ ቃላት ከይማዕበሉ ከለዉ እታ ቀዳመይቲ ፊደል (ሀ ግእዝ)ጥራሕ እያ ንኹሉ ትሽፍን ዝነበረት ይብል፣ ማለት ‘ቀተለ’ ኢሉ አነ ቀተልኩ ክንድ ምባል አነ ቀተለ አንተ ቀተለ ንሕነ ቀተለ አንትሙ ቀተለ ወዘተ.. ኢሉ ይራባሕ ነበረ።

4

ቀጺሉ ግን አድመጽቲ ፊደላት (vowels) ተወሰኹ፡ ሽዑ ንሽዑ ከአ ቋንቋታት አርመንያን ጆርጅያን አርግቫንን (አብ ካውካሳስ ዚበሃል ክፍሊ ዓለም ዚርከቡ) ነቲፊደላት ግእዝ ተለቅሕዎ ዚብል ጽሑፍ አሎ። ግእዝ ሓደ ናይ ዜማ ክፍሊ እውን’ዩ

( ግእዝ- እዝል-አራራይ)፣ ከምኡ ከአ ስም ናይ ቀዳመይቲ ፊደል ማለት ‘ሀ’ ግእዝ‘በ’ ግእዝ ወዘተ።

ትፈልጥዎዶ? መርፍእ ዚብል ቃል ካበይ ይመጽእ? ብግእዝ ረፍአ ’ ሰፈየ ማለት ዩ ረፋኢ ሰፋያይ መርፍእ ካብኡ ይመጽእ። ነኀበ ሰርሔ አ ’ ፍረየ ማለት ዩ ንኅቢ ካብኡ

ይመጽእ ። ነኀበ ካልአይ ትርጉመ ከአ ሐጺን ወይ ኣስራዚ ቀጥቀጠ ማለት እዩ። እቶም ሰራሕተናታት ነኀብተ- ወርቅ ይበሃሉ። አብ መንጎ ግእዝን ትግረን

እንትረኤና ከአ ብክልቲኡ ቋንቋ ትርጉሞም ሐደ ዝኾነ ቃላት ንረክብ፣ ንአብነት እፎ (ከፎ)- ዮም- እም- ባዕድ(ብዕድ)- ወለት - ደሐረ (መረቀ) -ከፈየ (አኸለ) ።’ ከምኡ ውን ዐይግ ’ ብግእዝ ቀላይ ማለት ዩ፡ ፉንድቅ ከአ ቤት አጋይሽ።

፩ይ ምዕራፍ - ፊደላት ግእዝ (Geez Alphabet) ፊደላት ግእዝ 26 እዮም ማለት ተደመጽቲ (consonants) ከምኡ ከአ ሱር

ፊደል ዚኾኑማለት እዩ፣ እዚአቶም ግእዝ ዚብል ስም ይወሀቦም- ንሳቶም ከአ፡-

ሀ (ሆይ)- ለ(ለው)- ሐ(ሐውት)- መ(ማይ)

ሠ(ሠውት)- ረ(ርእስ) -ሰ(እሳት)- ቀ(ቃፍ) በ(ቤት)

ተ(ተው) - ኀ(ኀርም)- ነ(ነሐስ)- አ(አልፍ)- ከ(ካፍ)

ወ(ወዌ)- ዐ(ዐይን)- ዘ(ዘይ)- የ(የመን)- ደ(ደንት)

ገ(ገመል)- ጠ(ጠይት)- ጰ(ጰይት)- (ጸ(ጸደይ)- ፀ(ፀጳ)

ፈ(ዖፍ)- ፐ(ፐሳ)።

_____________________________________________________________________________

5

ለቡ፡ ከምቲ አብ ቋንቋ ግሪኽ አልፋን(alpha) ኦሜጋን (Omega) መጀመርያን

መወዳእታን ፊደላት ዝኾና ኣብ ግእዝን ቋንቋ ግብጽን ከአ‘ሀ’ ቀዳመይቲ‘ፐ’ ከኣ ናይ መወዳእታ ፊደላት እየን።

አድመጽቲ ፊደላት

1) ካብታ ቀዳመይቲ ፊደል ማለት ግእዝ ኣድመጽቲ ፊደላት (vowels) ይውለዱ፡ አስማቶምን መስርዖምን ከአ ከምዚ ዚስዕብ እዩ።

ግዕዝ ካዕብ ሣልስ ራብዕ ሐምስ ሳድስ ሳብዕ

ሀ ሁ ሂ ሃ ሄ ህ ሆ

he’ hu hi ha hie h ho

1 2 3 4 5 6 7

2) እዞም ሸውዓተ ፊደላት ምስ መዓልታት ናይ ሰሙን ከኣ ይጋጠሙ

1 2 3 4 5 6 7

እሑድ ሰኑይ ሰሉስ ሮቡዕ ሐሙስ ሰዱስ ሰቡዕ

፩ ፪ ፫ ፬ ፭ ፮ ፯

3) ፊደላት ግእዝ ብተወሳኺ ካሊእ ትርጉምን ምስጢርን ዚሓዙ ምዃኖም ዚነግር

’ ጽሑፍ ውን አሎ።

6

ተወሰኽቲ ፊደላት (“ ”ድርብ ሆሄ )

እዚአተን አርብዕተ ድርብ ሆሄ ዝኾና ሕገ - ጥሒስ ምርባሕ ዘለወን ፊደላት አብ ቋንቋ ግእዝ ይርከባ ንሳተን ከአ፡ -

ቈ ቊ ቋ ቍ ቌ

ኈ ኊ ኋ ኍ ኌ

ጐ ጒ ጓ ጕ ጔ

ኰ ኲ ኳ ኵ ኴ

አብ ፊደላት ግእዝ ዘየለዋ ፊደላት

ገለ ፊደላት አብ ትግርኛ ዝርከባ በዓል‘ቐ-ሸ-ቸ-ኸ-ጀ-ኘ-ቨ-ጨ’ ወዘተ.. አብ ጽሑፋት ግእዝ የለዋን፣ ፊደላት ግእዝ ብዚጥቀሙ (ግእዝ ዚወለደን ቋንቋታት) ዝተወሰኻ

እያተን።

ተደገምቲ ፊደላት-(ሐደ አደማምጻ ዘለወን)

ተደገምቲ ፊደላት ንምንታይ አድለያ?

ተደገምቲ ፊደላት ማለት ሃ ሃሌታ፡ ኀ ብዙኀን፣ ሰ እሳት ሠ ንጉሥ፣ ጸ ጸሎት ፀ ፀሐይ፣ ከምኡ’ውን አ ን ዐ ን ስለምንታይ አድለዩ? ነዚ ክልተ መግለጺ አሎ ማለት፡-

ቀዳማይ- ገሊኡ ትርር ዝበለ ገሊኡ ከአ ድኽም ዝበለ ቃላት ንምፍላይ እዩ፡ ንኣብነት እሳት ድኹም ሰ አለዎ ንጉሥ ተሪር ሠ አለዎ ማለት’ዩ።

7

ካልኣይ- እቲ ካሊእ ምክንያት ከአ ሐደ ድምጺ ዘለዎም ቃላት ብትርጕም ይፍለዩ፡ ንአብነት-ሰረቀ - ዘይንብረቱ ወሰደ ማለትእዩ፡ ሠረቀ - ከኣ ወጸ ማለት እዩ (ሠረቀ ብርሃን)። ከምኡ ርእየ- ተመልከተ፡ ርዕየ- ከአ ሐለወ ማለት’ዩ (ረዓይኬ አባግዕየ)።

ካልኦት ተመሳሰልቲ ቃላት ከአ እነሆ፡-

አደመ = ጸበቀ ፡ ዐደመ =ዓደመ ፡ አበየ = እምበ በለ ፡ ዐብየ = ዓበየ፡ አዘዘ = ትእዛዝ ሀበ ዐዘዘ = በርተዔ፣ (ለዕዘዙ ይደሉ) ደሐረ = ተኸተለ ፡ ደኀረ= መረቀ፡ ሐመየ = ነቀፈ ፡ ኀመየ= አሰረ፡ ረሥአ = አረገ ፡ ረስዐ = ረስዔ ፡ ሠሀለ= (ካራ) ሠሐለ ፡ ሰሐለ =መሐረ።

ለቡ፡- ፊደላት ‘አ’ን ‘ዐ’ን ርእሰን ዚከኣላ ይመስላ ብከመይ ድምጸን ፍሉይ ስልዝኾነ፡ ንአብነትእንስሳ -እክል- ሞአ- ቦኣ - ዚብላ ቃላት ካብ ዓሣ -ዐቢይ -መዓት በአጻሐሕፋንበአዳምምጻን ይፍለ’ያ ። ን ፊደል “ዐ” ከድምጹ ዚጽግሞም ሰባት ግን ከም ‘አ’ ከድምጽዎወይ ከአ ከጥፍእዎ ይርከቡ (ማለት ማዕዶ/በጊዕ/ ብዕራይ አብ አምሐርኛ ማዶ/በግ/በሬ ምስበልዎ እታ ዐ ጠፊአ ንረኽባ) ፣ ‘ብርቱዕ ተቈጥዔ’ ንምባል ግእዝ ሰለስተ ዐ ይጥቀም- ተምዕዐመዐተ ዓቢየ። ገለ ትምህርትታት ግእዝ ከአ ፊደል “ዐ” ጐሊሐ ክትንበብ አለዋ ዚብሉአለዉ።ግእዝን ግዕዝን ናይ ኣናባብ ፍልልዩ ነንባቢ እገድፎ።

ለቡ፡- እዚ አብ ታሕቲ ዘሎ አስማት ናይ ሰዋስዋዊ አርእስቲ ናይ ነፍስ ወከፍ ምዕራፍ አብ‘ትግርኛ/እንግሊዘኛ’ ዚብል መዝገበ ቃላት ዝተመስረተ እዩ፣ ንኣብነት ግሲን ዓንቀጽን ትርጉሞም ሐደ አይኮነንን።

፪ይ ምዕራፍ - ግሲን ተወስኽ ግሲን(verb & Adverb )

8

ግሲ

ግሲ ማለት ሡር ናይ ቃል ኮይኑ ከይተራብሔን ከይተባዝሔን እንከሎ ዘርኢ ቃልእዩ። ግሲ ምስ ተራብሔ ከአ ሰፊሕን ሃብታምን ትርጉም ዚሐዙ አስማት ይፈሪ።

ግሲ አገባብን አተግብሮን ስለ ዚገልጽ አብ ሐደ ዓንቀጽ ወይ ሐረግ ዋና ተራ

ይጻወት፡ ማለት ካብኡ ዚፋረዩ እሞ ምስ ነጸላን ድርብን ክንድ አስማት (አነ-ንሕነ) ዝኸዱ ኣለዉ። ስለዚ ከምቲ አብ ላዕሊ ዝበልክዎ እዚ ናይ ምርባሕ ክእለት

ንግሲ ናይ ብዙሐት ቃላት/ አስማት ሱር ንምዃን የብቅዖ። ንአብነት፡- ነግሠ ኢሉ

ኪራባሕ ምስ ጀመር አነ እነግሥ- አንተ ትነግሥ- ውእቱ ይነግሥ ንሕነ ንነግሥ

አንትሙ ትነግሡ አንትን ትነግሣ ውእቶሙ ይነግሡ- ’ውእቶን ይነግሣ ይብል ሞንጉሥ- ንግሥት- ነጋሢ- ነጋሢት- ነገሥታት- መንግሥት -መንግሥታት- ንጉሣዊ-

ንጉሣውያን ንጉሠ- ነገሥት እናበለ ይኸይድ፣ ፈጠረ ኢሉ ፈጠርነ- ፈጠርክሙ

ይፍጠር- ፈጣሪ- ፍጡር- ፍጥረት- ፈጠራ ወዘተ.. ፣ ቀደሰ ኢሉ ተቀደሰ- ቅዳሴ- ቅዱስ

ቀዳሲ- ቅዱሳን- ቀዳሲት- ቅድስት- ቅድስተ ቅዱሳን፣ ነፍሰ ኢሉ አንፈሰ- አስተንፈሰ-ንፋስ-ንፋሳት- ነፍስ- እስትንፋስ- ነፍሳት- መንፈስ- መናፍስት- መንፈሳዊ -መንፈሳውያን መንፈሳውያት እናበለ ይኸይድ።

ዓይነት ግስታት

ግሲታት ዚሳገሩን ዘይሳገሩን ተባሂሎም አብ ክልተ ይምቀሉ።

ተሳገርቲ ግሲታት ግብሮም ናብ ካሊእ ዚሳገር ማለት’ዩ፡ ንአብነት በልዐ ቀተለ ሞአ (ሰዓረ) ገብረ ፈጠረ ሰበረ አፍቀረ አንሥአ ዘበጠ አስተየ አብርሃ አልዓለ አይድዓ (ገለጸ) አይበሰ አስተጋብአ።

ዘይሳገሩ ግሲታት፡ ሰከበ -ረወየ - ተንሥአ - ቦአ - ወጽአ - ኖመ- ወረደ-ተክዕወ- ተጸውረ - ተወድየ- ተኰነነ- ተጸውረ- ተጽእነ- ተፈስሐ።

ለቡ-ተሳጋሪ ግሲ አብ ሰዋስው ግዕዝ ምስቲ አተግብሮ ዝቅበል ሽም ብከመይ ከምዝዛመድ ዘርፍን በዓል ቤትን ዚብል ምዕራፍ ክንርኢ ኢና።

ሰበከ- ሰገደ- ቀተለ(ሱር ግሲ)

9

ዚበዝሑ ግስታት ግዕዝ ብግእዝ (ቀዳመይቲ ፊደል) እዮም ዚጅምሩ፡ ንአብነት ለአከ መለከ፡ ሰከበ፡ በልዐ፡ ዘርአ፡ ጸርሐ ሰፍሐ ጸግበ ተቀደሰ ተኰነነ ተወልደ አንፈርዓጸ

አስተዳለወ ወዘተ።

ብራብዕ ዚጅምሩ- ሣረረ ባረከ ባልሐ(አውጸኤ) ናፈቀ(ተጠራጠረ)፣ ብሐምስ ዚጅምሩ ዴገነ (ጨመተ) ፄነወ ፄወወ(ጨወየ)።

ብካዕብ ዚጅምር ግሲ ይህሉ ይኸውን ጽሑፋት ኣነ ዝረኸብክዎ ግን የልቦን እዩ

ዚብል። አስማት ግን አለዉ፡- ቡራኬ ሱባኤ ሁከት።

ገለ ግሲታት አለዉ ብሐምስ ወይ ብሳብዕ ዚጅምሩ ዚመስሉ፡ እንተኾነ ግን በመሰረቱ ብግእዝ እዮም ዚጅምሩ። ንሳቶም ከዓ በዓል ጌሰ ሤመ ኬደ ጌገየ ሖረ ኮነ ሮጸ ጾረቦአ ዖደ ኖለወ እያቶም። ዚተዋሕጠ (semivowel) የ ወይ ወ ስለ ዘለዎም’ዮም እምበር ብሕጊ ሰዋስው ብግእዝ’ዮም ዚጅምሩ፡ ማለት ከምዚ ኢሎም እዮም ኪጸሐፉ

ዚግብኦም፡-ገየሰ ሠየመ ከየደ ገይገየ፡ ሐወረ ከወነ ረወጸ ጸወረ በውአ ዐወደ ነውለወ። እዚ ናይ ወን የን ጠባይ አስዒብና አብ ካሊእ ምዕራፍ ክንርእዮም ኢና።

ነዋሕቲ ግስታት - አስተርአየ፡ አስተጻመረ፡ አስተዳለወ ፡አስተናገደ ዚአመሰሉ። ተደጋሚ ቃል ዘለወን ግስታት- ነደደ፡ ከበበ፡ ኀሠሠ ሐጸጸ ጐየየ ሐመመ፣ ብካልእ

መልክዕ ከአ ይጸሐፉ ማለት እታ መጨረሻ ትድገምት ዘላ ፊደል ትጠፍእ እሞ ተሪሩ ይንበብ ማለት፡- ነደ- ከበ- ሐጸ- ጐየ- ሐመ- ይብል።

ናይ ምንቅስቃስ ምትሕውዋስ ምድጋም ምፍልላይ ወይ ቀጻልነት ዘመልክቱ- አንጐድጐደ፡ አድለቅለቀ አንፈርዓጸ(ተሰራሰረ)አንሶሰወ(ተመላለሰ)አንዘፍዘፈ(ክንፊ ዘርገሔ)አንቃዕደወ(ንላዕለኢ ጠመተ)አንሶጠጠ (ሰምበደ) አንኰርኰረ አንገርገረወዘተ።

አብዚ እንታይ ጌጋ ትረኽቡ? (ብዙሕ ጊዜ ኪበሀል ዝሰማዕኩዎ አብሀህላ አዩ)-(፩) በስመአብ በወልድ (፪)ክርስቶስ ትንሣኤ ሙታን ሞተ ወኬዶ ለሞት(፫) ከመ ንትአማህ

በበይናቲክሙ (፬) ስቡሐ ዘተሰቡሐ።

10

መልሲ፡-

(፩) በስመ አብ ወወልድ (፪)ክርስቶስ ተንሥአ እምሙታን ሞተ ወኬዶ ለሞት(፫) ከመ ንትአማህ በበይናቲነ (፬) ስቡሐ ዘተሰብሐ።

ተወሐጥቲ ፊደላት (semivowels)

ሀ አ ወ የ

ሀ- አ-ወ-የ- እዚአተን አርባዕተ ፊደላት ግሲ ኪራባሕ ከሎ ኪወሐጣ ይኽእላ። አብትግርኛ’ውን አሎ፡ ንአብነት አብአሥመራ ክንድ ምባል አበ’ሥመራ ንብል።

ሀ- ብህለ ኢሉ በል ይበል፣ ክህለ ኢሉ ይክል ኢይክል እናበለ ይኸይድ።

አ- አእኰተ ኢሉ አኰቴት

ወ- ቆመ ‘ወ’ ዝወሐጠ ግሲ’ዩ፡ ብግቡእ ቀወመ ኪብል ነርዎ፣ ኮነ ‘ከወነ፣ ሖረ

ሐወረ- ቦአ በውአ - ኖለወ ነውለወ።

የ- ሤመ ‘የ’ ዝወሐጠ እዩ- ሠየመ፤ ጌሰ ገየሰ ኬደ ከየደ (ረገጸ)

የ አብ መጨረሻ እንተኮነ ከኣ ኣብ ትእዛዝ ይወሐጥ፣ ንአብነት ወደየ ኢሉ ደይ፡ ጸለየ ኢሉ ጸሊ። ሰተየ ከረየ ዝአመሰሉ ግን አይወሐጡን እዮም።

ሜጠ (መየጠ) ሚጠት፣ ሚጥ ፥ ሴመ (ሰየመ) ሲመት ሲም፥ ጾረ (ጸወረ) ጾር ጹር፥ ሖረ (ሐወረ) ሒረት ሑር፥ ኮነ (ከወነ) ኩነት ኩን፥ ቦአ (በውኣ) ባእ፥ ወደየ ደይ፥ ዖደ (ዐወደ) ዕደት ዑድ ።

ወልተወ ወልታ፡ ወርዘወ ወሬዛ፡ ኄረወ ኂሩት፡ ኬነወ ኪን፡ ዜነወ ዜና።

ተወሳኽ ግሲ

ተወሳኽ ግሲ ዚበሀል ቅድሚ ግሲ ወይ ድሕሪኡ እናአተወ ጊዜ ኩነት ወይ

አገባብ ዘርኢ ቃል እዩ። ገለ ካብዚአቶም ተውሳኽ ግሲ ቃላት፡- ዘልፈ (ወትሩ) ሶበ

11

(ድሕሪ) ቅድመ ታሕተ ኀበ ድሕረ ዲበ መንገለ (አቢሉ) ምስለ እምቅድመ

ዓውደ ማዕዶተ በእንተ ህየንተ (ክንዲ) ፍና ጥቃ ውእደ ተውላጠ አምሳለ መጠነ አፍአ ቤዛ ፍዳ ፈድፋደ ዚአመሰሉ እያቶም።

ንአብነት፡ ወሶበ ርእየ ኢየሱስ ብዙኃነ ሕዝብ ከሰት አፉሁ ወ መሃሮሙ እንዘ ይብል፥ ፈደዩኒ እኪተ ህየንተ ሰናይተ፥ ውእቱ ሀሎ ማዕዶተ ዮርዳኖስ።

፫ይ ምዕራፍ - ምርባሕ ግሲ (Verb Conjugation)

አረባብሐ ግሲ ምስ ክንዲ- ስም እናኸደ ኪባዛሕ ከሎ ብሕጽር ዝበለ አብነት ’ ንርኤ፡ ማለት ዚሐለፈን ሕጅን ዘመልክት ከምኡ ውን ትእዛዝ።

አካል ንጽል (singular) ብዙሕ (plural) ትእዛዝ

ቀዳማይ አነ ሰገድኩ/እሰግድ ንሕነ ሰገድነ/ንሰግድ ንስገድ

ካልአይ

ተባዕታይ

አንስታይ

አንተ ሰገድከ/ትሰግድ

አንቲ ሰገድኪ/ትሰግዲ

አንትሙ ሰገድክሙ/ትሰግዱ

አንትን ሰገድክን/ትሰግዳ

ስገድ

ስግዲ

ሣልሳይ

ተባዕታይ

አንስታይ

ውእቱ ሰገደ/ይሰግድ

ይእቲ ሰገደት/ትሰግድ

ውእቶሙ ሰገዱ/ይሰግዱ

ውእቶን/እማንቱ ሰገዳ/ይሰግዳ

ስግዱ

ስግዳ

12

ናይ ትምኒት ቃል ከአ ለይስግድ ለይስግዱ ለይስግዳ (ለይኩን ለይኩን ከምዚብል)፣ ካብዚ ዝወጽእ ኣስማት ከአ ሰጊድ ሰጊዶት፡ ስግደት።

እዚ ናይ አካልን ተራባሒ ግስን ምግጣም ከቢድ አይኮነን ከመይ ከም ትግርኛ እዩ፡ ንኣብነት አብ ጽሑፋት/ጸሎታት እንተተመልከትና ገለ ናይ ብዙሓት እዩ- ተፈስሑ በእግዚአብሔር ዘረድአነ እዩ ዚበሃል እምበር ተፈስሕኩ አይኮነን፣ አብ ካልእ ጸሎት ከአ ነጸላ አካል እዩ ዘመልክት ‘ቅዱስ ሥሉስ ዘኢይትነገር ሀበኒ ከመ እንሳእ… እዩ ዚብል እምበር ሀበነ ከመ ንንሳእ አይኮነን ዚብል እሞ ነቲ ጽሑር ከምቲ ዝተጻፎ ክነንብቦ የድሊ።

፬ይ ምዕራፍ- ተሳጋሪ ግሲን ተሰሐቢ ስምን (Transitive verb & object)

አብ ቋንቋ ግእዝ ብግእዝ ፊደል( ቀዳመይቲ ፊደል) ዚውድኡ አስማት ዳርጋ የለዉን፡

ማለት ኮከብ ሰማይ ቀላይ ሰብእ ላሕም ሐሊብ እዩ ዚብል እምበር ኮከበ ሰማየ ቀላየ ሰብአ ላሕመ ሐሊበ አይኮነን ዚብል።

እምበአር ንመልከት፡ኦሪት ዘፍጥረት ከምዚ ኢሉ ይጅምር፡በቀዳሚ እግዚአብሔር ገብረ ሰማየ ወምድረ (ዘፍጥረት 1፡1)

‘ ስለምንታይ ዩ ሰማይ ወምድር ዘይብል?

(1) ገብረ- ተሳጋሪ ግሲ እዩ ፡ ማለት ካብ ሰከበ (ደቀሰ)- ይፍለ- ሰከበ ዘይሳገር

ግሲ ስለዝኾነ። ገብረ ንክልተ ኣስማት ማለት ‘ሰማይ’ ‘ምድር’ ብ ‘ወ’ ተጣሚረን ከለዋ ይስሕበን፡ ብምስሐብ ዚኣክል ከአ ነተን መወዳእታ ፊደላት ናብ ግእዝ ይቅይረን ማለት ሰማየ ወምድረ ተባሂለን ቅኑዕ ሰዋስው ይኽተላ።

(2) ሰማይ- ብሳድስ ዚውድእ ስም እዩ ከምኡ ምድር ’ብሳድስ ዚውድእ ስም ዩ፣

እምበአርከስ ነዚ ትኸቲሉ ዘሎ ሐሳብ ተኸታተል፡-

13

አብ ዝኾነ ምሉእ ሐሳብ ወይ ሐረግ (phrase) ተሳጋሪ ግሲ ምስ ረኸብካ እቲ አስዒቡ ዚመጽእ ስም እታ መጨረሻ ፍደል (ናይቲ ዚሰሓብ ስም) ክትቅየር ትኽእል፤ አብ ላዕሊ ዘለዋ ክልተ ኣስማት ማለት ሰማይ ወ ምድር መጨረሻ ፊደለን ካብ ’ ሳድስ ናብ ግዕዝ ተቀዪሩ ርኢናዮ ሎና፣ ገለ ፊደላት ግን አይቅየራን እየን።

በዚ መሠረት’ዚ ከአ እታ መጨረሻ ፊደል ናይ’ቲ ተሰሓቢ ስም ዝቅየረሉ ሕጊ ሰዋስው ናይ ግዕዝ ከምዚ ዚስዕብ እዩ።

ሕጊ ሰሐብቲ ግሲታትን ተሰሐብቲ ኣስማትን

፩-መጨረሻ ፊደል ሳድስ እንተኾነ ናብ ግዕዝ ይቅየር

ገብረ ምንተ(እንታይ?) ኢልካ ምስ ሐተትካ እቲ ተግባር ዚወድቆ ስም መጨርሻ ፊደሉ ይልውጥ፣ አብዚ ላዕሊ ከምዝረኤናዮ እግዚኣብሔር ገብረ ምስ በለ ሰማይ

ዝነበረ ሰማየ ምድር ዝነበር ኸኣ ምድረ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እምበኣር እት ስም ተቀባል’ቲ ተግባር ስለዝኾነ ካብ ሳድስ ናብ ግዕዝ ይቅየር። በዚ መሠረት ከስ ሰትየ ወይነ- ነፍሐ ቀርነ -መልሐ ሰይፈ- ሰበረ ኆኀተ- ዘይሰሪ

ኃጢአተ ወይደመስስ ጌጋየ እናበለ ይኸይድ።

ለቡ፡- ሐደ ግሲ ንሐደ ወይ ካብ ሐደ ንዚበዝሑ አስማት ኪስሕብ ይኽእል፣ ንኣብነት- ገብረሰማየ ወምድረ ወኩሎ ዓለመ። ውእቱ በልዓ ኅብስተ ወሰትየ ወይነ። ከምኡ ግሲ ፍሉጥ ቦታየብሉን ማለት ትርጉም ከቀየረ ብቅድሚት ወይ አብ ማእከል ወይ አብ መጨረሻ ኪኸውን

ይኽእል፡ ንአብነት- መስገርተ አስተዳለወ ለነፍስየ።

(አስተውዕል፡- አስማት ሰብ - ስመ ተጸውዖ- ሠረቀ- ገብረ- ለተ (ወለተ)- አመተ-ወልደ- ሃብተ - ብርሃነ ወዘተ.. ብልምዲ ተጐሚዶም ዝተረፉ እሞ ከአ ካብ ሕዚ

ሰዋስው ግእዝ ዘይጥቀሙ እዮም። ግፍሕ ብዝበለ መንገዲ አብ ዘርፍን በዓል ’ቤትን ዚብል ምዕራፍ ክገልጾም የ።)

፪-ካዕብ ዘበለ መጨረሻ ፊደል ናይ ስም ናብ ሳብዕ ይቅየር

ንአብነት ቤቱ ዝነበረ ቤቶ ትእዛዙ ዝነበረ ትእዛዞ ይኸውን ኩሉ ዝነበረ ኩሎ ከንቱ ዝነበር ከንቶ (ከንቶ ይሐስሱ) ይብል።

14

ንአብነት፡- አነ እሰምዕ ትእዛዞ ለእግዚአብሔር፡ነበቡ ከንቶ ላዕሌየ፡ ኀደጉ ኩሎ ወተለውዎ።

፫- ሣልስ ፊደል ናብ ሐምስ ይቅየር

ንአብነት ያዕቆብ ቀተለ ከይሴ ( ከይሲ ዝነንበረ) ፡ አነ ርኢኩ ሰራቄ ( ሰራቂ ዝነበረ)፡ ቀተለ ብእሴ ( ብእሲ ዝነበረ)።

፬- ራብዕ መጨረሻ ናይ ስም ፍደል አይቅየርን

ንአብነት ዮም በላዕኩ ሥጋ፡ አንትሙ ዮም ተወከፍክሙ ጸጋ፡ ውእቱ አልቦቱ አበሳ፡ ንሕነ

ብነ ተስፋ፡ ውእቱ ቀተለ ወሬዛ፡ ይእቲ ርእየት ተኵላ ።

፭- ሐምስ (እንተኾነ) መጨረሻ ፊደል ናይ ስም አይቅየርን

ንአብነት ካህናት ቀደሱ ቅዳሴ ፡ ሰሎሞን ዘመረ ዝማሬ፡ ንሕነ ነዓርግ ሎቱ ስባሔ ። ካልኦት

ብሐምስ ዚውድኡ አስማት- ለፌ ጽጌ ሱታፌ ቡራኬ ከልበኔ።

፮- ቍጽሪ ናብ ግእዝ ይቅየር

ማለት አሐቲ ናብ አሐተ ክልኤቱ ናብ ክልኤተ ይቅየር፡ ከይተሳሕበ ከሎ- አሐቲ ወለት

መጽአት እምርሑቅ፣ ተሳጋሪ ግሲ ምስ ወሰኸ ግን አሐተ ይነስኡ ወካልእተ ይገድፉ፡ ቀተለ ክልኤተ አዕዋፈ፡ ይብል።

ለቡ፡-ተሳጋሪ ግሲ ምስ ስም ንዝኸይድ ቅጽል’ውን ይቅይሮ’ዩ፡ ንአብነት- ወሶበ ርእየብዙኃነ አሕዛበ ዐርገ ወስተ ደብር። ብዙኃነ ቅጽል ምዃኑ እዩ።

፯- ተሰሐቢ ስመ- ተጸውዖ እንተኾነ

“ ” ሃ ይውስኽ- ንአብነት ፈነወ ሎሙ በርባንሃ ፡ ወወሃቦሙ ኢየሱስ ሃ ይስቅልዎ ። አብርሀም

ባረከ ያዕቆብሃ ።

ለቡ፡ እዚ ናብ ስም ተጸውዖ ዚውሰኽ ‘ሃ’ አብ ጽሑፋት ብዙሕ አይርከብን’ዩ ከመይ ‘ለ’ ወሲኹ ስለዝዝርዘር፡ ማለት ፈነወ ሎሙ ለበርባን ወወሀቦሙ ለኢየሱስ

ይስቅልዎ፡ አብርሀም ባረኮ ለ ያዕቆብ ( ያዕቆብሃ ክንድ ምባል) ኪብል ስለዚኽእል።15

ወሑዳት ሕገ-ጥሒስ ግስታት ዘርእይዎ ጠባይ

ገለ ዘይሳገሩ ግሲታት ናይ ምስሐብ ጠባይ ዘርእዩ አለዉ እዚአቶም ከአ ጸውዓ- በለ- ሰመየ- ኮነ -ሀለወ ተመሰለ ዚአመሰሉ እያቶም፣ ንአብነት- ኮነ ሰብአ ( ሰብእ ዝነበረ)

ተሰመይኪ ፍቅርተ( ፍቅርት ዝነበረ)- ትመስሊ ጸሐየ- እምድህረ ካሊእ መንጦላዕት

ይብልዋ ቅድስተ ( ቅድስት ዝነበረ)።

ወሰመይዎ ስሞ ኢየሱስሃ፡ወውሃብዎ ከመ ትኩኖ ብእሲቶ (ብእሲቱ ዝነበረ)።

እቲ ግሲ ዘይሳገር ምስ ኮነ እቲ ዚስዕብ ስም ናይ መጨረሻ ፊደሉ አይቅየርን ከመይ ዚወድቆ ተግባር ስለዘየሎ፣ ንአብነት- ሠረቀ ኮከብ፣ ተወልደት ሕጻን። መጽኡ አሕዛብ።

ለቡ፡አገባብ ወይ ኩነት ዘርእዩ- ተሰሐብቲ አስማት ዚመስሉ ግን ተሰሐብቲ ዘይኮኑ አለዉ፡

ንአብነት፡- በከየ መሪረ፡( በከየ ተሳጋሪ ግሲ አይኮነን) በ ዚሐብኤ አገባብ እዩ፡ በከየበ ’ መሪር ንማለት ዩ። ወዘሕጎ ያነብብ መዓልተ ወሌሊተ (በ መዓልት ወበ ሌሊት

’ንማለት ዩ)።

ነዘን ክልተ ካብ ስም ዚወጹ ክልተ ግስታት ርኤ፡

ሥጋ፡- ተሠገወ (ሥጋ ለበሰ) ሰብእ፡- ኮነ ሰብአ (ሰብ ኮነ)

ብዘይ ግሲ ምሉእ ሐሳብ ዚህቡ አለዉ፡ ንአብነት ከመ ሖጻ ባሕር ብዝሖሙ፣ ፍሱሐት እምወይን አዕይንቲሁ፣ ዝውእቱ ብሂል ንዌድሶ፣ብፁዓን ነዳያን እስመ ሎሙ ይእቲ መንግሥተሰማያት እናበለ ይኸይድ።

16

፭ይ ምዕራፍ- ስምን ክንድ ስምን (Noun & Pronoun)

አብ ግእዝ ዝበዝሑ አስማት (ንጽልን ድርብን) ብሳድስ እዮም ዚውድኡ፡ ንአብነት፡- ሰማይ- ምድር -ባሕር- ኦሪት አዳም- ቤት- ብሔር- ገዳም- ሰብእ ሕዝብ- ቢጽ- ላሕም- ዖፍ- እም- ልብስ- ነፍስ- ጥበብ- ረኀብ- ሐሜት - ወለት- ብርሃን- ፀሐይ- ከዋክብት- ገነት መላእክት- ሕዝብ-ጠቢባን- ሰማዕታት- ድርገታት (እኩብ ነገር)-ሕጻናት-መለኮት- ጽላሎት- ታቦት-ሃይማኖት- ርስአን(እርጋን) - ብርሃን ሥልጣን - ድርሳን

-ቍርባን- ኪዳን- ልህቃን።

ብሣልስን ራብዕን ሐምስን ዚውድኡ ካብ ግሲ ዚወጹ ወይ መንነት ዘመልክቱ

ከአ አለዉ፡

ሣልስ፡-ነጋሢ- ወላዲ- ረዋጺ (ጎያያይ) ነዓዊ (ሃዳናይ) ሳራሪ - አብሣሪ -አንባቢ-ምድራዊ

ሰምያዊ - ሥጋዊ - አይሁዳዊ -- ወንጌላዊ ፅርአዊ (ግሪኻዊ) ሮማዊ - ኤርትራዊ።

ራብዕ፡- ልቡና - ጥዕና - ሕልና - መከራ- አበሳ -ሐተታ- ቀበላ (አኼባ) ዓመጻ- መዓዛ

- ደመና ንስሐ - ፍሥሐ -ፍግዓ- ትሕትና - ድንግልና - ትንብልና -ዘለዓለምና።

ሐምስ፡- ሱታፌ - ሩካቤ - ክዋኔ - ምሳሌ -ውዳሴ- ቡራኬ - ኵነኔ - ሱባኤ -ትንሣኤ-

ምንሳዌ (ፈተና) ውርዛዌ።

ካብ ግሲ ዚወጹ እሞ ‘ ’መ ዝውስኹ አስማት ከአ አለዉ

ፈከረ መፍክር (ዚገልጽ)- መሀረ መምህር- ለአከ መልአክ- አመረ መአምር- ሠረየ መሠርይ (ዝፍውስ)- ለበወ መለብው- ናፈቀ መናፍቅ (ተጠራጣሪ)- ተሳለቀ መስተሳልቅ

(ተላግጺ) ኰነነ መኰንን - ናዘዘ መናዝዝ (ዘጸናንዕ)።

ገለ አስማት ከአ ጠባይ ዘፍን በዓል ቤትን ሒዞም ዝተፈላለየ ትርጉም ይህቡ፣

ንአብነት፡- ቤት- ገዛ ክኸውን ፡ ዝያዳ ሐበረታ ክትህብ ምስ ደለኻ ከአ ቤተ-ጸሎት፡ቤተ- ክርስትያን፡ ቤተ- አቡየ ቤተ- እሁየ ወዘት ይብል። ከምኡ ሙዳይ መትሐዚ

ማለት እዩ- እዚ ማለት ከረጺት- ማሕደር- ሳንዱቅ- ዕትሮ- ሳንጣ-ጣሳ-ሳርማ- ዋንጫ- ጽዋዕ- ጎይቢ- ’ ኩባያ ወዘተ ይትርጐም፣ በዚ መሠረት ዚ ሙዳየ- መና፡ ሙዳየ- ንዋይ

17

ሙዳየ- ዕጣን ሙዳየ- ዕፍረት (ሽታ) ሙዳየ- ኅብስት ሙዳየ- ሐሊብ ሙዳየ-ቀለም እናበለ ይኸይድ።

ስም ኪባዛሕ ከሎ

ገለ አስማት ብከምዚ ይባዝሑ፡ ሰማይ ሰማያት- ካህን ካህናት- ብርሃን ብርሃናት ንጉሥ ነገሥታት-ደርግ- ድርገታት ነፍስ- ነፍሳት መጽሐፍ -መጻሕፍት።

ካልኦት ብዙሐት ኣስማት ግን ኪባዝሑ ከለዉ‘አ’ ይውስኹ፡ ንአብነት ቤት አብያት-ሕዝብ-አሕዛብ- ደብር አድባር ክንፍ አክናፍ- ገብር- አግብርት ወለት- አዋልድ ርእስ-አርእስት እድ- አእዳው እግር- አእጋር።

ገለ አስማት ከአ አብ ድርብ ወ ወይ የ ወሲኾም ይባዝሑ፣ ንአብነት ክሳድ ክሳውድ - ቅናት ቅናውት ሦክ- አስዋክ ቀሲስ- ቀሳውስት ዕድ - ዕደው

(ሰብኡት) አፍ አፈው- አብ አበው- ገራህት ገራውህ- ሊቅ ሊቃውንት- ኅብስት- ኀባውዝ ጣዕዋ - አጣውዕ - ዖፍ አዕዋፍ ቢጽ- አብያጽ።

ገለ አስማት ከአ ሕገ- ጥሒስ ዝኮኑ አለዉ- ገለ ካብአቶም፡ ወልድ ደቂቅ ብእሲእደው(ሰብኡት)- ኩሊት ኵልያት- ሌሊት ለያልይ- ብሔር በሐውርት/ብሔራት- ደሴት

ደሰያት- ከልብ ከለባት- ዕለት መዋዕል/ዕለታት።

ለቡ፡ አሐዱታት (units) ’ ከምኡ ውን አብዮታዊት ( አበየ) ቀጥታ ካብ ግእዝ

ዝተውስዳ ቃላት ምዃነን አይትስሕትዎን።

ክንድ ስም ክንድ ስም ዚበሃሉ ከምቲ አብ ፫ይ ምዕራፍ ዝረኤናዮም እዞም ዚስዕቡ እያቶም፥-

18

አነ አንተ አንቲ ውእቱ ይእቲ ንሕነ አንትሙ አንትን እማንቱ እልክቱ

… እማንቲ ዚአመሰሉ እዮም።

አንትሙ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም። ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም።

ለቡ- አስማት እንስሳን አእምን ፍሉይ ክንድ ስም የብሎምን ማለት “እታ ሰበይቲ” ክትብልን “እታ ኦም” ክትብልን ሐደ ክንድ ስም ኢኻ ትጥቀም፥ ይእቲ ብእሲት/ይእቲ ዕጽ።

ውእቱ

ናይ ውእቱ-ፍሉይ ተራ

ውእቱ (እዩ) ከምቲ አብ ላዕሊ ዝኤናዮ ናይ ሣልሳይ አካል ክንድ ስም እዩ ግን ከም መዳመቂ ከአ ይሰርሕ እሞ ነዚአቶም ታሕቲ ተጠቂሶም ዘለዉ ብርታዔ ይህቦም።

ኣነ አንተ ኣንቲ ውእቱ ይእቲ….ንሕነ አንትሙ እሙንቱ

ማለት ከም መዳመቂ አብ ቀዳማይ ካልኣይ ሳልሣይ አካል ይኣቱ

አነ ውእቱ እግዚኣብሔር አምልክክሙ፣

ንሕነ ውእቱ ዘሖርነ፣

አንተ ውእቱ ዘትገብር መንክረ፣አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም

(አንቲ ይእቲ ዘጾርኪ ዓምደእሳት እውን ’ይብል ዩ) ፣

አንቲ ውእቱ ማዕጠንት ዘወርቅ፣

አንትሙ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም፣እሙንቱ ውእቱ ዘነገሩነ፣

እማንቱ ውእቱ ዘሖራ ውስተ መቃብር።

፮ይ ምዕራፍ - ቅጽል (Adjective)19

ቅጽል ንቋንቋ ግዕዝ መቀረት ካብ ዚህቦም ሐደ ክፍሊ ሰዋስው’ዩ እንተበልልኩ ካብ ሐቂ ዝረሐቅኩ አይመስለንን። ገለ ቃላት ንርኤ፡-

ሠናይ፡- ናሁ ሠናይ ወናሁ አዳም (ደስ ዚብል) ሶበ ይኄልው አኀው ህቡረ (መዝሙር ዳዊት)

እግዚአብሔር ሠናይ ውእቱ። ብፁእ ብእሲ ዘኢሖረ በምክረ ረሲዓን። አንትሙአሰ

ለባውያን አንትሙ። መላእክት ሰማያውያን ይዌድሱከ።

ገለ ቅጽላት እነሆ፥ግሩም/ግሩማን -ፍጹም/ፍጹማን- የዋህ/የዋሃን -ኀያል/ኃያላን -ድልው/ድልዋን -ጥቡዕ/ጥቡዐን- እኩይ/እኩያን- ጸዋግ/ጸዋጋን- ሕሙም/ሕሙማን- ሕዙን/ሕዙናን-

ስዉር/ስዉራን- ነዳይ/ነዳያን- ስርግው- ስርግዋን ጠቢብ- ጠቢባን ወዘተ።

ገሊኣቶም ቅጽላት ከኣ ብክልተ ቃል ዚቆሙ እያቶም፣ ከምዚ አብ ትግርኛ ገባር-

ሰላም፡ ርሒጸ- በላዕ ከም ዚብል፡- ምሉአ- ጸጋ ርቱዐ- ሃይማኖት ርሑቀ- መዓት(ቍጥዓ) እኁዘ - ጋኔን ርጉዘ- ጎቦ ይቡሳነ- ልብ ከዊነ- በኵር መዛግብተ- ጸሐይ

አዕጻዳተ-ወይን።

፯ይ ምዕራፍ - ቍጽሪ (Numbers)አቍጻጽራ ግእዝ ከም ቍጽሪ ሮማውያን ምድማር ወይ ምርባሕ ክትጥቀመሉ ከቢድ’ዩ።

ካብ 1-10፡ ፩ ፪ ፫ ፬ ፭ ፮ ፯ ፰ ፱ ፲

ካብ 11-19፡ ፲፩ ፲፪ ፲፫ ፲፬ ፲፭ ፲፮ ፲፯ ፲፰ ፲፱

ካብ 20-100 (በብዓሰርተ)፡ ፳ ፴ ፵ ፶ ፷ ፸ ፹ ፺ ፻

ንአብነት፥ 45= ፵፭፡ 56= ፶፮፡ 105= ፻፭፡ 130= ፻፴፡ 408= ፵፻፰ ወዘተ።

ካብ ሚእቲ ንላዕሊ፡-

ዐሠርቱ ምእት = ፲፻ - ሺሕ (10x100)= 1000

20

ዕሥራ ምእት = ፳፻ - ክልተ ሺሕ (2000)

እልፍ = ፻፻ - ዓሰርተ ሺሕ (10,000)

ዐሠርቱ እልፍ = ፲፻፻ - ሚእቲ ሺሕ (100,000)

ምእት እልፍ= ወይ ከአ ትእልፊት = ፲፻፻፻ ሐደ ሚልዮን(1,000,000)

ምእልፊት = ፻፻፻፻ - ሚእቲ ሚልዮን (100,000,000)

ለቡ- መበል ዕስራ ዘመን ክትጽሕፍ ምስ ደለኻ ፪ ኢልካ አይጅመርን’ዩ- ዕሥራ

(፳) ኢልካ’ዩ ዚጅመር ማለት ከምዚ ዚስዕብ ዕስራ-ሚእቲ ( ፳፻ ) እናበልካ ኪድ። 23 ክትጽሕፍ እንተደለኻ ፪፫ አይኮነን፡ ፳፫ እዩ፣ 33 ክትጽኽፍ ምስ ደለኻ ፫፫

አይኮነን ፴፫ እዩ 44- ፬፬ አይኮንን ፵፬ እዩ፡ ወዘተ።

2006 - ፳፻፮

2010 – ፳፻፲

2015 - ፳፻፲፭

2017 - ፳፻፲፯

2111 - ፳፩ ፲፩

2014 - ፳፻፲፬

2020 - ፳፻፳

2025 - ፳፻፳፭

2026 - ፳፻፳፮ 2044 - ፳፻፵፬

ለቡ፡ አብ ገሊኡ ጽሑፋት ከምዝተዓዘብክዎ ካብ ዓሰርተ ንላዕሊ ዘሎ ቍጽሪ

ክተንብብ ከሎኻ ወ አትዩ ይናበብ፡ ማለት ዓሠርቱ ወ አሐዱ (፲ወ፩) ይንበብ፣ ከምኡ ሠለስቱ ምእት ዓሠርቱ ወ ሰመንቱ (፫፻፲፰) “ ” እናበለ ይኸይድ፡ እቲ ወ ግን

’ አብ መንጎ ቍጽሪ አይጸሐፍን ዩ፣ እንተተጻሕፈ ኸአ ጌጋ አይመስለንን።

21

መዓርግ ወይ መስርዕ ዘመልክቱ- ቀዳማዊ፡ ዳግማዊ፡ ሣልሳዊ/ሣልሳይ ወይ ሥላሴ

ራብዓዊ(ይ)፡ ሐምሳዊ ወዘተ….ሥላሤ (3)- ሕማሴ (5)- ሱባኤ(7) እውን’ይብል ዩ።

ብሐጺር መገዲ ዚጸሐፉ ከአ አለዉ፡ ፪ሆሙ- ፬ቱ- ፲ቱ- ፳ኤል።

ጊዜ ወይ ዓቀን ዘመልክቱ - ወበሳኒታ (ንጽባሒቱ- ህዳጥ(ውሑድ)- ሕቅ (ቁሩብ)- ምዕረ(ሐንሳብ)-ካዕበ/ዳግመ (ንካልአይ ጊዜ) -እምትካት(ካብ ቅድም)ዘለዓለም።

ገለ ምሉእ ሐሳባት አቍጻጽራ ዘርእዩ፡-

ይወድቁ በግቦከ ዓሠርቱ ምእት ወአእላፍ በየማንከ፣

ወኀለዉ ይትልውዎ ፸ወ፪ቱ አርድእት።

ሱራፌል ወኪሩቤል እለ ስድስቱ (፮ቱ) ክነፊሆ ይሰግዱከ።

፰ይ ምዕራፍ- ዘርፍን በዓል-ቤትን (joined words)

ዘርፍን በዓል ቤትን ዚበሃሉ ክልተ-ተናበብቲ ዘታሐሕዞም‘ዘ’ ወይ‘እንተ’ ዝሐብኡ ቃላት’ዮም፣ ሐዲኦም በዓል ቤት/ስም እዩ እቲ ካልኣይ ከአ ቅጽል ናይቲ ስም እዩ። ብዙሕ ጽሑፍ ናይ ግእዝ ነዚ ጠባይ’ዚ ስለ ዘርእዩ እኹል መብርሂ ክህብ እየ። ንአብነትደብተራ- ኦሪት ሊቀ-መላእክት ተስፋ-አበው ንጉሠ-ነገሥት እግዚአ-ኩሉ ዝአመሰሉ’ዮም።

ንመልከት

መጽሐፍ- ማርያም-መስቀል -ሰማይ- ውዳሴ- ቤት- ብርሃን - ኃይል -መቅደስ ርእሶም ዚኸአሉ ቃላት’ዮም። ምስ ካሊእ ቃል ኪናበቡ ከለዉ ዘ ወይ ከኣ እንተ (ናይ ዋንነት)ዚብል ቃል ይጠፍእ። በዚ ምኽንያት’ዚ ዩ መጽሐፈ-ጸሎት፡ ቤተ-መቅደስ፡ ብርሀነ-መስቀል፡ ወዘተ ዚብል ንረክብ።

22

ስለዚ ብክልተ መንገዲ ይጸሐፉ፡ ማለት ወይ ተናቢቦም ወይ ከኣ ዘ/አንተ ወሲኾም-ስለዚ

ምስ ዘ ብዘይ ዘ

መጽሐፍ ዘቅዳሴ መጽሐፈቅዳሴ

ቤት ዘመቅደስ ቤተመቅደስ

አክሊ ል ዘወርቅ አክሊለ ወርቅ

ደብር ዘቍስቋም ደብረ ቍስቋም

ንጉሥ ዘሰማይ ንጉሠ ሰማይ

ተስፋ ዘሕይወት ተስፋ ሕይወት

ጸጋ ዘብርሃን ጸጋ ብርሃን

ውዳሴ ዘማርያም ውዳሴ ዘማርያም

ኣስተውዕል እንተበልና አብ ላዕሊ ደብር ዝነበር ደብረ ኮይኑ ጸጋን ውዳሴን ግን አይተቀየራን- ስለምንታ’ዩ?

ሕጊ-ተናባቢነት

እቲ መጨርሻ ፊደል ናይ ስም ሳድስ እንተኾነ ናብ ግእዝ ይቅየር፡ራብዕ ወይ ሐምስ ምስ ኮነ ግን እቲ ቃል አይቅየርን። ሳድስ- ገብር ዘርእ ዐምድ ወለት አመት ተክል ወልድ። ራብዕ- መዓዛ ተስፋ ጸጋ ቤዛ ወሬዛ ስጋ፥ ሐምስ- ስባሔ ውዳሴ ቡራኬ ኑዛዜ ሩካቤ ምንሳዌ።

ገለ አብነታት

ገብረ-እግዚአብሔር ወይ ገብር ዘእግዚአብሔር

ዘርአ-አምላክ ወይ ዘርእ ዘአምላክ

23

ዐምደ-ጽዮን ወይ ዐምድ ዘጽዮን

ወለተ-ጊዮርጊስ ወይ ወለት ዘጊዮርጊስ

ስባሔ-ሌሊት ወይ ስባሔ ዘሌሊት

መዓዛ-ቅዳሴ ወይ መዓዛ ዘቅዳሴ

ተስፋ-ሕይወት ወይ ተስፋ ዘሕይወት

ጸጋ-ብርሃን ወይ ጸጋ ዘብርሃን

ለቡ፡ አስማት ሰብ ናይ ቅዱሳን ዕቍባ ዘመልክቱ አስማት ከምዚ አብ ላዕሊ

ዝርኤናዮ እዩ ክንበብ ዘለዎ አምበር ገብረ (አገልጋሊ)- ገብረ እግዚአብሔር, ወለተ- አመተ(አገልጋሊት)- ወለተማርያም ብርሀነ- ብርሃነ መስቀል, ክፍለ- ክፍለጊዮርጊስ

እናበለ ሕጊ ሰዋስው ግእዝ ትኸቲሉ አብ ጽሑፍ ብዕሊ ኪጸሐፍ ንርእዮ ( ንአብነት ናይ ጥምቀት ወይ መርዓ ምስክር ወረቀት)።

፱ይ ምዕራፍ-ናይ ዋንነት (Possesive)

ናተይ፡-ዚአየ-ዚአከ -ዚአኪ- ዚአሁ- ዚአሃ፣ ዚአነ- ዚአክሙ- ዚአክን- ዚአክን- ዚአሆሙ-

ዚአሆን።

ውስተ ዚአሁ መጽአ ወእሊአሁሰ ኢተወክፍዎ፡ እስመ ዚአከ ይእቲ መንግሥት

ወኃይል፡

ንአብነት፡ መልእኽቲ/ “ ሰላምታ ምስ ጸሀፍካ መዕጸዊ ዚአከ ዘርአ- ” እግዚእ ክትብል

ትኽእል።

ባዕለይ፡-ለልየ ለሊከ ለሊሁ ለሊነ..

አነ ለልየ በእዴየ ለሐኵዋ ለድንግል (አነ ባዕለይ ብገዛእ ኢደይ ነታ ድንግል ፈጠርክዋ)።

ንአይ፡-ኪያየ ኪያከ ኪያሁ ኪያነ ..

24

ናባይ፡- ኀቤየ ኀቤከ ኀቤሁ ኅቤነ..

ከም መዘኻኸሪ፡-የ ንቀዳማይ ኣካል ( ኪያየ ዚአየ) ፡ ከ ንካልአይ ተባዕታይ (ለከ

ዚአከ) ፡ ኪ ንካልአይቲ ኣንስተይቲ ( ለኪ ዚአኪ) ፡ ሁ ንሳልሣይ አካል ተባዕታይ( ለሊሁ ዚአሁ) ፡ ሃ ( ኪያሃ ኀቤሃ) ንሳልሰይቲ ኣካል ኣንስተይቲ፡ ነ ን ቀዳማይ

አካል ብዙሕ ( ኪያነ ዚአነ) ክሙ ንካልአይ ብዙሐት ተብዕትዮ ( ለክሙ ዚአክሙ) ክን ንካልአይ አካል ብዙሐት አንስትዮ( ለክን ዚአክን) ሆሙ ንሳልሳይ አካል

ብዙሐኣት ተባዕትዮ ( በእንቲአሆሙ ኪያሆሙ) ሆን ንሳልሳይ አካል ብዙሐት አንስትዮ( ኀቤሆን ኪያሆን)።

፲ይ ምዕራፍ- መስተዋድድ (Preposition)

መስተዋድድ ናይ ቦታ ወይ ኩነት ዚገልጽ ቃል እዩ፣ እቶም ፍሉጣት ፡ በ-ለ- እምነ ኀበ-እስከ -ከመ- ምስለ- ቅድመ- ድህረ-ማእከለ-ታሕተ-ህየንተ-እንበለ ውስተ- ላዕለ- ዲበ- መንገለ- ቅድመ-እምቅድመ- ዓውደ- በእንተ-ህየንተ- በበትይነ- እንበይነ- መቅድመ- ፍና (አቢሉ) ጥቃ- ውእደ-ተውላጠ እያቶም።

ንአብነት፡ እም ጽንፍ እስከ አጽናፈ ዓለም፣ አነ ሖርኩ ምስለ እሁየ። አብ አካል ተጸጊዖም ኪአትዉ ከለዉ ከአ፡ ከማየ- ከማከ- ከማኪ- ከማክሙ፡ ምስሌየ- ምስሌከ- ምስሌሆሙ- ምስሌሆን ወዘተ..።

በ- ትርጉሙ አብ/ብ/ በብ ማለት’ዩ፡ በምድር- በዛቲ ዕለት-በስመ አምላክ-በፍሥሐ ወበትፍሥሕት-በሥምረትከ-በሐሰት- በበዘመዶሙ።

ለ- ትርጉሙ ን እዩ፡ አሐዱ ለካልኡ-ይጸምኡ ለጽድቅ-ረስሐ ለኵነኔ- ሠናይ ለበሊዕ- እስከ ለዓለም።

25

እም- ትርጉሙ ካብ ማለት’ዩ፡እምልብ-እምነ ሙታን-እምውእቱ ጊዜ-እምቅድመ ዓለም-እምትዕቢት-እምአንስት-እምፍሬሆሙ ተአምርዎሙ።

እንተ-ኀበ-በኀበ- ትርጉሙ አብ/ናብ ማለት’ዩ፡ቃል ሀለወ ኀበ እግዚአብሔር- ሀበ መኑ ነሐውር- ዕጽ እንተ ትክልት።

በበይነ-(ነነድሕድ) ረስየነ ከመ ንትአማህ በበይናቲነ- መንግሥት እንተ ትትናፈቅ በበይናቲሃ ኢትቀውም።

፲፩ ምዕራፍ-መስተጻምር (Conjunction)

’ እዚአቶም ዘራኽቡን ዘተአሳስሩን ቃላት ዮም። ገለ ካብኦም ፡- አመ- ሂ- ህየንተ- ለ-

አምጣነ- ቅድመ- ሶበ- እንጋ-ዮጊ- ዳእሙ- ኬ- አላ-እመሂ-ባሕቱ።

አመ ተንሥአ ወእንሥአ ኩሎ ሙታነ፣ መኑ እንጋ ውእቱ ዝንቱ፣ እስመ መምህረ

ሕግ ይሁብ በረከተ፣ ፈደዩኒ እኪተ ህየንተ ሠናይተ፣

_______________________

“ወ” ከም መራኸቢ -መስተጻምር

ንክልተ ወይ ካብ ክልተ ንዝበዝሑ ቃላት የተሓሕዝ። ከምቲ አቀዲምና ዝርኤናዮ ሰማይወምድር ፡ ውእቱ ወአኃዊሁ፣ ሰከብኩ ወኖምኩ፡ በልዑ ወጸግቡ፡ ያዕቆብ ወእሁሁ ወአቡሁ፣ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ እናበለ ይኸይድ።

ሂ- ኒ- ሰ- ከም መዳመቅቲ ይሰርሑ፡

አንሰ እብለክሙ- ወዘሰ አዝለፈ ትዕግስቶ ውእቱ ይድኅን።

ንሕነሰ ሕዝቡ ወአባግዓ መዔቱ።

ወአነ ኒ አየድእ ውዳሴሃ ለድንግል።

፲፪ ምዕራፍ- ናይ ሕቶ ቃላት (Interogative)26

መን/መዓስ/ከመይ

መኑ፡ ማእዜ፡ እስከ ማእዜኑ፡ አይ አይቴ አያት ለምንት እፎ፡ እስፍንቱ

(ክንደይ) ቦ/ቦኑ።

መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሐት፣ ቦኑ ካልአ ዘንሴፎ?

ለምንት ተሐልዩ እኩየ በአልባቢክሙ፣ እፎ አግመረተከ ድንግል እንዘ አምላክ አንተ፣

እስከ ማእዜኑ እተክዝ ባሕቲትየ፣

አይቴ ብሔራ ለጥበብ፣

ሚመጠነ ግርምት ዛቲ ሰዓት።

፲፫ ምዕራፍ፡ እወታዊ/አሉታዊ ቃላት(Positive & Negative words)

እወታዊ- እወ- አማን ይኩን- ለይኩን

ይኩን ነገረክሙ አው እወ እወ አው አልቦ አልቦ።

ለይኩን- ብሩከ ለይኩን።

አማን እብለክሙ ኢረከብኩ ዘመጠነዝ ሃይማኖት በውስተ ኩሉ እስራኤል።

አሉታዊ- አይኮነን/የልቦን

ኢ- አኮ- አላ- አልቦ

አማራጺ፡ አው ዮጊ ሚመ እመ አኮ ሶበ ባሕቱ

አዳማቂ/ጠማሪ፡ ወ ሂ ኒ ዓዲ ጥቀ

ጉድ/ድንቂ ዚገልጹ፡ ዕጹብ ግሩም ተአምር

27

ኢትምሐሉ ኢበምድር ወኢበሰማይ፣ ኢይክል ተናግሮቶ፣ ኢርኢነ ወኢሰማዕነ፣

ኢትኰንኑ ከመ ኢትትኰነኑ እስመ በኰነኔ ዘኰነንክሙ ትትኰነኑ።

ሐሰሰ ወኢረከበ፡ በልዐ ወኢጸግበ፣

አኮ ከመዝ ፍኖቶሙ ለጻድቃን፣ ኢታብአነ ውስተ መንሱት አላ ባልሐነ፣ ወዘእምበሌሁሰ አልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ።

ጥቀ ክቡር እሁየ እፎ ሀሎከ፡ ይደልዎ ክብር ውሥብሐት ዓዲ አኵቴት፣ ግሩም ውእቱ ዘሃሎእምትካት።

ለቡ፣ ገለ ሐሳባት ምስ’ዚ ዝኸይድ፤ ስለምንታይ ኣብ ገሊኡ- ኢየሱስ - ኢየሩሳሌም

ኢያሪኮ- ኢዮኤል- ኢዮቤል- ኣብ ገሊኡ ከአ የሱስ- የሩሳሌም -ያሪኮ- ዮኤል- ዮቤል ዚብል ንረክብ?

ሓጺር መልሲ ናቱ ካብ አየናይ ቋንቋ ( ቋንቋ ግሪኽ ወይ እንግሊዘኛ) ምትርጓሙ’ዩ።

ኢየሱስ፡ እታ “ኢ” ንስም የሱስ አሉታዊ ወይ ከአ አይኮነን ዚብል ትርጉም አይትህቦን’ያ። ስለምንታይ ደአ አብ ብዙሓት ጽሑፋት ትርከብ? አነ ብዝመስለኒ እቶም ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ግሪኽ ዚተርጐምዎ ስም ኢየሱስ ዚብል አናብባ ስለዘለዎ እዩ (ዮታ ትበሃል ፊደል አብ ግሪኽ ብቅድሚት ትርከብ)።

፲፬ ምዕራፍ፡ መመመልከቲን ቃለ አጋንኖን (Demonstrative/Interjection)

መመልከትእዚ/ እነሆ

ዝ- ዛቲ- እሉ- እላ- አንትሙ አንትን- እሎንቱ- እሎን -እሙንቱ- እማንቱ- ዝኩ- እልኩ

28

ናሁ - ነያ -ነዋ- ነዮሙ- ነየን፡ ናሁ ሠናይ ወናሁ አዳም ሶበ ይሔልዉ አኀው ኅቡረ።

ነዋ ዝየ ሀሎ ክርስቶስ ወነዋ ከሐክ ኢትእመኑ። ዝኩ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ፡

ወሖራ እማንቱ አንስት ውስተ መቃብር።

ቃለ አጋንኖ ኦ/ እንቋዕ:- ኦ - አህ- አሌ - ባሕ- ሐሰ ለከ! -ሐዊሳ- እንቋዕ።

ኦ ገብር ኄር- ኦትውልድ ዕሉት-

ኦብእሲቶ- ኦእግዚኦ ኦአብድ።

አሌ ለክሙ (ወይልኹም) ጸሐፍት ወፈሪሳውያን፡

በሐ ለከ ንጉሠ አይሁድ- በሐኪ ማርያም ሐዳስዩ ጥዕዋ-

ሐሰ ለከ ትሙት! (ጸላኢኻ ይሙት)-

ሐዊሳ መጻእከ በሰላም!

እንቋዕ እንቋዕ ረኤናሁ።

መመላእታ ( ካብዝን ካብትን)

ሐጺር መዝገበ ቃላት ግእዝን ኢንግሊዘኛን

ሐገፋ Shield ሰቄሞን Mulberry tree

ዘናቢር Hornet/wasp ነጌ Elephant

ቆባር Dark cloud ወረዋት Javelins

ብራና Parchment ዝብጠት Strokes

29

ግልፎ Idol ከልበኔ Frankstein

ሞገድ Flood ረበዋት(አሽሓት) Myrads

ሞገስ Favour ነኪር(ጓና) Foreigner

ቀጸላ(አክሊል) Crown ታዕካ Palace

ነዓዊ Hunter ኣጽዋናት Fortification

ሀየል Stag ኣውቃፋት Bracelets

ትንብልና Intercession ኣንጋዳት Tribes

ግብተ Suddenly ንስቲት A little

መዓስባት Widowns ቅኖት(ምስማር) Nail/point of spear

ሮማን pomegranate ሐዳፊ steersman

ትርሲት ornament አስካል grapes

አስሐትያ hail ቀበላ meeting

ከርካዕ Almond ፈድፋደ exceedingly

እምትካት Long ago ዓውደ around

ጸቃውዕ Honey drops ሚአዳም How charming

አውጻባት Ear-rings አውቃፋት Bracelets

ግዩር proselyte መሠንይ Beautifier

መስተኀሥሥ Inventor መስተዋኒ Actor

መስተሳልቅ Mocker መንጎጕው Vagabond

ንግድ Journey ግብር Business

ይባቤ Jubilation ምንሳዌ Temptation

አስራብ Water falls አስካል grapes

ዕዋል (አድግ) Foal ዕቅብት Concubine

30

ቅድው Pure ደብተራ Tent

ግእዝ -ትግርኛ

ግእዝ - ትግርኛ ግእዝ - ትግርኛ

ሰሰለ ጠፍኤ/ ረሐቀ ኃጥአ ሰአነ

አፈው/ አፈዋት መዓዛ ባልሐ አውጸኤ

መስገርት መጻወድያ ሐደፈ መርሔ

ዘርከየ ጸረፈ የበበ ብሐጐስ ጨርሔ

ለፌ ጐድኒ ፈከረ ገለጸ

ዕሴት ዓስቢ ጽልሑት ጕርሒ

አርመመ ስቅ በለ አውስአ መለሸ

አዋከየ (ዋካ) አብረሀ ከበተ ሸለል በለ

ጸምሀየ ቀምሰለ ገርዓየ ሐረደ

ጐጕአ ቀልጠፈ ቀነየ ገዝኤ

ተዋነየ ተጻወተ ምህወ ሐቀቀ

አንቃዕደወ ንላዕሊ ጠመተ አደመ ጸበቀ

አቡቀለምሲስ አቦ-ራእይ/ ትንቢት ዕጓለ-ማውታ ዘኽታም

አዕያጋት ቀላያት አንጋዳት ዓለታት

መአድም ምልኩዕ ዴገነ አሳደደ

ጥቡዕ ቅሩብ/ድልው ርቡብ ክዱን

ገለ ካብ ናይ ፍልሰታ ማርያም ጸሎታት

ለቡ- ፈለሰ ተሳገረ ካብ ሐደ ቦታ ናብ ካሊእ ከደ የስምዕ።31

ግእዝ ትግርኛ (ተቃራቢ ትርጉም)

ሰላም ለፍልሰተ ስጋኪ ምስለ ነፍስኪ ኢመዋቲ በተሰናዕዎ አሐቲ ድንግል በክልኤ ማርያም

ወለተ ማቲ ሐመረ ተርሴስ ዘሰለሞን አንቲ እንተአእትዉ ጠቢባን ወርቀ ኢያፌር ባቲ።

(ንሰማይ) ንዝተሳገረ ስጋኺን ንዘይትመውት ነፍስኺን ሰላም፡ ተወሀሂደን ከአ ሐንቲ እ የን፡ ማርያም ብክልቲኡ ድንግል ዚኾንኪ ጓል ማቲ ኢኺ፡

ሰሎሞን ካብ ዓዲ ኢያፌር ወርቂ ዘምጽአላ ናይ(ደሴት)ተርሴስ መርከብ ኢኺ።

ሰላም ለፍልሰተ ስጋኪ ውስተ ልበ ሰብእዘኢተሀለየ እንዘ ትትዓጸፊ ጸጋ ወትለብሲ ዕበየማርያም ስጋኪ ዘተመሰለ ባሕርየ ተሐፍረ ሞት አኮኑሶበ ነጸረ ወርእየ እንዘ በደመና ብሩህ የዓርግ ሰማየ።

ግርማ ተጎናጺፍኪ ዕቤት ለቢስኪ (ንሰማይ) ’ ምስጋርኪ ሐሳብ ሰብ ዘይበጽሖ ነገር ዩ፡ ስጋኺ

ጽሩይ ዕንቍ መሲሉ ብማአከል ደመና ንሰማይ ኪዓርግ ምስ ረአየ ሞት ሐፈረ።

ሰላም ለፍልሰተ ስጋኪ መካነ ፍስሐ ወኑዛዜ ሀበኢይርእይዎ ለላህ ወኢይሄልይዎ ለትካዜ ማርያምህሉት ውስተ ልበ አምላክ እምቅድመ ጊዜትፍስሕትሰ ተፈሳሕኩ በፍልሰትኪ ይእዜ ገጸ ዚአኪእሬኢ ማእዜ።

( ናብ ሰማይ) ምስጋርኪ ሐዘን ዘይረአየሉን ትካዜ ’ ዘይሕሰበሉን ቦታ ሐጎስ ዩ፡ ንስኺ ቅድሚ ጊዜ አብ

ልቢ አምላኽ ነበርኪ፡ ንሰማይ ብምፍላስኪ ንአይ ’ ’ሕጂ ደስ ኢሉኒ ሎ፡ ገጽኪ ግን መአስ የ

ዝርእዮ?

ሰላም ለፍልሰተ ስጋኪ እግዚአብሔር ዘአልዐሎእምፍልሰተ ኤልያስ ነቢየ-ሰሎ ውስተ ብሔር ጽድቅሰድኒ ማርያም በክንፈ አውሎ ለምንት አነ በፍግዓወበጥዕና እዴሎ እንዘ ይደግነኒ ሞት ዘይኰንን ኵሎ።

(ንሰማይ) ምፍላስኪ እግዚአብሔር ካብ ናይ ነቢይኤልያስ ልዕል አበሎ፡ ኣነ ስለምንታይ’የ ብጥዕናን ጣዕምንዝታለል ዘሎኹ?ንኩሎ ዝተመደበ ሞት ከይመጸኒ ከሎብናይ ክንፍኺ አውሎ ንፋስ ገርኪ ናብታ ሀገር ሰላምውሰድኒ።

ሚበዝሑ እለ ይሳቅዩኒ ሊተ ቀብጹኒ እምልቦሙከመ ዘሞተ ማርያም ኩንኒ ረዳኢተ።

ንአይ ዘሳቅዩኒሲ ክንደይ ይበዝሑ? ኤረ ከምዝሞተ’’ ጌሮም ዮም ቈጺሮምኒ፡ ንስኺ ግን ረዳኢተይ ኢኺ/

ኩኒ።

ለምንት ቆምኪ እምነ ርሑቅ አርዌ ዘወድቀ አምሳለመብረቅ እንዘ ይውሕጥ ህዝበኪ በበሕቅ።

በርቂ ተመሲሉ ካብ ሰማይ ዝወደቀ ተመን ንሕዝብኺ በብቅሩብ እንክውሕጦም ስለምንታይ

አርሒቅኪ አሎኺ?

አኮኑ ገለዓድ ርእሰ ምናሴ አቡኪ ዛቲ ሀገር ምስማከርእስኪ ማርያም ቅንዒ ለሕዝብኪ ወኢትህድጊመርዔትኪ።

ገለዓድ ርስቲ አቦኺ ምናሴ ዶ አይኮነን? እዛሀገር’ዚአ ከአ መጸግዒ(መተርአስ) ርእስኺ’ያ፡ ማርያምንሕዝብኺ ቍሊሕ በልዮ ንደምበኺ ከአ አይትግደፍዮኢኺ።

32

ካብዝን ካብትን

ተመሳስሰልቲ/ ተዛመድቲ ቃላት

አርያም ኢዮር ራማ ሰማየ-ሰማያት፣

ሠነየ አደመ ሐወዘ፣

ወደሰ ገነየ ሰብሐ፣

ፈጠረ ሣረረ ለሐኰ ሓነጸ፣

ፈከረ አይድአ (አዘንተወ ተንተነ) ፡ አውስኣ፣

ነገረ መሀረ፣

ንዋይ - ገንዘብ ንብረት፥ ንዋየ ሐቅል - ንዋት ሕርሻ፡ ንዋየ ጸብእ- ናይ ውግእ አጽዋር።

ለሐወ ሐዘነ በከየ (ብክይዎ ወልሕውዎ እለ ታፈቅርዎ መጽ. ቅዳሴ)፣

ጥንት-ቀዳሚ- በኵር-ዘልፈ- ምዕረ ዳግመ-ካዕበ።

ነበበ - ተዛረበ፣ አንበበ - ጽሑፍ አንበበ፣

አመረ - አመልከተ፣

አእመረ - ፈለጠ።

መከረ - ውጥን አውጸኤ።

አምከረ - ምኽሪ ሀበ።

ሐተተ- ስለላ አካየደ/ፈተሸ፣

ጠየቀ- ተመራመረ ብጥንቃቄ ኣጽነዔ።

ተደጋገምቲ ቃላት፡ ነግህ-ነግህ እወ- እወ አልቦ- አልቦ ከራሜ-ከራሚ( ናይ ዝሑል

ዝሑል) እሳተ-እሳት።

33

ገለ አገደስቲ ቃላት፡ መነኮስ (monk)፡ ሶከር (sugar)፡ ቀንዴል (candle)፡ ስቅራጥ

(Socrates) ፡ አፍላጦን (Plato) ፡ አሪጣጣሊስ (Aristotle) ፡ አብቅራጥ(Hippocrates) ፡ በጥሊሞስ (Ptolemy) ፡ ቆብሮስ (Cypres) ፡ ስስጣ (sextus)።

ናይ ጥበብ/ ምኽሪ ቃላት ( ምትርጓሙ ከቢድ አይመስለንን)

ንጉሥ ኢትሕሚ ወበዓለ ጸጋ ኢታንስእ በእከይ እስመ ዖፈ ሰማይ ያወጽእ ነገረከ (መጽ. መክብብ ምዕ. 23)

ባዕል (ሃብታም) ለእመ በልዓ ከይሴ ይብልዎ የኀስስ ፈውሰ ቦቱ፡ ወእመሰ በልዓ ነዳይ ይብልዎ እምረኃብ ውእቱ።

ወልድየ ሶበ ይበጽሕ ኀቤከ ዘየኀስር እምኔከ ወይነዲ ተቀበሎ በቀዊም።

ወልድየ ይኄይስ ድኂጸ በእገር እምነ ድኂጸ በልሳን ወኢታውጽእ ነገረ እምአፉከ እስከ ትትማከር ምስለ ነፍስከ።

ወልድየ አምጣነ ሀሎ አሳእን በእገሪከ ኪድ (ርገጽ) ሦከ ወጺሕ ፍኖተ ለደቂቅከ ወለደቂቀ ደቂቅከ።

ወልድየ/ወለትየ ጸዊረ አእባን ምስለ ብእሲ ጠቢብ ወልብው ይኄይስ እምሰትየ ወይን ምስለ አብድ።

ተመሃራይ ዜማ ንመምህሩ ዝበሎ - “አነ አዓብዮ ለመምህርየ እዝን በደሀሪ ዘበቈልኩ ቀርን”፣

መልሲ ናይቲ መምህር - “ወልድየ ገብረ-ዓመጻ ዘአሰልጠነከ ጊዜ ነጽር ዘቀዳሚ ኢትርአይ ዘይእዜ”።

ዕዮ ገዛ ነንበብቲ

ካብዚ ዝኽተል ጽሑፍ (1) ሰሐቢ ግስን ተሰሐቢ ስምን ርኸብ፣ (2) መዳመቂ

ፊደል ርኸብ፣(3) አሉታዊ ፊደል ርኸብ (4) ዘርፍን በዓል ቤትን ርኸብ (5) ናይ ሕቶ ቃል ርኸብ።

34

1. ኒቆዲሞስ ሖረ ኀበ ኢይሱስ መንፈቀ ሌሊት።

2. ንበውእ እንከ ሰ ውስተ አብያቲሁ።

3. አምጽኡ ለእግዚአብሔር ክብረ ወሥብሐተ።

4. ሚ በዝሑ እለ ይሳቅዩኒ፣ አይቴ ውእቱ ብሔራ ለጥበብ።

5. ብጹእ ብእሲ ዘኢ ቆመ ውስተ ፍኖተ ኃጥአን ወዘኢ ነበረ ውስተ መንበረ

መስትሳልቃን።

6. ካህናቲከ ይለብሱ ጽድቀ ወጻድቃኒከኒ ትፍስሕተ ይትፈስሑ።

7. መኑ ውእቱ አምላክ ዘእንበለ እግዚአብሔር ወመኑ እግዚአብሔር ዘእንበለአምላክ።

8. ከመ ኢ ይሁቦን ንዋመ ለዓዕይንትየ ወኢ ድቃሰ ለቀራንብትየ ወኢዕረፍተ ለመላትሕየ።

9. ቈናጽልኒ ግበበ ቦሙ ወአዕዋፈ ሰማይኒ ምጽላለ ወወልደ እጓለ- እመሕያውሰ አልቦቱ ሃበ ያሰምክ ርእሶ።

10. እግዚአብሔር ይረዕየኒ ወአልቦ ዘየኃጥአኒ።

ናብ ትግርኛ ተርጉም

1. አሰስልዋ እንከ እምኔክሙ ለኩላ እከይ ወለኩሉ ሕብል ወለናፍቆ ወለተሐምዮ

ወለተቃንኦ፡ ወኩኑ ከመ ይእዜ ተወልዱ ሕጻናት ወአፍቅሩ ሐሊበ ነባቤ ዘአልቦቱ ቱስሕት ከመ ቦቱ ትልህቁ ለድኂን(ቀዳ.መ.ጴጥ. ምዕ. 2፡1-2).

2. እስመ እምከመ ሠረቀ ፀሐይ ምስለ ላህቡ ያየብሶ ለሳዕር ወፍሬሁኒ ይወድቅ ወሥነ ራእዩኒ ይትሐጐል (መል. ያዕ. 4 (14).

3. ወውስተ ውሳጢትሰ ምዕረ በዓመት ይበውእ ሊቀ- ካህናት ባሕቲቱ ምስለ ደም ዘያበውእ በእንተ ርእሱ ወበእንተ ሕዝቡ በበይነ ኃጢአቶሙ (መ. ጳ. ዕብ. 6፡

7).

35

4. ወራእዩኒ ምኑን ወትሑት እምኩሉ ሰብእ፡ ብእሲ ቅሡፍ ውእቱ ወሕሙም

ወሜጠ ገጾ ወአስተሐቀርዎ ወኢሐሰብዎ ፡ ወውእቱሰ ጾረ ሕማመነ ወበእንቲአነ ሐመ ወንሕነሂ ርኢናሁ ሕሙመ ወቅሡፈ በሕማም ፡ ወውእቱ

ቈስለ በእንተ ኃጣውኢነ ወሐመ በእንተ ጌጋይነ (ትንቢ. ኢሳ. 53፡3-5)

5. እግዚአብሔር ፈጠሮ ለእጓለ እመ ሕያው እምድር፡ ወካዕበ ያስተጋብዖ

ውስቴታ፡ ወወሃቦሙ ዓመተ መዋዕለ ኁልቈ ወአኰነኖሙ ኩሎ ዘውስቴታ …ወአልበሶሙ ኃይለ ዘዘዚአሆሙ፡ ወበአምሳለ ዚአሁ ገብሮሙ . ወወሀቦሙ ቃለ

ወልሳነ ወዓይነ ወእዝነ ወልበ በዘይኄልዩ፡አእምሮ ጥበብ አጽገቦሙ ወአርአዮሙ እኪተኒ ወሠናይተኒ ወወደየ ውስተ ልቦሙ ፍርሃተ ከመ

ያርእዮሙ ዕበየ ግብሩ ከመ ይሴብሕዎ ለስሙ ቅዱስ ከመ ይትናገሩ ዕበየ ግብሩ ( ጥበበ ሲራክ ምዕ. 17 ፡ 1-10).

6. ቃለ ወልድ እኁየ ናሁ ውእቱ መጽአ እንዘ ይቀንጽ ማእከለ አድባር ወያንበሰብስ ማእከለ አውግር፣ ይመስል ወልድ እኁየ ከመ ወይጠል ወከመ

ወሬዛ ኀየል ውስተ አድባረ ቤተል፡ ናሁ ውእቱ ይቀውም እንተ ድህረ ዓረፍት ወይሔውጽ እንተ መሳክው ወይደንን እንተ ተድባብ፡ ያወስእ ወልድ

እሁየ ወይብለኒ ተንስኢ ወንዒ ቅርብትየ እንቲአየ ሠናይት ርግብየ። ( መኀልየ መኀልይ ምዕ. 8 ፡ 8-10)

7. ሊተሰ ተሊወ እግዚአብሔር ይኄይሰኒ- ወትውክልትየኒ ላዕለ እብዚአብሔር-ከመ እንግር ኩሎ ሥብሓቲሁ- በዓናቅጺሃ ለወለተ ጽዮን (መዝ.ዳ. 72፡27-28)።

ሐበረታ መጻሕፍቲ ሐበረታ ናይ ዝተጠቀምኩሎም መጻሕፍቲ ውሑድ እዩ ። አብ ሀገርና ብዙሐት

ደረስቲ ብዛዕባ ቋንቋ ግዕዝ ዚገብርዎ አስተዋጽኦ ብርኩት ምዃኑ እውን ሐበረታ አሎኒ። አብ ቤተ ክህነት እውን ነቲ ቋንቋን ሰዋስውን አዝዮም ዚፈልጥዎ ን

’ አብ ምትርጓም ጽሑፋት ተጸሚዶም ዚገብርዎ አስተዋጽኦ ከምዘሎ ውን ብሩህ አዩ።

ብተወሳኺ ዝተዓዘብኩዎ ናይ ገሊኡ መጻሕፍቲ አቀራርባ ሰዋስው ፋሕ ዚበለ እዩ፣ ናይ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ ሐደ አብነት እዩ። ናይ መሪጌታ ሄኖክ ዝሐሸ አቀራርባ

36

አለዎ፡ ግን ተኸታሊ ካልአይ ክፋል ( ብሕጂ ተሐቲሙ ይኸውን) ስለዝነበሮ ኩሉ

ናይ ሰዋስው አርእስትታት ክረኽበን አይከአልኩን። ከምቲ አብ መእተዊ ዝበክልዎ ናይ ዲልማን መጽሐፍ እዩ ነዚአ ጽሕፍቲ ንምስንዳው ዘተባብዓኒ። ሐበረታ

(reference) ካብዚ አብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዝወጸ የልቦን፥ ገሊኡ ካብቲ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝተምሀርክዎ ዝዝከር ስለ ዘሎ እዩ። ርእይቶኦምን ሐሳቦምን

ንዘካፈሉኒ ሰባት አባ ቪቶርዮ ቦርያን ዓንደማርያም ተስፋይን ከመስግኖም እፈቱ።

1.August Dillmann, Ethiopic Grammar, 2nd edition,improved by Carl Bezold, 1899).

2. ጥንታዊ ግእዝ ብዘመናዊ አቀራርባ፡ ብ መሪጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል ፳፻ወ፬

ዓ.ም.

3. ኪዳነ ወልድ ክፍሌ (አለቃ) መጽሐፈ ሰዋስው ወግስ መዝገበ ቃላት፡አ.አ. አርቲስቲክ ማተሚያ ቤት 1980.

ዝኾነ ሐሳባት (ርእይቶ/ መአረምታ) ዘሎኩም ሰባት በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኢ-መይል

አድራሻ ክትሰዱ እዕድም።

አቅራቢ: ዘርእዝጊ ኃይለ - ቶሮንቶ ካናዳ።

’ ለቡ፡ እዚ ጽሑፍ ዚ አብ መርበብ (internet) ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ነዚ ታሕቲ ዘሎ ሐበረታ ተጠቀሙ። ናይ facebook ወይ ከአ ናይ google account

ከድልየኩም አዩ።

1. Use keyword

“ ልሳነ ግእዝ- ሰዋስው ግእዝ ብትግርኛ፡ Learn Basic Geez Grammar 2015”.

2. Select : Zerezghi Haile/University of Western Onatario Ontario/acacemia.edu

37

3. You will need a google or facebook account to download the file.

___________________________________

Article written by

Zerezghi Haile, Toronto, Canada.

Contact information: [email protected].

_______________________________

This article is dedicated to Abba Tesfay Teclemichael who was my Geez teacher and spiritual father of many Seminarians and the faithful.

እዛ ሐጻር ጽሕፍቲ ንዝኽሪ ክቡር አቦና አባ ተስፋይ ተኽለሚካኤል ናይ ግእዝ

መምህርናን መንፈሳዊ አቦ ተመሃሮ ዘርአ-ክህነትን ምሉእ ሕዝቢ ሰበኻን ንዝነበሩየቅርባ አሎኹ።

_______________________________________________________

38