ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ...

12
መበል 24 ዓመት ቁ.314 ሰሉስ 21 ሓምለ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 2 ኣበዓዕላ ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ተሰነይ ገጽ 4 ቤት ትምህርቲ እምባደርሆ ኣብ ትስፉው ጎደና ገጽ 5 ኣረፋይነ - ካብ ሕውነታዊ ፍቕሪ፡ ሃገራዊ ክብሪ ገጽ 8 ቅንኢ መሓዛ ብኸመይ ይፍወስ? ገጽ 9 ዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ንምንካይ፡ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ምስ ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራን ሚኒስትሪ ትምህርትን ብምትሕብባር፡ 170 ተሳተፍቲ መደብ ክረምታዊ ወፍሪ ተመሃሮ፡ መባእታዊ ስልጠና ድሕነት ትራፊክ ቀሲሞም። እቲ ስልጠና ምዕቃብ ድሕነት ዜጋታት ኣብ ጐደና፡ ሓደጋ ቅድሚ ምስዓቡ ክግበር ዘለዎ ቅድመ ጥንቃቐ፡ ምልክታታት ትራፊክን ኣገዳስነቱን፣ ንስንኩላን፡ ኣረጋውያንን ቈልዑን ኣብ ምስጋር ጽርግያ ምሕጋዝ፣ መራሕቲ ተሽከርከርቲ ኣብ መሰጋገሪ መንገዲ ክገብርዎ ዝግባእ ጥንቃቐ፡ ኣጋር ንመሰጋገሪ መንገዲ ከመይ ከምዝጥቀሙሉ ሓበሬታ ምሃብን ካልእ ኣብ ጽርግያ ክግበር ዝግብኦ ድሕነትን ዘጠቓለለ’ዩ። እቶም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ንድሕነት ትራፊክ ዝምልከት ስልጠና ዝቐሰሙ 170 ተመሃሮ ናብ ስራሕ ተዋፊሮም ንመጀመርታ ግዜ ማልያ ኣንበሳ ዓቀብ ዝለበሰ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ኣብ ታሪኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ንዕኡ፡ ንጋንታኡ፡ ሃገሩን ኣህጉሩን ፍሉይ ምዕራፍ ከፊቱ ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኤምቲኤን ኩቤካ - ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ትማሊ ኣብ ዝተሰላሰለ መበል 16 መድረኽ፡ ሻውዓይ ደረጃ ብምሓዙ ደጊሙ ስሙን ስም ጋንታኡን ሃገሩን ኣድሚቑ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ማልያ ኣንበሳ ዓቀብ ድሕሪ ምልባሱ ኣብ ዝቐጸለ ውድድራት ንደቂ ጋንታኡ ኣብ ምሕጋዝ ተጸሚዱ ዝቐነየ ዳኒኤል፡ ኣብዚ ናይ ትማሊ ውድድር ንልዕሊ 150 ኪሎሜተር ሃዲማ ምስ ዝወዓለት ጉጅለ ክሕንበብ ድሕሪ ምውዓሉ’ዩ፡ ኣብ መወዳእታ ምስ ቀዳሞት 10 ብሉጻት ተቐዳደምቲ ኮይኑ ነዚ ናይ 201 ኪሎሜተር ርሕቀት ውድድር ዛዚምዎ። ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ድማ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ውድድር ብምጽባይ ባንዴራ ኤርትራ ብምንብልባል ንዓወቱ ጸንቢሎምዎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ ፍራንስ ናይ ምስታፍ ዕድል ዝረኸበት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ፡ ኣብዚ መበል 16 መድረኽ ምስታ 23 ተቐዳደምቲ ዝነበርዋ፡ ሃዲማ ዝወዓለት ጉጅለ ንዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ከምኡ’ውን ንምኩራት ተቐዳደምታ ነርወጅያዊ ቦሰን ሃገንን በልጅማዊ ሰርጂዮ ፓውለስን ኣኽቲታ’ኳ እንተነበረት፡ እቶም ክልተ ኤውሮጳውያን ክሳብ መወዳእታ ክምክቱ ኣይከኣሉን። ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ድሕሪ’ቲ ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ሻውዓይ ኣትዩ ናይ ነጥቢ ቀጠልያ ማልያ ለቢሱ ዝርከብ ፒተር ሳጋን ተገዲሙ ብምውዓል ደጊሙ ንዓወቱ ከድምቖ ከሎ፡ ኤርትራ ኣብ ናይ “ግራንድ” ውድድራት ንዝነበራ ነጥቢ ድማ ኣበሪኹዎ ኣሎ። ተቐዳደምቲ ኤምቲኤን ኩቤካ ኤርትራውያን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ ፈለማ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ብምዃን ኣብቲ ናይ ዓለምና ዝሃበበ ኣህጉራዊ ውድድር ይካፈሉ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ነበርቲ እንዳ-ተዃሉ - ንኡስ ዞባ ዓዲ ቐይሕ፡ ብኣስታት 300 ሽሕ ናቕፋ ናብ ዓዶም ዘእቱ 10 ኪሎ- ሜተር ሓድሽ ናይ ሓመድ ጽርግያ ይሰርሑ ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሩ። እቲ ዕማም፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝርከቡ ተወለድቲ ዓዲ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ብምውህሃድ የሰላስልዎ ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ- ኻንታ ኣቶ ክፍሎም ገብረዝግኣብሄር፡ ብሓገዝ ማሽነሪ ይካየድ ከምዘሎን ድሮ ዝበዝሕ ካብቲ ስራሕ ኣብ ዓዲ ቐይሕ፡ ነበርቲ እንዳ ተዃሉ ናብ ዓዶም ዘእቱ ጽርግያ ይሰርሑ ምዝዛም ከምዝርከብ ኣብሪሁ። ነበርቲ እንዳ-ተዃሉ ናብ ዓዶም ዘእቱ ጽርግያ ስለዘይነበረ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ጸገማት ከምዝጸንሖም ብምምልካት፡ ምስ ምዝዛም ህንጸት’ቲ ናይ ሓመድ ጽርግያ ጸገማቶም ክቃለል ትጽቢት ከምዝግበር ኣረዲኡ። እንዳ-ተዃሉ ሓንቲ ካብ ዓድታት ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ ኻንታ ኮይና፡ ካብ እንድሕሽ ኣስታት 10 ኪሎ- ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቓ ትርከብ። ተመሃሮ ግቡኦም ኣብ ዘሰላስሉሉ እዋን፡ መራሕቲ ተሽከርከርትን ኣጋርን ዝድለ ምትሕብባር ክገብሩሎም ዘዘኻኸረ ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ሌተናል ኮሎኔል ታደሰ ብርሃነ፡ እቶም ብሕጊ ትራፊክ ተቐዪዶም ዘይከዱ መራሕቲ ተሽከርከርቲ፡ በቶም ተመሃሮ ብዝቐርብ ጸብጻባት መሰረት መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣቦ-መንበር ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ብወገኑ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባት’ቲ ማሕበር ምርግጋጽ ድሕነት ትራፊክ ምዃኑ፡ ነዚ ንምስማር ድማ ካብ ነዊሕ ዓመታት ምስ መሻርኽቲ ብምውህሃድ ኪሰርሓሉ ከም ዝጸንሐ ብምሕባር፡ በብእዋኑ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋታት ትራፊክ ኣብ ምንካይ ተራ’ቶም ናብ ስራሕ ዝዋፈሩ መንእሰያት ልዑል ምዃኑ ገሊጹ።

Upload: others

Post on 05-Nov-2020

39 views

Category:

Documents


1 download

TRANSCRIPT

Page 1: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

መበል 24 ዓመት ቁ.314 ሰሉስ 21 ሓምለ 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 2ኣበዓዕላ ዒድ ኣልፈጥር

ኣብ ተሰነይ

ገጽ 4ቤት ትምህርቲ እምባደርሆ ኣብ ትስፉው ጎደና

ገጽ 5ኣረፋይነ - ካብ ሕውነታዊ ፍቕሪ፡ ሃገራዊ ክብሪ

ገጽ 8ቅንኢ መሓዛ ብኸመይ

ይፍወስ?ገጽ 9ዳንኤል

ኣብ መበል 16 መድረኽ

ቱር ደ ፍራንስ

ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ንምንካይ፡ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ምስ ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራን ሚኒስትሪ ትምህርትን ብምትሕብባር፡ 170 ተሳተፍቲ መደብ ክረምታዊ ወፍሪ ተመሃሮ፡ መባእታዊ ስልጠና ድሕነት ትራፊክ ቀሲሞም።

እቲ ስልጠና ምዕቃብ ድሕነት ዜጋታት ኣብ ጐደና፡ ሓደጋ ቅድሚ ምስዓቡ ክግበር ዘለዎ ቅድመ ጥንቃቐ፡ ምልክታታት ትራፊክን ኣገዳስነቱን፣ ንስንኩላን፡ ኣረጋውያንን ቈልዑን ኣብ ምስጋር ጽርግያ ምሕጋዝ፣ መራሕቲ ተሽከርከርቲ ኣብ መሰጋገሪ መንገዲ ክገብርዎ ዝግባእ ጥንቃቐ፡ ኣጋር ንመሰጋገሪ መንገዲ ከመይ ከምዝጥቀሙሉ ሓበሬታ ምሃብን ካልእ ኣብ ጽርግያ ክግበር ዝግብኦ ድሕነትን ዘጠቓለለ’ዩ።

እቶም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ

ንድሕነት ትራፊክ ዝምልከት ስልጠና ዝቐሰሙ 170 ተመሃሮ ናብ ስራሕ ተዋፊሮም

ንመጀመርታ ግዜ ማልያ ኣንበሳ ዓቀብ ዝለበሰ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ኣብ ታሪኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ንዕኡ፡ ንጋንታኡ፡ ሃገሩን ኣህጉሩን ፍሉይ ምዕራፍ ከፊቱ ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኤምቲኤን ኩቤካ - ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ትማሊ ኣብ ዝተሰላሰለ መበል 16 መድረኽ፡ ሻውዓይ ደረጃ ብምሓዙ ደጊሙ ስሙን ስም ጋንታኡን ሃገሩን ኣድሚቑ፡ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ማልያ ኣንበሳ

ዓቀብ ድሕሪ ምልባሱ ኣብ ዝቐጸለ ውድድራት ንደቂ ጋንታኡ ኣብ ምሕጋዝ ተጸሚዱ ዝቐነየ ዳኒኤል፡ ኣብዚ ናይ ትማሊ ውድድር ንልዕሊ 150 ኪሎሜተር ሃዲማ ምስ ዝወዓለት ጉጅለ ክሕንበብ ድሕሪ ምውዓሉ’ዩ፡ ኣብ መወዳእታ ምስ ቀዳሞት 10 ብሉጻት ተቐዳደምቲ ኮይኑ ነዚ ናይ 201 ኪሎሜተር ርሕቀት ውድድር ዛዚምዎ። ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ድማ

ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ውድድር ብምጽባይ ባንዴራ ኤርትራ ብምንብልባል ንዓወቱ ጸንቢሎምዎ።ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ

ፍራንስ ናይ ምስታፍ ዕድል ዝረኸበት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ፡ ኣብዚ መበል 16 መድረኽ ምስታ 23 ተቐዳደምቲ ዝነበርዋ፡ ሃዲማ ዝወዓለት ጉጅለ ንዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ከምኡ’ውን ንምኩራት ተቐዳደምታ ነርወጅያዊ ቦሰን ሃገንን በልጅማዊ ሰርጂዮ ፓውለስን ኣኽቲታ’ኳ እንተነበረት፡ እቶም ክልተ ኤውሮጳውያን ክሳብ መወዳእታ ክምክቱ ኣይከኣሉን። ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ድሕሪ’ቲ

ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ሻውዓይ ኣትዩ

ናይ ነጥቢ ቀጠልያ ማልያ ለቢሱ ዝርከብ ፒተር ሳጋን ተገዲሙ ብምውዓል ደጊሙ ንዓወቱ ከድምቖ ከሎ፡ ኤርትራ ኣብ ናይ “ግራንድ” ውድድራት ንዝነበራ ነጥቢ ድማ ኣበሪኹዎ ኣሎ። ተቐዳደምቲ ኤምቲኤን ኩቤካ

ኤርትራውያን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ ፈለማ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ብምዃን ኣብቲ ናይ ዓለምና ዝሃበበ ኣህጉራዊ ውድድር ይካፈሉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ነበርቲ እንዳ-ተዃሉ - ንኡስ ዞባ ዓዲ ቐይሕ፡ ብኣስታት 300 ሽሕ ናቕፋ ናብ ዓዶም ዘእቱ 10 ኪሎ-ሜተር ሓድሽ ናይ ሓመድ ጽርግያ ይሰርሑ ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሩ።

እቲ ዕማም፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝርከቡ ተወለድቲ ዓዲ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ብምውህሃድ የሰላስልዎ ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ኻንታ ኣቶ ክፍሎም ገብረዝግኣብሄር፡ ብሓገዝ ማሽነሪ ይካየድ ከምዘሎን ድሮ ዝበዝሕ ካብቲ ስራሕ ኣብ

ዓዲ ቐይሕ፡ ነበርቲ እንዳ ተዃሉ ናብ ዓዶም ዘእቱ

ጽርግያ ይሰርሑ

ምዝዛም ከምዝርከብ ኣብሪሁ።

ነበርቲ እንዳ-ተዃሉ ናብ ዓዶም ዘእቱ ጽርግያ ስለዘይነበረ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ጸገማት ከምዝጸንሖም ብምምልካት፡ ምስ ምዝዛም ህንጸት’ቲ ናይ ሓመድ ጽርግያ ጸገማቶም ክቃለል ትጽቢት ከምዝግበር ኣረዲኡ።

እንዳ-ተዃሉ ሓንቲ ካብ ዓድታት ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ ኻንታ ኮይና፡ ካብ እንድሕሽ ኣስታት 10 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቓ ትርከብ።

ተመሃሮ ግቡኦም ኣብ ዘሰላስሉሉ እዋን፡ መራሕቲ ተሽከርከርትን ኣጋርን ዝድለ ምትሕብባር ክገብሩሎም ዘዘኻኸረ ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ሌተናል ኮሎኔል ታደሰ ብርሃነ፡ እቶም ብሕጊ ትራፊክ ተቐዪዶም ዘይከዱ መራሕቲ ተሽከርከርቲ፡ በቶም ተመሃሮ

ብዝቐርብ ጸብጻባት መሰረት መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ብወገኑ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባት’ቲ ማሕበር ምርግጋጽ ድሕነት

ትራፊክ ምዃኑ፡ ነዚ ንምስማር ድማ ካብ ነዊሕ ዓመታት ምስ መሻርኽቲ ብምውህሃድ ኪሰርሓሉ ከም ዝጸንሐ ብምሕባር፡ በብእዋኑ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋታት ትራፊክ ኣብ ምንካይ ተራ’ቶም ናብ ስራሕ ዝዋፈሩ መንእሰያት ልዑል ምዃኑ ገሊጹ።

Page 2: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

ሓዳስ ኤርትራ 21 ሓምለ 2015 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ጥዑምዝጊ ተስፋይሪፖርታዥ

“ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር” ካብ ድሮ’ቲ ጾም ምእመናን ምስልምና ዝወጽኣሉ ዕለት ህዝቢ ኤርትራ ዝለዋወጦ ሓረግ እዩ። ነበርቲ ከተማ ተሰነይን ገያሾን፡ ኣብ ድርኩዂት ዒድ ኣልፈጥር ሰናይ ሸበድበድ ኣብ ዝረኣዮ ህሞት ተጸሚዶም ነበሩ። ኣብ’ቲ ሙቐት ዝዓብለሎ መዓልታት ጾመ-ረመዳን፡ ጸወምቲ መዓልታት ጾም ኣብ ምብቀዐን፡ ሃዋ ሃዋ

ዒድ ኣልፈጥር እናተጋህደ መጽአ። ነቲ ዓቢ በዓል ዝግበር ምድላው፡ ኣብ ዕዳጋታት ብዝረአ ጻዕቂ ሸመታ ዝተፈላለዩ ሃለኽቲን ሃይማኖታዊ ንጥፈታት መሳጊድን ኣመንቲን ተንጸባሪቑ። ከተማ ተሰነይ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዒድ

ኣልፈጥር ብደረጃ ሃገር ንከተኽብር ዝተሓጽየት እያ። እዛ ቈላዊት ከተማ፡ ወላ’ኳ ቅድሚ ሒደት መዓልታት በረኸት ረቢ ዝዀነ ዝናብ ወዲቑዋ እንተ ነበረ፡ ዕለተ ዒድ ኣልፈጥር ሙቐት ኣብ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር እያ ተበሲራ። ዒድ ኣልፈጥር ብደረጃ ሃገር ከብዕል ዝተዳለወ ህዝቢ ከተማ ተሰነይ ከኣ፡ ንንኡስ ዞባኡን ሃገሩን ዝውክል ምድላዋት ገይሩ ተጸብዩዋ። ብምኽንያት ጾመ-ሮሞዳን ካብ ጽዑቕ

ምንቅስቓስ ዛሕቲሉ ዝወረሐ ትካላትን ጎደናታትን እታ ከተማ፡ ምስ ምዝዛም ጾም ፍኒሕኒሕ ክብል ጀሚሩ። ተኻፈልቲ ናይ’ቲ በዓል ንክዀኑ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝነቐሉ ዜጋታት፡ ብድሮኡ ኣብ መዓርፎ ኣጋይሽን ጎደናታትን ተውዛሕዛሕ እናበሉ ንጻዕቂ ምንቅስቓስ ጻዕቂ ወሲኾምሉ።

ኣበዓዕላ ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ተሰነይ

ሓሙስ፡ ንምዝዛም ጾመ-ሮሞዳንን ምብሳር ዒድ ኣልፈጥርን ድልድል ኰይና እንክትሓልፍ፡ ዕለተ ዓርቢ፡ ካብ ወጋሕታ ሃዋሃዋ ዒድ ጸይራ ተቐልቂላ። ሰዓት 3.00 ህዝቢ ንኡስ ዞባ ተሰነይን ኣጋይሽ ዒድ ኣልፈጥርን፡ ናብ’ቲ ዒድ ንምኽባር ዝተዳለወ ኣዳራሽ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ወሓዘ። ከም ናይ ነዊሕ ዓመታት ልምዲ ኣከባብራ ሃይማኖታዊ በዓላትና፡ ነብሲ

ወከፍ ሰብ ብጽሩይ ኣካላትን ክዳንን ወቂቡ፡ ብፍሱህ መንፈስ “ዒድ መብሩክ!” እናተበሃሃለ ሰናይ ምንዮት ተለዋዊጡ። ኣብ’ቲ ልክዕ ሰዓት 3.00 ድ.ቀ.

ዝፈለመን ብሬድዮን ቴለቭዥንን ብቐጥታ ዝተመሓላለፈን ወግዓዊ ጽምብል ዒድ ኣልፈጥር፡ ኣመሓደርቲ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓዲን ብኣማኢት ዝቑጸር ነባሪ ተሰነይን ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም። ለምለም ሰቲ ኣብ ዝተነጽፎ ምድሪ ቤት፡ ብፍሉጥ ፍርያት ዞባ ጋሽ ባርካ ዝዀነ ባናና፡ ባንዴራ ኤርትራ፡ ሰናይ ምንዮት ዒድ ዘንጸባርቕ ጽሑፋት. . . ዝተሰለመ ኣዳራሽ፡ ብሽሻይ ቁርሲ ቡን ተሰንዩ ኣብ ወግዓዊ መኽፈቲ በጺሑ። ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ

ተስፋኣለም ባህታ፡ ነቲ ወግዒ ብመደረ ዝኸፈቶ ክኸውን ከሎ፡ ንኹላቶም ተሳተፍቲ ዕድመ ኣኽቢሮም ተኻፈልቲ ናይ’ቲ ዓቢ ብዓል ብምዃኖም ምስጋንኡ ድሕሪ ምብጻሕ፡ ሎምዘበን - ጥላለት ዝመልኦ ክረምቲን ምእኩት ኣኸዛ ዝሕፈሶ ወቕቲን ክኸውን ዘለዎ ምንዮት ገሊጹ።

ሃይማኖታዊ በዓላትና ብሓባር ምጽንባሉ ብዘይካ’ቲ ዘመሓላልፎ መንፈሳዊ መልእኽቲ፡ ንድርዒ ሓድነት፡ ፍቕሪ፡ ምክብባር፡ ሓልዮት. . .ዝኹስኩስ ፍሉይ ጸጋ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ተስፋኣለም፡ ስኒትን ውህደትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ካብ ድሙቕ መልክዓቱ ምዃኑን ናይ’ዚ ድሙቕ መልክዕ መርኣያ ዝዀነ ሃይማኖታዊ በዓላት ምኽባር ከም ባህሊ ምቕጻሉ ከኣ ከሐብነና ከም ዝግባእን ኣገንዚቡ። ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ

ተስፋኣለም - ንንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መብርሂ ከኣ፡

“ንኡስ ዞባና - ሕርሻ፡ መጓሰን ምዉቕ ምንቅስቓስ ንግዲን ዝካየደላ ንኡስ ዞባ ብምዃናን ጻዕራም ህዝቢ ስለ ዘለዋን፡ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ከይተሓለልና ንጽዕት ምህላውና ከረጋግጸልኩም እፈቱ” ብምባል፡ ቀስቲ ሕርሻዊ ልምዓትን ገስጋስ ዕብየትን ከም ዝዀነ ንዝገለጾ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ብመንግስቲ ሰፊሕ ወፍሪ ይካየደሉ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ በበይኑ ዓይነታት ንጥፈታት ክካየደሉ ከም ዝጸንሐ ኣብሪሁ። ኣቶ ተስፋኣለም ባህታ፡ መንግስቲ

ንርሑቕ ዝጠመተ ስትራተጅያዊ መደባት ልምዓት ብምሕንጻጽ፡ ገዚፍ ማል ኣፍሲሱ ኣብ ልምዓት መጻኢ ኣስተዋጽኦ ክገብር ዝኽእል ምንጪ ጸዓት ኣጣጢሑ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጽ ከኣ፡ ሳላ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ኣብ ማሕበራዊን ቁጠባዊን መዳያት ናህሪ ዝውስኽ፡ ውሕስነት መግቢ ዘረጋግጽን ናብ ዘመናዊ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ዘሰጋግርን ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዝረኸቡ ኣረጋጊጹ። ንሚኒስትሪ ዜና፡ ጽምብል ዒድ ኣል ፈጥር

ኣብ ከተማ ተሰነይ ከብዕል ብምውሳኑ ከምኡ’ውን ነቲ በዓል ንምምዕራግ እጃሞም ንዘበርከቱ ኣካላትን ትካላትን ብምምስጋን ድማ ዘረብኡ ደምዲሙ። ጽምብል ዒድ ኣልፈጥር፡ ብባህላዊ

ደርፍታትን ትልሂታትን፡ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ቀጺሉ። ጉጅለ ባህሊ ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ብኽልተ ህጻናት እትጽወት ደርፊ ሳሆ ምስ ትልሂቱ ቅድሚ ምቕራቦም፡ በታ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ንምምዕራግ ካብ ኣስመራ ዝወረደትን ብመንእሰያት ስነ-ጥበበኛታት ዝሞቐትን ጉጅለ ባህሊ ሪም፡ ዝቐረበት ህብብቲ መዝሙር “ውድብና” እዩ

መድረኽ ሙዚቃዊ ምርኢት ተኸፊቱ። ሃማመተኤ እቲ ንኡስ ዞባ፡ ብባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ፡ ኣከዳድናን ትልሂትን ደርፊ ኩናማ ድሕሪ ምቕራባ እውን፡ ድጋም ደርፊ ሱዳናዊ መሓመድ ወርዲ ብቋንቋ ዓረብ ምስ ኣቕረቡ፡ ጉጅለ ባህሊ ሪም መድረኽ ተረኪባ። ኣብ’ቲ ብኣላዪ መድረኽ ተስፋይ

ገብረኣብ (ግርማይካ) ዝተመርሐ ናይ ሙዚቃ ምሸት፡ መንእሰያት ስነ-ጥበበኛታት ጉጅለ ባህሊ ሪም፡ ብቋንቋታት ብሄራትና ዝተፈላለዩ ደርፍታት ብምዝያም ኣብ ዒድ ኣልፈጥር ንዝተኣከበ ህዝቢ ፉሕፉሕ ኣቢሎሞ። ፈለማ - ወኒ ትልሂት ተሳተፍቲ ዝቐስቀሰ ድምጻዊ ማእከለ ፍስሃየ ክኸውን ከሎ “ሰብዶ ኣለዋየ” እትብል ደርፊ እዩ ኣቕሪቡ። ብሳራ ተኽለሰንበት ብብሌን ዝቐረበት “ባሪለ” እትብል ዜማ ድማ ንወኒ ተልሃይቲ ኣዕሪጋቶ። ኣብ’ቲ ካብ ፈለማ ክሳብ መወዳእታ ንኣኽበርቲ ጸጥታ ኣብ ስራሕ ዝጸመደ ብዝሒን ወኒን ተለሃይቲ ዝተራእየሉ ምሸት፡ ናሆም የውሃንስ “ሰብ እንታይ ዘይበለ” ሙኒር ዓሊ ብቋንቋ ትግረ

“ኣርኡኒታ”፡ ሌላ ክፍሎም “ሓፋር ወዲ”፡ ፊልሞን ገብረትንሳኤ “ቀይሕ ነብሪ”፡ ኣስመረት ሉጂ ብቋንቋ ኩናማ “ኣባየ ባና”፡ ኣሌክሳንደር ካሕሳይ “ኣይተስግሊ” ዝብላ ተኸታተልቲ ደርፍታት ድሕሪ ምቕራቦም፡ ኣብ ዝሰዓበ ምርኢት ገድላዊን ባህላዊን ደርፍታት ቀዳሞት ብምድጋም ወኒ ዕዱም ብምብርባር ነቲ በዓል ኣድሚቖምን። ትሃን ሳዕሳዒት ንኽውጽኡ ክዳውንቶም ብረሃጽ ዝጀብጀቡ ዕዱማት፡ ይኣኽለና ከይበሉ እዮም ሰዓት 7.00 ምሸት ካብ ኣዳራሽ ተፋንዮም። ኣብ ሰዓታት ምሸት፡ ከተማ ተሰነይ ጻዕዳ

ብዝለበሱ ምእመናን ተሰሊማ፡ ብምንቅስቓስ ኣጋይሽ ዓሚራ፡ ናይ ደስደስን ፍቕሪን ከተማ መሲላ እያ ኣምስያ። “እንቋዕ ናብ ዒድ ኣልፈጥር ኣብጽሓና! ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር!. . .” ዝብሉ ሰናይ ምንዮት ከኣ መውጽኢ ኣፍ ነበርታን ኣጋይሻን ኰይኖም ኣምስዮም። ርሑስ ቅንያት ዒድ ኣልፈጥር ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን!

ኣቶ ተስፋኣለም ባህታ

Page 3: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

ሓዳስ ኤርትራ 21 ሓምለ 2015 - ገጽ 3

ብኣንዋር ተኽለ

ኣርባዕተ ትንፋስ፡ ኣብ ሓደ ህሞት

ኣብ በበይኑ ኩርንዓት ሃገርና፡ ምስ ዲጋታት፡ ራህያታት፡ ዒላታትን ባስካታትን ዝተኣሳሰር ሓደጋታት ምጥሓል ኣብ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ክሳራን ማህሰይትን ከስዕብ ጸኒሑን ኣሎን። ብመሰረት ጸብጻባት ፖሊስ ኤርትራ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመትን መንፈቕን ማለት ካብ 2010 ክሳብ መፋርቕ 2015 ከም ኣብነት እንተርኢና፡ 222 ሓደጋታት ምጥሓል ኣብ ዲጋ፡ ሓጽቢ፡ ዒላን ባስካን ኣብ መደበራት ፖሊስ ተመዝጊቡ። ከም ሳዕቤን ናይቲ ዘጋጠመ ሓደጋታት ህጻናትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም 235 ሰባት ሞይቶም።ፖሊስ ኤርትራ፡ ካብ 2011 ጀሚሩ ነዚ

ምስ ምጥሓል ኣብ ዲጋታት፡ ሓጽብታት፡ ዒላታትን ባስካታትን ዝተኣሳሰር ሓደጋታት ንምግታእ ኣብ ጨንፈር ምክልኻል ገበን ኣብ ድሕነት ዝነጥፉ ክኢላታት ሓንበስቲ ኣሰልጢኑ ይሰርሕ ኣሎ።ኣብ ናይ ሎሚ ዓምዲ ድሕነት‘ምበኣር

ምስ ክልተ መንእሰያት ክኢላታት ሓንበስቲ ብዛዕባ ንጥፈታቶም፡ ኣብ ድሕነት ዘሎ ሸለልትነት፡ ሓደጋታት ምጥሓል ንኸየጋጥም ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐ ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርብ ኢና፦

- ብመጀመርታ ኣስማትኩምን ዕማምኩምን

• መንግስትኣብ ክፍሎምን ኢብራሂም መሓመድ ኢብራሂምን ንበሃል። ኣባላት ፖሊስ ኤርትራ ጨንፈር ምክልኻል ገበን፡ ኣሃዱ ድጋፍ ኢና። ቀንዲ ዕማምና ገበንን ሓደጋን ምክልኻል ኮይኑ ብዝያዳ ምስ ድሕነት ኣብ ዝተኣሳሰር ፍጻሜታት ንነጥፍ። ማለት ሓደጋ ምጥሓል ወይ ገበን ኣብ ዘጋጥመሉ ዝኸፍአ ክሳራ ህይወትን ንብረትን ንኸየጋጥም ምኽልኻል፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብሓደጋ ወይ ብገበን ንዝጠሓለ ሰብ ወይ ንብረት ኣውጺእካ ንዝምልከቶ ምርካብ’ዩ።

- ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ከተማ ኣስመራ ምምሕዳር ከባቢ

ዕዳጋሓሙስ ኣቦን ወድን ዝርከብዎም 4 ሰባት ዒላ ክጸርጉ ምስ ኣተዉ ናይ ሞት ሓደጋ በጺሕዎም ንምውጽኦም’ውን ከቢድ ጻዕሪ ሓቲቱ። ንስኻ

መንግስትኣብ ኣብ ውሽጢ’ቲ ጸቢብን ዓሚቚን ዒላ ኣቲኻ 4 ሬሳታት ኣውጺእካ። ነቲ ዝነበረ ፍጻሜን ጠንቒ ሞትን ብኸመይ ትገልጾ?

• ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2015 ኣብ ምምሕዳር (ን/ዞባ) ዕዳጋ-ሓሙስ ኣብ ውሽጢ ካንሸሎ ክሳብ 20 ሜትሮ ዕሞቆት ዘለዎ ኣዝዩ ጸቢብ ዒላ፡ 4 ሰባት ንኽጸርግዎ ምስ ኣተዉ ሓደ ድሕሪ’ቲ ሓደ ብምዃን ኣርባዕቲኦም ሞይቶም። ጠንቂ ናይቲ ሞት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ ብመጀመርያ ከምዚ ዕምቆት ዘለዎ ዒላ ክጽረግ ወይ ክኩዓት ኣብ ዝሕሰበሉ እዋን፡ እቲ ዋና ነገር ንዝምልከቶ ኣካል ዘይምሕባርን ሰብ ሞያ ዘይምውካስን፡ እቶም ኣብኡ ዝኣተዉ ሰራሕተኛታት ድማ ጠባይን ዕምቆትን ናይቲ ዒላ ከየጽንዑ ብምእታዎምን’ዩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ ዝኾነ መከላኸሊ ይኹን ኦክስጅን ከይሓዙ ብምእታዎም፡ ተዓፊኖም ክሞቱ ተራእዮም።

- ንስኹም ብመሰረት ስራሕኩም ኣብ ዲጋታትን ዒላታትን ንዝጠሓሉ ሰባት

ረድኤት ንኽትህቡ ኣብ ኩሉ ዞባታት ወትሩ ምስ ተንቀሳቐስኩም ኢኹም። ኣብኡ ዘጋጥመኩም ጸገማት፡ ወይ ኣዝዩ ሕማቕ ነይሩ እትብልዎ ክትግልጹልና፡-

• ዝተፈላለየ ዲጋታት ነናቱ ቅርጽን ጠባይን ማለት ገለ ኣዝዩ ዓሚቚ፡ ሰልምን ጭቃን

ዘለዎ ኣብ ገለውን በዓትታትን ተረፍ-መረፍ ሓጻውን ዝርከቦ

ስለ ዝኾነ ሓደ ሓደ ግዜ ንዓና’ውን የጸግመና’ዩ። ካብተን ዝኸፍአ ዘጋጠመና ግን እዚ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዒላ ብምእታው 4 ሰባት ዝሞቱሉ ኮይኑ፡ ከምኡ ኣብ መንገዲ ዓዲ ንፋስ ትርከብ ዲጋ ናይ ሓንቲ ኣርባዕተ ደቃ ገዲፋ ኣብቲ ዲጋ ዝኣተወት ኣደ፡ ኣብ ዲጋ ሰመሞ፡ ሓደ መንእሰይ ንምውጻእ

ዝወሰዶ ሰዓታትን ጻዕርን ክዝከር ይከኣል።

- ዝጠሓሉ ንምውጻእ ኣብ ትወፍሩሉ ግዜ፡ ካብ ህዝቢ እንታይ ሓበሬታ ኢኹም ትጽበዩ?

• ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ እቲ ዝረኣየ ወይ ዝሰምዐ ተቐላጢፉ ንዝቐረበ መደበር ፖሊስ ወይ ምምሕዳር ክሕብር ኣለዎ። ከምኡ’ውን ምስ ዝጠሓለ ሰብ ዝነበሩ፡ ግዳይ በየናይ ቦታ ከም ዝኣተወ ንጹር ሓበሬታ ንክኢላታት ምስ ዝህቡ ነቲ ናይ ምውጻእ መስርሕ የቀላጥፎ። ህዝብና ተደናጋጺ ስለ ዝኾነ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ካብ ሓልዮት ዝብገስ ዝኽእልን ዘይክእልን ከድሕን ብምሕሳብ ኣብ ዲጋ ወይ ዒላ ይኣቱ’ሞ ካልእ ተወሳኺ ሓደጋ ሞት የጋጥም።

- ዝበዝሕ ካብቲ ሓደጋታት ምጥሓል፡ ክንሕንብስ ንኽእል ኢና ኢሎም ዝኣትዉ፡ ኣብ ከባቢ ዲጋታትን ዒላታትን ብዝጻወቱ ንኣሽቱ ዝስዕብ’ዩ። ህዝቢ ብዛዕባ ድሕነት ክግደስን ሓደጋታት ክከላኸልን እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ

ትብሉ?

• ኩሉ ኣብ ከባቢና ዝርከባ ዲጋታት፡ ዒላታትን ራህያታትን ብምምሕዳር ክምዝገብ፡ ብዝከኣል መጠን ምስ ጠባይ ናይቲ ከባቢ ብዝተኣሳሰር ንዕምቆትን ካልእን ዝምልከት ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ሓበሬታ ክህሉ፡ ሓጹርን ሓላውን ክግበረሉ፡ ንዒላታትን ባስካታትን ግቡእ መዕጸዊ ክዳለወሉ፡ ምዂዓት ወይ ምጽራግ ኣብ ዝድለየሉ እዋን ኣቐዲምካ ንዝምልከቶ ምውካስ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ወለዲ ንደቕና ኣብ ከባቢ ዲጋታትን ዒላታትን ምጽዋትን ኣብ ዘይትኽእሎን ዘይትፈልጦን ቀላይ ከይሕንብሱ ምምሃርን ቀጻሊ ምጥንቃቕን። ስለዚ፡ ኣብ ዲጋታት ዝሕንብሱ ብዛዕባ

እቲ ዝሕንብሱሉ ዲጋ ክብደቱን ዕምቆቱን ስለዘይፈልጡ፡ ኣብ ዲጋታት ምሕንባስ ባዕሉ ከቢድ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዲጋታት’ውን ሰልምን በዓትታትን ስለ ዝጸንሕ ከምኡ’ውን ኣብ ዓሚቚ ዒላታት ኣትዮም ዝኹዕቱን ዝጸርጉን ሕጽረት ትንፋስን ምፍራስን ስለ ዘጋጥም ንሓደጋ፡ ሕማምን ሞትን ዘቃልዕ’ዩ። ስለ ዝኾነ ሓደጋ ምጥሓል ንምክልኻል ደቅና ብዛዕባ ሳዕቤን ምሕንባስ ኣብ ዲጋታት ክንሕብርን ምኽዓት ዓሞቚቲ ዒላታትን ኣብ ዝድለየሉ ንክኢላታት ክንውከስ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣብ ድሕነት ዘለና ተገዳስነት ብምዕባይ ሓደጋታት ክንከላኸል የኽእለና።

ኣብ ሃገርና ምስ ካልኦት ሃገራት ኣረኣኢኻ ዝጋነን ገበን ከትሪ የብልናን። ስለዝኾነ’ዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ እዋን - ለይቲ ይኹን ቀትሪ - ኣብ ከተማ ይኹን ዓዲ፡ ካብን ናብን ብዘይ ስክፍታ ክንቀሳቐስ ዝረአ። እዚ ይኹን’ምበር ሓሓሊፎም ጥርዓናት ከትሪ ኣብ መደበራት ፖሊስ ይቐርቡ’ዮም። ከትሪ ብብረትን ብዘይብረትን

ኣፈራሪሕካ ሓይሊ ተጠቒምካ ዝፍጸም ኮይኑ፡ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ከኣ ብዝያዳ የጋጥም። ኣብዚ ገበን ዝሳተፉ ሰባት መብዛሕትኦም ብጉጅለ ዝንቀሳቐሱ መንእሰያት’ዮም። ከታሮ፡ ኣብ ሰዓታት ምሸትን ለይትን ብመስተ ንዝተሰነፈ፡ ንብሕቱ ክንቀሳቐስ ንዝረኸብዎ፡ ገንዘብን ንብረትን ኣለዎ ኢሎም ንዝጠርጠርዎ ከምኡ’ውን ዘብለጭልጭ ክዳን ይኹን ንብረት ብግዳም ንዝረኣይሉ ሰብ ወዘተ

ገበናት ከትሪ ብኸመይ ንከላኸሎም?ከቲሮም ንብረት ይኹን ገንዘብ ክወስድሉ ይኽእሉ። ከተርቲ መብዛሕትኡ ኣብ ንዐኦም

ዝምችእ ቦታን ሰዓትን’ዮም ዝኸትሩ። ነቲ ክኸትርዎ ዝደለዩ ሰብ ብግቡእ ኩነታቱ ምስ ኣጽንዑ ከኣ ነቲ ገበን ይፍጽሙ። ከም ኣእማን፡ ካራን ብረትን ከኣ ከም መፈራርሒ ንኽጥቀምሉ ክሕዙ ይኽእሉ።ግዳይ ከተርቲ ካብ ምዃን ንምድሓን

ኣብ ግዜ ምሸትን ለይትን ብፍላይ ብመስተ ተኻኢልና ከለና ንብሕትና ካብ ምንቅስቓስ ክንቁጠብ ይግባእ። ብዘይካ’ዚ፡ ገዛውትና ካብ ማእከል ከተማ ምሕድግ ዝበለ እንተኾይኑ፡ እሞ ኸኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከም መርዓ፡ ጥምቀት፡ ሓዘን ወይ’ውን ብኻልእ ናይ ስራሕ ምኽንያት ኣማሲና ናብ ገዛና ንኣቱ እንተኾይና፡ መጓዓዝያ ተጠቒምና

ብኤርምያስ ኣስፍሃ

ክንንቀሳቐስ ዝሓሸ’ዩ። መጓዓዝያ ኣብ ዘይንረኽበሉ ሰዓታት እንተኾይኑ ከኣ ብውሑስ ኣገባብ ገዛና ከብጽሓና ዝኽእል ሰብ ክነናዲ ዝሓሸ’ዩ።ከተርቲ፡ ንደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣብ

ዝምችኦም ሰዓታት ግዳይ ክገብሩ ጸኒሖም’ዮም። ንመራሕቲ መካይን ዘደናግሩ ከተርቲ’ውን የጋጥሙ’ዮም። እቲ ዝጥቀሙሉ ሜላ ከኣ ከም ዝሓመሙን ዝተጸገሙን ተመሲሎም ኣብ መንገዲ ንመራሕቲ መካይን ሓገዝ ይሓቱ። መራሕቲ መካይን’ውን ነቶም ሰባት ንምርዳእ ብግርህነት ካብ መኪና ምስ ወረዱ ግዳይ ከተርቲ ዝኾኑ ኣለዉ። መኪና ካብ ዝተፈላለየ ጎደናታት ሰሪቖም ኣብ ዝተፈላለየ ጎደናታት ብለይቲ እናተንቀሳቐሱ ብመኪና ዝኸትሩ መንእሰያት’ውን ከምዘጋጥሙ ምፍላጥ ጠቓሚ’ዩ።

ስለዚ፡ ብመስተ ይኹን ብድኻም ነብስኻ ክትከላኸለሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታት፡ ኣብ ግዜ ለይቲ፡ ብእግርኻን ንብሕትኻን ካብ ምኻድ ምቑጣብ። ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ምሸትን ለይትን መኪና ንኽትማልኦም ኣብ ጎደናታት ዝሓቱ ሰባት ቅድሚ መኪና ደው ምባልካ እንታይነቶም ብግቡእ ምጽናዕን ምጥርጣርን። ደቂ ኣንስትዮ’ውን ጥንቃቐ ከዘውትራን ኣውራ ኣብ ግዜ ለይቲ ንከትሪ ዝዕድም ዘብለጭልጭ ንብረት (ከም ወርቂ) ዝኣመሰለ ኣብ ግዜ ለይቲ ሒዘን ካብ ምንቅስቓስ ክቑጠባን ዝሓሸ’ዩ። ኣብ ግዜ ለይቲ ኣብ ከባቢ ኣብያተ መስተን ካልእ ጎደናታትን ኩነታቶም ባህ ዘይበለናን ብዓይኒ ጥርጣረ ዝረኣናዮም፡ ብሞባይል ናጻ ክፍሊት 113 ናብ ፖሊስ ደዊልና ሓበሬታ ክንህብ ንኽእል ኢና።

Page 4: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

ሓዳስ ኤርትራ 21 ሓምለ 2015 - ገጽ 4

ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ እምባደርሆ ካብ ኣስመራ 11 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እምባደርሆ ከይበጻሕካ ንኢድ ጸጋም ኣብ ዘሎ ስፍራ ተደኲና’ያ ትርከብ። እዛ ቤት ትምህርቲ ካብ ትጅምር ኣርባዕተ ዓመታ ገይራ ኣላ። ፈለማ ንማእከላይ ደረጃ ተባሂላ ዝተሰርሐት’ኳ እንተነበረት ጸኒሓ ግና ንኻልኣይ ደረጃ ከምእተጣምር’ዩ ተገይሩ። ሰፊሕ ቀጽሪ እትውንን፡ 24 መምሃሪ ክፍልታት ዘለዎ ቤት ትምህርቲ ድማ’ያ።ኣብ’ዛ ትምህርቲ ተራ ኮም ኣዝዩ ዓቢ’ዩ።

መብዛሕቲኡ ንጥፈታት ድማ ምስ መንግስቲ እናተሓባበርካ ብኮም’ዩ ዝኸይድ። እቲ ቤት ትምህርቲ እዉን ብዓቢኡ ብመንግስቲን ተሳታፍነት ኮምን’ዩ ተሃኒጹ። ቀጽሪ ናይቲ ቤት ትምህርቲ፡ ቤት ንባብን ክፍሊ ኣይ.ቲ.ሲን እውን ብኮም’ዩ ተሰሪሑ። እዚ ከኣ ናብዚ ቤት ትምህርቲ ደቀን ዝልእኻ 9 ዓድታት ንኡስ ዞባ ሰረጃቓ ኰይነን፡ እምባደርሆ፡ በለዛ፡ ኳዜን፡ ምድሪዜን፡ ዓመጺ፡ ገረሚ፡ ዓዲ ረጊጥ፡ ዓደንጎዳ፡ ደምበዛ ኰይነን፡ ተኣኪበን ገንዘብ ኣዋጺአን ሃጓፋት ቤት ትምህርቲ ይምልኣ። ብተወሳኺ፡ መማህራንን ኣባላት ስታፍ ናይ’ዚ ቤት ትምህርቲን ብሰንኪ ራሕቂ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ስለዝውዕሉ ምስሖም በቲ ኮም’ዩ ዝዳለወሎም። ንምዝንጋዕ’ውን እቲ ኮም ዘድሊ ምትሕብባር’ዩ ዝገብረሎም። እዚ ኮም ዝሰረቱ ውህደት ድማ፡ ኣብ ትምህርታዊ ውጽኢት ተማሃሮ’ዛ ቤት ትምህርቲ ብእወታ ዝጸሉ ኰይኑ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ተሳታፍነት ኮም ናይዚ ቤት ትምህርቲ ክምስገን ዝግብኦ’ዩ። ኣቶኩሮና ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ክንገብር

ዘገደደና ብቐንዱ ኣብ ሳዋ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ክከታተሉ ዝሓገዩ ተማሃሮኣ፡ ኣብ ናይ ካልኣይ ሰሚስተር ፈተና፡ ካብ 80 ኣብያተ ትምህርቲ መንግስቲ ቀዳሞት ብምውጽኦም፡ ብሃገር ደረጃ ድማ መበል ራብዓይ ደረጃ ምሓዞም’ዩ። ነዚ ብሉጽ ውጽኢት ናይዛ ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድሜኣ ሓዳስ ቤት ትምህርቲ ድማ ክንድህስሶን ናብ ኣንበብቲ ከነብሎን መሪጽና ኣለና። እዞም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ

ዝሓገዩ ተማሃሮ ናይ’ዛ ቤት ትምህርቲ፡ እዛ ቤት ትምህርቲ ክትጅምር ከላ 9ይ ክፍሊ ዝጀመሩ’ዮም ነይሮም። መብዛሕቶም ድማ ንፉዓት ተማሃሮ ምንባሮም ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ መም/ ሰመረ ስልጣን ይገልጽ። “ሎሚ ዓመት ኣብ ሳዋ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ካልኣይ ሰሚስተር ፈተና፡ ንቤት ትምህርቲና ካብ 80 ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክሰርዑዋ ከለዉ ልዑል ፍናንን ሓጎስን’ዩ ዝስምዓና’’ ይብል መም/ ሰመረ። እዚ ብስራት’ዚ ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ መም. ቀሊት ግርማይ ናብ ቤት ትምህርቶም ብኣካል መጺኡ ነቶም ንሳዋ ዝወርዱ ተማሃሮኦም ከምዝገለጸሎም መም/ ሰመረ ወሲኹ ሓቢሩ። ተማሃሮ ናይ’ዚ ቤት ትምህርቲ ግን

ብኸመይ’ዮም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክስርዑ ክኢሎም? ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ መም/ ሰመረ፡ “ተማሃሮና ቅድሚ ንሳዋ ምኻዶም

ብመማህራን ፍሉይ ጻዕሪ’ዩ ተኻዪዱሎም። ኣብ ሳዋ ክመሃሩዎ ዝግብኦም ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቲ’ውን ተማሂሮሞ ከምዝወረዱ ተገይሩ። ናይ 9ይ ን 10ይ ክፍሊ’ውን ድግማ (ረቪዥን) ተገይሩሎም’ዩ’’ ይብል። ኣብ ማትሪክ’ውን ብሉጽ ነጥቢ ከምዝግቡ ዘለዎ እምነት ይገልጽ። መም/ ፍጹም ሰለሙን ሓላፊ ምምሕዳር’ቲ

ቤት ትምህርቲ ብወገኑ፡ ‘’ኣነ ኣብ ብዙሕ ኣብያተ ትምህርቲ ሰሪሐ’የ። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ክልተ ዓመት ገይረ ኣለኹ። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ኣብ ባህላዊ፡ ስፖርታዊን ትምህርታዊን መዳይ ዘይተመዝመዘ ሓይሊ ኣሎ። ስለዚ፡ ብሉጻት ተማሃሮ ስለዘለዉ ነዚ ዓቕሚ’ዚ ምፍታሽ ከድሊ’ዩ። ኣብ ሳዋ ዝሓገዩ ተማሃሮና፡ ኣብ ትምህርቶም ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቦም ካብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ናይ መንግስቲ ቀዳሞት ምዃኖም መርኣያ ናይ’ዚ’ዩ። እዚ ከኣ ንቤት ትምህርቶም፡ ወለዶምን ብዓቢኡ ድማ ንመንግስቶም ሓበን ኰይኖም ኣለዉ ማለት’ዩ’’ ኢሉ። ሓላፊ ጉዳያት ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ናይ’ቲ

ቤት ትምህርቲ መም/ ሳምሶን ክብሮም ብግደኡ፡ “ተማሃሮና ኣመዝጊቦሞ ዘለዉ ደረጃ ብርቂ’ዩ። እዚ ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድሜኡ ቤት ትምህርቲ፡

ሓዲሽ ክነሱ ምስተን ነባራት ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ሃገርና ተወዳዲሩ ቅድሚት ምስርዑ ብቐሊል ዝርአ ኣይኰነን፡ ንመጻኢ ካብዚ ንላዕሊ ክሰርሕ ከምዝኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘርኢን ድርኺት ዝፈጥርን ድማ’ዩ’’ ኢሉ።ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ እምባደርሆ፡ ኣብ

ርእሲ’ቲ ካብ ፈለማ ንኻልኣይ ደረጃ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ብዘይምዃኑ ዝህልዎ ሕጽረታት፡ ኣብ ዝተደላደለ ስፍራ ዝተሃንጸ’ውን ብዘይ ምዃኑ ንምምሃር ምስትምሃር ተወሳኺ ብድሆ ዘለዉ’ዩ። ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ብምህላዉ ከኣ ማይን ኤለክትሪክ ዘይስለዘይኣተዎ ዘይምቹእነት ፈጢሩሉ ይርከብ። ነዚ ጸገማትን ሕጽረታትን ናይዚ ቤት ትምህርቲ ንምፍታሕ፡ ቤት ትምህርቲ ምስ ህዝቢን ምምሕዳርን ብምርድዳእ ተሳታፍነት ኮም ሓፍ ከምዝብልን ሃጓፋት ቤት ትምህርቲ ኣብ ምፍታሕ ልዑል እጃም ከምዝህልዎን ኣብ ምግባር ሓያል ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ዛጊት ብኮማዊ ተሳትፎ፡ ቤት ንባብን ክፍሊ ኣይ.ቲ.ሲን ተሰሪሐን ንተማሃሮ ኣገልግሎት ክህባ ጀሚረን ከምዘለዋ ርእሰ መምህር’ታ ቤት ትምህርቶም መም/ ሰመረ ስልጣን ይሕብር። እንተዀነ፡ እቲ ቤት ንባብ ዝኣክልን ዘመናዊን መጻሕፍቲ ስለዘይብሉ፡ ክፍሊ ኣይ.ቲ.ሲ’ውን ብመንጽር ቊጽሪ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ክርአ ከሎ ዝኣክል ኮምፒዩተራት ስለዘይዓጠቐ፡ ንኽዓብያ ቆላሕታ ከድልየን’ዩ። ክፍሊ ኣይ.ቲ.ሲ ናይ’ዚ ቤት ትምህርቲ 45 ኮምፒዩተራት

ዝሓዘት’ኳ እንተዀነት፡ ኩለን ኮምፒዩተራት ብኔት-ዎርክ ዝተተሓሓዛ ስለዘይኰና፡ ኣብ ግዜ ትምህርቲ ጸገማት ከምዝፈጥር መም/ ሳምሶን ክብሮም ሓላፊ ጉዳያት ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን መም/ ኮምፒዩተርን ናይቲ ቤት ትምህርቲ ይገልጽ። ነዞም ዝሓለፈ ሰሙን ንሳዋ ዝኸዱ ተማሃሮኦም ብዛዕባ ኮምፒዩተር ከይፈለጡ ንሳዋ ንኸይከዱ ብምባል ድማ፡ መም/ ሳምሶን ምስ ርእሰ-መምህር ብምትሕብባር ብዛዕባ ኮምፒዩተር ንሰለስተ ሰሙን ዝቐጸለ መባእታዊ ትምህርቲ ሂብዎም። እዘን ኮምፒዩተራት ተወላዲ እምባደርሆ

ዝዀነ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝቕመጥ ዶ/ር ፍጹም ዳኒኤል፡ ምስ ኣብ ወጻኢ ሃገር

ዝርከቡ ካልኦት ተወለዲ ዓዲ ብምውህሃድ፡ ነዘን 45 ኮምፒዩተራት ዝለኣኸን’የን። ብዘይካ’ዚ ዶ/ር ፍጹም፡ ንመህነጺ ቀጽሪ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዝኸውን 300 ሽሕ ናቕፋ’ውን ከምዘወፈየሎም

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ወለዲ፡ ኣቶ ሃይለሚካኤል ኪዳነ ይገልጽ። ብዶ/ር ፍጹም ዝተገብረ ሓገዝ ኣብ ወለዲ ተማሃሮ ፍሉይ ሞራልን ምትብባዕን ከምዝፈጠረ ዝገለጸ ኣቶ ሃይለሚካኤል፡ ካልኦት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት’ውን ንምዕባለ እዞም ተማሃሮ ተመሳሳሊ ሓገዝ ከወፍዩ ኣዘኻኺሩ። ተቖጻጻሪ ኮሚቴ ወለዲ ኣቶ ወልደገርግሽ ዮውሃንስ ብግደኡ፡ ተሳታፍነት ኮም ልዕሊ ትጽቢቶም ኰይኑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብሕጂ ዝወስድዎ ስጉምቲ’ውን ደገፍ መንግስቲ ከም ወትሩ ከምዘይፍለዮም ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ። ቤት ንባብ ናይዛ ቤት ትምህርቲ ናይ ማእከላይ

ደረጃ ዝነበረ ስለዝዀነት፡ ሓቚፋቶም ዘላ መጻሕፍቲ ዝበዝሑ ናይ ማእከላይ ደረጃ’ዮም። ናይ ኻልኣይ ደረጃ ዘመናውያን መጻሕፍቲ ክወሃቦም ከኣ ሰለማዊት ኪዳነ ላብረርያን ናይቲ ቤት ትምህርቲ ትሕብር። እቲ ቤት ንባብ ኣብ

ሓደ እዋን ኣስታታ 73 ተማሃሮ ከአንግድ ዝኽእል ምዃኑ ዝሓበረት መንእሰይ ሰለማዊት፡ ጸገም ዋሕዲ መጻሕፍቲ ክፍታሕን ዘለዎም ዋሕዲ ሸልፊታት ክማላእን ተላብያ። ማእከላይን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

እምባደርሆ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን’ያ ተስተምህር። ተማሃሮ ማእከላይን ካልኣይ ደረጃ ተፈራሪቖም በብእብረ ስለዝመሃሩ እዚ ኣብ ባህሪ ናቱ ስክፍታ ከምዘለዎ ድማ ሓላፊ ጉዳያት ተማሃሮ መም/ ሳምሶን ክብሮም ይገልጽ። “ብሰንኪ ናይ ባህሪ ለውጢ፡ ተማሃራይ 11 ክፍሊን 6ይ ክፍሊን ኣብ ሓደ እብረ፡ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ክመሃሩ ድጉፍ ኣይኰነን፡ ንመጻኢ ኣብ ሓደ እብረ ምምሃሮም ኣብ ዲሲፕሊን ጸገማት ንኸይፈጥር፡ ተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ ንበይኖም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ድማ ንበይኖም ተፈልዮም ከምዝመሃሩ ክግበር ዝሓሸ’ዩ’’ ክብል ከኣ ኣዘኻኺሩ።“ጉዳያት ተማሃሮ ናይ’ዚ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ዲሲፕሊን ይከታተል፡ ስታትስቲካል ዳታ ተማሃሮ ይሕዝ፡ ብተማሃሮ ንዝመጽዎ ዝተፈላለየ ጥርዓናት ተቐቢሉ ኣብ መዕለቢኡ የብጽሕ፡ ተማሃራይ ብዘይ ምኽንያት ንኸይስጎግ ድማ ይጣበቕ” ዝበለ መም/ ሳምሶም፡ ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ተማሃሮኦም ዝምስገን ጠባይን ዲሲፕሊንን ዘለዎም፡ ኣብ ትምህርቲ ግዜኦም ድማ ንወለዶም ኣብ ሕርሻን ካልእን ንጥፈታት ዝሕግዙ ምዃኖም ይገልጽ። ንገለ ተማሃሮ 11 ክፍሊ’ውን ኣዘራሪብና

ነይርና። ካብ በለዛ እናተመላለሱ ዝመሃሩ ተማሃሪት ፌቬን ወልደሚካኤል፡ ሚካል ዘካርያስንን ተማሃራይ ሜሮን ኪዳነን፡ ከምኡ’ውን ካብ ኳዜን ንልዕሊ ሰዓትን ፈረቓን ብእግሩ እናተመላለሰ 11 ክፍሊ ክመሃር ዝሓገየ ዳኒኤል ጊላይ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብቤት ትምህርቶም ክግበረሎም ዝጸንሐ ደገፍ ብትምህርቲ ንኽድንፍዑን ኣበርቲዖም ንኽጽዕሩን ከምዝሓገዞም ይገልጹ። ኣብ ሳዋ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶ ክከታተሉ ዝጸንሑ ደቂ ትምህርቶም ኣብ ናይ ካልኣይ

ሰሚስተር ፈተናኦም ልዑል ነጥቢ ብምምጻእ ቀዳሞት ምውጽኦም ከኣ ሓጎስን ሞራልን ከምዝፈጠረሎም ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ እቶም ተማሃሮ፡ ነቲ ቤት ትምህርቲ ሓገዛት

ንዘወፈየ ዶ/ር ፍጹም ዳኒኤል፡ ብትምህርቱ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ፡ ነዞም ብሕጂ ዝመሃሩ ዘለዉ ኣሕዋተይ ኣብቲ ኣነ ዝበጻሕኩዎ ንኽበጽሑ ብምባል፡ ኮምፒዩተር ክገዝኣልሎምን ክድግፎምን ምውሳኑ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተራ ሃማመተኤ’ውን

ሓያል’ዩ። ገለ ካብቶም ብሃማመተኤ ዝካየዱ

ንጥፈታት ድማ፡ መደብ ሕመረት፡ መደብ ዋርሳ፡ ባህሊን ዳራማን፡ ሪዲን ክለብ፡ ሓምላይ ክለብ፡ ክኢላታት እናዓደምካ ንተማሃሮ ኣገደስቲ ዝዀኑ ጉዳያት ኣስተምህሮ ካልእን ከምዘጠቓልል፡ መንእሰይ ልኡል ተወልደ ሓላፊ ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ሰረጃቓ ይገልጽ። ንጥፈታቶም ምስ ርእሰ መማህራንን ኣማሓደርቲን እናተላዘቡ ይሰርሑ ስለዘለዉ፡ ኣብ ተማሃሮ ዝንኣድ ውጽኢት የምጽእ ከምዘሎ፡ ብሕጂ’ውን ንዕብየት ተማሃሮ ብዙሕ ዝሓንጸጽዎ መደባት ከምዘለዎም መንእሰይ ልዑል የረድእ። ብጽቡቕ ዝግስግስ ዘሎ ማእከላይን ካልኣይ

ደረጃ ቤት ትምህርቲ እምባደርሆ፡ ምስ ኮምን ምምሕዳራትን ብምውህሃድ ክፍሊ ላቦራቶሪ፡ ንተማሃሮን ወለዲን መአከቢ ዝኸውን ኣደራሽ ክሃንጽ ብቐዳምነት ሰሪዑ ይርከብ። ከምኡ’ውን ንቤት ጽሕፈት ዝኸውን ክፍሊታት፡ ነቲ ብግቡእ ዘይተዳለወ ሜዳ መልክዑ ምትሓዝን ምስራሕን’ውን ቀጺሎም ተመዲቦም ዘለዉ ስራሓት ምዃኖም መም/ ፍጹም ሰለሙን ሓላፊ ምምሕዳር’ቲ ቤት ትምህርቲ ይሕብር።እዚ ቤት ትምህርቲ ፈለማ ክስራሕ እንከሎ

ተመድሚዱ ማለት ‘ለቨል’ ገይርካ’ዩ ክስራሕ ነይሩዎ። እንተዀነ ኣብ ደንደስ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ኣርባዕተ ደንደስ ድማ ስለዘይተጸርገን ዘይተመድመደን ነቲ ቤት ትምህርቲ ጸገም ፈጢሩሉ ይርከብ። ብዓቢኡ ድማ ንተማሃሮ ኣብ ምንቅስቓሳቶም ዕንቅፋት ኰይኑ ኣሎ። መቓብር እምባደርሆ ኣብ ጥቓ’ቲ ቤት ትምህርቲ ስለዝርከብ’ውን፡ ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ተወሳኺ ጸገም ፈጢሩ ካብ ዘሎ’ዩ። ዝምልከቶ ኣካል ቆላሕታ ክገብረሎም ድማ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር።

ቤት ትምህርቲ እምባደርሆ፡ ኣብ ትስፉው ጎደና

ርእሰ መም ሰመረ ስልጣን

መም ፍጹም ሰለሙን

መም ሳምሶን ክብሮም

ብኮማዊ ተሳትፎ ዝተሃንጸ ቤት ንባብን ክፍሊ ኣይ.ሲ.ቲን

ተመሃሮ 11 ክፍሊ ትምህርቲ ኮምፒዩተር እናቐሰሙ

ኣቶ ሃይለሚካኤል ኪዳነ

ኣቶ ወልደገርግሽ ዮውሃንስ

Page 5: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

ሓዳስ ኤርትራ 21 ሓምለ 2015 - ገጽ 5

መሓመድእድሪስ መሓመድ

መበል 14ን መወዳእታን ክፋል

“ሩባ ሕዳይ፡ ከም’ቲ ዝተጸበናዮ ኣይጸንሓናን። በቲ ኣብ ድሮ ዝሃረመ ብርቱዕ ማይ፡ ብውሕጅ ተገማጢሉ ስለ ዝነበረ፡ ብቕልጡፍ ክትሓልፎን ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ክትበጽሕን ኣሸጋሪ ነበረ። ካብ ናቕፋን ኣፍዓበትን ናብ’ቲ ሩባ ዝበጽሓ መካይን፡ እናተሸኽላ ምሉእ መዓልቲ ሕጊግ ክብላ ውዒለን። ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ዝመደብናዮ ግዜ ናብ በያን ዝተባህለ መዓስከር ኣረፋይነ ክንበጽሕ ዘይከኣል እዩ ነይሩ። ኣውቶቡስ ኣብ ጭቃ እናተሸኽለትን ንኸነውጽኣ ሃለኽለኽ እናበልናን መሬት ጸልሚቱ። ኣብ’ቲ ብዘገምታ ዝኸድናዮ ጉዕዞ፡ ንመዓስከር በያን-ነበር ብለይቲ ሓሊፍና፡ ናብ ናቕፋ ቀጸልና። ካብ በያን ክሳብ ናቕፋ ኣብ ዝዝርጋሕ መንገዲ መኪና ድማ ንኣረፋይነ ንድሕሪት ዝመልስ ትዝታ ነበረ። እታ ኣብ 1975 ካብ ናቕፋ

ዝተሰለፈት ጓል ናቕፋ ኣምና ዓሊ፡ ብሰንኪ ሕማም ቤንቲሺተ መጥባሕቲ ምስ ገበረት፡ እቲ ብባህሪኡ ሕያዋይ ኣረፋይነ፡ ካብ ሓልዮት ተበጊሱ ንኣምና ናብኡ ክሰድዱዋ ብምሕታት ኣብኡ ከም እትቕኒ ገይሩ። እቲ በዓል ኣረፋይነ ዝነበሩዎ ቦታ፡ ጸባን ስጋን ብቐሊል ዝርከቦ ብምንባሩ ጥዑይ መግቢ ረኺባ ምእንቲ ኽትሓዊ እዩ ኣረፋይነ ነታ ሕምምቲ ኣብ መዓስከሮም ከቐንያ ዝመደበ። እታ ጅግናን ኣብ ዝተመደበትሉ ዕማም ብኣድማዕነት ትሰርሕ ዝነበረትን ተጋዳሊት ኣምና ግን፡ ክሳብ ኣደልዲላ እትሓዊ ንኸተዕርፍ ዕድል ኣይገበረትን። ገለ መዓልታት ኣብ በያን (ሕዳይ) ምስ ጸንሐት፡

ምዝላቕ ስለ ዘርከበ፡ ኣሃዱ ኣረፋይነ ካብ ሕዳይ ናብ ናቕፋ ክተዝልቕ ግድነት ኮነ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኣፍዓበት ድሕሪ ምቁጽጻር፡ ክብክብ ሓሊፉ ከም ጋሻ ውሕጅ ናብ’ቲ በዓል ኣረፋይነ ዝነበሩዎ ቦታ ክበጽሕ ስለ ዝተቓረበ፡ ኣረፋይነ፡ ንኣምናን ተወልደን ዓወርን ኣብ መኪና ጽዒኑ ናብ ናቕፋ ኣፋነዎም። እንተ ኾነ ግን፡ ሕማቕ ዕድል ኰይኑ፡ እታ መኪና ኣብ እግሪ ዓቐበት ስጋድ ምስ በጽሐት መንገዲ

ስሒታ ተገምጠለት። እቲ ዘሕዝን ሓደጋ፡ ነታ ብሓልዮት ኣረፋይነ ናብ በያን ዝወረደት ኣምና ኣብ መስዋእቲ ኣብጺሑዋ። በዓል ተወልደ ዓወርን ካልኦት ብጾትን ድማ ገሊኦም ተሃስዮም ገሊኦም ድማ ስንክልና ኣስዓበሎም። ነቲ ፍጻመን ዘሕዝን ኣጋጣሚን ድማ ኣረፋይነ፡ በቲ ቦታ ክሓልፍ ከሎ ከሎ ወትሩ ዝዝክሮ እዩ።ኣረፋይነ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ

መገሻ ብቕድሚት ኮፍ ምባል እዩ ባህ ዝብሎ። ኣብ ቅድሚት ኮፍ ብምባል፡

በቲ ሓደ ወገን ተዘክሮታቱ የሐድስ፡ በቲ ሓደ ድማ እታ መኪና ኣብ ትሽከለሉ ግዜ፡ መንገዲ መኪና ንኽጸርግ ቅድሚ

ኩሉ ባዴላ ኣልዒሉ ምስ ካልኦት ይቀዳደም። ዝዀነ ኣውቲስታ “ኣታ እዚ ሰብኣይ ክንደይ ይህወኽ” ከይበሎ ኣይሓልፍን። ሂወት ኣረፋይነ ስራሕ እዩ። እንተ ዘይሰሪሑ ይሓምም። ኣብ ዝዀነ ዕማም ባዕሉ ክሰርሕን ንስራሕ ከወሃህድን ኣለዎ። ሎሚ ድማ ዓቕሚ እንተ ኣፍቂዱ ይሰርሕ፡ ዓቕሚ እንተ ኣብዩ እውን ካብ ጥቓ ስራሕ ኣይእለን። እታ ኩላቶም ክበጽሑዋ ዝተረበጹላ፡

መዓስከር ናይ’ታ ኣረፋይነ ዝመርሓ

ኣሃዱ ጀማሂር ዝነበረት በያን ብጸላም ስለ ዝሓለፉዋ፡ ኣብ ምምላስ ትዝታታቶም ከሐድሱላ ብምምዳብ ጉዕዞ ናብ ናቕፋ እዩ ኰይኑ። ዕለት 21/03/2015 ኣረፋይነ ኣብ’ታ ልዕሊ ኩሉ ዝተቐመጣን ወዲ 40 ዓመት ከሎ ዝዓስከረላን ናቕፋ - ምስ ደቁ፡ መጋድልቱን ህዝቢ ናቕፋን ኮይኑ ብምዕሩግ ኣገባብ ነታ 80 ዝተጻሕፋ ሽምዓ ወልዓ። ሕምባሻ ክቑረስን እቶም ሽማግለታት ኣባላት ማሕበር ጀማሂር ሳሕል ድማ ብስሙር ድምጺ “ሃፒ በርዝ ደይ” ክብሉን፡ እቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ደቆም፡ ኣብ ንኣሽቱ ጥራይ ዝዕዘቡዎ ምኽባር ዕለተ ልደት፡ ‘ንሽማግለታትከ ይምልከት ድዩ!’ ዝብል ሓሳብ ግዲ መጺኡዎም፡ ብፍሽኽታ

ንሓድሕዶም ክጠማመቱን እንክትዕዘብ ስምዒትካ ምቁጽጻር ይእግመካ። ኣረፋይነ፡ ኣብ ዕለተ ልደት ደቁ ደኣ’ምበር ኣብ ዕለተ ልደቱ “ሃፒ በርዝ ደይ” ኢሉ ኣይፈልጥን። ካብ ዝፍለጦ እውን ዕለተ ልደቱ ዘብዓለሉ ኣይነበረን። እነሆ ድማ ብጾቱን ደቁን ክንዲ ወለዲ ኮይኖም መበል 80 ዓመት ልደቱ ኣብ’ታ ንኣስታት 40 ዓመታት ዝተቐመጣን ዝተመላለሳን ቦታ ጽንዓት ናቕፋ ጸምቢሎምሉ። እቶም ንኣሽቱ ወለዶ፡ ካብ ኣቦታቶም ጀማሂር ዝወርሱዎ ነገር እንተሎ፡ ዋዛን ቁምነገርን፡ ጭርቃንን ጸወታን ልዕሊ ኩሉ ድማ ተወፋይነትን ጽንዓትን እዩ።ኣብ ምላሽና፡ ቁልቁለት ሰጋድ

ወሪድና ናብ’ቲ ቀደም በዓል ኣረፋይነ ህዝቢ ኣኪቦም ሰሚናር ዘካይዱሉ ዝነበሩ ልሙዕ ኣግራብ ጋባ ዝመልኦ ሩባ ሕዳይ ተጓዓዝና። ሃንደበት ድማ ኣረፋይነ “ሓንሳብ፡ ሓንሳብ፡ ኣውቲስታ” ክብል ተዳህየ። ኣውቶቡስ ጠጠው ብዝበለት፡ ኩላትና ወረድና’ሞ ኣረፋይነ ቀቅድመና እናሰጎመ፡ ብምብራቓዊ ወገን ናይ’ቲ ሩባ፡ ኣብ መንጎ ኣግራብ ናይ ዓላ፡ ኣብ ዝነበረ “እንዳ ጀማሂር” ተባሂሉ ዝፍለጥ ፍርስራስ መናድቕን ኣሰር ገዛውትን ዝነበሮ ቦታ በጻሕና። “እዚኣ እያ እታ መዓስከረይ ዝነበረት” ምስ በለና ኩላትና ኣብ’ቲ ታሪኻዊ ቦታ ወሪድና ተሰኣልና። ዝያዳ ኩላትና ድማ ኣረፋይነን ደቁን።ደቂ ኣረፋይነ፡ ወላዲኦም፡ ንኣስመራን

ኢጣልያዊት ሮማን ገዲፉ ኣብ ጸምጸም በረኻ ንዓመታት ምስ’ቶም መጋድልቱ ክሰፍርን ከርተት ክብልን፡ ኣብ’ቲ መረባዕን ህድሞን’ኳ ዘይትርእየሉ ዱርን ሩባን ኩርባን ዝመልኦ ከባቢታት ምስ ተመነ-ዕንቅርቢት ተማሓዝዩ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ክጽመድን ኣብ’ቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ክጸንዕን፡ ብሓቂ ቆራጽነት ናይ’ቶም ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዝተወፈዩ ተጋደልቲ ዝትርኽ ህያው ምስክር ምዃኑ፡ ካብ’ታ ኣብ ሰብዓታት ሰፈር ኣረፋይነን ብጾቱን ዝነበረት ዑና ክስቈሮም ክኢሉ። ኣሃዱ ጀማሂር ኣብ መወዳእታ፡

“ንዓመታ ብሰላም የጽንሓና” ተበሃሂሎም ናብ ዝተበገሱሉ ቦታ ነቐሉ።

ኣረፋይነ - ካብ ሕውነታዊ ፍቕሪ፡ ሃገራዊ ክብሪ

ኣረፋይነ ኣብ መበል 80 ዓመቱ (ናቕፋ)

ኣረፋይነን ብጾቱን ኣብታ ናይ 70ታት መዓስከሩ

ኣረፋይነን ደቁን ኣብ ስፍራ ኣቦኦም በያን

Page 6: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

ሓዳስ ኤርትራ 21 ሓምለ 2015 - ገጽ 6

ሻውዓይ ፈስቲቫል ግራስሩት ህጻናት

Page 7: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

ሓዳስ ኤርትራ

ሸባብ

21 ሓምለ 2015 - ገጽ 9

ባህሊ ምንባብ ኣብ መንእሰያት ከመይ ኣሎ?

“መንእሰያት ኣብ ናይ ምንባብ ባህሊ ከመይ ኣለና?” ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከለኹ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰያትና ኣብ ናይ ምንባብ ዓውዲ ኣዝዮም ዝደኸሙ ኰይኑ ይረኣየኒ። ብኣንጻሩ ካብ ምንባብ ኣብ ምስማዕ ዝሓየሉ እናዀኑ ዝመጽኡ ዘለዉ ኰይኑ ይርደኣኒ። እዚ ድማ ሰባት ዝዛረብዎ ካብቲ ዝነበብዎ ድዮም ካብቲ ዝሰምዕዎ ኣብ ዘረባኦም ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ብወገነይ ክገልጾ ከለኹ፡ ምንባብ እቲ ቀንዲ ንወዲ-ሰብ ዘማዕብልን ዝልውጥን ዓውዲ ክንሱ፡ ነዚ ዓውዲ’ዚ ዝጥቀምሉ መንእሰያት ግን ካብ ብሱል ጥረ እዮም። ምኽንያቱ ከምቲ ኣቐዲም ኣቢለ ክጠቕሶ ዝፈተንኩ፡ ኣንበብቲ መንእሰያት ብቝጽሪ ውሑዳት እዮም ዝብል መረዳእታ ስለ ዘለኒ። ንምዃኑ መንእሰያትን ምንባብን ምትእስሳሮም እንታይ’ዩ? ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ንባብ መሰረት ንቕሓትን ፍልጠትን ናይ ሰባት የበርኽ። መንእሰያት ድማ ከም ኣካል ሕብረተሰብ ተኻፈልቲ ናይዚ ጸጋ ክዀኑ ኣለዎ። ምኽንያቱ ብምንባብ ኣቢሎም ንኣተኣላልያ ዕቃበ ባህሊ፡ እምነት፡ ልምዲ፡ ታሪኽ ገድልን መስገደልን ዓለማዊ ሰውራ፡ ህዝብታትን ኣነባብራኦምን ንምፍላጥን ምልላይን ዘይንዓቕ ኣበርኵቶ ከም ዘለዎ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ሓቂ’ዩ።

ምንባብ ብዙሕ ኣገባባት ኣለዎ። ካብ ብዙሕ ነገራት ድማ ይርከብ። መስርሕ ምንባብ ብምፍታሽ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎም ሰነዳት ይርከብ። ብዘይካ’ዚ ንሕና ከም ሕብረተሰብከ “እንታይ ታሪኽ፡ ባህሊን ልምዲን ኣለና? ክንዮኡ እንታይ ይመስል?” ንዝብሉ ሕቶታት፣ ብዓቢኡ ድማ መንነትናን መንነት ካልኦትን ኣብ ምልላይ ሓጋዚ እዩ።

ካልእ ምንባብ ኣብ መስርሕ ምዕባለ ናይ ዝዀነ ይኹን ንጥፈት እጃም ኣለዎ።

ምዕቡል ሕብረተሰብ ዘለዋ ሃገር፡ ናብ ዝለዓለ ናይ ምዕባለ ገስጋስ ትስጕም። በዚ ምኽንያት መንእሰያት ክርድእዎ ዝግብኦም ኢለ ዝሓስቦ፤ ኣብ ምንባብ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነትን ህድኣትን ዝብሉ ዓበይትን ኣብ መስርሕ ምንባርን ምንብባርን ናይ ወዲ ሰብ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎም ቁምነገራት ኣለው። ከምኡ’ውን መንእሰያት ኣብ መሃዝነት በሎ ካልእ ንጥፈታት ክትግብሩ ኣብ ዝብገስሉ ዕላምኦም ኣብ ምፍጻም ሓጋዚ’ዩ። ናይ ዕድል ጉዳይ ኰይኑ እዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ዝደለናዮ ዓይነት ጽሑፋት ከነንብብ ዘኽእለና ምቹእ ዕድልን ባይታን ኣለና። እዚ ድማ ግዜ ዝፈጠረልና ዕድል’ዩ።

ሕብረተሰብና ናብ ዝለዓለ ናይ ምዕባለ መድረኽ ከነብጽሕ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ናይ ምንባብ ባህሊ ዘለዎ መንእሰይ ክህሉዉ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ዘመነ ሓበሬታ ዘለና ወለዶ፡ ሓይልና ኣብ እዋናውያን ዝዀኑ ጽሑፋት ጋዜጣን መንጽሄትን ጥራይ ተሓጺርና ኣለና። እዚ’ውን ጐዳኢ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ ንደረጃ ስፍሓት ኣእምሮና ንምዕባይ ክሕግዝ ምእንቲ፡ ናይ ምንባብ ኣገባባትና ብስፍሕ ዝበለ መንገዲ እንተ ዀነ ተመራጺ ምዀነ። ብእኡ መንጽር ድማ ብልጭኡ ምዓበየ። ከመይሲ ምንባብ ናይ ለውጢ ሓይሊ ስለ ዝዀነ።

ካብ ምንባብ ዝርከብ ጥቕሚ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጾ ፈቲነ ኣለኹ። ዋላ’ውን ህይወት ወዲ-ሰብ ዝልውጥ ምዃኑ ተጠቒሱ ኣሎ። ምኽንያቱ ወዲ-ሰብ ብመንገዲ ምንባብ ኣቢሉ ንዘይፈልጦም ነገራት ንምፍክላጥ የኽእሎ። ሰባት ብዘይካ እቲ ካብ ምንባብ እንረኽቦ መኽሰብ፡ ግዜና ካብ ንህይወትና ኣብ ዘይርብሑ ንጥፈታት፡ ማለት ኣብ ዘይተደልዩ ጐዳእቲ ወልፍታት ሽጋራን

መስተን ካልኦትን፡ ካብ ምህላኽ ይሕግዝ። እምበርከ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሳላ ምዕባለ ቴክኖሎጂ እንታይዶ ተሳኢኑ’ዩ? ብዝተፈላለዩ ኤለክትሮኒያዊን ካልኦትን መሳርሒታት ብሶፍ ኮፒ ዝደለኻዮም መጽሓፍቲ መሪጽካ ከተንብበሉ ኣብ ዘኽእል መድረኽ በጺሕና ኣለና። እዚ ድማ ግድን ናብ ቤተ መጻሕፍቲ ከይከድና ኣብ ቤትና ዄይንና ክንጥቀመሉ ዘለና ጸጋ ኰይኑ ይስመዓኒ።

ምንባብ፡ መዓልታዊ ኣብ ንውጥኖምን ነሰላስሎምን መደባት ዓቢ ሓገዝ ኣለዎ። ብዓቢኡ ኣብ መንእሰያት ናይ ምንባብ ልምዲ ምህላዉ ማለት ኣብ መጻኢ እንመርሖ ህይወት ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ ነቲ ናይ መጻኢ መደባት ሕልምታትና ኣብ ምትግባር ከም መርሓ ጽቡቕ ጐድኒ ስለ ዝዀነና። ይኹን’ምበር ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ ነጥቢ ኣሎ፤ መሓዛ ቀንዲ ጸላዊ መዘና እዩ፣ መንእሰይ ድማ መዘናኡ ብቐሊሉ ይጽሎ። ስለዚ እንቕርቦም መሓዙት ኰኑ ኣዕሩኽ፡ ናይ ህይወትና ኣንፈትቲ እዮም። በዚ መሰረት መጓዕዝቲ መዘናና ልምዲ ባህሊ ናይ ምንባብ ካብ ዘለዋ ስድራ ምስ ዝዀኑ ምጽላው ዘይተርፍ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ምሕደራን ኣጠቓቕማን ናይ ግዜ ዝህልዎ ግቡእ መረዳእታ ዓቢ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ምንባብ ኩሉ ኣንፈት ናይ ህይወትና ከትሕዝ ዘኽእል’ዩ ዝብል እምነት ካብ ሃለወና ክንጥቀመሉ ይግባእ። ንወርቃዊ ግዜና’ውን ኣብ ክንዲ ኣብ ዘየድልዩ ወልፍታት ምስትምቓርን ፊልም ምርኣይን ነሕልፎ ከዐውቱና ኣብ ዝኽእሉ ዕማማትን መደባትን ብዝግባእ ሰሪዕና፡ ናይ ምንባብ ባህሊ ብምዕባይ ፍልጠትና ከነዐቢ አዘኻኽር።

***

ንባብ ክብሃል እንከሎ ሓደ መድረኽ ናይ ኣነባብራ ደቂ-ሰብ እዩ። ንባብ ሓደ ካብቶም ንህይወት ወዲ-ሰብ ንመዋእሉ ጸለውትን ለወጥትን ካብ ዝዀኑ ረቛሒታት እዩ። ብእኡ መሰረት ከኣ ንነፍስና ዝያዳ ንኽንፈልጣን ክንላለያን ሓጋዚ እዩ። ከምኡ’ውን ከባቢናን ዞባናን ክንፈልጥ ይሕግዝ። ንባብ ካብ ብዙሕ ነገር ዝርከብ፡ ብቐሊሉ ክምህር ዝኽእል ኣገባብ ኣምሃህራ እዩ። ብፍላይ እዚ ሜላ ወይ

ዘተ ሸባብብበረኸት ግርማይ

መም. ሚልኪያስ ወልደስላሴ

ተማሃራይ ምናሴ ሙሴ

ኣገባብ’ዚ ካብ ፈለማ ማለት ቀዳማይ ክፍሊ ክንምሃር ኣብ እንጅምረሉ ሰረት ምስ ዝሕዝ፡ ውጽኢት ኣዝዩ ዓቢ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።

ካብ ንባብ ዝርከብ ጥቕሚ ብዙሕ እዩ። ዘይትፈልጦ ዝጸናሕካ ምስ ኣንበብካ ክትፈልጦን ዝያዳ ክንጽረልካን ይሕግዝ። መፍትሒ ዝሰኣንካሎም ነገራት፡ መጽሓፍቲ ብምንባብ መፍትሒ ክርከቦም ይኽእል። ብዙሕ ምንባብ ንባዕሉ ብዙሕ ተኽእሎታት ከርእየና ስለ ዝኽእል። ምንባብ ኣእምሮ የስፍሕን ዝያዳ ንኽትሓሳብን ከተገናዝብን የኽእልካ። ኮታ ካብ ንባብ ዝርከብ ጥቕሚ እዝን ከምዝን ብምባል ብሓጺር ኣገባብ ጸብጺብካ ኣይውዳእን። ንኽትገልጾ እውን ዓቕምን ብቕዓትን ዝሓትት እዩ። እምበር ምንባብ’ኮ መግቢ ኣእምሮ ናይ ወዲ-ሰብ እዩ። ምኽንያቱ ንሕና እኽለ ማይ እናበላዕናን እናሰተናን ኣብዛ ዓለም ምንባር ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ካብ ዝተፈላለዩ እንረኽቦም ምንጭታት ብምንባብ ንነገራት ክንከስበሎም ንኽእል። ከመይሲ ሰብ ብፍልጠት ክዕምብብ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብ ዝኸደ ኸይዱ ናይ ምንባብ ልምዲ ከጥሪ ኣለዎ። እቲ ምንታይሲ ካብ ዘይምንባብ ዝረከብ ክሳራ ብዙሕ ምዃኑ ኩልና እንሰማማዓሉ ሓቂ ይመስለኒ። ሓደ ሰብ ድማ ፈላጥ ክብሃል እንተ ደኣ ኰይኑ፡ መጀመርታ መጀመርታ ኣንባቢ ክኸውን ትጽበዮ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ካብቲ ዘንበቦ ንሰባት ብዙሕ ክምህር ትደልዮ። ኣብዚ ጉዳይ ዘይንብብ ሰብ ግን ኣብ ድሌቱን ከም ድላዩን ክሰርሕን ክገላበጥን ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

ናብታ ሕቶ ክምለስ፤ ባህሊ ንባብ ኣብ መንእሰያትና ከመይ ኣሎ? እትብል እያ። ብወገነይ ኣብዚ ዛዕባ ርእይቶ ኣለኒ። ኣነ፡ “ንጡፍ ኣንባቢ እየ፡” እኳ እንተ ዘይበልኩ፡ ናብ ህዝባዊ ቤት ንባብ ኣስመራ ግን እመላለስ እየ። ኣብኡ እናኽመላለስ ዝዕዘቦ ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብቲ ቤት ንባብ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን እቲ ቤት ንባብ ኮፍ መበሊ ዝሰኣነሉ ግዜ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሰባት ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ንባብ ብምዃን ንጥፈታት ንባቦም ከሰላስሉ ይረኣዩ። እቲ ዝያዳ ጻዕቂ ዝረእየለን ሰዓታት ናይ ምሸት ካብ ሰዓት 7፡00 ክሳዕ 7፡30 እየን። እዘን ሰዓታት እዚአን እቲ ቤት ንባብ

ብሃማመተኤ ዝዳሎ ዓምዲ

ቢዚ (Busy) ዝዀነሉ እዋን’ዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር እምበኣር፡ እሞ ድማ ወትሩ ከምኡ እንተ ደኣ ኰይኑስ፡ መንእሰያትና ኣብ ናይ ምንባብ ባህሊ ደሓን ኣለና ዘብል’ዩ። ኣብዚ ዛዕባ ከም ርድኢተይ መንእሰያትን ንባብን ክፈላለዩ ዘይግብኦምን መሓዙት ክዀኑ ምተጸበኽዎም። ምኽንያቱ እዞም ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ዝዀኑ ወገናት፡ ኣብ ናይ ምዕባለ ዓለም ዕዙዝ ተራ ስለ ዘለዎም። ብእኡ መሰረት ከኣ ፍልጠቶም ንምዕባይን ንምድራዕን ናይ ምንባብ ልምዲ ከሕድሩ ኣለዎም።

ኣብዚ ንህዝባዊት ቤት ንባብ ኣስመራ ከም ኣብነት ወሲደ ደኣ’ምበር፡ ኩልና ተማሃሮን መንእሰያትን ኣንበብቲ ኢና ማለተይ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ኣብዚ ዘመንና ዝረኸብናዮ ዝበልጸ ዕድል ተጠቒምና፡ ኣፍረይቲ ዄይንና፡ ንነፍስና ምስታ መዓልታዊ እትሕደስ ዓለም ክንቀዳደም ይግባእ። ብመልክዕ ትምህርትን ምንባብን ፍልጠትና ኣብ ክንዲ ምዕባይ፡ ግዜና ኣይ ኣብ ስራሕ፡ ኣይ ፍልጠት ኣብ ምምእራር ኮለል ክንብል እነባኽን’ኮ ኣለና። ግን ክንደይ ካብ ሚእቲ ኢና? ንኹሉ እቲ መንእሰይ እንብሎኸ ንውክሎዶ? ነዝን ካልእን ዝመስሉ ካልኦት ብዙሓት ኣሉታዊ ባህርያት መንእሰያት ኣለና። ነዚ ኣሉታዊ ባህሪ ንጐድኒ ምግዳፍ ይሓይሽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣብያተ ንባባት እንተ ደኣ ርኢና ኣንበብቲ ዝውሕድዎ ኰይኑ እስመዓና። ምኽንያት ግን ኣለዎ። ንሱ ድማ ኣብዚ ወቕቲ’ዚ፡ ተማሃሮ ኰኑ ሰራሕተኛታት መንእሰያት፡ ግዜኦም ኣብ ናይ ክረምታዊ ትምህርቲን ሞያዊ ስልጠናታት ኣብ ምውሳድ እዮም ዝርከቡ።

ምንባብ ካብ ደረጃ ናብ ደረጃ የፈላለ እዩ። ንኣብነት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝምሃር ዘሎን ኣብ ኮለጅ ደረጃ ዘሎ ሰብን ሓደ ኣይኰነን። ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ዘሎ ኩነታት፡ ተማሃሮ ካብ ገዛ ናብ ቤት ትምህርቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ድማ ናብ ገዛ ክኸውን ትርእዮ። ቤት ንባብ ኣየድልዮምን ማለት ግን ኣይኰነን። እንታይ ደኣስ ክሳብ ክንድ’ቲ ነቲ ትምህርቲ ኣካቢዶም ስለ ዘይርእዎ ኢለ’የ ዝሓስብ። ኣብ ናይ ኮለጅ ደረጃ ግን፡ ባህሪ እቲ ትምህርቲ ሓይሉ ኣብ ንባብ ዝተመርኰሰ ስለ ዝዀነ፡ ተማሃሮ ናይቲ ደረጃ ካብ ክፍሊ ናብ ቤት ንባብ፡ ቤት ምርምርን ካልእ ናብ ተወሳኺ ምንጪ ሓበሬታን ክረኽብሉ ዝኽእሉ የተኩሩ።

ሰብ ኰይኑ ዓቕሚ ፍልጠቱ ዘፍቅዶ መሪጹ ከንብበሉ ኣብ ዝኽእል መደረኽ ኢና ዘለና። በዚ ኣጋጣሚ እዞም ናይ ሎሚ መንእሰያትን ተማሃሮን ዕድለኛታት ኢና። እዚ ዝገብሮ ከኣ ሳላ ምርምርን ዳህሳስን ንፍልጠትና ዘበርኹ ማእለያ ዘይብሎም ጽሑፋት ብቐሊሉ ኣብ እንረኽበሉ መድረኽ ብምህላውና እዩ። ንኣብነት ርሑቕ ከይከድና ብመንገዲ ኢንተርነትን ካልኦት መሳለጥያታትን ብዙሓት ዝንበቡ ወትሩ ኣብ ቅድሜና ኣለዉ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፤ ንባብ መደልደሊ ፍልጠት ናይ ሰባት ክሳብ ዝዀነ፡ እሞ ድማ ምንባብ ንገዛእ ርእሱ መግቢ ናይ ኣእምሮ ክሳብ ዝዀነ፡ ኣንበብቲ ዄይንና ብዙሕ ዘይንፈልጦ ክንፈልጥ ይግብኣና። እቲ ምንታይሲ ምንባብ ንሰባት ካብቲ ዝጸንሖም ኣረዳድኣን ኣረእያን ዝያዳ ከም ዝፈልጡ ስለ ዝገብር።

***

Page 8: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

ሓዳስ ኤርትራ 21 ሓምለ 2015 - ገጽ 8

ሽሃብ ኣርኣያ

ቅንያቱ ነዚ ሃገራዊ ክብርናን መንነትናን ዝኾነ ፈስቲቫል ኤርትራ ንምእንጋድ ንሸባሸበሉ ዘለና ቅንያት ብምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዓለም ካብ ዝካየዱ ማእለያ ዘይብሎም ዘገርሙ ሃይማኖታውያንን ሃገራውያንን ፈስቲቫላት ገለ ክንብል።ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ’ቲ ንሩስያን ሃገራት

እስካንዲኒቭያን ዘጠቓልል ሰሜናዊ ዋልታ፡ ጸሓይ ንሹድሽተ ኣዋርሕ ኣይትዓርብን’ያ። እዚ ኣብ ካልእ ከባቢታት ዓለም ዘገርም ተርእዮ’ኳ እንተኾነ ንህዝቢ’ቲ ከባቢ ግን ደስ ዘብልን ንፈስቲቫላት ዝዕድም ኣጋጣሚ’ዩ።ከተማ ሳንፐተርስፐርግ ሩስያ ሓንቲ ካብ

ዝገደማን ዝጸበቓን ከተማታት ኤውሮጳ’ያ። ኣብ’ዛ ከተማ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ጀሚሩ ዓመታዊ ፈስቲቫል “ጸዓዱ ለይቲ” ይካየድ። ኣብ’ዚ ኣብ እዋን ሓጋይ ዝቕጽልን ንሰማንያ መዓልትን ለይትን ጸሓይ ዘይትዓርበሉ ናይ ስነጥበብ ፈስቲቫል’ዚ ዝተፈላለዩ ደርፍን ዉድድራት ሳዕሳዒትን፡ ኣብ ቀላይ “ኒቫ” ዝካየድ ናይ ሓሶት ናይ መራኽብ ውግእን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ነጋድያን ይሳተፍዎ።እዚ ብምምሕዳር’ታ ከተማ ዝካየድን

ዓበይቲ ከዋኽብቲ ስነ ጥበብ ሩስያን ዓለምን ዝሳተፍዎ ፈስቲቫል’ዚ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም’ዩ ንዝኽሪ ውሩይ ሩስያዊ ደራሳይ እስክንድር ግሪን ጀሚሩ። ከም ኣካል’ዚ ፈስቲቫል ድማ ካርኒቫል “ፐተር ሆቭ” ዘካይዱ ተሳተፍቲ’ዚ ካርኒቫል ናይ’ቲ ኣብ እዋን ንግስነት ጰጥሮስ ቀዳማይ ዝነበሩ ክዳውንቲ ብምልባስን ሰረገላታት ፈረስ ተወጢሖምን’ዮም ኣብ ጎደናታት ሳንፐተርስፐርግ ዝዛወሩ።ልምዲ ምፍራይ ነቢት ወይኒ ኣብ እስጳኛ

ቅድሚ 5000 ዓመታት’ዩ ጀሚሩ። ኣብ’ዛ ሃገር’ውን ቅድሚ 1100 ዓመታት ዝጀመረን ዓመታዊ ዝካየድን ፌስቲቫል ነቢት ወይ “ላ ቪንዲምያ” ኣሎ።

ህዝብታትን ባህልታቶምን

ሃይማኖታውን ሃገራውን ፈስቲቫላት

እዚ ፈስቲቫል ኣብ ወርሒ መስከረም ምስ ምጅማር ምእካብ ምህርቲ ወይኒ ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ይቕጽል። ንጥፈታት’ዚ ፈስቲቫል ብካርኒቫል “ምህርቲ ንግስቲ” ይጅምር። እታ ምህርቲ ንግስቲ ተባሂላ ዝተመርጸት ጎርዞ ብምልኩዓትን ጻዕዳን ሰማያዊን ክዳውንቲ ዝለበሳ ጎራዙ ተኸቢባ ኣብ ጻዕዳ ፈረስ ተወጢሓ ኣብ ጎደናታት ከተማ “ኺረዝ ዲላ ፍሮንቲራ” ትዘውር። እቲ ኣብ የማንን ጸጋምን’ቲ ጎደና ንምዕዛብ ደው ዝበለ ህዝቢ ድማ ቀይሕን ጻዕዳን ዕምባባታት ይድርብየላ። እተን ብድሕሪ ምህርቲ ንግስቲ ዝስዕባ መካይን’ውን ናብቶም ተዓዘብቲ ዘለላ ወይንን ሓለዋትን ይድርብዩ።እቲ ካርኒቫል ኣብ ሜዳ “ብላዛ ዲ ኣሪና”

ምስ ኣዕረፈ ካብ ወይኒ ዝተዳለወ ሕብስቲ ብምቚራስ ተሳተፍቲ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ነቢት ይቋደሱን ብድሕሪኡ ድማ ሪሺት ይትኮስ። እዚ ምርኢት ንሰሙን መመላእታ ብሳዕሳዒትን ደርፍን ይቕጽል።ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት’ቲ ፈስቲቫል፡

ምርኢታት ምህርቲ ወይኒ፡ ዉድድራት ምስታይ ነቢትን ኣስተምህሮታት ነቢትን ወይንን ይካየዱ። ብተወሳኺ’ውን ደቂ ኣንስትዮ’ታ ከተማ ዝሳተፎኦ ዉድድር ቅልስ ምስ ኣብዑርን ዝመልከዐ መንእሰይን ይካየድ።እዚ ፈስቲቫል ኣብ ስጳኛ ጥራሕ ዘይኮነስ

ኣብተን ኩለን ነቢት ከተማ “ኺረዝ ዲላ ፍሮንቲራ” ዝዝውተረለን ከተማታት ኤውሮጳን ላቲን ኣመሪካን ዓመታዊ ንዝኽሪ ሓደ ህቡብ ሰብ ይካየድ። ንኣብነት ፈስቲቫል ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንዝኽሪ ሸክስፒር ተኻይዱ።ኣብ’ታ ሻውዓይቲ መዓልቲ’ቲ ፈስቲቫል

ኣብ ቅዳሰ ሰንበት ካህናት’ታ ከተማ ንዝተዳለወ ወይኒ ድሕሪ ምብራኽ፡ እቲ ፈስቲቫል ይዛዘምን መስርሕ ምጹሟቕ

ነቢትን ወይንን ይጅምር። እታ ቀዳመይቲ ዝተጸሙቀት ቢኬር ነቲ ካህን ትዋሃቦ። ንሱ ንዓኣ ባሪኹ ምስ ሰተያ ድማ ደወል ቤተክርስትያን ይድወልን ተኣሲረን ዝጸንሓ ጸዓዱ ረጋቢት ናብ ሰማይ ይስደዳ። ኣብ’ታ ከተማ ድማ ናይ መግቢ መስተን ምዝንጋዕን መደብ ይካየድ።ፈስቲቫል ፋኑስ፡ ኣብ ታይላንድ ብህዝቢ

‘’ላና” ዓመታዊ ዝእንገድ ፈስቲቫል’ዩ። ኣብ’ዚ ፈስቲቫል ታይላንዳውያንን በጻሕቲ ሃገርን ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ሓደ-ሓደ ፋኑስ ኣብ ኢዱ ብምሓዝ ጽቡቕ ዕድልን ብሩህ መጻእን ይምነ። ፈስቲቫል “ሆሊ” ኣብ ህንዲ ካብ ዝካያዱ

ህዝባውያን ፈስቲቫላት ሓደ’ዩ። ኣብ’ዚ ንኽልተ ሰሙን ዝቕጽል ፈስቲቫል፡ ካብ ሓመድ ብዝተሰርሑ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ብምጥቃም ብሙዚቃን ሳዕሲዒትን ዝተሰነየ ምግጭጫብ ይካየድ።ነበርቲ ደሴት ሃዋይ ዓመታዊ ነቶም

ብዝተፈላለዩ ባህርያዊ ሓደጋታት ዝሞቱ ወገናቶም ንምዝካር ፈስቲቫል ዝኽሪ የካይዱ። ኣብ’ዚ ፈስቲቫል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ላምፓዲናታት ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ኣብ ባሕሪ የቐምጡ። ኣብተን ላምፓዲናታት ድማ ብሞት ንዝተፈልይዎም ሰባት ናይ ናፍቖትን መንግስተ ሰማያት የዋርስኩም ዝብል ደብዳበታት ይኣስሩ።ብምልዮናት ዝቊጸሩ ማሊዣውያን

ኣመንቲ ሂንዱዚም፡ ፈስቲቫል “ሳይቦሳም” ንምብዓል ናብ’ቲ ኣብ ጫፋት ከተማ ኳላላምፑር ዝርከብ ቁዱስ በዓቲ “ባቱ” ገንኢ ጸባን ዕጣንን ሒዞም ናይ ንስሓን ምስጋናን ጸሎት ንምክያድ ይውሕዙ።ኣብ’ዚ ፈስቲቫል ኣመንቲ ሂንዱዚም

ንጣኦት “ሞርጋን” ዝተፈላለዩ ህያባት ብምብርካት ንሰሙን መመላእታ ዝቕጽል ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት የካይዱ።

ዘይቀንእ ኣይወለድ ክበሃል ሰሚዕና ንኸዉን ኢና። እንተኾነ ግን እዚ ቢሂል’ዚ ነቲ ብሰፊሑ ቁዱስ ቅንኢ እንብሎ ዓይነት ቅንኢ’ዩ ዝውክል። ነቲ ካብ ውሽጣዊ ድኽመትካ ተበጊሱ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓይነት ሃስያ ከውርድ ዝድርኽ ቅንኢ ዝዉክል ኣይኮነን።ቅንኢ መሓዛ’ውን ምስ’ዚ ጉኑን

ዓይነት ቅንኢ ዝቁጸርን ብቊልጡፍ እንተዘይተፈዊሱ ከቢድ ሃስያ ከውርድ ዝኽእልን ሕማም ምዃኑን’ዮም ምሁራት ስነልቦና ዝሕብሩ።ቅንኢ መሓዛ መብዛሕቲኡ እዋናት

ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮ’ዩ ዝኽሰት። ኣኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተኻየዱ መጽናዕታት ከም ዝሕብርዎ ድማ ዓቐኑ ይፈላለ እምበር ቅንኢ መሓዛ ዘየጋጥሞ ምሕዝነት የለን።ኣብ ዩንቨርስቲ ሎንደን መምህር

ስነልቦና ዶ/ር ፋጥማ ኣልሺናዊ “ክልተ ዓይነት ቅንኢ’ዩ ዘሎ። እቲ እታ ቅንኢ ዝስማዓ ዘሎ ወገን መሓዛኣ ብጀካ ምስኣ ምስ ካልእ ጓል ክትሪኣ ኣይትደልን። ስለ’ዚ ድማ ነቲ መሓዛኣ ምስ ካልኦት ኣዋልድ እትምስርቶ ምሕዝነት ከተፍርስ ህርድግ ትብል። እዚ ድማ ብሓሶትን ብኽልተ ኣገባባትን ይካየድ። ነታ ሳልሰይቲ መሓዛ ብምርካብ፡ ነታ ቀንዲ መሓዛኣ ብምጽላም፡ ወይ’ውን ነታ ቀንዲ መሓዛ ብዛዕባ’ታ ሳልሰይቲ መሓዛ ካብ ሓቂ ዝራሓቑ ጠቀነታት ብምምጻእ ከም ዝፈላለያ ትገብር” ትብል።እቲ ካልእ ዓይነት ቅንእን ብሰፊሑ

ሓደገኛ ተባሂሉ ዝግለጽን እታ ቀናእ መሓዛ ንገዛእ መሓዛኣን ፈታዊታን ክትቀንኣላ እንከላ’ዩ። እዚ ቅንኢ ካብ ኣተዓባብያን ትሑት ርእሰ ምትእምማን ናይ’ታ ቀናእ መሓዛ ዝብገስ’ዩ። “ካባይ ትጽብቕ’ያ፡ ኣብ ትምህርታ

ካባይ ትበልጽ’ያ፡ ጽቡቕ ሓዳር ኣለዋ፡

ቅንኢ መሓዛ ብኸመይ ይፍወስ?ጽቡቃት ኣወዳት ክኾኑላ መዓት’ዮም፡ ኣብ ዝኸደቶ ኣቃልቦ ትረክብ ወዘተ” ዝብሉ ሃወኽቲ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮ’ታ ቅንኢ ዝስማዓ ዘሎ መሓዛ ብወገናን ብወገን ከባቢኣን ክደጋገሙ ምስ ጀመሩ፡ ንሳ ኣብ ክንዲ ብመሓዛኣ ተሓቢና ንዓኣ ክትመስል ህርድግ ትብል ክትገብሮ ከም ዘይትኽእል ብምእማን ቀስ ብቐስ ንመሓዛኣ ከተዕኑ ትጅምር። ብመሓዛኣ ስለዘይትጥርጠር ድማ ነቲ ኣዕናዊ ተግባራታ ትፍጽሞ። እዚ ንመሓዛኣ ምስ ካልኦት ኮይና ብምንሻው ጀሚሩ ክሳብ ሓዳር መሓዛኣ ናይ ምዕናው ተበግሶታት ትወስድ። ቅንኢ ማሓዛ ንምፍዋሳ ዶ/ር ፋጥማ

ኣልሺናዊ እዘን ዝስዕባ ምኽሪ ትህብ።፨ ምስ ካልኦት መሓዙትኪ ተላልይያ

እንከሎኺ ኣብ ቅድሚኣ ፍልይትን ኣዚኺ እትፈትውያ መሓዛኺ ምዃናን ንሰን’ውን ክፈትዋኣ ምዃነን ሓቢርየን።፨ ርእሰ ምትእምማና ዝብርኸሉ

መገድታት ፍጠሪ። ወትሩ ጽብቕትን በላሕን ምዃናን ምስኣ ብምልላይኪ ከም ዝኸሰብክን ካባኺ ብብዙሕ መዳያት ከም እትበልጽን ንስኺ ዘይትፈልጥዮ ከም እትፈልጥን ሓብርያ።፨ ንቕንኣ ዘላዓዕሉ ነገራት

ኣይትግበሪ። ምስኣ ብዛዕባ መልክዕክን ምስ ኣፍቃሪኽን ዝሓፈስክዮም ዓወታት ኣብ እተዕልልሉ ከም ተራ ነገር ጌርኪ ግለጽዮ።፨ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ብዛዕባ

መልክዓን ኣከዳድናኣን ኣይትላገጺ።፨ ናይ ዉሽጥኪ ሚስጢራት

ኣይትንገርያ። ነቲ ሓሓሊፉ ብሰሪ ምቕናኣ ዘጋጥሙኺ ጸገማት ብግልጺ ብምሕባር ምስኣ ኮፍ ኢልኪ ጸገማ ፍለጢ።፨ እዚ ኩሉ ጌርኪ እንተዘይተፈዊሳ

ግን ካብኣ ምፍልላይ ይሕሸኪ።

ኣብ “ሎመ” ርእሰ ከተማ ቶጎ ሓደ ዕሙርን ንጠንቋሎን ባህላውያን ሓካይምን ዘገልግሉ ኣፋውስን መሳሪሒታትን ዝሽየጦን ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዕዳጋ ኣሎ።ኣብ’ዚ ዕዳጋ ኣቚጽልትን ሱር

ዝተፈላለዩ ኣግራብ፡ ሽከናታት ኣዛብእ፡ ሓራግጽ፡ ደማሙን ካልኦት ዝተፈላለዩ እንስሳታትን ኣሎ።ኣብ’ዚ ዕዳጋ፡ ኣትማን፡ ቆርበት፡ ዘይትን

ዕዳጋ ጠንቋሎ ኣብ ቶጎኣህባይን ዝውንን “ሉመሪ ላጋ” ዝተባህለ ሸቃጣይ፡ “ዓማዊልና ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣፍሪቃ ዝመጹን ብደረጃ ኣህጉር ፍሉጣትን ጠንቋሎ እዮም።” ድሕሪ ምባል “እዚ ቦታና ፋርማሲ ባህላዊ ሕክምናታት’ዩ ዝባሃል” ብምባል ይገልጽ።እቲ ዘገርም እዚ ብኣማኢት ዝቑጸሩ

ዓማዊልን ቱሪስትን ዝበጽሕዎ ዕዳጋ ጠንቋሎ፡ ብመንግስቲ ቶጎ ምሉእ ኣፍልጦን ተቐባልነትን ዘለዎ ምዃኑ’ዩ።

ንፍሽኽታ

ንሱ፦ ሃኒ. . እንታይ ድኣ ቅድመይ ዓርኪ ኔሩኪ ዲዩ ኢለ እንተሓተትኩኺ ዝን ኢልኪ?

ንሳ፦ ዝን ኣይበልኩን እቖጽሮም’የ ዘለኹ።

Page 9: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

ሓዳስ ኤርትራ 21 ሓምለ 2015 - ገጽ 9

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

ሻውዓይ ክረምታዊ ስፖርት ህጻናት ተጀሚሩኮምሽን ስፖርት ዞባ ማእከል፡ ዓመታዊ

ዘካይዶ ክረምታዊ ንጥፈታት ስፖርት ህጻናት፡ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ስታድዪም ኣስመራ ብዘካየዶ ድሙቕ ናይ መኽፈቲ ጽምብል ጀሚሩ፣ኣብቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ወለዲ፡

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ከምኡ እውን ወለዲ ዝተሳተፍዎ ናይ መኽፈቲ ፈስቲቫል፡ ህጻናት ካብ ሓምለ 20 ክሳብ 30 ነሓሰ 2015 ኣብ ጽዑቕ ስፖርታዊ ንጥፈታት ከምዝጽመዱ ተበሲሩ፣ ብቑራጽ ‘ሪቨን’ ከምኡ እውን ሽግ ብምውላዕ ኣብ ዝተጀመረ ስነስርዓት፡ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ስልጠና ግራስ ሩትስ ዝተኾስኾሱ ብሉጻት ስፖርታውያን መሳጢ ምርኢት ንተዓዘብቲ ኣቕሪቦም፣ ብዘይካ’ዚ፡ ተቐዳደምቲ ማውንቴን ባይክ ናይ ሓደ ዙርያ ጸወታ፡ ውድድር ሪለይ ኣትለቲክስን ካልእን ገለ ካብቲ ንተዓዘብቲ ዝቓነየ ጸወታታት ነበረ፣ ኣብቲ ከም ወትሩ ብሙዚቃ ዝተሰነየን፡

ንተዓዘብቲ ድማ ኣብ ዝመሰጠን ናይ ኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን መደብ መኽፈቲ። ኮምሽነር ባህልን ስፖርት ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ እቲ ኣብ ዞባ ማእከል ዝሰላሰለል ዘሎ ኣብ ህጻናት ዘተኮረ መደብ፡ ንቐጻልነት ስፖርታውያን ዘረጋግጽ ምዃኑን ብምሉእ ዓቕሚ ድማ ክድፍኣሉን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣዘኻኺሩ፣ሓላፊ ጨንፈር ኮምሽን ስፖርት ዞባ ማእከል

ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም ብወገኑ፡ “ፈስቲቫልና ናይ ፈንጠዝያ መድረኽ ዘይኮነ፡ ምዕባለ ህጻናት በብዓውዱን ዕድሜኦምን ክእለቶም ዘንጸባርቑሉ፡ ኣብ ህጻናት ሕድሕዳዊ ፍቕርን ሓልዮትን ዝኹስኮሰሉን፡ ብሓፈሻ ንምጭባጥ ራኢና እነካይዶ ጉዕዞ መድረኻዊ መዐቀኒ ምዕባለታትና

ሙሴ ነጋሽ ሃትሪክ ሰሪሑ

መደብ ጸወታሎሚ

ግጥም ሻምፕዮን ጋንታታት ሱፐር ዲቪዥን ኤጎዳይፍ - ሲቲ ሰንተር

ሰገን - ኣዱሊስማይተመናይ - ደንደን

ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ

ትማሊ ሰንበት ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ጋንታታት ኵዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል፡ ቀይሕ ባሕሪ ሙሴ ነጋሲ ብዝሰርሖ ሃትሪክ ተሓጊዛ ንፓራዲዞ 3ብ0 ረቲዓታ፣

ሙሴ ነተን ስሙ ዝኾልዓ ሸቶታት ኣብ መበል 21፡ 55 ከምኡ እውን ኣብ 90 ደቓይቕ እዩ ኣመዝጊብወን፣ ቅድሚ ሕጂ እውን ቀይሕ ባሕሪ ኣፈወርቂ ዛይድ ብዝሰርሖ ሃትሪክ ኣብ ልዕሊ ኣባሻውል ጸብለል ክትብል ምኽኣላ ይዝከር፣

ኣብ ካልእ ግጥም ናይቲ ዕለት፡ ገዛባንዳን ዕዳጋ

ሓሙስን እየን ገጢመን ነይረን፣ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ኣብርሃም ግርማይ ብዘቑጸራ ሸቶ መሪሓ ናብ ዕረፍቲ ወጺኣ፣ ኣብ ካልኣይ እብረ ግን ተፈተነት፣ ተቐይሩ ዝኣተወ ሜሮን ሃብተስሉስ ኣብ መበል 58 ደቒቕ ንጋንታኡ ገዛባንዳ ኣመዓራረያ፣

ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ፋኑኤል ጎይትኦም ብዘቑጸራ ሸቶ ካብ ገዛባንዳ ምሉእ ነጥቢ መንዝዐት፣

ለተብርሃን ወ/ኣረጋይ

ዜና ብሓጺሩ

= ክለብ ቢ.ኤም.ሲ፡ ተቐዳዳማያ ቲይ ጀይ ቫን ጋርደረን መራሒ ጋንታኣ ኮይኑ ከምዝቕጽል ብወግዒ ኣፍሊጣ፣ ሓደ ሓደ ማዕከናት ዜና፡ ተቐዳዳማይ ስካይ - ሪቺ ፖርተ ናብ ክለብ ቢኤምሲ ተሰጋጊሩ ከም መራሒ ጋንታ ናይ ምዃን መደብ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግውሐን እየን፡ እታ ክለብ ወግዓዊ መግለጺ ክትህብ ዝተገደደት፣ ናብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ደ ፍራንስ ብጫ ማልያ ንምውዳይ ይቃለስ ዘሎ ቲይ ጀይ፡ ደረጃኡ ብዘይምምሕያሹን ሪቺ ፖርተ ድማ ናብታ ክለቡ እንተደኣ ተጸንቢሩን መዝነቱ ኣብ ቀራና መገዲ ከምእትኣቱ ክትንተን ጸኒሑን ኣሎን፣ ንክሪስ ፍሩም ዓንዲ ሕቖ ኮይንዎ ዘሎ ፖርተ፡ ኣብ ዓበይቲ ቱራት ናይ ምዕዋት ዓቕምን ባህግን ከምዘለዎ ይግለጽ፣ ብመሰረት ሕጊ ዩሲኣይ፡ ክለባት ይኹና ተቐዳዳማይ ክሳብ ባሕቲ ነሓሰ ብዛዕባ ምስግጋር ክዝረባ ፍቑድ ኣይኮነን፣

= ክለብ ስካይ፡ ብሒደት ተዓዘብቲ ቱር ደ ፍራንስን ማዕከናት ዜና ፈረንሳን ንዝወርዳ ዘሎ “በደል” ክትጻወሮ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ምብጽሑ ኣፍሊጣ፣ ኣብዚ ሳልስቲ፡ ብሓደ ደጋፊ ሽንቲ ኣብ ገጹ ዝተደፍኣሉ ተቐዳዳማያ ክሪስ ፍሩም ድማ እቲ ቀዳማይ ግዳይ ናይዛ ክለብ ኮይኑ ምህላዉ

እያ እታ ክለብ ተፍልጥ፣ እዚ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ክሪስ ፍሩም ኣብ 10 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ ድሕሪ ዘርኣዮ “ተኣምራት”፡ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ንብቕዓቱ ኣብ ክንዲ ዝገልጻ፡ ናብ ዘለፋ ምጉያየን ኣዝያ ከምዘሕዘና ኣረዲኣ፣ እተን ማዕከናት ዜና፡ “ሓደ ሰብ ነቲ 15 ሚእታዊት ምንቅዕራር ዘለዎ ዓቐብ ከም ማይ ንኽሰቲ ዘኽእል ዓቕሚ ኣብ ፍሩም ተራእዩ፣ እዚ ድማ ብሓገዝ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ጥራይ እዩ” ክብላ ተሰሚዐን ነበራ፣ ብተወሳኺ፡ ካልእ ኣባል ክለብ ስካይ ሪቸ ፖርተ እውን ኣብ ከባቢ መሰንገለኡ ብሓደ ደጋፊ ብጉስጢ ምዕባሱ እታ ክለብ ጥርዓና ብምቕራብ ነቲ ጉዳይ ኮኒናቶ ኣላ፣ በዚ ዝተሻቐሉ ኣካየድቲ ቱር ደ ፍራንስ፡ ንክለብ ስካይ ምንቅስቓሳ ብቐረባ ዝሕልዉ (ቅድምን ድሕርን ውድድር) ፖሊስ ብምቕራብ ድሕነቶም ከውሕሱ ተራእዮምን ይረኣዩ ኣለዉን፣ ኣብ 2013 ማርክ ካቨንዲሽ ኣብ እዋን ውድድር ግዜ ብተዓዘብቲ ሽንቲ ተገንጪቡ ነይሩ፣

= ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መድረኻት፡ ብውጽኣት ዝተሳቐየ ተቐዳዳማይ ክለብ ኵክ ስቴፕ ማርክ ካቨንዲሽ፡ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዕረፍቲ ጥዕናኡ ንኽመሓየሽ ኣዝዩ ከምዝሕግዞ ኣፍሊጡ፣ ብፍላይ ኣብ መበል 15 መድረኽ፡ እቲ ተቐዳዳማይ ምስ መዛኑኡ ኪንዮ ምውዳእ ካልእ ዕማም ክዓዪ ዓቕሚ ከምዝሓጸሮ ኣብሪሁ፣

= ኣርጀንቲናዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ሰቸ ኢንቫይሮመንት - ኤድዋርዶ ሰፑልቨዳ ኣብ መበል 14 መድረኽ ንኣስታት 200 ሜተር ብመኪና ብምስሓቡ ካብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ቱር ደ ፍራንስ ተኣጊዱ፣

ስለዝኾነ፡ ዓቢ ሚዛን ዝወሃቦ ኣካል ግራስ ሩትስ እዩ” ክብል ተዛሪቡ፣ንሱ፡ “ ፈስቲቫልና ንምድማቕ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ

ማእከል ልዑል ግምት ብምሃብ ናይ 1.5 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢ ብምግባር ካብ ትካል ባራኮ ስፖርታዊ ዕጥቂ ተገዚኡ” ክብል ወሲኹ፣ሰለስተ ዓመታት ዘቑጸረ ስልጠና ግራስ

ሩትስ፡ ፈለማ ንኣስታት 4000 ህጻናት፡ ኣብ 16 ምምሕዳር ንኡሳን ዞባታትን 19 ነቑጣን፥ ብ74 ኣሰልጠንትን ሸውዓተ ኣለይትን ምጅማሩ ይፍለጥ፣ ካብቶም 4000 ተሳተፍቲ ህጻናት፡ ብመሰረት ዝወሰድዎ ስልጠናን ዘለዎም ፍሉይ ተውህቦን ‘ታለንት’፡ ን284 ካብ ብሉጻት ብሉጻት መሪጹ ንዝያዳ ስልጠና ድሉዋት ብምግባርን ምስ መደባት ሃገራዊ ስትራተጂ ስፖርት ተሳንዩ ክኸይድ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ይስርሓሉ ምህላዉ ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ስነስርዓት ተገሊጹ፣ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ስልጠና ግራስ ሩትስ

ዓውድታት ኵዕሶ ሰኪዔት፡ ብሽክለታ፡ ኵዕሶ መርበብ፡ ሰደቓ ተኒስን ቸዝን ኣቓልቦ ተዋሂብዎ

ጽቡቕ ይግስግስ ከምዘሎ ተገምጊሙ፣ ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት ዝተጀመረ ንጥፈታት ኣትለቲክስ ግና፡ ብሰንኪ ዘይተገዳስነት ኣሰልጠንቲ፡ ልሕሉሕ ምቁጽጻርን ምክትታልን ከምቲ ዝተመደበ ከዘይሰጎመ፡ ኣብ ዝሓጸረ ድማ ዳግመ ውደባ ከምዝግበረሉን ተሓቢሩ፣ስልጠና ግራስ ሩትስ ድልዱል እምነ መሰረት

ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ ስፖርት ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑ፣ ኣብ ዞባ ማእከል ድማ እቲ ፕሮጀክት፡ ስምዒት ስፖርታውያን ምብርባሩ፥ ኣብ ህጻናት ስፖርታዊ ዲሲፕሊን ምስራጹ፥ ኣብ መንጎ ህጻናትን ኣሰልጠንትን ፍቕርን ሓድሕዳዊ ተወዳዳርነትን ምፍጣሩ፥ ኣብ ምምሕዳራትን ወለድን ኮማዊ ምትእስሳር ይገብር ምህላዉን ይእመን፣ኣብዚ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ክረምታዊ

ስፖርታዊ ውድድር ህጻናት፡ 108 ጋንታታት ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመን ጾታን ክሳተፋ መደብ ተታሒዙለን ኣሎ፣

** ** **

ዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ* ዳንኤል፡ ኣብ ውህሉል ግዜ ን25 ተቐዳደምቲ በሊጹ* ኤም.ቲ.ኤን ካልኣይቲ ኮይና

ንኣርባዕተ መድረኻት ማልያ ኣንበሳ ዓቐብ ኣብ ዝባኑ ብምጽናሕ ታሪኽ ዝሰነደ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤምቲኤን ኵቤካ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ ናይ ትማሊ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ 2015፡ ካብ ዕዉት ናይቲ መድረኽ ብ40 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ሻውዓይ ደረጃ ምሓዙ ድሮ ኣብ ዜና ተገሊጹ ኣሎ፣

ኣብቲ ናብ ሳልሳይ ሰሙኑ ዘምርሕ ዘሎ ውድድር ድማ፡ እቲ ዘይጸዓድ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ፡ ናይ 25 ደረጃ ዝላ ብምዝጋቡ ንብዙሓት ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ መሲጡ፣ ኣብቲ ካብ ቦውርግ ደ ፒያግ ናብ ጋፕ ዝበጽሐ ናይ 201 ኪሎሜተር ርሕቀት ውድድር፡ ዳንኤል ምስ ደቂ ጋንታኡ ሰርጆ ፓውሊስን ኖርወጅያዊ ቦሰን ሃገንን ዝርከብዋ ብርክት ዝበሉ ተቐዳደምቲ ኣቐዲሙ ብምህዳም እዩ ነቲ ኣንጸባራቒ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ፣

ትማሊ ኣብ መበል 86 ኪሎሜተር ኣብ ውድድር ቀጠልያ ማልያ ዝድርዕ ቅጽበታዊ ውድድር ክስራዕ እንከሎ፡ ኣብ መበል 103 ከምኡ እውን 189 ኪሎሜተር ናይ ካልኣይ ደረጃ ናይ ዓቐብ ውድድር ተኻይዱ ነይሩ፣ እዚ መድረኽ እዚ ድማ ጎልጎል ከምኡ እውን ሓያል ቁልቁል ዝነበሮ መድረኽ ብምንባሩ፡ ኣቐዲሞም ዝሃድሙ ተቐዳደምቲ ስግኣት ከምዝፈጥሩ ርዱእ ነበረ፣ ብፍላይ ኣብ ሽዃ ዝዛዘዉ ተቐዳደምቲ ኣብ ጎላጉል ከምኡ እውን ልዑል ምልከት ብሽክለታ ዘለዎም ድማ ኣብ ጸበብቲ ኩርባታት ዘርእይዎ ትብዓትን ምልከት ብሽክለታን ድማ እቲ ቀንዲ ብልሒ ናይቲ መድረኽ ነበረ፣ ነዚ ድማ እዩ ዳንኤል ምስቶም ምኩራት ተቐዳደምቲ ኮይኑ ብብቕዓት፡ ብምልከት ብሽክለታ ኮታ ንጸወታ ብምንባብ ምስ ብሉጻት ዓሰርተ ክስራዕ ዝኸኣለ፣

ትማሊ እቲ ካልእ ኣርእስቲ ናይቲ መድረኽ፡ ደረጃ ክለብ ኤምቲኤን ናብ ካልኣይ ምምጽኡ እዩ፣ ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ መበል 14 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ ብእንግሊዛዊ ተቐዳዳማይ ኩሚስ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበት ኤምቲኤን፡ ትማሊ እውን ነቲ ናይ ዳንኤል ኣንጸባራቒ ደረጃ፡ ናይ ከም ሰርጆ ፓውሊስን ቦሰን ሃገንን (መበል 13 ከምኡ እውን 19 እዮም ወጺኦም) ዘመዝገብዎ ግዜ ተደሪዕዎ ደረጃኣ ካብ ሻሙናይ ናብ ካልኣይ ብምድያባ ዓለም ኣዛሪባ፣

ኣብ ናይ ትማሊ መድረኽ ኣብ መበል 103

ኪሎሜተር ኣብ ዝተሰርዐ ናይ ዓቐብ ቅጽበታዊ ውድድር ዝተዓወተ ሰርጆ ፓውሊስ፡ ውድድር ንኽዛዘም ብሰንኪ ዝገጠሞ ቴክኒካዊ ጸገም እዩ ካብ ብሉጻት 10 ናይቲ መድረኽ ክወጽእ ክኢሉ፣

ነቲ ናይ ትማሊ መድረኽ፡ ውድድር ክፍጸም ቅድሚ ሒደት ኪሎሜተራት ዝሃደመ ተቐዳዳማይ ክለብ ላምፕረ - መሪዳ ዝኾነ ፕላዛ ሩበን ብ4 ሰዓትን 30 ደቒቕን 10 ካልኢትን ክዕወተሉ እንከሎ፡ ተዋዛዪ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ተቐዳዳማይ ክለብ ቲኮፍ ሳክሶ - ፒተር ሳጋን ብ30 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ኮይኑ፣ ናይ ኣይ.ኤ.ኤም ሳይክሊን - ፓንታኖ ድማ ድሕሪ 36 ካልኢት ካብቶም ዘርጠብጠብ እናበሉ ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ዝበጽሑ ተቐዳደምቲ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘ እዩ፣

ብክለቡ ኤምቲኤን ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ሓደ ካብ ተዓወትቲ ብጫ ማልያ ምዃኑ ተኣሚኑሉ ዘሎ ኤርትራዊ መርሃዊ ቁዱስ ኸኣ ብ30 ደቒቕን 36 ካልኢትን ድሒሩ መበል 110 ደረጃ ክጭብጥ ክኢሉ ኣሎ፣

ኣብ ውህሉል ግዜ፡ ንክሪስ ፍሩም ዝደፍር ተቐዳዳማይ ኣይተረኽበን፣ ንሱ ንናይሮ ኵንታና ናይ 3 ደቒቕን 10 ካልኢትን ጋግ ኣንጺፉ ናብቲ ጽባሕ ዝካየድ መበል 17 መድረኽ ክኣቱ እዩ፣ ኮሎምብያዊ ናይሮ ኵንታና ናይ ሙቪ ስታር ሒዝዎ ንዝጸንሐ ካልኣይ ደረጃ ዓቂቡ ኣሎ፣ ሳልሳይ ዝጸንሐ ናይ ቢኤምሲ - ቲይ ጀይ ካብ ፍሩም ብ3 ደቒቕን 32 ካልኢትን ድሒሩ ኣብ ቦታኡ ኣሎ፣

ብሰዓትን 25 ደቒቕን ካብ ፍሩም ዝተፈንተተ

ዳንኤል፡ ካብቲ ትማሊ ዝሓዞ መበል 79 ደረጃ ናብ 54 ክብርኽ ክእሉ ኣሎ፣ መርሃዊ ቁዱስ ድማ ብ2 ሰዓትን 12 ደቕቕን ካብ ፍሩም ድሒሩ መበል 120 ይርከብ፣

ምስ በዓል ዳንኤል ሃዲሙ ዝወዓለ ፒተር ሳጋን፡ ትማሊ ኣብ ዝተሰርዓ ክልተ ናይ ነጥቢ ጸወታታት ብምኽሳቡ ነታ ቀጠልያ ማልያኡ ብናይ ገፊሕ ናይ ነጥቢ ጋግ ኣብ ዝባኑ ክትጸንሕ ኣኽኢሉ፣ ኣብ ቀዳመይቲ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር 20 ነጥቢ ዝኸሰበን ኣብ መወዳእታ ድማ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘን ሳጋን ብ405 ነጥቢ ነቲ ቅልስ ይመርሖ ኣሎ፣ ጀርመናዊ ኣንድሬ ግሪፐል ድማ ብ316 ነጥቢ ይስዕቦ ኣሎ፣

ትማሊ ኣብ ነጥቢ ዝኣተወ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ካብቲ ዝጸንሖ ናይ 46 ተርታ ናብ 29 ደይቡ ኣሎ፣ ኣንበሳ ዓቐብ ክራይቱረም ዶውፊነ 2015 ዝኾነ ዳንኤል ብተወሳኺ፡ ነጥቡ ናብ 39 ኣደይቡ ኣሎ፣

ኣብ ቅልስ ኣንበሳ ዓቐብ፡ ክሪስቶፈር ፍሩም ብ61 ነጥቢ ነታ ካብ ዳንኤል ዝተቐበላ ማልያ ዓቂቡ ኣሎ፣ ጀዋኪም ሮድሪገዝ ብ52 ይስዕቦ፣ ዳንኤል ከኣ ብሽዱሽተ ነጥቢ ኣብቲ ዝጸንሖ መበል 30 ደረጃ ይርከብ፣

ኣብ ቅልስ ብሉጽ መንእሰይ ናይሮ ኵንታና መሪሕነቱ ዓቂቡ ኣሎ፣

ብጋንታ፡ ሞቪስታር ክትመርሕ እንከላ፡ ናይ 20 ደቕቕን 50 ካልኢትን ፍልልይ ዝተነጽፋ ኤምቲኤን ኵቤካ ድማ ንከም ቲንኮፍ ሳክሶን ስካይን ኣኸቲላ ካልኣይ ትርከብ፣

ቱር ደ ፍራንስ፡ ሎሚ ኣዕሪፉ ድሕሪ ምውዓል ጽባሕ ብናይ 17 መድረኽ ክቕጽል እዩ፣

Page 10: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

ሓዳስ ኤርትራ 21 ሓምለ 2015 - ገጽ 10

ትሕዝቶ መጽሓፍ ዝተፈትሑ ግድላት ድግማ ዝተገልጹ ሕቶታት ድግማ ዝተዓየዩ ሕቶታት ጀነራል

10 ዓመት (2005-2014) መግለጺ ምስ ኣብነታት ስእላዊ መረዳእታታት Model Exams መልሲ ናይ Model

Exams

GENERAL WINNERS in

Maths Science S. Studies English

Grade 6, 7 & 8

ሓዳስ መጽሓፍ

ንተመሃሮ ማእከላይ ደረጃ

4 ዓይነት ትምህርቲ

ስነ-ቍጽሪ፡ ሳይንስ፡ ማ/ትምህርቲ፡ እንግሊዝኛ

ኣብ ውሽጢ 3 ክፍልታት

6ይ፡ 7ይ፡ 8ይ

ብኽፍልታት (grades)፡ ብዓ/ትምህርቲ (subjects)፡ ብምዕራፋት (units)፡ ብኣርእስትታት (topics) ተኸፋፊላ ዝተዳለወት ኣዝያ ሓጋዚት መጽሓፍ ኣብ ስተሺነሪታት ተዘርጊሓትልኩም ኣላ።

ሰፊሕን ኣጠቓላልን ትሕዝቶ ምስ

ሰሓቢ ኣቀራርባ! ንሓበሬታ 07142402 07461121 07116587

6ይ-8ይ ክፍሊ

ኣከፋፋሊ ንዞባታት፦ ሱኒታ ስተሺነሪ ቴለ 124009

MAHTA TECHNICAL TRAINING CENTER

N¥gñ oN‹Y mksDÈM KA}©ö\q KLBV}: mksK|gñ K\XGïpq: mk‹F[-H\mk} ´mkX}: kœM ›]—ké N¥pq ]F·| }MAmk H©öa M›²l LðT ‰MsD÷ mkH ] ;

1. ELECTRONICS 2. ELECTRICITY 3.MOBILE TELE

MAINTENANCE 4 AUTOMECHANICS 5. COMPUTER MAINTENANCE 6. SOLAR POWER SYSTEM

…©öV`|:- Ìq ®Dï¥ …‘érké] chëÃöU 9 ©‘é qmkDDê : ©| [²{§oñ chë:² 112: MOBILE: -07132007 Tel:- 08200356

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተል

ሄም ታደሰ

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ፍረወይኒ መስፍን ደሞዝ ምባል ተሪፉ፡ ፍረወይኒ መስፍን ሃይለ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/7/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣቶ ህዝቅኤል ገብረመድህን ኣስፍሃ፡ ንተኸሳሲ ኣቶ ተኽለ ዮሴፍ ገብረትንሳኤ ብናይ መኪና ሽም ምትሕልላፍ ክሲ ኣቕሪቡሉ፡ ኣድራሽኡ ስለዘይፈለጦ ይጸውዓለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/7/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ቁ.32 ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ቤ/ፍ የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳ

ወ/ሮ ኣስቴር እስጢፋኖስ ምራጭ፡ ኣደና ወ/ሮ ሄዋን ዕቅባዝጊ ገብረሚካኤል ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 1 ሓፍተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ወ/ሮ ለተእየሱስ ተስፋሚካኤል ገብሩ፡ ወላዲና ተስፋሚካኤል ገብሩ ጊላሚካኤልን ወላዲትና ግደይ ጽገ ተላን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ መርሃዊት ፍቓዱ ከተማ፡ ኣደና ዑቚባ ኪዳነ ይከኣሎ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኤልሳ ክብሮም ገብረእግዚኣብሄር በዓል ቤተይ ኪዳነ ሃብተስላሴ ወልዳይ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ሰገን ሃይለ ኣርኣያን ተኸሳሲ ኣቶ ደሳለ ወልዱ ኪዳነን ዝቐረበልና ሲቪላዊ ክሲ ጉዳይ ሰብኣይን ሰበይትን ኮይኑ፡ ተኸሳሲ ንዝቐረበሉ ክሲ መልሲ ክህበሉ መጸዋዕታ ተላኢኹሉ ኣብ ኣድራሽኡ ስለዘይተረኽበ ተጸዊዑ፡ ን2/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ትእማር ኣልኣዛር ተኽለን ተኸሳሲ ኣቶ መስፍን ኣርኣያ ተወልደመድህንን ዝቐረበልና ሲቪላዊ ክሲ ጉዳይ መሸጣ መኪና፡ ዓይነታ ቮልቮ 740 ሰሌዳ ቁ.ER-1-19776 ቁ.ቻሲ YY1744842G0082144 ካብ ኣቶ መስፍን ኣርኣያ ተወልደመድህን ዝዓደግኩዋ ተኸሳሲ ኣብ ኣድራሹ ስለዘይተረኽበ ተጸዊዑ፡ ን2/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ኣብ ዘየለወሉ ውሳነ ክዋሃብ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዕዳጋ ሓሙስ

ኣቶ ሃብተኣብ ሃይለ ደባስ ዓይነታ ኒቫ ሰ/ቁ/ኢ-ኣር-1-4631 ዝኾነት፡ ንኣቶ ዮናስ ጸጋይ በርሀ ሸይጠሉ። ነታ ዝሸጥኩሉ መኪና ካብ ስመይ ናብ

ስሙ ከመሓላልፈሉ ደልየ ስለዝሰኣንክዎ፡ ተጠቃሲ ተጸዊዑ ቀሪቡ መኪና ናብ ስሙ ከመሓላልፈለይ ምስዘይቀርብ ቤ/ፍ ናብ ስሙ ክትተሓላለፍ ክግበር ኢሎም ስለዝሓተቱ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ምስዘይቀርብ ቤ/ፍ ውሳነ ክህበሉ ምዃኑ የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ ጸጸራት

ወ/ሮ ሰናይት ፍሩይ በዓል ቤተይ ኣቶ መልኣከ ኣስመላሽ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን31/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሰናይት ዮውሃንስ ብርሃነ፡ ወላዲተይ ወ/ሮ ንግስቲ ሚኪኤል ካሕሳይ ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሸሪዓ

ከሳሲት ነጃት ኢብራሂም ሱሌማን ብወኪላ ዓ/ሓሚድ ኢብራሂም ኣቢላ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ኣሕመድ ሱሌማን መሓመድ በዓልቲ ቤትካ ኣብ ቤ/ፍ/ሸሪዓ

ዞ/ማ ክሲ ኣቕሪባትልካ ስለዘላ፣ ባዕልኻ ወይ ሕጋዊ ንዓኻ ዝውክል ሰብ፡ ን6/10/15 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ቤ/ፍ ነቲ ጉዳይ ኣብ ዘየለኻሉ ክርእዮን ውሳነ ክህበሉን ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ቁሸት

ቀ/ኣርኣያ ሰለሙን ተስፋሚካኤል፡ ሓወይ ገብረንጉስ ሰለሙን ተስፋሚካኤል ስለዝሞተ፡ ውላድ’ውን ስለዘይብሉ ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዛግርወ/ሮ ጸጋ ተስፋእየሱስ በዓል ቤተይ ኣኽሊሉ ኣርኣያ ሃይለ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኳዜን

ወ/ሮ መብራት መርእድ ውዕለት፡ ወደይ ክፍልማርያም ስለዝሞተ፡ ውላድ’ውን ስለዘይገደፈ ኣነ ጥራይ ወራሲቱ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/9/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሓበሬታ

ዕለት 27/12/2015 ኣብ ዝተኻየደ መበል 13 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሰብ ብርኪ ኤሪትራኮ ኣስማቶም ካብ’ዚ ንታሕቲ ተመልኪቱ ዘሎ፡ ዳይረክተራት ቦርድ ኮይኖም ንክልተ ዓመት ከገልግሉ ከም ዝተመርጹ ንኣፍልጦ ህዝቢ ንሕብር።

1) ኣቶ ክፍለማርያም ጸጋዘኣብ ኣቦ መንበር2) ኣቶ ገብረኣብ ኣፍወርቂ ጸሓፊ3) ኣቶ ሃይለሚካኤል ተወልደ ኣባል4) ኣቶ ጴጥሮስ ኢሳቕ ኣባል5) ኣቶ መዓሾ ገብረሂወት ኣባል

ኤሪትራኮ ብርኪ ማሕበር

Page 11: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

ሓዳስ ኤርትራ 21 ሓምለ 2015 - ገጽ 11

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ከረን 03

ገርግሽ ኣስፍሃ ግሊኡ፡ ካብ ኣቶ ዮሴፍ ወልዳይ በኪት መኪና ገዚአ ክሳብ ሕጂ ካብ ስሙ ናብ ስመይ ከመሓላልፈለይ ኣይከኣለን። ስለዚ እንተሎ ብኣካል ክቐርብ፡ እንተዘይኮይኑ ድማ ተጸዊዑ ን26/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ማክዳ ኣስመላሽ ዓንደሚካኤል፡ በዓል ቤታ 2 ቆልዑ ወሊዱ ኣብ ትሕቲ ስድራኣ ተኣላይት ምዃና ብሓገዝ ስድራ ትነብር ስለዘላ፡ ኣበይ ከም ዝኸደ’ውን ስለዘይትፈልጥ ሱዳን ኣሎ ይበሃል ደሃይ ግን ኣይገበረላን ስለዚ ን28/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ምስዘይቀርብ ሕጋዊ ዝኾነ ነገር ክፍጸመላ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ደቂ ሽሓይ ግርማይ ጸጋይ ሸቃ ትኳቦ +3፡ ኣቦና ጸጋይ ሸቃ ትኳቦ ስለዝሞተ፡ ንሕና ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/8/15 ኣብ ቤ/ፍ

ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ኤደን 02

ወ/ሮ ሰምበቱ ምኪኤል ገርጊሽ፡ ሓፍትና ወ/ሮ ሮዚና ምኪኤል ገርጊሽ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 8 ኣሕዋተይን ምስ ተተካእቲ ደቂ ኣሕዋተይን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ በዝሓንስ

ኣኽበረት ንጉሰ ናይዝጊ፡ ተኸሳሲ በዓል ቤተይ ኣቶ ተስፋንኪኤል ከሰተ ኣብ ዘለዎ ስለዘይፈልጥ ይጸውዓለይ ስለዝበለት፣ ተኸሳሲ ኣቶ ተስፋንኪኤል ከሰተ፡ ን26/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ።

ሓዳስ ተስፋማርያም ዑቕባየሱስ፡ ምስ በዓል ቤተይ ኣቶ ግርማይ ያቆብ ሃብተማርያም ብ1994 ተመርዒና 7 ቆልዑ ወሊድና። ደሃይ ካብ ዘይገብር 7 ዓመት ስለዝገበረ ደሃይ ዝበሃል ስለዘይብለይ ይጸውዓለይ ስለዝበላ፡ ኣቶ ግርማይ ያቆብ ሃብተማርያም ን26/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓመጺ

ትምኒት ብርሃነ በዓል ቤተይ መርሃዊ ተስፋይ ተስፋሚካኤል ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 1 ወድና ድማ ወራሲ ምዃኑ ይረጋገጸሉ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ እምበይቶተጋ/ሂወት ኢሳቕ ወልደማርያም ብሩ፡ ወላዲና ኢሳቕ ወልደማርያም ብሩን ኣደና ዘውዲ ገብረታትዮስ ጀናይን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 3 ህልዋት ኣሕዋተይን 2 ምውታት ተተካእቲ ደቆምን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ድባርዋወ/ሮ መብርሂት ክብሮም ስባህቱ ምባል ተሪፉ፡ ወ/ሮ መርሃዊት ክብሮም ስባህቱ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ደቀምሓረኣብ መንጎ ከሰስቲ ወረ/ነፍ ድሃብ ገብረሚካኤል ዑቅባዮናስ ዝኾኑ፡ ኣቶ ክብሮም ገብረሚካኤል ብርሃነ +4ን ተኸሰስቲ ወረ/ነፍ የማነ ገብረሚካኤል ዑቅባዮናስን ዘሎ ናይ ምቅሊት ውርሻ ክርክር፡ ካብ ተኸሰስቲ 1.ኣቶ ዳዊት የማነ ገብረሚካኤል 2.ኣቶ ኣድሓኖም የማነ ገብረሚካኤል 3.ኣቶ ብርሃነ የማነ ገብረሚካኤል ዝተባህሉ ኣድራሽኦም ብንጹር ስለዘይተፈልጠ፡ ብኣካል ወይ ብመንገዲ ወኪሎም ኣቢሎም ን30/7/15 ኣብ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ቁ.5

ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ቤ/ፍ ንሳቶም ኣብ ዘይብሉ ውሳነ ክህብ ምዃኑ የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ገብራይ

ኣቶ ተወልደ ቀሺ ሃብቱን ወ/ሮ ስላስ ባህታን ደቅና ለተንስአ ተወልደ፡ ብርክቲ ተወልደ ስለዝሞቱ፡ ንሕና ምስ 4 ደቅና ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወረስቲ ቀሺ በርሄ ሃብቱ፡ ኣቦና ቀሺ በርሀ ሃብቱ ስለዝሞተ፡ ንሕና 13 ደቁ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ንኡስ ዞባ ከተማ መንደፈራ

ወ/ሮ ገነት ተወልደ ዑቕቢት፡ ኣባሓጎና ተላ ጊሎም ሃይለ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይን 3 ሓትነታተይን 5 ኣኮታተይን ወረስቲ ናይ ኣቦሓጎና ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/7/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኤደን ጸጋይ ሓጎስ ምስ በዓል ቤተይ ኣቶ ሽሻይ ኣማኒኤል ወልደሃይማኖት ብ2011 ተመርዒና፡ 1 ቆልዓ ወሊድና። እንተኾነ እዚ በዓል ቤተይ ንዓይ ከይነገረ ምስ ስድራ ገዲፉኒ ን4 ዓመት ዝኣክል ደርብዩኒ ስለዝጠፍአ፡ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ክፍለጥ ስለዘይተኻእለ ይጸውዓለይ ስለዝበላ፣ ኣቶ ሽሻይ ኣማኒኤል ወልደሃይማኖት፡ ን4/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ደቀምሓረ

ከሳሲት ወ/ሮ ነብያት ገብረንጉስ ቀላቲ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ሃይለሚኪኤል ተስፉ ደበሳይ በዓልቲ ቤትካ ናይ ሓዳር ክሲ ኣቕሪባትልካ ስለዘላ፡ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ን5/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። ምስ ዘይትቐርብ ጉዳይካ ናብ ቤተ ዘመድ ሽማግለታት ተመሪሑ ኣድላይ ዘበለ ውሳነ ክወሃቦ ምዃኑ ንሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ደብረ

ኣቶ ጉርጃ ሃይለ፡ ኣደይ ወ/ሮ ሚዛን ወልደስላሴ ካብ 5 ደቃ ንዓይ ኣቶ ጉርጃ ሃይለ፡ 2 ከብቲ፡ 1 ኣድጊ፡ 1 ህድሞ፡ ዓራት፡ ፋስ፡ ማሳ ብኣፋ ስለዘውረሰትኒ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓረዛ

ወ/ሮ ቢዘን ገብረእንድርያስ ወልደስላሴ በዓል ቤተይ ዓይነታ ሃብተ ኣሞኑ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃነን ይረጋገጸለን ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ሓምለ

ለምለም ከሰተ ሞጎስ፡ ብስም በዓል ቤተይ ሃይለ ባህሩ ሃይሉ ዝነበረ ገዛ ብስመይ ለምለም ከሰተ ሞጎስ ተባሂሉ ክጽውዓለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን1/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣባዲት ከሰተ ሞጎስ ምስ በዓል ቤተይ ኣቶ ጉዕሽ ካሕሳይ ወልደስላሴ ብሕጊ ተመርዒና፡ 1 ቆልዓ ወሊድና። ካብ 2009 ካብ ሃገር ወጺኡ ስጋብ ሕጂ ኣለይመለይ ኣይበለንን ስለዚ መሰለይ ክሕለወለይ ክፈላለ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን1/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ተሰነይ ዞባ መስከረም

ዘርእጋብር ፍሳሃየ ሃይለ ብወኪሉ ወ/ሮ ፍረወይኒ ደብረጼን ሃይለ ኣቢሉ፡ ወላዲና ፍሳሃየ ሃይለ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ ሓወይ ፍቓዱ ፍሳሃየ ሃይለ ጥራይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/8/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ምልክታ ጨረታ

ሚ/ሪ ጥዕና ብመገዲ ጨንፈር ጥዕና ስድራቤትን ኮምን (Family and Community Health Division) ሚ/ሪ ጥዕና ነዞም ዝስዕቡ ከስርሕን ክዕድግን ስለዝደለየ፡ ግዱሳት ተወዳደርቲ ይዕድም።

• Print Child Health and Growth Monitoring Card.• Print FANC manuals ANC cards• Medicine caring bags, household goods, furnituer’s• New born baby ready made cloth

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት።

• ተወዳደርቲ ናይ 2014 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ወይ መወዳደሪ ፍቓድ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ከቕርቡ ይግባእ።• ተወዳደርቲ መኽበሪ ጨረታ ዝምለስ 2% ናይቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ሲፒኦ (CPO) ከትሕዙ ይግባእ።• ምልክታ ጨረታ ክሳብ 30/07/2015 ሰዓት ትሽዓተ ቅ.ቀትሪ ክፉት ኮይኑ፡ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሚ/ሪ ጥዕና ቁ.36 ይኽፈት።• ቤት ጽሕፈትና (ሚ/ሪ ጥዕና) ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ጨረታ ንምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሚ/ሪ ጥዕና

ምልክታ ጨረታ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ዝተፈላለየ ኮምፒተራት፡ ፎቶ ኮፒ፡ ፕሪንተር፡ UPS, ICP Projecter ክገዝእ ስለዝደለየ፡ ንጉዱሳት ሕጋውያን ነጋዶ ንጨረታ ይዕድም።

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም፦

- ናይ 2014 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲን መንነትን ፎቶ ኮፒ ምቕራብ የድሊ- ምልክታ ጨረታ ክሳብ ዕለት 28/7/2015 ክፉት ኮይኑ፡ ንጽባሒቱ 29/7/2015 ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ቤ/ጽ ቁ.20 ይኽፈት።- መኽበሪ ጨረታ 5,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ናቕፋ ዝተረጋገጸ ቸክ (CPO) ይተሓዝ።- ተወሳኺ መግለጽን ሓበሬታን ኣብ ሚ/ትምህርቲ ቤት ጽሕፈት ቁጽሪ 20 ወይ ብቴሌፎን 200593/123749 ተወከሱ።

ሚ/ትምህርቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ

ንሳልሳይ ግዜ ምልክታ ጨረታ

ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ ዝተሰባበሩ መምሃሪ ደስክታት (ሰደቓታት) ከጸግኖ ስለዝደለየ፡ ካብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ጸሮና፡ ማይዓይኒ፡ ዓረዛ፡ ማይምነ ዝተሰባበረ ሓጺን ብመኪንኦም ናብቲ ዝጽግንሉ ቦታ ወሲዶም ሓጺን ኣልሒሞም ብንብረቶም (ብጣውልኦም) ጸጊኖም ቦያ ክልተ ግዜ ለኽዮም ብመኪንኦም ናብ ቦትኡ ዝመልሱ ግዱሳት ተጫረቲ ይዕድም።

1. ናይ 2015 ፍቓድ ንግዲ ዝተሓደሰ ይኸውን።2. መኽበሪ ጨረታ 15,000.00 ናቕፋ ትሕጃ የትሕዝ። ትሕጃ ከየትሓዘ ሰነድ ጨረታ ኣይውሰድን።3. ጨረታ ካብ 8 ነሓሰ 2015 ክፉት ኮይኑ፡ ንጽባሒቱ 9 ነሓሰ 2015 ሰዓት 9፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቅድሚ ተወዳደርቲ ወይ ወከልቶም ዝተረኽብሉ ይኽፈት።4. መጫረቲ ሰነድን ዘድሊ ሓበሬታን ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ካብ ቁጽሪ 6 ይውሰድ።5. ቤት ጽሕፈትና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ጨረታ ብምልኡ ወይ ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ኢዩ።

ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብመንደፈራ

ምልክታ

ብስም መሓመድ ዓሊ ሓምድ ሽብለላ ብቁጽሪ ምስክር ወረቐት 200904 ብመወከሲ ቁጽሪ 203302 ብኮምሽን ኣባይቲ ዝተዋህበኒ ግዜያዊ ምስክር ወረቐት ኣባይቲ ስለዝጠፍኣኒ፣ ብዕዳ ወይ ረኺበ ሒዘዮ ኣለኹ ዝብል ሰብ ወይ ናይ ብሕቲ ትካል ወይ ናይ መንግስቲ ኣካል እንተሎ፡ ብቁጽሪ ቴሌፎን 07111411 ወይ 162153 ደዊሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክሕብረኒ። እንተዘየሎ ግን ካብ ዝምልከቶ ኣካል መተካእታ ክዋሃበኒ ክሓትት ምዃነይ ይሕብር።

ወኪል ኣቶ ሓምድ መሓመድዓሊ ሓምድ

ምልክታ

ኣነ ዑቕባይ ተስፋማርያም ኣብ ኣስመራ ከባቢ ቀሓውታ ጎደና 713/24፡ ሎታ 41፡ ፓርቸላ ክፋል-ሲ፡ ቁጽሪ ገዛ 47 ብስም ሓፍተይ ነፍ/ዝፋን ተስፋማርያም ብምስክር ዋንነት ቁጽሪ 181377፡ መወከሲ ቁጽሪ 139798 ዝተመዝገበ ገዛ፡ ናብ ስመይ ብውርሲ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ሕጊ ብዝእዝዞ መሰረት ካብ ዝምልከቶ ቤ/ፍ ናይ መኣገዲ ትእዛዝ ወይ ናይ መወዳእታ ውሳነ (ይግባይ ተባሂሉሉ እንተኾይኑ) ሒዙ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪን ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ካዳስተርን ይቕረብ።

ዑቕባይ ተስፋማርያም

Page 12: ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር ደ ፍራንስ፡ ዓዲ ቐይሕ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21072015.pdfዳንኤል ኣብ መበል 16 መድረኽ ቱር

ሓዳስ ኤርትራ 21 ሓምለ 2015 - ገጽ 12

Sabur Printing ServicesSabur Printing Services

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ኣብ ታይዋን ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ መንጎ ክልተ ደቀንስትዮ ከምዝኸውን ይግለጽ ኣሎ።ክልቲአን ሕጹያት ፖለቲከኛታት

ብኣሽሓት ደገፍቲ ተሰንየን ድሮ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ተጸሚደን ከምዘለዋ ምንጪታት’ቲ ከባቢ ሓቢሮም። እተን ፖለቲከኛታት ካብ ታይዋናውያን ልዑል ደገፍ ይረኽባ ምህላወን ድማ ተገሊጹ።ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተፈነወ ዜና፡

ኣብቲ ዝመጽእ ጥሪ ዝካየድ ምርጫ፡ ክልቲአን ዓበይቲ ሰልፍታት ታይዋን ብደቀንስትዮ ክውከላ ብምምራጸን ዝመጽእ ዓመት ደሴት ታይዋን ብጓል ኣንስተይቲ ክትምራሕ’ያ። በዚ ድማ ኣብ ታይዋን ንፈለማ እዋን ጓለንስተይቲ ስልጣን መሪሕነት ከምእትጭብጥ ተፈሊጡ’ሎ። እተን ንስልጣን ፕረዚደንትነት

ዝወዳደራ ዘለዋ ‘ሳይ ኢንግ ወን’ን ‘ሃንግ ሱ ቹ’ን ዝተባህላ ፖለቲከኛታት፡ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ከምዘለወን ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር የቃልሓ።

ታይዋን፡ ንመሪሕነት ዝወዳደራ ዘለዋ ክልተ ደቀንስትዮ

ምክትል ኣፈኛ ባይቶ ታይዋን ኮይና ዝሰርሐት ሃንግ ሱ ቹ ምኩርቲ ፖለቲከኛ ክትከውን እንከላ፡ ሳይ ኢንግ ወን ድማ ኣቐዲማ መምህር ዝነበረትን ኣብዚ እዋን’ዚ ልዑል ህቡብነት ትድልብ ዘላን’ያ። ዝዓበየ መጎሳጐሲ ነጥቢ ናይተን

ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ዝምድና ቻይናን ታይዋንን ዘተኰረ ከምዝኸውን ተዓዘብቲ ይገልጹ። ኣባል ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ታይዋን ዝኾነት

ብኣመሪካን ቻድን ይድገፍ ከምዝነበረ ዝፍለጥ መራሒ ቻድ ነበር ሁሴን ሃብረ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ።ብመሰረት ሓበሬታ ፕረስ ቲቪ፡ እቲ

ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ዘሎ ክሱስ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሰኔጋል -ዳካር ኣብ ዝተደኮነ ቤት ፍርዲ ትማሊ(ሰኑይ) ቀሪቡ።እንተኾነ እቲ መጋባእያ ክኽፈት

እንከሎ፡ ክሱስ ብዓውታ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ዝኹንን ቃላት ከምዘስመዐን ብኣኽበርቲ ጸጥታ ካብቲ መጋባእያ ከምዝተወስደን ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።ኣብ ልዕሊ’ቲ መራሒ ቻድ ነበር፡

ክሲ ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበን ኲናትን ተመስሪቱ ከምዘሎን ድሮ’ውን 300 መሰኻክር ቃሎም ክህቡ ተጸዊዖም ከምዘለዉን እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ። ካብ 1982 ክሳብ 1990 ንቻድ

ዝመርሐ ሁሴን ሃብረ ኣብ እዋን ዘመነ

መራሒ ቻድ ነበር ናብ ፍርዲ ይቐርብ

ስልጣኑ ተቐቲሎም ብዝተባህሉ 40 ሽሕ ሰባት ተሓታቲ ምዃኑ ኣኽበርቲ ሕጊ’ታ ሃገር ገሊጾም። በቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክስታት ገበነኛ ምዃኑ እንተተረጋጊጹ ድማ ካብ 30 ዓመት ክሳብ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ከምዝጽበዮ ኣረዲኦም።እንተኾነ ንሱ፡ ንሕጋውነት ናይቲ ቤት

ፍርዲ ከምዘይቅበሎን ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ሓቅነት ከምዘይብሉን’ዩ ዝገልጽ።ኣብ እዋን ስልጣኑ ጽኑዕ ደገፍ

ኣመሪካን ፈረንሳን ከምዝነበሮ ዝጥቀስ ፕረዚደንት ቻድ ነበር ሁሴን ሃብረ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ዜጋታት’ታ ሃገር ግፍዕታት ከምዝፈጸመ’ዩ ዝኽሰስ። ሁሴን ሃብረ፡ ብ1990 ብእድሪስ ደቢ

ብዝምርሑ ወተሃደራት ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ ናብ ሰኔጋል ከምዝሃደመ ይፍለጥ። ንሱ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ’ታ ሃገር ከምዝኣቱ ከምዝተገብረ ምንጭታት ዜና ይሕብሩ።

ሃንግ ሱ ቹ ምስ ቻይና ድልዱል ዝምድና ናይ ምምስራት ድሌት ከምዘለዋ’ያ ትሕብር። መቐናቕንታ ሳይ ኢንግ ወን

ብኣንጻሩ፡ ምስ ቻይና ዝምድና ዝግበር ዝምድና ን“ልኣላውነት” ታይዋን ክትክፍ ከምዝኽእል’ያ ትገልጽ።ምስ ታይዋን ጂኦግፊያዊ ቅርበት

ኣብ ዘለወን ፊሊፒንስን ደቡብ ኮርያን ደቀንስትዮ ፖለቲከኛታት ስልጣን መሪሕነት ክሕዛ ከምዝኸኣላ ይፍለጥ።

ኣብ ቱርኪ ትማሊ (ሰኑይ) ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምብ 27 ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ 100 ቈሲሎም።እቲ መጥቃዕቲ ምስ ሶርያ ኣብ

ቱርኪ፡ ብመጥቃዕቲ ቦምብ 27 ሰባት ተቐቲሎም

ዘዳውብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርኪ’ዩ ተኻዪዱ። እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደላ ከተማ ሱሩክ ዝተባህለት ኮይና፡ ካብ ከተማ ኮባኒ ናይ ሶርያ ብዙሕ ከምዘይትርሕቕ ምንጭታት’ቲ ከባቢ

ሓቢሮም። ዛጊት ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ

ዝወሰደ ኣካል’ኳ እንተዘየለ፡ ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ፡ ብዕጡቓት ዳዕሽ ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።እቲ መጥቃዕቲ ብርእሰ-ቅትለታዊ

ዕጡቕ ከምዝተፈጸመን ዝፈጸሞ ኣካል ንምፍላጥ ግን ገና ክረጋገጽ ከምዘይተኻእለን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ይሕብር።ዝሓለፈ ወርሒ ዕጡቓት ዳዕሽ

ኣብ ልዕሊ ከተማ ኮባኒ ብዝፈነውዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣስታት 2 ሚእቲ ሰባት ከምዝሞቱ’ዩ ዝጥቀስ።

ንልዕሊ 50 ዓመት መቐራሕንቲ ኮይነን ዝቐጸላ ኲባን ኣመሪካን ኣብዚ ዓመት’ዚ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ድሕሪ ምምሕያሽ፡ ንፈለማ እዋን ሓድሕዳዊ ኤምባሲታተን ብወግዒ ከፊተን።ኣመሪካ ኣብ ሃቫና ርእሰ ከተማ

ኲባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ናብ ደረጃ ኤምባሲ ክብ ከምዘበለቶ ብወግዒ ክተፍልጥ እንከላ፡ ኲባ ብወገና ኤምባሲኣ ኣብ ዋሺንግተን ብወግዒ ከምዝኸፈተት ኣነጺራ።ከም መቐጸልታኡ ሚኒስተራት

ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ኣብ ዋሺንግተን - ኣመሪካ ተራኺቦም፡ ክዘራረቡ መደብ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።ካብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት

ጀሚሩ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት

ኲባን ኣመሪካን ኤምባሲታት ከፊተንርኡይ ምምሕያሽ ክገብር ምጽንሑ’ኳ እንተተገልጸ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ገና ፍልልያት ከምዘሎ’ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ

ኣመሪካ ንዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ‘ዝምድናና ክመሓየሽ’ኳ እንተወሰንና፡ ገና ዘይተሰማማዕናሉ

ጃፓን ኣብ ዓለም ዝኸበረ ስታድየም ንምስራሕ ወጢና። እቲ ኣብ 2020 ንኣገልግሎት ድሉው ከምዝኸውን ዝተገልጸ ስታድየም ክልተ ቢልዮን ዶላር ከምዝውድእን በዚ ድማ ዛጊት ኣብ ታሪኽ እቲ ዝለዓለ ወጻኢታት ዝግበረሉ ከምዝኸውንን ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ። ናሕሲ ናይቲ ባህርያዊ ሳዕሪ ዝውንን ስታድየም ብርሃን ጸሓይ ዘሕልፍ’ዩ።

ብተወሳኺ ክኽፈትን ክዕጾን ዝኽእል ኮይኑ ብምስሊ ብሰብ-ብሽክለታ ዝውደ ቆብዕ (ሄልመት) ዝህነጽ ክኸውን’ዩ። ዲዛይን ናይቲ ህንጻ በቲ ኣህጉራዊ ዝና ከምዝደለበ ዝንገረሉ ዒራቓዊ ብሪጣንያዊ ኣርኪተክት ዛሃ ሓዲድ’ዩ ተነዲፉ። ኣብ ዓለም ዛጊት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝወደኣ ስታድዮማት ሓሙሽተ

ጥራይ ኮይነን፡ ኣርባዕተ ካብዚአን ኣብ ኣመሪካ፡ ሓደ ድማ ኣብ ብሪጣንያ ይርከባ።

ተወሳኺ

ጉዳያት ከምዘሎ ክሕብር እደሊ’ ብምባል ኣገንዚቡ።ኲባ ብወገና፡ ንዓሰርተታት ዓመታት

ብኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ተጻዒኑ ዝርከብ ቁጠባዊ እገዳ ብቕልጡፍ ክለዓል’ያ ትጽውዕ። እንተኾነ፡ እቲ እገዳ፡ ብባይቶ ኮንግረስ ኣመሪካ ክለዓል ከምዘለዎን ገና ተደናጉዩ ከምዘሎን ምንጭታት ዜና የመልክቱ።