ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ...

12
መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 11 “ማን.ዩናይትድ ርእሰ ተኣ ማንነት ዘጥፈአት ትመስል” ኢቫንስ ገጽ 3 ስምምዕ ጀነቫን መጻኢ ዕድል ኑክሌሳዊ መደባት ኢራንን ገጽ 4 “ራኢና ብቕዓቱን ቀጻልነቱን ዝተረጋገጸን ሃንቀውታ. . . ገጽ 10 ቬሮና፡ ‘ከተማ ሮምዮን ጁ ሌትን’ ገጽ 8 ሲንጋፖር 2013 ሰሉስ ኤርትራ ንዝበዝሐ ካብ’ቲ ኣብ 2015 ክውቃዕ ዝተወጠነ ሸቶታት ሚለንዩም ብልዑል ብቕዓት ኣቐዲማ ከምዝተግበረቶ፡ እዚ ድማ መርኣያ ናይ’ቲ ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ዝካየድ ዘሎ ዕውት ስራሓት ምዃኑ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣምና ኑርሑሴን ብ7 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝሃበቶ ሰሚናር ገሊጻ። ኣብቲ ካብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ንዝመጹ ወከልቲ ህዝብን ኣብቲ ዞባ ዝነጥፉ ሓለፍቲ ኣካላት መንግስቲ፡ ግንባርን ማሕበራትን ዘካየደቶ ሰሚናር፡ ሚኒስተር ኣምና፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ከካይዶ ብዛዕባ ዝጸንሐ ንጥፈታትን ናይ መጻኢ መደባትን ሰፊሑን ዝርዝራውን መብርሂ ሂባ። ሚኒስተር ኣምና ኣብ መብርሂኣ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝርግሐ ትካላት ጥዕና ንምርግጋጽን ዝነበረ ሕጽረታት ንምምላእን፡ ቀዳምነት ንርሑቕ ገጠራት ዝሃበ መደባት ብምውጣን፡ ካብ መደበራት ጥዕና ክሳብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታላት ዝዝርጋሕ ትካላት ጥዕና ብምውዳዱ፡ ህዝቢ ብቐረባኡ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ክረክብ በቒዑ ምህላው ብምንጻር፡ እዚ ድማ ኣብ ምምዕባል ዝወሃብ ኣገልግሎት “ኤርትራ ንዝበዝሐ ካብ ሸቶታት ሚለንዩም ብልዑል ብቕዓት ኣቐዲማ ተግቢራቶ’ያ” ሚኒስተር ኣምና ኑር ሑሴን ጥዕና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ኣነጺራ። ጥዕናዊ ንቕሓት ሕብረተሰብ ንምብራኽ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣምና ኑርሕሴን፡ ኣብ ተጠቃምነት ዘመናዊ ሕክምናን ትካላት ጥዕናን ተመዝጊቡ ዘሎ ዕቤት መርኣያ ናይዚ ከምዝኾነ ኣረዲኣ። ኣብ ምክልኻልን ምቊጽጻርን ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣድማዕትን ውጽኢታውያንን መደባት ምትግባሮም ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣምና፡ ፈዋስነቶም ዝተረጋገጸ መሰረታውያን መድሃኒታት ብምዕሩይ ዋጋ ብቐጻሊ ምርግጋጽ ከምኡ’ውን ርትዓዊ ዝኾነ ኣጠቓቕማን ኣተሓሕዛን መድሃኒት ከምዝህሉ ምግባር ካብቲ ጉሉሕ ምዃኑ ብምምልካት፡ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ በብመድረኹ ዝካየድ ዓበይቲ ስርሓት ብውህደትን ኣድማዕነትን ክቕጽል ምዃኑ ኣብሪሃ። ንመደባት 2014 ብዝምልከት ድማ፡ ሚኒስተር ኣምና፡ ንዝጸንሐ ኣገልግሎት ንምድንፋዕ፡ 21 ሓደስቲ ትካላት ጥዕና ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ንምህናጽ መደብ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ዝተሓፍሰ ዓወት ንኽዕቀብን ንኽድንፍዕን፡ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝብን ምምሕዳራትን ብዝበለጸ ክቕጽል ኣዘኻኺራ። ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ብሚኒስተር ኣምና ንዝተዋህቦም ሰፊሕ መብርሂ ብምምስጋን፡ ኣብ ጥዕናዊ መዳያት ሳላ ዝተኻየደ ዓበይቲ ስራሓት፡ ህዝቢ ካብ ዝተፈላለዩ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ተናጊፉ ጥዕናኡ ተሓልዩ ምህላው ጠቒሶም፡ ኣብ ዝርግሐ ትካላት፡ መሳርሒታትን ቀረብ መድሃኒታትን ሓሓሊፉ ዝርአ ሕጽረታት ንኽውገድ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ከካይዶ ንዝጸንሐ ጻዕርታት ብዝለዓለ ክቕጽሎ ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ገሊጾም። ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ዝርከቡ ስንኩላን፡ ንዝኸፈተሎም ዕድላት ተጠቒሞም መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጾም። እቶም ስንኩላን ኣብ ሓበሬታኦም፡ መንግስቲ መነባብሮ ስንኩላን ዜጋታት ንምምሕያሽ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ብምምስጋን፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝግበረሎም ሓገዛት ብግቡእ ክጥቀሙሉን ንከባቢኦም ኣርኣያ ክኾኑን ከምዝጽዕሩ ኣረጋጊጾም። ኣቦ-መንበር ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ኣቶ መሓመድ ዓብደላ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ሓጋዝ፡ ስንኩላን መንግስቲ ንዝፈጠረሎም ዕድላት ተጠቒሞም መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ክጽዕሩ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ዞባ ስንኩላን ናብራኦም ዝመርሑሉን ዘመሓይሹሉን ባይታ ተጣጢሑ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ብዝበለጸ ክነጥፉሉ ምዃኖም ሓቢሩ። ሓላፊት ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብቲ ንኡስ ዞባ ወይዘሮ ገነት ሃብተ ድማ፡ ሰራሕተኛታት ተሃድሶ ዓዲ ዘካይድዎ ዘለዉ ስራሕ ዝምስገን ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ሚኒስትሪ ዝገብሮ ጻዕሪ ብዝለዓለ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣረጋጊጻ። ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ወይዘሮ ኣምና ሓጅን ኣመሓዳሪ ከተማ ሓጋዝ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ሙሳኤልን ብግደኦም፡ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ስንኩላን ዘለዎ ኣጠማምታ ብምቕያር ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝካየድ ንጥፈታት፡ ተራ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ክዓዝዝ ብምዝኽኻር፡ ብወገን ምምሕዳር ዝሕተት ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ኣብሪሆም። ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ንጥዩሳትን ስንኩላትን ደቂ-ኣንስትዮ ንምትብባዕ ንዝተገብረ ጻዕሪ ብምምስጋን፡ ተመሳሳሊ ዕድል ንዘይረኸቡ ዜጋታት ኣተኲሮ ክግበረሎም ተላብዮም።

Upload: others

Post on 21-Jan-2021

8 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

²Ãö 3

ገጽ 11“ማን.ዩናይትድ ርእሰ ተኣማንነት ዘጥፈአት ትመስል”

ኢቫንስ

ገጽ 3ስምምዕ ጀነቫን መጻኢ ዕድል ኑክሌሳዊ መደባት

ኢራንን

ገጽ 4“ራኢና ብቕዓቱን ቀጻልነቱን ዝተረጋገጸን ሃንቀውታ. . .

ገጽ 10

ቬሮና፡ ‘ከተማ ሮምዮን ጁሌትን’

ገጽ 8

ሲንጋፖር

2013

ሰሉስ

ኤርትራ ንዝበዝሐ ካብ’ቲ ኣብ 2015 ክውቃዕ ዝተወጠነ ሸቶታት ሚለንዩም ብልዑል ብቕዓት ኣቐዲማ ከምዝተግበረቶ፡ እዚ ድማ መርኣያ ናይ’ቲ ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ዝካየድ ዘሎ ዕውት ስራሓት ምዃኑ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣምና ኑርሑሴን ብ7 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝሃበቶ ሰሚናር ገሊጻ።ኣብቲ ካብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት

ጋሽ-ባርካ ንዝመጹ ወከልቲ ህዝብን ኣብቲ ዞባ ዝነጥፉ ሓለፍቲ ኣካላት መንግስቲ፡ ግንባርን ማሕበራትን ዘካየደቶ ሰሚናር፡ ሚኒስተር ኣምና፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ከካይዶ ብዛዕባ ዝጸንሐ ንጥፈታትን ናይ መጻኢ መደባትን ሰፊሑን ዝርዝራውን መብርሂ ሂባ። ሚኒስተር ኣምና ኣብ መብርሂኣ፡

መንግስቲ ኤርትራ ዝርግሐ ትካላት ጥዕና ንምርግጋጽን ዝነበረ ሕጽረታት ንምምላእን፡ ቀዳምነት ንርሑቕ ገጠራት ዝሃበ መደባት ብምውጣን፡ ካብ መደበራት ጥዕና ክሳብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታላት ዝዝርጋሕ ትካላት ጥዕና ብምውዳዱ፡ ህዝቢ ብቐረባኡ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ክረክብ በቒዑ ምህላው ብምንጻር፡ እዚ ድማ ኣብ ምምዕባል ዝወሃብ ኣገልግሎት

“ኤርትራ ንዝበዝሐ ካብ ሸቶታት ሚለንዩም ብልዑል ብቕዓት ኣቐዲማ ተግቢራቶ’ያ” ሚኒስተር ኣምና ኑር ሑሴን

ጥዕና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ኣነጺራ።ጥዕናዊ ንቕሓት ሕብረተሰብ

ንምብራኽ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣምና ኑርሕሴን፡ ኣብ

ተጠቃምነት ዘመናዊ ሕክምናን ትካላት ጥዕናን ተመዝጊቡ ዘሎ ዕቤት መርኣያ ናይዚ ከምዝኾነ ኣረዲኣ። ኣብ ምክልኻልን ምቊጽጻርን

ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣድማዕትን ውጽኢታውያንን

መደባት ምትግባሮም ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣምና፡ ፈዋስነቶም ዝተረጋገጸ መሰረታውያን መድሃኒታት ብምዕሩይ ዋጋ ብቐጻሊ ምርግጋጽ ከምኡ’ውን ርትዓዊ ዝኾነ ኣጠቓቕማን ኣተሓሕዛን

መድሃኒት ከምዝህሉ ምግባር ካብቲ ጉሉሕ ምዃኑ ብምምልካት፡ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ በብመድረኹ ዝካየድ ዓበይቲ ስርሓት ብውህደትን ኣድማዕነትን ክቕጽል ምዃኑ ኣብሪሃ።ንመደባት 2014 ብዝምልከት

ድማ፡ ሚኒስተር ኣምና፡ ንዝጸንሐ ኣገልግሎት ንምድንፋዕ፡ 21 ሓደስቲ ትካላት ጥዕና ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ንምህናጽ መደብ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ዝተሓፍሰ ዓወት ንኽዕቀብን ንኽድንፍዕን፡ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝብን ምምሕዳራትን ብዝበለጸ ክቕጽል ኣዘኻኺራ።ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡

ብሚኒስተር ኣምና ንዝተዋህቦም ሰፊሕ መብርሂ ብምምስጋን፡ ኣብ ጥዕናዊ መዳያት ሳላ ዝተኻየደ ዓበይቲ ስራሓት፡ ህዝቢ ካብ ዝተፈላለዩ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ተናጊፉ ጥዕናኡ ተሓልዩ ምህላው ጠቒሶም፡ ኣብ ዝርግሐ ትካላት፡ መሳርሒታትን ቀረብ መድሃኒታትን ሓሓሊፉ ዝርአ ሕጽረታት ንኽውገድ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ከካይዶ ንዝጸንሐ ጻዕርታት ብዝለዓለ ክቕጽሎ ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ገሊጾም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ዝርከቡ ስንኩላን፡ ንዝኸፈተሎም ዕድላት ተጠቒሞም መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጾም።እቶም ስንኩላን ኣብ ሓበሬታኦም፡

መንግስቲ መነባብሮ ስንኩላን ዜጋታት ንምምሕያሽ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ብምምስጋን፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝግበረሎም ሓገዛት ብግቡእ ክጥቀሙሉን ንከባቢኦም ኣርኣያ ክኾኑን ከምዝጽዕሩ ኣረጋጊጾም።ኣቦ-መንበር ማሕበር ሓርበኛታት

ስንኩላን ኲናት ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ኣቶ መሓመድ ዓብደላ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ

ሓጋዝ፡ ስንኩላን መንግስቲ ንዝፈጠረሎም ዕድላት ተጠቒሞም መነባብሮኦም ንምምሕያሽ

ክጽዕሩ ምዃኖም ኣረጋጊጾም

ዞባ ስንኩላን ናብራኦም ዝመርሑሉን ዘመሓይሹሉን ባይታ ተጣጢሑ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ብዝበለጸ ክነጥፉሉ ምዃኖም ሓቢሩ።ሓላፊት ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን

ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብቲ ንኡስ ዞባ ወይዘሮ ገነት ሃብተ ድማ፡ ሰራሕተኛታት ተሃድሶ ዓዲ ዘካይድዎ ዘለዉ ስራሕ ዝምስገን ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ሚኒስትሪ ዝገብሮ ጻዕሪ ብዝለዓለ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣረጋጊጻ። ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ

ወይዘሮ ኣምና ሓጅን ኣመሓዳሪ

ከተማ ሓጋዝ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ሙሳኤልን ብግደኦም፡ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ስንኩላን ዘለዎ ኣጠማምታ ብምቕያር ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝካየድ ንጥፈታት፡ ተራ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ክዓዝዝ ብምዝኽኻር፡ ብወገን ምምሕዳር ዝሕተት ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ኣብሪሆም።ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡

ኣብቲ ንኡስ ዞባ ንጥዩሳትን ስንኩላትን ደቂ-ኣንስትዮ ንምትብባዕ ንዝተገብረ ጻዕሪ ብምምስጋን፡ ተመሳሳሊ ዕድል ንዘይረኸቡ ዜጋታት ኣተኲሮ ክግበረሎም ተላብዮም።

Page 2: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

ሓዳስ ኤርትራ 10 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 2

12፡00 ሪምና

12፡30 ዜና ብትግርኛ

12፡50 ጉዳይ ኣብ ዘተ

13፡00 ዜና ዓረብ

13፡45 መላምሕ

14፡20 ዕላል ጥበባት

15፡10 NEWS HIGHLIGHTS

15፡45 X-FILES

16፡55 ERISPORA

17፡20 ዶክተራት ኣብ ስቱድዮ

18:25 hot tracks

19፡00 ዜና ብትግረ

19፡20 ዉ/ሓ/ፍልጠት

20፡00 ዜና ብዓረብ

20፡20 ስፖርት

21፡00 ዜና ብትግርኛ

21፡30 ማህደር

22፡15 ዜና ብእንግሊዝ

22፡30 Media Offline

23፡00 ህርመት

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስኤደን ዘርእጋብር

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር 2013 ጀሚሩ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝካየድ

ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ወፍሪ ቈጸራ ጥሪት ንምዕዋት ምትሕብባር ወነንቲ ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

ዘሎ ወፍሪ ምቑጻር ጥሪት ንምዕዋት፡ ወነንቲ ጥሪትን ምምሕዳራት ከባቢን

ምትሕባባሮም ክብ ከብሉ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ዞባ

ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን ኣዘኻኺሩ።ኣቶ ኣቡበከር ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ

ሓበሬታ፡ ምቚጻር ጥሪት ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ድሕሪ 2004 ከምዘይተኻየደ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከባ ጥሪት ብንጹር ንምፍላጥን፡ ንጹር ቁጽሪ ሒዝካ ምስ ጥሪት ዝተኣሳሰር መደባት ንምውጣንን ንምትግባርን፡ እቲ መደብ ብምምሕዳር’ቲ ዞባ ይሰላሰል ከምዘሎ ኣብሪሁ።እቲ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ

ቈጸራ ጥሪት፡ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ክዛዘም ትጽቢት ከምዝግበር ብምምልካት፡ ንምዕዋት’ቲ መደብ ዘድሊ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ከምእተዋህበ፡ ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ ንምክያዱ ድማ ብቑዕ ስልጠና ዝቐሰሙ 124 ክኢላታት ሕርሻ ምስ ምምሕዳራትን ወነንቲ ጥሪትን ተሓባቢሮም ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።ቊጽሪ ጥሪት ብንጹር ምፍላጥ፡

እኹል መገሃጫታትን ዓይኒ-ማያትን ንምድላው፡ እኹል ቀረብ መድሃኒት ንምርግጋጽ፡ ጠለብ ዉጽኢት ጸባን ስጋን ንምምላእ፡ ከምኡ’ውን ካልእ ኣብ ምድንፋዕ ሃብቲ እንስሳ ዘተኰረ መደባት ንምትግባር ከምዘኽእል ዝገለጸ ኣቶ ኣቡበከር፡ ወነንቲ ጥሪት እቲ መደብ ልዕሊ ኩሉ ንዕኦም ዘርብሕ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ሓቀኛ ቊጽሪ ጥሪቶም ክሕብሩ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ተጀሚሩ ዘሎ

መስርሕ ምቚጻር ጥሪት ኣብ’ቲ ዝተመደበሉ ግዜ ክጻፈፍ ምእንቲ፡ ኩለን ምምሕዳራት ንኡስ ዞባታት ምስ ክኢላታት ሕርሻ ተወሃሂዶም ንኽሰርሑ ብዕቱብ ተታሒዙ ከምዘሎ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

መኮነን ጎስጓስን ሓበሬታን ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣካላት ንዝነጥፉ ኣባላቱን ካብ ዝተፈላለያ እዝታት ንዝተዋጽኡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ስልጠና ጋዜጠኝነት፡ ግራፊክስ፡ ስነዳን ደረቕን ተንቀሳቓስን ስእልን ይህብ ኣሎ።ኣብ መኮነን ጎስጓስን ሓበሬታን

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓላፊ ዜና ካፒተን ፍስሃየ ለምለም ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ማእከል ቅድሚ ሕጂ መንእሰያት ብስፖርት ንኽምልመሉ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ከሰላስል ምጽንሑ ብምሕባር፡ እዚ ናይ ሕጂ ሞያዊ ስልጠና ግን ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ከምዝኾነ፡ ንመጻኢ ድማ ብዝበለጸ ከማዕብልዎ

ከም መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ገሊጹ።ዕላማ’ቲ መደብ፡ መንእሰያት

ብሓፈሻ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ድማ ብፍላይ ሞያ ዓጢቖም ኣብ ዝተዋፈሩሉ ስራሕ ኣድማዕቲ ንክኾኑ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብቲ ሞያ ክነጥፉ ንዝጸንሑ ተካእቲ ንምምልማል ከምዝኾነ ተፈሊጡ።ነቲ ስልጠና ካብ ዝህቡ ዘለዉ

ኣቶ ኣልኣሚን ዓሊሙዝን ኣቶ ተኽለማርያም ተኸስተን ብግደኦም፡ ሰልጠንቲ ዝቐስምዎ ዘለዉ ሞያ እዋናውን እናሰራሕካ እተማዕብሎን ከምዝኾነ ብምብራህ፡ ተገዳስነት ሰልጠንቲ ልዑል ስለዝኾነ፡ ንዘለዎም ፍልጠት ብዘይተጒላባነት ንኸሰጋግሩሎም ልዑል ድርኺት ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም።ካብ ሰልጠንቲ፡ ኣባል ስታፍ

ምምሕዳር ሚኒስትሪ ምክልኻል ራህዋ ሃይለን ኣባል እዚ ምብራቕ ያሬድ መንግስተኣብን ድማ፡ ዝስልጥኑሉ ዘለዉ ዓውድታት ኣብ ርእሲ’ቲ ኣገዳስነቱ ሰናይ ድሌትን ተገዳስነትን መምህራን ተወሲኽዎ ብጽቡቕ ይከታተልዎ ምህላዎም ሓቢሮም።ሞያ ዝዓጠቐ መንእሰይ ኣድማዕነቱ

መኮነን ጎስጓስን ሓበሬታን ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ን40 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሞያዊ ስልጠና ይህብ ኣሎ

ኣብ ስርሑ ጒሉሕ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣባል መኮነን ጎስጓስን ሓበሬታን ሚኒስትሪ ምክልኻል መንእሰይ ኣንገሶም ተወልደ ብወገኑ፡ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መደባት ብዝለዓለ ክቕጽል ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

Page 3: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

ሓዳስ ኤርትራ 10 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 3

ተስፋኣለም የማነ

ብጉዳይ ኑክሌር ኣብ መንጎ ኢራንን ብኣመሪካ ዝምራሓ ሓይልታት ምዕራብን ንሓያለ ዓመታት ሰፊኑ ንዝጸንሐ ሓያል ፖለቲካዊን ወታሃደራዊን ወጥሪ ዘህድእ ዝመስል ሓድሽ ምዕባለ ተኸሲቱ ኣሎ። ኢራን ነቲ “ዘይንፈግ ልኡላዊ መሰለይ’ዩ” ብምባል ኑክሌሳዊ ጸዓት ንምምንጫው ክትደፍኣሉ ዝጸንሐት ኑክሌሳዊ መደባታ ብኸፊሉ ከተወንዝፎ፡ ኣምሳያኡ ድማ ገለ ክፋል ናይ’ቲ ብባይቶ ጸጥታ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዝጸንሐ ቁጠባዊ ማዕቀባት ክለዓለላ ምስተን ብ‘P5+1’ ዝፍለጣ ሽዱሽተ ሓይሊታት ዓለምና ኣብ ስምምዕ በጺሓ ኣላ። እቲ ድሕሪ ሓያለ ኣዋርሕ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንጂኦፖለቲካዊ ክውንነት ማእከላይ ምብራቕ ካብ ምልዋጥ ሓሊፉ ኣብ ቁጠባ ዓለም’ውን ርኡይ ስንብራት ክገድፍ ምዃኑ ድማ ብሓያለ ተንተንቲ ፖለቲካ ይግለጽ ኣሎ።እቲ ስምምዕ ብ24 ሕዳር 2013 እዩ

ኣብ ጀነቫ - ስዊዘርላንድ ተኸቲሙ። ተዛተይቲ ኢራን፡ ምስ ወከልቲ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ከቢቦም ንኣርባዕተ መዓልታት ዝቐጸለ ጽዑቕ ዝርርብ ድሕሪ ምክያዶም ከኣ’ዮም ናብቲ ስምምዕ ክበጽሑ ክኢሎም። እንተኾነ እቲ ስምምዕ ናብ ካልእ ነባሪን ኣጠቓላሊን ስምምዕ ንምብጻሕ ርሒብ በሪ ዝኸፍት ግና ድማ ግዚያዊ ምዃኑ’ዩ ዝሕበር ዘሎ። ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ዕድመ ዘለዎ ብምዃኑ ከኣ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ሓይሊታት ምዕራብን ክቕልቀል ዝኽእል ጩራ ሰላም ቅሂሙ ከይተርፍ ኣብ ሓያለ ወገናት ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ። ብመሰረት’ቲ ኣብ መንጎ ኢራንን

ሽዱሽተ ሓያላን ሃገራት ዓለምናን ተበጺሑ ዘሎ ግዚያዊን መሰጋገሪን ስምምዕ፡ ኢራን ነቲ ኣብ ምስራሕ ኑክሌሳዊ ቦምብ ከገልግል ከምዝኽእል

ስምምዕ ጀነቫን መጻኢ ዕድል ኑክሌሳዊ መደባት ኢራንን

ዝንገረሉ ‘ዩራንየም’ ዝተባህለ ባእታ ክሳብ 5% እንተዘይኮይኑ ካብኡ ንላዕሊ ከተመሓይሾ ከይትፍትን፡ ነቲ ኣቐዲማ ክሳብ 20% ኣማሓዪሻ ከዚናቶ ዘላ ዩራንየም ከኣ ክትብርዞ ወይ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክትገብሮ፡ ትሑት ብቕዓት ዘለዎ ይራንየም (low-enriched uranium) ከይተፍርን ከይትኽዝንን፡ ንመብዛሕትኦም ኣብ ኑክሌሳዊ ትካላታ ተተኺሎም ዝርከቡ ዩራንየም ዘጻርዩ መሳርሒታት (centrifuges) ከተደስክሎምን ተወሰኽቲ መሳለጥያታት ከይትተክልን፡ ንንጥፈታት ናይ’ቲ ብ‘መደበር ኣራክ’ ዝፍለጥ

ፕላቲንየም ዝተባህለ ባእታ ከምዘፍሪ ዝጥርጠር ትካል መመንጨዊ ጸዓት ምሉእ ብምሉእ ደው ከተብሎ፡ ከምኡ ድማ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዙ ተቖጻጸርቲ ኑክሌር ኣብቶም ‘ናታንዝ’ን ‘ፎርዶን’ን ዝተባህሉ ክልተ ኑክሌሳዊ መደበራታ መዓልታዊ ቁጽጽር

ንኸካይዱ ከተፍቅድን ክትተሓባበርን ክትግደድ እያ። ኣምሳያ ናይ’ዚ ድማ ሓይሊታት

ምዕራብ ነቲ ቁጠባኣን ናይ ምግባር ዓቕማን ንምርኹማሽ ክብላ ኣብ ልዕሊኣ ኣጽኒዐንኦ ዝጸንሓ ተረርቲ ማዕቀባት ከፋኹስኦ እየን። በዚ መሰረት እታ ሃገር ከም ወርቂ

ዝኣመሰሉ ክቡራት ማዕድናት ናብ ደገ ክትልእኽ፡ ናይ ነፈርቲን ተሽከርከርቲን መቀያየሪ ኣቕሑ ካብ ደገ ከተእቱ ከምኡ ድማ ምስ ነዳዲ ዘይቲን ባህርያዊ ጋዝን ዝተሓሓዙ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪያዉያን ቀመማት ክትሸይጥን ክትዕድግን ክፍቀደላ እዩ። ኣብ ባንክታት ምዕራብ ዝርከብን

ብሰንኪ ማዕቀብ ደስኪሉ ዝጸንሐን 4.2 ቢልዮን ዶላር ፊናንሲያዊ ሕሳባ’ውን ክትጥቀመሉ ተፈቒዱላ ኣሎ። ነዚ መጠን ሕሳብ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ብጠቕላላ ናይ ኣስታት 7 ቢልዮን ዶላር ቁጠባዊ ማዕቀብ ተላዒሉላ ኣሎ። እንተኾነ ንስምምዕ ጀነቫ ብትሪ ዝቃወሙ ወገናት፡ ኢራን በቲ ስምምዕ ናይ 7 ቢልዮን ዘይኮነስ ናይ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ቁጠባዊ መኽሰብ ክትረክብ ምዃና’ዮም ዝገልጹ ዘለዉ። እዚ ይኹን እቲ ግን፡ ኢራን በቲ ስምምዕ ተቐዪዳ እንተቐጺላ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝስዕብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊኣ ዝትግበር ዝኾነ ሓድሽ ማዕቐብ ከምዘይህሉ መብጽዓ ተኣትዩላ ኣሎ። ኢራን ወላ ደኣ እዚ ዝተጠቕሰ ቁጠባዊ

ማዕቀባት’ዚ ይለዓለላ’ምበር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጽላት ነዳዲኣን ፊናንሲያዉያን ትካላታን ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳ ግን ዳርጋ ከምዘለዎ’ዩ ክቕጽል። ኣለኒ እትብሎ ግን ከኣ ብሰንኪ’ቲ ማዕቀብ ዛጊት ክትጥቀመሉ ዘይካኣለት ዘላ ናይ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ብርኪታትን ካልእን ማዕቀብ ገና ክቕጽል’ዩ። ናይ ደገ ኩባንያታት ኣብ ጽላት ነዳዲ’ታ ሃገር ወፍሪ ንኸየካይዳ ዝእግድ ማዕቀብ’ውን ብተመሳሳሊ ከይተላዕለ ከምዘለዎ ክጸንሕ’ዩ። በዚ ምኽንያት እቲ ስምምዕ ኣብ ዝቕጽል መንፈቕ ኣብ ዕብየት ሰደድ ነዳዲ ኢራን ከምጽኦ ዝኽእል ዝተጋነነ ለውጢ ኣይክህሉን’ዩ። እዚ ማለት፡ ኢራን ነቲ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ማዕቀባት ናብ ትሕቲ 715 ሽሕ በርሚል ኣውሪዳቶ ዘላ መዓልታዊ መጠን ሰደድ ነዳዲኣ፡ ኣብዚ ዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ እንተበዝሐ ብ285 ሽሕ በርሚል ብምዕባይ ናብ ሓደ ሚልዮን በርሚል ክብ ከተብሎ ተኽእሎ ኣለዋ። ወላ’ውን እቲ ተሪፉ ዘሎ ማዕቀባት ምስ ግዜ ክለዓለላ እንተኸኣለ፡ ሰደድ ነዳዲኣ ናብቲ ቅድሚ’ቲ ማዕቀብ ዝነበሮ መጠን ንኸተደይቦ ግን ገና ነዊሕ ግዜ ከድልያ እዩ - ብመሰረት ክኢላታት። እዞም ክኢላታት ከምዘመልክትዎ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰደድ ነዳዲኣ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ምሉእ ብምሉእ ተኣልዩ ብምሉእ ዓቕማ ነዳዲ ናብ ደገ ክትልእኽ እንተጀሚራ፡ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ዋጋ ነዳዲ ካብ ነፍሲ-ወከፍ በርሚል ብ13 ዶላር ክንኪ ገምጋም ኣሎ።

. . . ይቕጽል

Page 4: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

ሓዳስ ኤርትራ 10 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 4

እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ሓቀኛ መጻምዲ ንኽትረክብ ክሕግዙዋ ዝኽእሉ ሜላታት ዝሓዘት’ያ። እቶም ሜላታት ድማ ብሕጽር ዝበለ ተገሊጾም ኣለዉ። ቅድሚ ናብቶም ሜላታት ምሕላፍና ግን ሓንቲ ጓለስተይቲ ዝምድና ንኽትምስርት ኣብ ዝፈተነትሉ ህሞት፡ ኣብ ጉዕዞ ሓደ ድሕሪ ሓደ ፍሽለታት ኣጋጢሙዋ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ብዝሓለፈ ስምዒታዊ ሃስያ ተስፋ ከይቆረጸት ክትብገስ ከምዘለዋ ምዝኽኻር ኣገዳሲ’ዩ። ከምኡ’ውን፡ ነቲ ሓቀኛ መጻምዳ ኣብ ምርካብ ብዙሕ ተጸብያን ደኺማን ክትከውን ስለእትኽእል፡ ሕጂ’ውን ድኻማ ከይጸብጸበት (ንዓይ ዝኸውን መጻምዲ የለን ኢላ ተስፋ ከቆረጸት) ብሓድሽ ሞራል መጻምዳ ንምርካብ ክትብገስ’ዩ ዘለዋ እናበልና፡ ናብቶም ሓቀኛ መጻምዲ ንምርካብ ዝሕግዙ ውጽኢታውያን ሜላታት ንስገር።1. ንሂወትኪ ንበርያ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ

ንወዲ ተባዕታይ ኣዝያ ሰሓቢትን

መሳጢትን እትኸውን፡ ዝተማልአ ሂወት ምስ እትመርሕ’ዩ። ዝተማልአ ሂወት ማለት ድማ ንሂወታ ምስትምቓራ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ምስቶም ከምቲ ናትኪ ድሌታትን ባህግታትን ዘለዎም ሰባት እናተቐራረብኪ ድሌታትኪ ኣዕቢዪ። ከምዚ ኢልኪ እናተጓዓዝኪ ድማ ንዓኺ ዘገድስ ወይ ዝምስጥ ወዲ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ብድሕሪ’ዚ፡ ነቲ ንዓኺ ዝምስጥ ወዲ ምርካብኪ ዕድል ሸለል ከይበልኪ ንተመኩሮኺ ምስ ናቱ ተመኩሮ ከተዋስብዮ ፈትኒ። ከምዚ ምግባር ምስ ናትኪ ዝሳነ ሂወት ዘለዎ ሰብ ኣብ ምርካብ ክሕግዘኪ’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ንሂወትኪ ንበርያ። ሃምኽን ቀልብኺን ንዓኺ ዝኸውን ወዲ ኣብ ምድላይ ዘይኰነ ክኸውን ዘለዎ፡ ንድሌታትክን ባህግታትክን እናስተማቐርኪ ኢኺ ክትጉዓዚ ዘለኪ። 2. ነቲ እትምነይዮ ሰብ ሕሰቢ፡

. ነቲ ኣብ ሂወትኪ እትደልዮ መጻምዲ፡

ሓቀኛ መጻምዲ ብኸመይ ይርከብ?

እንታይ ዓይነት ወዲ ክኸውን ከምዘለዎ ክትሓስብዮ ጀምሪ። ሓደ መጻምዲ ክህልዎ ዘለዎ ውሽጣዊ መለለዪ ጠባያት ማለት ሓላፍነታዊ ድዩ? መኽበሪን ቅኑዕን ድዩ? ብንጹር ምምዛን ከድልየኪ’ዩ። ንሱ ዘርእዮም ውሽጣዊ ባህሪያት ወይ ጠባያት፡ ኣብ ሂወት ወይ ሓዳር ንዝህልዎ ኣጠማምታን ኣተሓሕዛን’ውን ከአንፍተልኪ ስለዝኽእል፡ ተጠንቂቕኪ ኣጽንዕዮ። ከምኡ’ውን ንሱ ዘካይዶም ተወሰኽቲ ንጥፈታት፡ ማለት ኣብ ባራት ተሰጢሑ ዝውዕል ድዩ? ስፖርታዊ ንጥፈታት ዘካይድ ድዩ? ምብጻሕ ቦታታት (ዙረት) ዘካይድ ድዩ? ትምህርታዊ ነገራት ዘሰላስል ድዩ? . . . ወዘተ እንታይነቱ ዝገልጹ ተወሰኽቲ ንጥፈታት ስለዝዀኑ፡ ኣስተብህልሎም ባህሪያቱ ኣብ ምፍላጥ ዝሕግዙኹ’ዮም። እዚ ኩሉ ከኣ ንባህሪያትኪ ምስ ናቱ ባህሪያት ከተሳንይን ንመጻኢ ሂወትኪ ዝኸውን ውሳኔ ክትገብርን ከኽእለኪ’ዩ። ማለት፡ እንታይነት ናይቲ ወዲ እንተመሲጡኪ ትስዕብዮ

እንተዘይኰነ ኣንፈትኪ ትቕይሪ። 3. ንዝሓለፈ ሕማቕ ተመኩሮኺ

ኣብ ረብሓኺ ኣውዕሊ፡ ኣብ ምምስራት ዝምድና ፍሽለት ምስ ዘጋጥም ዝፈጥሮ ስምዒታዊ ሃስያ ቀሊል ኣይኰነን። እንተዀነ፡ ዘጋጠመኪ ሕሉፍ ተመኩሮ ስምዒታዊ ቃንዛ ሓድሽ ዝምድና ንምምስራት ኣብ እትጉዓዝሉ እዋን፡ ነቲ ሓድሽ ጉዕዞ ከየጎናድበልኪ ክትጥንቀቒ ኣለኪ። እዚ ማለት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝጀመርክዮ ዝምድና ስለ ዘይሰለጠ ወይ ብእኡ ስለዝተጎዳእኪ፡ ምስቲ ሓድሽ ንዝምድና ክህልወኪ እትሕልንዮ ዘለኺ ወዲ ተመሳሳሊ ገጸ ባህሪ ከተንጸባርቒ ኣይግባእን። እዚ ግን፡ ሕሉፍ ተመኩሮኺ ተጠቒምኪ፡ ነቲ ክትቀርብዮ እትሓስብዮ ዘለኺ ወዲ ምሳኺ ዝኸይድ ሓቀኛ ድዩ ኣይኰነን ክትግምግምዮን፡ ብዛዕባኡ መጠናዊ መረዳእታ ክትወስድን ይሕግዘኪ’ዩ። ስለዚ ሕሉፍ ተመኩሮ

ኣብ ረብሓኺ ኣውዕልዮ። ገለ ደቀንስትዮ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ምምስራት ዝምድና ብወዲ ተባዕታይ ስምዒታዊ ሃስያ ወይ ጥልመት ምስ ዘጋጥመን፡ ሓድሽ ዝምድና ኣብ ዝምስርታሉ ግዜ፡ እቲ ሕማቕ ተመኩሮአን ክዕንቅጸን ይርአያ’የን። ብሰንኪ ተስፋ ምቑራጽ ክሳብ ደጊመን ንዐአን ዝኸውን ወዲ ንኸይደልያ ምኽንያት ኣይኰነን። ሕሉፍ ሕማቕ ተመኩሮ ግን ሃስያኡ ቀሊል’ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ሂወትካ ክትመሃረሉ ደኣ’ዩ ዘለካ’ምበር ተመሊሱ ዕንቅፋት ክዀነካ የብሉን። 4. ምችኡነት ዝፈጥረልክን ርእሰ-

ምትእምማን ዝህብን ክዳን ተኸደኒ፡ ኣከዳድና ኣብ ምምስራት ዝምድና ኣገዳሲ ስለዝዀነ ብሸለልትነት ክጥመት ኣይግባእን። ስለዚ፡ ምቹኡነት ዝፈጥረልክን ርእሰ-ምትእምማን ዝህበክን ክዳን ምኽዳን

ነቲ እትሓስብዮ መጻምዲ ወዲ ኣብ ምስሓብ ተራ ኣለዎ። ስለዚ፡ ነቲ ወዲ ተባዕታይ ዝምስጥን ንኹሉ ኣብ ግምት ዘእተወን (ዶቡ ዝሓለወ) ኣከዳድና ምኽዳን ጽቡቕ’ዩ፡ መሰልኪ’ውን’ዩ። ስለዚ፡ ናይ ጓል ዓይነት ኣከዳድና (girl style) እንተድኣ ተኸዲንኪ፡ ነቶም ጓል ዝደልዩ (መጻምዲ ዝጥምቱ) ኣወዳት ክትምስጢ ግድን’ዩ’ሞ ወይዘሪት ዘምስለኪ ኣከዳድና ድኣ ኣዘውትሪ። ዝዓበየ ጠመተኺ ግን መንነትኪ ብርእሰ-ተኣማንነት ኣብ ምግላጽ ክኸውን ኣለዎ’ምበር፡ ምሉእ ኣድህቦኺ ብኣከዳድናኺ ተቐባልነትን ብቑዕነትን ክትረኽቢ ክኸውን የብሉን። እቲ ምንታይ መንነትካ ብርእሰ ተኣማንነት ምግላጽ ንሰባት ብእወታ ናይ ምጽላው ሓይሊ ስለዘለዎ።5. ተዋዛዪት ኩኒ፡ ከም ጓለንስተይቲ

መጠን ብኽፉት ልቢ ምስ ደቂ-ተባዕትዮ ምውዛይ ንዓኺ ዝኸውን መጻምዲ ኣብ ምርካብ ክሕግዘኪ ዝኽእል ሜላ’ዩ። እቲ ምውዛይ ግን ዶቡ ዝሓለወ ድኣ’ምበር ኣንፈቱ ዝሰሓተ ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ሓደጋ ከውድቐኪ ስለዝኽእል። ኣብ ልዕለኺ ተገዳስነት ዘለዎ ወዲ ኣብ እትዕዘብሉ ህሞት ድማ ምስኡ ናይ ዓይኒ ምጥምማት ምግባርን ክምስ ምባልን ጽቡቕ’ዩ። እቲ ናይ ዓይኒ

ምጥምማትን ክስምታን ግን ነቲ ወዲ ዝድህል ወይ ዘፍርሕን ካልእ መልኽእቲ ሂቡ ንኽርሕቕ ዝገብርን ክኸውን የብሉን። መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ክምስታ፡ ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ኣብ ቅድሚ ወዲ ተባዕታይ ኣዝያ መሳጢት ንኽትከውን ዘኽእላ እንኮን ውጽኢታዊን ሜላ

ምዃኑ’ዩ። ሕጂ’ውን ርእሰ ምትእምማን ቀንዲ ረቛሒ ወይ ሓይሊ ጓለንስተይቲ ምዃኑ’ዩ። ምቕልልትን ምእዝዝቲን ምዃን’ውን ንወዲ ተባዕታይ ካብ ዝማርኹ ጠባያት’ዮም እሞ ተጠቐምሎም። 6. መቓድውቲ ምዃንኩም ኣረጋግጺ፡

ዝምድናኹም እናጠጥዐ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ሂወት እንታይ’ዩ ዝደሊ ሕተትዮ። ነቶም ዝደልዮም ዕላማታቱኸ ብኸመይ’ዩ ከተግብሮም ዝውጥን? ነቶም ዕላማታቱ ንምዕዋትከ እንታይ ክገብር’ዩ ዝደሊ? ዕላማታቱኸ ምስ ናትኪ ዕላማታት ይሰማምዑ ድዮም? ኣብ ክብሪታት፡ ድሕረ-ባይታን ዕላማታትን ተመሳሳልነት

ምህላው ዕዉት ዝምድና ንኽትምስረት ኣንፈት ይህቡኻ’ዮም። ኣብ ኣዝዮም ደቀቕቲን ብዘይመጠን ዓበይቲን ፍልልያት ብዙሕ ዘይምድሃብ፡ ምኽንያቱ ምስ ግዜ ክልወጡ ስለዝኽእሉ። እንታይ ድኣ ኣብቶም መሰረታዊያን ዝዀኑ’ሞ ሓዳር ንምምስራት ዝሕግዙ ዕላማታት ጥራይ ትቃደዉ ምዃንኩም ኣረጋግጺ።

7. ጥዕና ዘለዎ ዝምድና ኣማዕብሊ፡ መቓድውቲ ምዃንኩም ምስ ኣረጋገጽኪ፡ ቅኑዕን ጥዕና ዘለዎን ዝምድና ከተማዕብሊ ጸዓሪ። ምኽንያቱ፡ ምስቲ እትቐርብዮ ዘለኺ ወዲ ሚዛናውን ቅኑዕን ርድኢት ሒዝኪ ምስ እትጉዓዚ ጥራይ’ዩ ንመጻኢ ሂወትኩም ጥዑይ ዝምድና ክኩስኩሲ እትኽእሊ። ጉርሒን ምትላልን ሕዝኪ ኣይትቕረቢ። ድጉል ስምዒታትን ኣምሰሉነትን ኣወግዲ። ንስኺን ዕላማኺን ኰይንኪ ድኣ ቅረቢ። እቲ ኩለንትናኺ ዝተዓዘበ ወዲ ድማ ክቐርበኪን ምሳኺ ክቕጽልን’ዩ። ኣዘራርባኺ’ውን ኣብ ልዕሊ’ቲ ወዲ ተባዕታይ ዘለኪ ኣኽብሮት ዝገልጽ፡ ንፍቕሪን ሓድነትን ክልቴኹም ዝድርኽ ክኸውን ከም ዘለዎ ለበዋ ኣየድልዮን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ለዋህ ኩኒ። ከም ኣደ ኰይና ዝምድናኣ እተማዕብል ጓለንስተይቲ ንልቢ ወዲ ተባዕታይ ክትሰልብ ግድን’ዩ። ሓቀኛ ዝምድና ልቢ ንልቢ ብምውህሃብን ኣብ ጉዕዞ ጸጸኒሖም ብዘጋጥሙ ምጉርፋጣትን እናደልደለ ዝኸይድን ዝምዕብልን ምዃኑ ኣስትውዕሊ።8. ናብ መርዓ ኣይትተሃወኺ፡ ነዞም

ቀዲምና ዘልዓልናዮም ነጥብታት ተኸቲልኪ ንዓኺ ዝኸውን ወዲ መን ምዃኑ ምስ ኣረጋገጽኪ፡ “ኩሉ ነገር ተዛዚሙ’ዩ” ብምባል ተቐላጢፍኪ ናብ መርዓ ምኻድ ጽቡቕ ኣይኰነን። ጽኑዓት መጻምዲ ዝበሃሉ ካብታ ዝተላለዩላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳብ’ታ ዝተመርዓውላ፡ ታህዋኽ ንመርዓ ኣወጊዶም ቀስ ብቐስ ፍልልያቶም እናጽበቡን ሓድነቶም እናዕበዩን ዝኸዱ ምዃኖም’ዮም ክኢላታት ዝመኽሩ። ንመርዓ ዘይምህዋኽ ዝያዳ የርብሓኪ’ምበር ኣይሃስየክን’ዩ። ዘየስተውዓክልዮ ነገራት

ብደቂቕ ንኽትፈልጢ፡ ንኽትበስልን እኹል ተመኩሮ ንኽትድልብን ስለዝሕግዘኪ ተመራጺ’ዩ። ኣብ ናይ ሌላ ጉዕዞ ግን ምክብባርን ሓልዮትን ብኣኺ ይኹን ብወገን’ቲ ምሳኺ ዝቐርብ ዘሎ ወዲ ክፍለየኩም ዘይብሉ ንኽልተኹም ጠሚሩ ኣብ ሓዳር ከብጽሓኩም ዝኽእል መሰረታዊ ቀመም’ዩ።

ጥቕሲ ብዛዕባ መጻምዲ ምርካብሓንቲ ጓል ንኣደኣ ከምዚላ ሓተተታ፡

“ኣደ፡ ነቲ ቅኑዕ ወዲ (right Man) ከመይ ገይረ’የ ዝረኽቦ?”

“ቅኑዕ ወዲ ምንዳይ ረሲዕኪ፡ ንባዕልኺ ቅንዕቲ ጓል ኣብ ምዃን ኣተኩሪ።”

ቅኑዕ ናይ ዓይኒ ምጥምማትን ክምስታን

Page 5: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

ሓዳስ ኤርትራ 10 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 5

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

“ራኢና ብቕዓቱን ቀጻልነቱን ዝተረጋገጸን ሃንቀውታ ህዝቢ ዝምልስን ኣገልግሎት ጥዕና ምቕራብ’ዩ” ሚኒስተር ኣምና ኑርሑሴን

ሚኒስተር ጥዕና ኣምና ኑርሑሴን ሚኒስትሪ ጥዕና ካብ 1991 ክሳብ 2013 ንዘሰላሰሎም ዓበይቲ ጥዕናዊ ስራሓት ብዝምልከት ንኣመሓደርቲ 14 ንኡሳን ዞባታት፡ ኣባላት ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ግንባርን፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ወለዲ፡ ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስን ሰፊሕ ሰሚናር ኣቕሪባ። ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ባረንቱ - ኣዳራሽ ሃማመተኤ ዝተገብረ ሰሚናር፡ ተሳፍቲ’ውን ብኽፉት ሃዋህው ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም።ነቲ መደብ ዝኸፈተ ኣመሓዳሪ ዞባ

ጋሽ ባርካ ኣቶ መሓመድ ሓምድ እድሪስ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ “ክቡራት ናይ 14

ንኡሳን ዞባታት ወከልቲ ህዝቢ፡ ክቡራት ወለዲ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሓለፍቲ ሚኒስትሪታትን ግንባርን፡ ሎሚ ክብርቲ ሚኒስተር - ሚኒስትሪ ጥዕና ብጸይቲ ኣምና ኑርሑሴን፡ ኣብ ውሽጥ’ዘን ኣስታት 23 ዓመታት ንጥዕና ዝምልከት ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታትን፡ ብሕጂ ንኽሰላሰሉ ተዳልዮም ዘለዉ መደባትን ብዝምልከት ኣብ ቅድሜና ቀሪባ ገጽ ንገጽ ብምርኻብ ሰሚናር እተካይደሉ መድርኽ’ዩ። ከም’ቲ ሚኒስተራት ናብ ህዝቢ እናቐረቡ፡ ፖሊሲታትን ዕማማትን መንግስትን ሚኒስትሪታቶምን ብንጹር ብምግላጽ ሕቶታትን ርእይቶታትን ንምቕባል ዘካይድዎ ዘለዉ ሰሚናራት፡ ሎሚ ድማ ንሚኒስትሪ ጥዕና ዝምልከት መደብ ክቐርበልና’ዩ። ንዞባን ሃገርን ዝሕግዙ ኣገደስቲ ሕቶታት፡ ርእይቶታትን ሓበሬታታትን ክተፍስሱ ከኣ እላቦ” ድሕሪ ምባል መድርኽ ንሚኒስተር ኣምና ኑርሑሴን ኣረኪቡ። ዝኸበርካ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣቶ

መሓመድ ሓምድ እድሪስ፡ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ናይ’ዚ ሰሚናር፡ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ወከልቲ ህዝቢ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ እንቋዕ ንመበል 22 ዓመት ኣብጽሓና። ብምቕጻል ነዚ ሎሚ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ ክትሳተፉ ብምምጻእኩም ብዓቢ ሓጎስ እቕበሎ። እንቋዕ ገጽ ንገጽ ኣረኣኣየና ከኣ እብል። ብሓፈሻኡ እዚ ኣኼባ’ዚ መቐጸልታ

ናይ’ቲ ብኹሎም ሚኒስተራት ክካየድ ዝጸንሐ ሰሚናራት ኰይኑ፡ ብወገነይ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ሒዘ ቀሪበ ኣለኹ። ብሓፈሻ ዝተኻየደ ንጥፈታት፡ ረኺብናዮ ዘለና ዓወታት፡ ዝብደሃና ዘሎ ኩነታትን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እንሰርሖ ዘለና ንጥፈታትን ኣጠቓሊለ ከቕርቦ’የ። እቲ ሚኒስትሪ ሰፊሕ፡ ዘለዎ ዕማማት ድማ ብኡ መጠን ዓቢ ስለ ዝዀነ፡ ከም’ቲ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ዝበሃል፡ ንሌላ ክሕግዘኩም ይኽእል’ዩ

ዝበልኩዎ ቀንዲ ነጥብታት ሕጽር ብዝበለ ከቕርቦ ክፍትን’የ። ምእንቲ ሓበራዊ መረዳእታ ክህልወና ነዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ትሕዝቶ ብስእሊ እናተደገፍና ክንርእዮ ኢና። ሚኒስትሪ ጥዕና ዘካይዶ ስራሕ

ብመሰረቱ ካብ’ቲ ናይ ሃገራዊ ቻርተርናን ማይክሮ ፖሊሲናን ዝተበገሰ’ዩ። መንግስቲ

ኤርትራ ከም’ቲ ንኹሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሓሉ ዘሎ፡ ኣብ ጥዕና’ውን እንተ ዀነ ኣዝዩ ዓቢ ወጻኢታት ብምግባር፡ ኩነታት ጥዕና ህዝብና ውሑስ ምእንቲ ክኸውን ዝተፈላለየ መደባት ሒዙ፡ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ሚኒስትሪ ጥዕና’ውን ብወገኑ፡ ነዚ ተልእኾ እዚ ንምፍጻም ህዝብና ጥዕናዊ ኩነታቱ ዝተማልአ ምእንቲ ክኸውን፡ ዝተፈላለየ መደባት ሒዙ ክኸይድ ጸኒሑ። ብፍላይ ድማ ነቲ ድልየትን ሃንቀውታን መንግስቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እቲ ተልእኾ ስሩዕን ምዱብን ምእንቲ ክኸውን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ተልእኾታት ብምውዳድ

ስራሓቱ የካይድ ኣሎ። ጥዕና እቲ ቀንዲ ረቛሒ ንማሕበራዊ ድሕነት፡ ቁጠባዊ ኣፍራይነትን ማሕበራዊ ዕብየትን ስለ ዝዀነ፡ ራኢና ኣድማዒ፡ ቅቡል፡ ብቕዓቱን ቀጻልነቱን ዝተረጋገጸን ሃንቀውታ ህዝቢ

ዝምልስን ኣገልግሎት ጥዕና ብምቕራብ ኩሉ ዜጋ በብዓቕሙ ክጥቀመሉ ዝኽእል ምቹእ ባይታ ንምፍጣርን እዩ።ሓደ ካብ’ቶም መሪሕ ኣምራት

ሃገራዊ ፖሊሲን ሜላን ጥዕና፡ ምዕሩይ ኣገልግሎት ጥዕና ምሃብ’ዩ። ኣብ ኩሉ

ቦታታት ዝዝርጋሕ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ብምቕራብ ንኹሉ ሕብረተሰብ ማዕረ ናይ ሕክምናን ካልኦት ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ኣገልግሎታትን ምሃብ ዘጠቓልል ድማ’ዩ። በዚ መንገዲ ድማ ደረጃ ጥዕናን ዓይነት ሂወትን መነባብሮን ህዝቢ ኤርትራ ምምሕያሽ’ዩ። ምሉእ ኣገልግሎት ክበሃል እንከሎ፡

ኣብ ምፍዋስ ጥራይ ዘተኮረ ዘይኰነስ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ሕማማት ዝከላኸል፡ ዝፍውስ፡ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ ወይ ማሕበራዊ ስንክላና ምስ ዝህሉ ድማ ተሃድሶታት ብምግባር ዘሀድስ፡ ብሓፈሻ ናይ ጥዕና ምሉእ ኣፍልጦና ዘማዕብልን

ኩሉ መዳያዊ ጥዕና ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋጽን’ዩ። ንጡፍ ተሳትፎ፡ ተቐባልነትን ግብረ መልስን ህዝብን ውፉይ ኣበርክቶ ሰራሕተኛታትን ስለ ዝሕወሶ ከምኡ’ውን እቲ ሓላፍነት ናይ ሚኒስትሪ ጥዕና

ጥራይ ዘይኰነ፡ ካልኦት ማሕበራውያን ናይ መግስትን ናይ ልምዓት ጽላታትን ስለ ዘዋስአን ምስ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ትካላት ጥዕና ብምትሕብባርን ብምሽራኽን ኣብ መዳይ ጥዕና ሰፊሕ ዕማም ምፍጻም የጠቓልል። እዚ ንቐጻልነት ዘተባብዕ ንጡፍ

ተሳትፎ ሕብረተሰብ ካብ ህዝቢ ዝመንጨወ ንህዝቢ ተሳታፊ ዝገብር ኣብ ኮም ዝተሰረተ ሰፊሕ ሱታፈ ህዝቢ ዘለዎ ኣገልግሎት ኢና ክንክተል ጸኒሕና። ክሳብ ሕጂ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ጸኒሑና’ዩ። ንብሕጂ’ውን ዝፍለየና ኣይኰነን። ንናይ ገዛእ ርእስና ጥቕሚ ስለ ዝዀነ ድማ ክድፈኣሉ ዘለዎ’ዩ። ውሁድ ምውሳእ ናይ ብዙሓት ጽላታት እውን ኣብ ጥዕናዊ ስራሓትና ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ጥዕና ንኹሉ ጸላዊ ስለ ዝዀነ፡ ደገፍን ምሕግጋዝን ናይ ኩላተን ጽላታት ወይ ከኣ ኣካላት ክህሉ ስለ ዘለዎ፡ ምውህሃድ ኩላተን ጽላታት፡ ነቲ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ዝያዳ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ይገብሮ። ኣብ መወዳእታ ምስ ሃገራውያንን ኣህጉራውያን ኣካላት ኣድማዒ ዝዀነ ሽርክነት ብምፍጣር ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ዕማማት ምስላጥ’ዩ። በዚእቶም ሃገራውያን ኣምራት እናተመራሕና ኣድማሒ ስራሓት ነሰላስል ኣለና። ብሓፈሻኡ ኣብ ውሽጢ’ዚ 22 ዓመታት

ዘሰላሰልናዮም ስራሓት ከዐውቱና ዝኸኣሉ፡ ኣብ’ቲ ናይ መንግስቲ ሃገራዊ ፖሊስን ሜላን ስለ እንድገፍ’ዩ። ብዓቢኡ እቲ ፖለቲካዊ ተወፋይነይ መንግስቲ ከምኡ’ውን መንግስቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ገዚፍ ወጻኢታት ብምግባር ንሚኒስትሪ ጥዕና፡ ናይ ድራኸ ሓይሊ ስለ ዝፈጠረሉ፡ እዚ ሚኒስትሪ ዕማማቱ ብዕዉት መንገዲ ንኸሰላስል ሓጊዙዎ’ዩ። እቲ ሚኒስትሪ ቀንዲ ብሓላፍነት

ዝሰርሓሎም ሰለስተ መዳያት ኣለዉዎ። ሓደ እቲ ጥዕናዊ ምርምር’ዩ። ሚኒስትሪ ጥዕና ንጽፈት ብቕዓትን ቀጻልነትን ዘካይዶም ስራሓት መጽናዕታት እናገበረ እዩ ዘሰላስሎም። ዝያዳ ኣፍልጦ ናይ

ኣባላቱ ማለት እቶም ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣባላቱ ፍልጠቶም ዝያዳ ንኽብርኽ፡ ንኹሉ ንጥፈታቱ ከንቀሳቕስ ዝኽእል ሰፊሕ ዝዀነ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ የካይድ። ካልኣይ ብቐጻሊ ናይ ትምህርቲ መደባትን ዕድላትን እናተፈጥረ ፍልጠቶም ከም ዘዕብዩን ከም ዝቕጽሉን ከምኡ’ውን ብመሰረት ዝተማህርዎ ንህዝቢ ከም ዘገልግልዎ ምግባር’ዩ። ሳልሳይ ከኣ ናይ ምቁጽጻር ስራሓት ምክያድ’ዩ። ኩሉ ዓይነት ንደቂ ሰብ ጎዳኢ ዝዀነ፡ ነገራት ናብ ሃገር ንኸይኣቱ ወይ ንኸይፈሪ ምቁጽጻር ንገብር ኢና። በቲ ሓደ ወገን መድሃኒት ካብ ሕማማት ዘናግፍ ወይ ዘመሓይሽ ፈውሲ’ዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ዘይብቑዕን ዓይነቱ ዘየማልአን እንተ ዀይኑ ጎዳኢ ወይ ቀታሊ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ መርመራታትን ምቁጽጻርን ይግበረሉ። ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብ ሃገር ዝኣቱ መግቢ ይኹን ካልእ ነገራት’ውን ኣብ ኩለን እተን ናይ መጐዓዝያ ነቑጣታት ማለት ብመሬት፡ ብባሕሪን፡ ብኣየርን መቆጻጸሪ ነቑጣታት ኣለና። ምእንቲ ድሕነት ህዝቢ ክሕሎ፡ እቲ ዝዓበየ ስራሕና ቁጽጽርን መርመራን ህዝቢ ዝጥቀመሎም ነገራት’ዩ። እቲ ቀንዲ ንድሕነት ህዝቢ ውሕስነት ዝኸውን ግን ምፍራይ መድሃኒት ስለ ዝዀነ፡ እዚ’ውን ተታሓሒዝናዮ ኣለና።ኣብ 2011 ሚኒስትሪ ጥዕና ነዚ

ዝምልከት ሓድሽን ዝተማሓየሸን ፖሊሲ ኣውጺኡ። እዚ ፖሊሲ ካብ ዝተጓናጸፍናዮም ዓወታት ብምብጋስ፡ ኣብ መጻኢ እንምርሓሉ ንነዊሕ ዓመታት ዘስርሕ ውጥን ዘጠቓለለ’ዩ። እዚ ፖሊሲ’ዚ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝኸይድ ስትራተጅያዊ ውጥናት ሓቚፉ፡ ባጀቱን ንጥፈታቱን ወሲኑ፡ ካብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ኣትሒዝና ብኡኡ እናተመራሕና ስራሓትና ነካይድ ኣሎና።

ምምዳብ ኣባላት ይኹን መምርሒ ናይ ስራሕ፡ ምስ’ቲ ፖሊሲ ከም ዝኸይድ ኰይኑ ብሓድሽ ቅርጺ ተዋቒሩ ኣሎ።

ይቕጽል

Page 6: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

ሓዳስ ኤርትራ 10 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተል

ሄም ታደሰ

VACANCY ANNOUNCEMENT

Bisha Mining Share Company is inviting applicants for the following position for its Bisha Site Project. 1. Position: - Learner Maintenance Planner

Required: 03 Contract Type: Definite

Major Duties and responsibilities:-Ø Ensure all Bisha Mining Share Company safe work practices are observed and

implemented in the department of responsibility.Ø Ensure the preparation and execution of maintenance plans and schedules on the

basis of daily, weekly and monthly mining activities.Ø Communicate with Supervisors during the planning process, including verification

of assets details and scope of work and training and development of maintenance teams.

Ø Check and verify the accuracy of job task instructions prior to releasing work in conjunction with maintenance supervisors.

Ø Develop and maintain planning details of all routine tasks, bills of materials, technical objects, structures etc... Within CMMS (Computerized maintenance management system) in conjunction with maintenance stakeholders.

Ø Capture and manage the integrity of equipment specifications, history and costing within CMMS (Computerized maintenance management system), including the update of any engineering changes.

Ø Understand and appreciate .that the quality, cost and timeliness of maintenance activities are critical to the project as whole.

Ø Display a sense of urgency to ensure timely repair and maintenance of mine equipment.

Ø Contribute to the operations by ensuring that all maintenance activities are planned and completed in a cost effective manner with minimal disruption to ore processing and mining activities.

Ø Develop and promote a quality customer service to all departments within the mine.

Ø Assist planning supervisor in the general operation of the planning group.

Profile: Qualifications and Experience

Formal Education, Certifications or Equivalents

• Grade 12 complete studied toward a technical qualification (certificate, Diploma, degree) in Engineering

Working Experience – Nature & Length

• Have at least 2 years relevant technical experience in any engineering field.

Leadership Experience-Nature & length of time

• To take on the responsibility, work independently and as a team member, Function well during pressure situations, A self-starter, use own initiative, good communicator, able to be developed.

Other skills and abilities

• Computer literate (Microsoft office-Excel, word, PowerPoint)

2. Position: - Light Vehicle Supervisor Required: 01 Contract Type: Definite

Major Duties and responsibilities:-Ø Compliance with the Maintenance Management systemØ Compliance with Safety and Health Management SystemØ Compliance with Environmental Management systemØ Training and development of national workforceØ Management of critical spare parts stock levels impacting on section

performanceØ Construction and maintenance of LV workshopØ Budget managementØ Provide on the job training to subordinatesØ Team BuildingØ Enforce and manage maintenance schedules

Profile: Qualifications and Experience

Formal Education, Certifications or Equivalents

• Must be a qualified diesel mechanic as certified by a reputable organization

Working Experience – Nature & Length • Minimum of 5years’ experience working with Toyota and

Iveco equipment/vehiclesLeadership Experience-Nature & length of time

• Minimum of 5years’ as a supervisor

Other skills and abilities

• Computer skills• Experience working with CMMS (Computerized maintenance management system) (Pronto or Navision or SAP etc.) would be beneficial.

General Information and other requirements:• Place of Work: Bisha.• Type of contract: Definite period • Salary: As per Company salary scale.• Additional requirement for Nationals: • Having fulfilled his/her National Service obligation and provide evidence of release

paper from the Ministry of Defense. • Present clearance paper from current/last employer.• Testimonial documents to be attached (CV, work experience credentials, a copy of your

National Identity Card etc.).• Only shortlisted applicants would be considered as potential candidates for an

interview.• Application documents will not be returned to sender.• All applications should be sent through the post office.• Deadline for application: 10 days from the day of publication in the Newspaper.• Address: Please mail your applications to;

Bisha Mining Share Company, P. O. Box 4276 Asmara, Eritrea

Note to Eritrean applicants: Please send a copy of your application to Ministry of Labor and Human WelfareDepartment of LaborP.O.BOX 5252, Asmara, Eritrea

NoticeNotice is hereby given to the public that Rainbow Educational Enterprises Sh. Company’s Board of Directors in its extra ordinary meeting of 03 November 2013 has passed a resolution to replace a Ato Hassen Said by Ato Berhane Tekle to be a new member of the Board of Directors.

Rainbow Education§ Company

ምልክታብስም መሓሪ ገብረማርያም ወልደስላሴ ኣብ ከተማ መንደፈራ ዞባ 3 ፕሎት 19 ፓርሰል G መወከሲ ቁጽሪ (PID) A2335K1004 ዝተመዝገበ ስለዝጠፍኣኒ፡ ብዕዳ ወይ ብኻልእ ሒዘዮ ዝብል እንተሃልዩ ብቁጽሪ ቴሌፎን 07145170 ደዊሉ ክሕብረኒ። እንተዘይኮይኑ መተካእታ ክሓትት ምዃነይ ይሕብር።

መሓሪ ገብረማርያም ወልደስላሴ

Page 7: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

ሓዳስ ኤርትራ 10 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 7

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተል

ሄም ታደሰ

KETINA MINING SC.VACANCY ANNOUNCEMENT

KETINA MINING SC invites qualified applicants for the following positions. 1. Post Title: Administrator Number required: One Duty Station: Asmara Salary: As per company scale

Duties and Responsibilities

§ Process Travel documents, Visa application for expatriates, manage all of work permits and residence permits.

§ Responsible for custom clearance of imported goods via air or sea and coordinate with site regarding logistics.

§ To carry out sample exporting procedure and send the sample to their respective laboratories.

§ Ensure employees roles with the administration area.§ Plan ahead for any Government association requirement. § Undertakes other duties as requested by the company.

Requirement

§ Diploma in related field § Minimum 10 years work experience on the field § Excellent spoken & written in English § Knowledge of basic computer skills

2. Post Title: Senior Accountant Number required: One Duty Station: Asmara Salary: As per company scale

Duties and Responsibilities

§ Record transactions to the accounting cycle § Settlement invoices§ Payroll process§ Prepare returns for tax office§ Preparing of financial Statements§ Verify any payment made by the company.§ Reconcile monthly bank records (Statement with the book of the company).§ Prepare cash calls and budget of the company.§ Undertake other duties as required by the company.

Requirement

§ University Degree in Accounting.§ Minimum five years work experience on the field. § Excellent spoken & written in English.§ Knowledge of basic computer skills.

3. Post Title: Secretary Number required: One Duty Station: Asmara Salary : As per company scale

Duties and Responsibilities

§ Receiving telephone calls. § Handling travel arrangements. § Preparing and registering incoming and outgoing letters.§ Undertake other duties as required by the company.

Requirement

§ Diploma in secretarial science or related field. § Minimum 8 years work experience on the field.§ Excellent spoken & written in English.§ Knowledge of basic computer skills.

4. Post Title: Driver

Number required: One Duty Station: Asmara Salary : As per company scale

Duties and Responsibilities

§ Operate company vehicles in a safe manner.§ Transport employees to and from Asmara – Ketina – Asmara or any site as

required. § To deliver letters to different Ministries, facilitate any office paper work

activities. § Ensure vehicle is kept clean and tidy at all times.§ Maintaining of Company’s vehicles.§ Undertake other duties as required by the company.

Requirement

§ Minimum 8 years work experience on the field.§ Should be able to speak and write in English.§ 3rd grade driving license.

Note - Testimonial documents to be attached (CV, work experience) Copy of National Service completion / exemption documents are required. Candidates with previous Mining company experience are preferable.

Interested applicants should submit their documents to the following address within 7 days of this advertisement. Only short-listed candidates will be contacted for interview.

KETINA MINING SC. P.O. Box - 1084Asmara, Eritrea

Please send a copy of your application toMinistry of Labor and Human WelfareDepartment of LaborP.O.Box 5242, Asmara, Eritrea

Vacancy NoticeThe Fred Hollow IOL Laboratory, Asmara invites qualified applicants for the following post.

Job title: Accountant

Duty: Financial and Mfg cost handling, analyzing and reporting

Required Qualification: - First degree in Accounting with Three years work experience or Diploma in Accounting with Five years work experience in similar discipline .Additional requirements - Applicants should be national service completed or exempted. - Release from previous job is compulsory

Remuneration: as per company scale.

Interested applicants are invited to mail their letter of applications with non-returnable copy of CV & relevant documents to our postal address 1078, no later than seven days from date of announcement.

NB. Only short listed applicants will be contacted for an interview

ን2ይ ግዜ ዝወጸ ምልክታ ጨረታ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንተመሃሮ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ጻብራ ናቕፋ ዝኸውን ኣሕምልቲ፡ ስጋ፡ ካብ 1 ጥሪ 2014 ክሳብ ሰነ 2014 ከምኡ’ውን ካብ መስከረም 2014 ክሳብ 31 ታሕሳስ 2014 ዘቕርቡ ሕጋውያን ነጋዶ ንጨረታ ይዕድም።ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም፦• ናይ 2013 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን መንነትን ፎቶ ኮፒ ምቕራብ የድሊ።• ምልክታ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ታሕሳስ 16 ክፉት ኮይኑ ይጸንሕ።• ሳንዱቕ ጨረታ ንጽባሒቱ ዕለት 17 ታሕሳስ 2013 ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ይኽፈት።• መኽበሪ ጨረታ 50,000.00 (ሓምሳ ሽሕ) ናቕፋ ዝተረጋገጸ ቸክ (CPO) ይተሓዝ።• ተወሳኺ መግለጽን ዝርዝራዊ ሓበሬታን ኣብ ሚ/ትምህርቲ ቤት ጽሕፈት ቁጽሪ 20 ወይ ብቴሌፎን 200595 / 123749 ተወከሱ።ሚ/ትምህርቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ

Page 8: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

ሓዳስ ኤርትራ 10 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 8

ሃብቶም ጸጋይ

ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝርከባ ከተማታት ከም መስሕብ በጻሕትን ግርማን መለለዪን ዘገልግሉ ብርክት ዝበሉ ኣገረምቲ ህንጻታት ይውንና’የን። ብፍላይ ኣብ ኤስያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ሰማይ-ጠቀስ ህንጻታት ምርኣይ ልሙድ’ዩ። ከተማታት ማሌዥያ ብሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ዝዘቕበበት’ያ። ኣብ ከተማ ዱባይ ዝተሰርሐ ብቡርጃ ኸሊፋ ዝፍለጥ ህንጻ’ውን ዛጊት መወዳድርቲ ዘይረኸበ ዝነውሐ ህንጻ ዓለም’ዩ። ቡርጃ ኸሊፋ ቅድሚ ምህናጹ ንነዊሕ እዋን ዝነውሐ ህንጻ ዝብል ክብሪ ሒዙ ዝነበረ ኣብ ታይዋን - ከተማ ታይፐይ ዝርከብ ህንጻ ታይፐይ እዩ። ነዘን ክልተ ብልዑል ክእለት ዝተሃንጻ ነውሓቲ ህንጻታት ተኸቲለን ኣብ ዝርዝር ዝነውሓ ህንጻታት ዓለም ዝኣተዋ ከኣ እተን ንማሌዥያ መስሕብ በጻሕቲ ዝገበራኣ ፐትሮናስ ሓደን ፐትሮናስ ክልተን እየን። ህንጻታት ፐትሮናስ ኣብ ከተማ ኩላላምፑር ዝርከባ ተመሳሳሊ ምስሊ

ኣብነት ምዕባለ ካብ ዝኾና ሃገራት ዓለም ብቐዳምነት እትጥቀስን ብውሽጣዊ ዓቕሚ ሰበን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ካብ ዝሓኾራ ብሉጻት ሃገራትን ሓንቲ እያ። ንእሽቶ ግን ብቑጠባን ብልጽግናን ዓባይ - ሲንጋፖር።ኣብ ኤስያ እትርከብ ሲንጋፖር ብሓንቲ ዓባይ ደሴትን ልዕሊ 50 ንኡሳን ቁሸታትን ዝተማእክለት ምጭውቲ ሃገር እያ። እዛ ስማን ስም ርእሰ ከተማኣን ሓደ ዝኾነት ንእሽቶ ሃገር ንማሌዥያን ቻይናን ኣብ ዘራኽብ ቦታ ትርከብ። ሲንጋፖር ቀንዲ እትልለየሉ እቲ ኣብ ትምህርቲ ዘድሃበ ፖሊሲኣ’ዩ። እዛ ንምዕቡላን ሃገራት ምዕራብን ነታ ኣብ ኣህጉር ኤስያ ብትምህርታዊ መዳያት ኣዝያ እትንየት ህንድን ብምብላጽ ዝለዓለ ብልሒ ሓንጎል ዘለዎም ዜጋታት ወናኒት ዝኾነት ሲንጋፖር፡ 94 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ህዝባ መሰረታዊ ትምህርቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ክጽሕፍን ከንብብ ዝኽእልን እዩ። ኣብዛ ንግድን ኢንዱስትሪያዊ ስርሓትን ዝለዓለ ኣተኩሮ ሂባ ከምእትሰርሕ ዝግለጸላ ምጭውቲ ሃገር ክሳብ 6ይ ክፍሊ ዝበጽሕ መባእታዊ ትምህርቲ ብናጻ ከምዝኾነ’ውን ይግለጽ።

ሕቶ ንሃብሮም1. ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ ብዝብል ጭርሖ ዝተጸንበለ በዓል ናጽነት ኤርትራ መዓስ እዩሀ. 2007 ለ. 2003 ሐ.2001 መ.20002. ፊዚክስ ዝብል ቃል ካበየናይ ቋንቋ ዝመንጨወ’ዩ?ሀ. ጥልያንኛ ለ.ላቲንኛ ሐ. ግሪኽ መ.ጀርመንኛ3. መበቈል ሃገር ጳጳስ ከተማ ቫቲካን ኮይኑ ዝተመርጸ ጳጳስ ሀ. ፖላንድ ለ. ጥልያን ሐ. ጀርመን መ. ኣርጀንቲና4. ሓዳስ ኣፍሪቃዊት ሃገር መን ትበሃል

መልሲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን 1. ሀ 2. ለ 3.መ 4. 1765

መን እንታይ መሃዘ?

ዝነውሑ

ህንጻታት ዓለም

ዘለወን ሰማይ-ጠቐስ ህንጻታት እየን።ብንውሓተን ቀዳሞት ዓሰርተ ህንጻታት ዓለም 1. ቡርጃ ኸሊፋ (ዱባይ) 828 ሜትሮ2. ታይፐስ 101,(ታይዋን) 508 ሜትሮ3. ፐትሮናስ ሓደ፡ ፐትሮናስ ክልተ (ማሌዥያ) 452 ሜትሮ4. ሲርስ (ቺካጎ - ኣመሪካ) 442 ሜትሮ5. ጂን ማኦ (ሻንጋይ - ቻይና) 421 ሜትሮ6. ማንታ ህንጻ ዓለማዊ ማእከል ንግድ (ኒውዮርክ - ኣመሪካ) 417 ሜትሮ (ኣብ 2001 ብኣልቃዒዳ ዝዓነዋ) 7. ቤት ጽሕፈት ዓለምለኻዊ ማእከል ፋይናንስ (ሆንግኮንግ) 415 ሜትሮ8. ሲቲክ ፕላዛ (ጉዋንዙ - ቻይና) 391 ሜትሮ9. ሹዋን ሂንግ (ሸንዘን - ቻይና) 384 ሜትሮ10. ህንጻ ኪንግዶም (ኒውዮርክ - ኣመሪካ) 381 ሜትሮ

ፎቶግራማትሪ፡ ካብ ደረቕ ስእልን ካልእ ስእላዊ መግለጺታትን ንኣካላዊ (physical) ትሕዝቶ ጥቕሚ ዝውሰድ ናይ ምዕቃን ተግባር ዘጽንዕ ኣካል ስነ ፍልጠት’ዩ። ፎቶ ዝብል ቃል ስእሊ ዝብል ትርጉም ክህልዎ እንከሎ፡ ግራማትሪ ድማ ዓቐን ማለት እዩ። ፎቶግራማትሪ ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝትገበር እኳ እንተኾነ ብቐንዱ ግን ኣብ ህንጻዊ ስርሓት ዘተኮረ ንጥፈታት ይዝውተሩ። ኣብ ዓውዲ ምህንድስና ሲቪል ዝነጥፉ ክኢላታት ካብ ዝተሳእለ ስእሊ ኣብ ተግባራዊ መዳይ ዓቐን ንምውሳድ እዚ ስነ ፍልጠታዊ ኣገባብ የዘውትሩ።

ሲንጋፖር

ብተወሳኺ ልዕሊ 65 ሚእታዊት ካብ መንእሰያት እታ ሃገር ኣብ ላዕላዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዉ እዮም።ህዝቢ እዛ ሃገር መብዛሕትኡ ብባህሊን ልምድን ቻይና ዝውከል ክኸውን ከሎ፡ ብቁጽሪ ውሑዳት ዝኾኑ ንባህሊ ማሌዥያውያንን ህንዳውያንን ዝውክሉ ኣለዎ። ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጣ ንእሽቶ ሃገር ሲንጋፖር ብዘለዎ ጽበት መሬት ኣዝዩ ልዑል ጻዕቂ ህዝቢ ካብ ዝረኣየለን ሃገራት

ዓለም ሓንቲ’ያ። መነባብሮ ህዝባ ኣብ ንግዲ ዝተመርኮሰ ኮይኑ ብማእከላይ ገምጋም እቶት ዜጋታታ ኣብ ዓለም ኣብ 4ይ ደረጃ ትስራዕ።ርእሰ ከተማ ሲንጋፖር ባዕላ ሲንጋፖረ ኮይና ብኣዝዮም ብሉጻትን ኣደንቕትን ቅርሳውያን ህንጻታት ዝዓመረት’ያ። ብተወሳኺ ኣብዛ ከተማ ንበጻሕቲ ኣህዛብ ዓለም ዘደንቕ ዝተፈላለየ ናይ መዘናግዒን ኣብያተ ዕዮን ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣለዎ።

ፎቶግራማትሪመብዛሕትኡ እዋን ፎቶግራማትሪ ንማስተር ፕላን ከተማ ወይ ሃገር

ንምስኣል የገልግል። ካብ በረኽቲ ቦታታት (መብዛሕትኡ ኣብ ነፈርቲ ተሰቒልካ ዝውሰድ ስእሊ) ብምዕቡል መሳርሒ ተሳኢሉ ኣብ ዝቐርብ

ንድፊ ኪነ ስእላዊ መግለጺ ናይ ሓደ ነገር፡ ብስነፍልጠታዊ ኣገባብ ግቡእ ዓቀን ተወሲዱሉ ይስነድ። ነዚ ሰነድ ኣብ ኣካላዊ ትግባረ (physical aspects) ንምህንዳሱ ዝትግበር ንጥፈታት ድማ ብፎቶግራማትሪ ይፍጸም።

***

ቡርጃ ኸሊፋ

Page 9: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

ሓዳስ ኤርትራ 10 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 9

Page 10: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

ሓዳስ ኤርትራ 10 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 10

ዓንዶም ጸጋይ

ከተማ ቬሮና ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ኣብ ዝርከብ ዞባ ቬነቶ ትርከብ ሓንቲ ካብተን ብበጻሕቲ ኣዝየን ዝበሃጋ ከተማታት ዓለም’ያ። ኣብዛ ብስፍሓታ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ካብ ዝርከባ ከተማታት ብሳልሳይ ደረጃ እትስራዕ ከተማ ልዕሊ 265,000 ተቐማጦ ይርከቡ። ብዘለውዋ ጥንታውያን ናይ ንግስነት ሮማ ቅርስታት ብዝሒ በጻሕቲ እትውንን እዛ ከተማ እዚኣ ብዩኔስኮ (UNESCO) ሓንቲ ካብቶም ናይ ዓለምና ናይ ውርሻውያን ቦታታት ዝብል ክብሪ ዝረኸበት ከተማ’ያ። ከተማ ቬሮና ኣብ ቀራና ቦታ ዝተደኮነት ብምዃና ብዘለዋ ኣገዳስነት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ግዳይ ዝተፈላለዩ ውግኣት ኮይና’ያ። ካብ ፈለማ 5 ይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ንዋንነት እታ ከተማ ንምቁጽጻር ተደጋጋሚ ውግኣት

ምስላታት ኣፍሪቃ- ሓለቕኡ ባዕሉ ዝምዝዝ ጊላ የልቦን።- ካብ ምስራቕ ምልማን ይሓይሽ።- እቲ ሓሶት ዘዘውትር እቲ በይኑ ዝጎዓዝ’ዩ።- መልእኽቲ ልቢ ኣብ ገጽ ይንበብ።- ገዛ ቅድሚ ምግዛእካ ኣመት ጠባይ ጎረቤትካ ግበር።- ቢንቶ ከተፍርስ እንተጀሚርካ ንምሕንባስ ተዳሎ።- ኩሉ ዝነጎደ ማይ ኣይሃርምን’ዩ።

ነዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ሕቶታት ብዙሕ ከይሓሰብኩም ብምምላስ ንባህርያትኩምን ኣለልዩ።

1. ብቕልጡፍ ኣብ ርእስኻ ዝመጽእ ስም ኣንጻር ጾታ2. ትፈትዎ ዓይነት ሕብሪ

ባህርያትኩም ብመንጽር ምርጫኹም1. ስም እቲ ትብህጎን እትምነዮን ሰብ’ዩ።2. ቀይሕ። ህይወትኩም ፍቕሪ ዝመልኦን ኣዚኹም ንቑሓትን ኢኹም።ጸሊም። ዓቃባውያንን ሓያላትን ኢኹም።ሰማያዊ። ግሉጻትን ፈተውትን ኢኹም። ኣብ መጻምድትኹም ልዑል ፍቕርን ድንጋጸን ዘለኩም ዓይነት ሰብ ኢኹም።ብጫ። ሕጉሳትን ዘይጭኑቓትን ኢኹም። ብተወሳኺ ንኻልኦት ኣርኣያ ብምዃን መዓድቲ ኢኹም።3. ጥሪ-መጋቢት። ሕጉስ ሂወት ትነብሩ ኮይኑኩም። ኣፍቀርቲ ዘይብልኩም እንተኾይንኩም ምስ እትፈልጥዎም ግን ፍጹም ብዘይተጸበኹሞ ኩነታት ኣብ ፍቕሪ ትወድቁ ሰባት ኢኹም።ሚያዝያ-ሰነ። ሓያል ምትሕልላይ ዘለዎ ዘቕንእ ፍቕሪ ዘለዎ ሂወት ክትምስርቱ እትኽእሉ ሰባት ኢኹም።ሓምለ-መስከረም። ኣብ ነፍሰ ወከፍ ዓመት ኣብ ህይወትኩም ሱር በተኽ ለውጢ ዘምጽእ ዕድል ዝገጥመኩም ዓይነት ሰባት ኢኹም።ጥቅምቲ- ታሕሳስ። ሕጉስ ዝኾነ ናይ ፍቕሪ እዋን ዘየተሕልፉ ሰባት ክትኮኑ ሰፊሕ ተኽእሎ ዘለኩም ኢኹም። እንተኾነ ግን እሙን መጻምድቲ ብምርካብ ጥዑም ሂወት ከተሕልፉ ኢኹም።4. ቁጽሪ ናይቶም እሙናት እትብልዎም መሓዙትን ኣዕሩኽትን ዝኾኑ ቀረብትኹም’ዩ።5. ስም ናይቲ ካብ ኩሉ ኣብሊጽኩም እትፍትውዎን እትኣምንዎን ሰብኩም እዩ።

ሲርስ ታወር- ምንጪ መስሕብ ቱሪስት ከተማ ቺካጎ ኣብ ኣህጉር ኣሜሪካ ካብ ዘለው ዓበይቲ ህንጻታት ዛጊት ብቑመቱ መወዳድርቲ ዘይረኸበ ዝነውሐ ህንጻ። ኣብ ከተማ ቺካጎ ዝርከብ ብ’ ሲርስ ታወር’ ዝፍለጥ ህንጻ እዩ። እዚ ልዕሊ 442 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ሲርስ ታወር ኣብ 1974 ብሰለስተ ዓበይቲ ኣብ ህንጻዊ ስርሓት ዝነጥፋ ኩባንያታት ዝተሃንጸ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ’ዩ። ልዕሊ 110 ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ሲርስ ታወር። ኣብ ላዕላዋይ ጫፍ ናይቲ ህንጻ ዝርከብ ብፍሉይ ንድፊ ዝተቐርጸ ስርሓት ብብዙሓት በጻሕቲ ዝበሃግ ክፍሊ ኣካላ’ዩ። ህንጻ ሲርስ ታወር ብዕብየቱ ኣብ ዓለም ናይ ሓምሻይ ደረጃ’ዩ ዘለዎ።

ኣብ ጉዕዞ ሂወትካ፡

ክትነብር- ጥዕናክትላለ- ትሕትናክትሰርሕ፡ ሕልና

ክትፍቀር- ቅንዕና ፡ ኣይተጉድል ።

ንኣፍልጦ• ኣብ ዓለም ብኹሉ ወገነን ምስ ሓንቲ ሃገር ጥራይ ዝዳወባ ሃገራት ሌሰቶ። ቫቲካንን ሳንማሪኖን እየን። ሌሰቶ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ። ቫቲካን ምስ ኢጣልያ ከምኡ’ውን ሳንማሪኖ ምስ ኢጣልያ ጥራይ ይዳወባ።• ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ቢል ክልንተን ኣብ ናይ 8 ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ 2 ኢመይላት ጥራይ ልኢኹ።• 8% ካብ ደቂሰብ ተወሳኺ ቁጽሪ መሰንገለ ይውንኑ።• ጣንጡ ካብ ዝኾነ ሕብሪ ንሰማያዊ ሕብሪ ይፈቱ።• ሞባይል ተሌፎን ኣብ 1970 ተማሂዛ• ፕላኔት ማርስ ቐይሕ ሕብሪ ትውንን።• ኣድጊ ብምርኣይ ካብ ህይወታውያን እቲ ዝደኸመ’ዩ።• ሓደ እኹል ወዲሰብ ዓመታዊ ዘህልኾ መግቢ ልዕሊ 5 ኪሎ ግራም ይኸውን።

ንፍሽኽታኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ክፉት ናይ ስራሕ ዕድል

ንምርካብ ካብ ዝተወዳደሩ ብዙሓት ሰባት ክልተ ወድን ጓልን ንመወዳእታ ፈተና ይሓልፉ። ነቲ ወሳንን ናይ

መወዳእታን ፈተና ዝህብ ዝነበረ ሓላፊ ድማ ብመልክዕ ናይታ ጎርዞ ስለዝተሰነፈ። ዝገበረ ገይሩ ነታ መልክዕኛ ጎርዞ ኣብቲ ትካል ክቖጽራ ደለየ። ድሕሪ ብዙሕ ምሕሳብ ድማ ሓደ ብልሓት መሃዘ። ንክልቲኦም ብምጽዋዕ።‘ እምበኣር ነብሲ ወከፍኩም ሓሓንቲ ሕቶ ክትሕተቱ ኢኹም፡ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብልክዕ ዝመለሰ ድማ ነዚ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ክሕረ’ዩ’ ክብል ብምግላጽ። ንስም’ታ ጎርዞ ብምድማጽ።‘ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ’ዩ? ‘ክብል ሓተታ።ቀሊል ሕቶ ዝገጠማ ጓል ሆየ። ‘ ኣስታት 4.5 ሚልዮን’ ክትብል መለሰት‘ቅኑዕ መልሲ’ ክብል ዝመለሰ ሓላፊ ነቲ ተሪፉ ዝነበረ መንእሰይ ብምድሃይ‘ንስኻ ድማ ስመዮም ‘ብምባል ዘይምለስ ሕቶ

ብምቕራብ ነታ ዝተመንያ ጎርዞ ብጥበብ ኣዕወታ።

ቬሮና - ‘ከተማ ሮምዮን ጁሌትን’

ተኻይዶም’ዮም። ኣብ ዘመነ ዝተፈላላዩ ነገስታት ከም መንበሪ ንጉሳውያን ቤተሰብ ኮይና ድማ ተገልግል ነይራ።ኣብ ብዙሓት ስርሓት ናይቲ ውሩይ ደራሲ ዊልያም ሼክስፐር ትጽዋዕ ከተማ ቬሮና፡ ነቶም ከም መግለጺ

ጽኑዕ ፍቕሪ ምዃኖም ዝግለጹ ሮምዮን ጁሌትን ኣብታ ሮምዮን ጁልየትን እትብል ስርሓት ሼክስፐር ዝኾነት ድርሰት ዝነብሩላ ከተማ ኮይና ብምጽዋዓ ብብዙሓት ሰባት “ከተማ ሮምዮን ጁልየትን” ዝብል መጸውዒ ስም ይወሃባ’ዩ።

ሀ. ቀይሕ ለ. ጸሊም ሐ. ሰማያዊ መ. ብጫ3. ዝተወለድካሉ/ክሉ ወርሒ4. ትፈትዎ/ውዮ ዓይነት ቁጽሪ5. ወትሩ ቀልጢፍካ እትጽውዖ ስም ተመሳሳሊ ጾታ

ነብስኹም’ስከ ፈትሹ

Page 11: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

ሓዳስ ኤርትራ 10 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 11

ሊግ ኤርትራ 2013/14 ብቕድሚ ትማሊ ንራብዓይ ሰሙኑ ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ስታድዩም ኣስመራ ንጸወታታት ቀይሕ ባሕሪን ደንካልያን ከምኡ’ውን ኣዱሊስን ኣልሂላልን ኣአንጊዱ። ሻምፕዮና ናይ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ሊግ ኤርትራ - ቀይሕ ባሕሪ ንደንካልያ 4ብ1 ስዒራታ። ኣጥቃዓይ ፍጹም ሃይለሚካኤል ኣብ ታሽዓይን መበል 71’ን ደቒቕ፡ መሰረት ምሕረትኣብ ኣብ መበል 47’ ከምኡ’ውን ናይ ደንካልያ ተጻዋታይ ኣብርሃም ተዓገሰ ናብ ገዛእ ልዳቱ ንሸቶታት ቀይሕ ባሕሪ ዘመዝገቡ’ዮም። ዑመር ያሲን ኣብ መበል 28’ ንደንካልያ ካብ ብባዶ ስዕረት እተናግፍ ሸቶ ኣቑጺሩ። ቀይሕ ባሕሪ በዚ ውጽኢት ተሓጊዛ መሪሕነት ናይቲ ውድድር ኣደልዲላ ትርከብ።ስዒበን ግጥመን ዘካየዳ ኣዱሊስን

ኣልሂላልን ኮይነን፡ ብዘይሸቶ እየን ተፈላልየን። ጸወታ ክልቲአን ጋንታታት ብቴክኒካውን ታክቲካውን መዳያት ዝምስገን ብቕዓት ዝተራእየሉ ኮይኑ ይግለጽ። ኣዱሊስ ብተደጋጋሚ ዝሓሸ ናይ ሸቶ ዕድላት እኳ እንተፈጠረት ኣብ ኣፈጻጽማ ኣድማዒት ኮይና ኣይቀረበትን። ኣልሂላል ብወገና ፈተነታት ኣካይዳ’ኳ እንተነበረት ምስ ሰኪዔት ከተራኽብ ግን ኣይከኣለትን። ሓላው ልዳታ ሓያሎ ሸቶ ናይ ምዃን ተኽእሎ ንዝነበረን ኩዓሳሱ ከምክን ብምኽኣሉ ድማ ብሉጽ ጸወታ ኣርእዩ። ብኣሰልጣኒ ሃብቶም

ስፖርትዮናታን ገብርሂወት

[email protected]

ሊግ ኤርትራ - ኣልሂላል ንቐይሕ ባሕርን ኣዱሊስን ትብድህ “ማን.ዩናይትድ ርእሰ ተኣማንነት ዘጥፈአት ትመስል” ኢቫንስ

ሻምፕዮን ኩዕሶ መርበብ

ፔለ - ብራዚል ንፍጻመ ዋንጫ ዓለም ክትበጽሕ ይንበ

ክብረኣብ እትእለ ኣልሂላል፡ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ኣንጻር ዓበይቲ ክለባት ዞባ ማእከል ቀይሕ ባሕሪን ኣዱሊስን ብተኸታታሊ ገጢማ ከይተሳዕረት ብምውጻኣ ክትንኣድ ይግብኣ። ሓንቲ ካብ ታሪኻውያን ክለባት ዞባ ዓንሰባ ዝኾነት ኣልሂላል፡ ሻምፕዮን ቀዳማይ ዲቪዝዮን ከተማ ከረን ብምዃን እያ ሎሚ ዓመት ንኣልሳሕል ተኪኣ ኣብ ሊግ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜኣ ትሳተፍ ዘላ።ኣብ ስታድዩም ከረን ኣልነስር ንኣስመራ

ቢራ ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ 2ብ2 ተፈላልያ። ኣጥቃዓያ ጎይትኦም ሃብቶም ኣብ መበል 27 ደቒቕ ብዘመዝገባ ሸቶ ኣልነስር 1ብ0 መሪሓ ንዕረፍቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ኣስመራ ቢራ ካብ ሳሚኤል ገረዝግሄርን ያሬድ ኪዳነን ብዝረኸበተን ሸቶታት ካብ ድሕሪት መሪሕነት ሒዛ ነይራ። እንተኾነ ዘርአሃይማኖት ቀሊት ንኣልነስር ነጥቢ ተማቒላ ክትወጽእ ኣኽኣላ።ኣብ ካልእ ጸወታታት፡ መረብን ኣልታሕሪርን

ኣብ መንደፈራ 1ብ1 ተፈላልየን። በዚ መሰረት ክለብ መረብ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሜዳኣ ናይ ዘይተሰዓርነት ክብራ ዓቂባ ወጸአት። ደቀምሓረ ናብ ጊንዳዕ ተጓዒዛ ንማይ ኣድከሞም 1ብ0 ክትስዕራ እንከላ፡ ሱሉማ ብወገና ንስሚንቶ ኣብ ባረንቱ ኣአንጊዳ 2ብ1 ረቲዓታ። ኣብ ሊግ ንሳልሳይ ግዜኣ እትሳተፍ ዘላ ስሉማ ንሰሜንቶ ብምስናፋ ኣብ ሜዳኣ ቦኽሪ ዓወት ናይዚ ዓመት ኣመዝጊባ።

ኣብ መድረኽ ፕሪመር ሊግ ዘይከም ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ግጥም ናብ ግጥም ብተኸታታሊ ኣብ ሜዳኣ ነጥቢ ከተጥፍእ ትርአ ዘላ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ካብ ላዕለዎት ኣርባዕተ ክለባት ፕሪመር ሊግ ብሸውዓተ ነጥቢ፡ ካብ መራሒት ኣርሰናል ድማ ብ13 ነጥቢ ድሒራ ታሽዓይ ደረጃ ሒዛ ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ። “ዩናይትድ ተኣማንነት ኣጥፊኣ’ላ። “ኣብ ቅብብል ኩዕሶን ፈጠራውነትን ንዘሎ ትርኢት ምስ እትዕዘብ፡ ምናልባት ተጻወትቲ ከም ባህሪኦም ኣይጻወቱን ዘለዉ። እዚ ዝኾነሉ ከኣ ርእሰተኣማንነትካ እንተኣጥፊእካ’ዩ” ክብል ከኣ ተኸላኻላይ’ታ ጋንታ ጆኒ ኢቫንስ ገሊጹ። ኣሌክስ ፈርጉሰን ካብ ናይ ምስልጣን

ሞያኡ ጥሮታ ድሕሪ ምውጻኡ፡ በቲ ንቦታኡ ዝተረከበ ዴቪድ ሞየስ እትእለ ዘላ ዩናይትድ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመተ ስፖርት ካብ ናይ ቀረባ መወዳድርታ ክለባት ኣዝያ ተፈንቲታ ብምህላዋ፡ ንዐአን ኣርኪባ ክብራ ንምዕቃብ ከቢድ ቃልሲ ከምእትሕተት ርዱእ’ዩ። ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብዚ ወቕቲ ንሓሙሽተ ናይ ሊግ ጸወታታት ክትከስሮ’ያ ተራእያ። ሰለስተ ካብዚ ኣብ ሜዳኣ ምዃኑ’ዩ። ኣብ ሜዳኣ ብኤቨርተን ድሕሪ ዝወረዳ ታሪኻዊ ስዕረት፡ ብኒውካስል’ውን ድሕሪ 1972 ንፈለማ እዋን ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ተሳዒራ። እዚ ድማ ንጸቕጢ ሞየስ ኣካቢድዎ ከምዘሎ ይግለጽ።

ማእከላይ ተኸላኻላይ’ዛ ክለብ ኢቫንስ ድማ፡ “ኣብ ኦልድ ትራፎርድ መብዛሕትኡ ግዜ ሸቶ ንምምዝጋብ ብፍሉይ ንሃድን ነይርና፣ ብኡ ድማ ንጋንታታት ጸቕጢ ካብ ምፍጣር ኣየናገፍናየንን። እንተኾነ ሕጂ ምስ ሕጽረት ተኣማንነትን ፈጠራውነትን ንዕኡ ከነተግብር ኣይከኣልናን። ኣብኡ ኢድካ ከተንብር ከኣ ከቢድ’ዩ።” ክብል እንከሎ፡ “ኣብ ምሕላፍ ኩዕሶ ሕጽረት ትኩርነትን ንጹርነትን ኣሎና። ኣብ ቅብብል ኩዕሶ ዘይጽፉፍነት ስለዘርኢ ድማ ንኒውካስል ክትዕወት ኣኽኢልና’ያ ኢና።” ኢሉ።ንሱ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝኾነ ዓመተ

ስፖርት ጽዋእ ሊግ ንኽትዓትር ኣሸጋሪ ምዃኑን ኣቐዲሞም ንሓሙሽተ ጸወታታት ብምኽሳሮም ከኣ ንናይ ሎሚ ጉዕዞኦም ከምዘካበዶን ብምግላጽ፡ ኢዶም ክህቡ

ከምዘይደልዩን ንክብሪ ሻምፕዮንነቶም ንምዕቃብ ክሳብ መወዳእታ ከምዘይሕለሉን ብተወሳኺ ይዛረብ።

ብራዚላዊ ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ፔለ፡ ናይ ምድብ ዕጫ ዋንጫ ዓለም 2014 ድሕሪ ምውዳቑ፡ ሃገሩ እንተወሓደ ኣብ ግጥም ፍጻመ’ቲ ውድድር ከምእትበጽሕ ተነብዩ።ብመሰረት ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ባህያ

ዝተባህለት ከተማ ዝወደቐ ዕጫ፡ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ምስ ክሮኤሽያ፡ ሜክሲኮን ካሜሩንን ኣብ ምድብ ሓደ ተሰሪዓ’ላ። እዛ ብኣሰልጣኒ ፊሊፕ ስኮላሪ እትእለ ጋንታ ዝመጽእ 12 ሰነ ኣብ ከተማ ሳኦ ፓውሎ ኣንጻር ክሮኤሽያ ብእተካይዶ ፈላሚ ግጥም ንመጋረጃ’ቲ ውድድር ክትቅንጥጥ እያ። ናብ ዙርያ እንተሓሊፋ ካብ ስጳኛ፡ ሆላንድ፡ ቺለ ወይ’ውን ኣውስትራልያ ምስ ሓዲአን ከቢድ ጸወታ ክገጥማ’ዩ። ዝኾነ ኾይኑ ፔለ፡

ዋንጫ ኮንፈደረሽን ዝዓተረት ብራዚል ንኹሉ መንገድታት ክትሰግሮ ምዃና ርእሰ ተኣማንነት ገይሩ’ሎ።“ንዋንጫ ዓለም 1950 ድሕሪ ምኽሳርና፡

ንብዓት ዝሰዓሮ ኣቦይ ወትሩ’የ ዝዝክሮ። ስለ’ዚ ሎሚ ደቀይ እናነባዕኩ ክርእዩኒ ኣይደልን’የ! ክንዕወተላ ኸኣ ተስፋ እገብር!” ክብል ድማ የብርህ። ወዲ 73 ዓመት ፔለ፡ ብራዚል ካብ

ዝጨበጠተን ሓሙሽተ ዋናጩ፡ ኣብተን ሰለስተ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ይፍለጥ። ማልያኣ ወድዩ ካብ ዘካየዶ 92 ጸወታታት 77 ሸቶታት ብምቑጻሩ ድማ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኮይኑ ንረኽቦ።

መበል 13 ሻምፕዮን ኩዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል ተጀሚሩ። ኣብቲ ሜዳ ቦችዮፊላ ዘአንግዶ ዘሎ ግጥማት፡ ብቐዳም ካብ ጋንታታት ደቂተባዕትዮ ቶከር ንሳሊና 3ብ1 ክትስዕራ እንከላ፡ ካብ ጋንታታት ደቀንስትዮ ገጀረት ብጸጸራት 3ብ0 ተረቲዓ። ብሰንበት ኣብ ዝቐጸለ ጸወታ፡ ኣብ ናይ ደቀንስትዮ ፓራዲዞ ንቶከርት 3ብ0፡ ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ ድማ ሳዋ ንብድሆ 3ብ2 ስዒረናአን። ሓያል

ተወዳዳርነት ኣብ ዝተራእዮ ግጥም ሳዋን ብድሆን፡ ተጻዋታይ ብድሆ ፊልሞን ፍጹም ብተደጋጋሚ ብዘርኣዮ ጉድለት ዲሲፕሊን ካብ ሜዳ ብቐይሕ ካርድ ተባሪሩ። ፈ/ኩ/መ/ዞባ ማእከል ካብ ሃገራዊ ፈደረሽን

ንዝረኸቦ ሓገዝ መጻወቲ ኩዓሳሱን ኔትን ኣብ መኽፈቲ’ቲ ውድድር ንኹለን ተሳተፍቲ ጋንታታት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ምሃቡ ይሕበር።

ተኸላኻላይ ባርሴሎና ጆርዲ ኣልባ፡ ብምኽንያት መጉዳእቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ጸወታ ተኣልዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዓርቢ ክለቡ ባርሴሎና ኣብ ልዕሊ ካርታጂና 4ብ1 ኣብ ዝተዓወተትሉ ግጥም ቀዳማይ እግሪ ራብዓይ ዙርያ ኮፓ ደል ረይ ኣብ ሜዳ ወሪዱ። እቲ ብዘጋጠሞ ምጭብባጥ ጭዋዳን ናይ ሰለፍ መጉዳእቲን ቦኺሩ ዝጸንሐ ኣብ ጸጋማይ ክንፊ መስመር

ጆርዲ ኣልባ ናብ ጸወታ ተመሊሱምክልኻል ዝስለፍ ስጳኛዊ ተጻዋታይ፡ ኣብ ግጥም ኮፓ ደል ረይ ን80 ደቒቕ ምስታ ጋንታ ተሳልዩ። ወዲ 24 ዓመት ኣልባ፡ ብኣካላዊ

ድልዉነቱ ኣዝዩ ዝሓሽ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ናብ ጸወታ ምምላሱ ሓጎዙ ገሊጹ። ብዛዕባ’ዚ ተጻዋታይ ኣመልኪቱ ኣሰልጣኒ ጀራርዶ ማርቲኖ፡ “ኣልባ ብቑዕ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ገለ ርእሰተኣማንነት ክህልዎ ንምግባርረ ድማ ድሌትና’ዩ” ኢሉ። ኣብቲ ዕለት ባርሴሎና፡ ኣብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግን ላ’ሊጋን ድሕሪ ዝገጠማ ክልተ ተኸታታሊ ስዕረት እያ ዓወት ከተመዝግብ ዝኸኣለት።

ሓላፊ ልምዓት ኩዕሶ እግሪ ፊፋ ኣብ ኣፍሪቃ - ምስራዊ ማሎሽ በልሓሰን ኣብ ኤርትራ ዑደት የካይድ ኣሎ። ዕላማ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ዑደት ተኽእሎ ምኽፋት ኣካዳምያዊ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ኤርትራ ንምድህሳስ እዩ። ብኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ተሰንዩ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ኣሰይድ ማሎሽ በልሓሰን፡ ብሰንበት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ሜዳ ካምቦ ቺቸሮን ስታድዩም ኣስመራን ተረኺቡ ንመደብ ኩዕሶ እግሪ ህጻናት (Grass Roots)ን ደቀንስትዮን ተዓዚቡ። ንሱ፡ ብዕቑር ዓቕሚ ኤርትራውያን ቈልዑ ከምዝተመሰጠ ክዛረብ እንከሎ፡ ብፍላይ ደቀንስትዮ ተጻወትቲ ብዕቱብ እንተ ተታሒዘን ድማ ኣድማዕቲ ክኾና ከምዝኽእላ ገሊጹ። ዑደት ኣሰይድ በልሓሰን ጽባሕ ክዛዘም’ዩ።

ዑደት ዳይረክተር ልምዓት ኩ/እግሪ ፊፋ ኣብ ኤርትራ

ሎሚሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ

ማንቸስተር ዩናይትድ -- ሻክታር ዶኔስክሪያል ሶሴዳድ - ባየር ለቨርኩሰንኮፐንሃገን - ሪያል ማድሪድጋላታሳራይ ጁቬንቱስበነፊካ - ፒ.ኤስ.ጂኦሎምፒያኮስ - ኣንደርለክትባየር ሙኒክ - ማንቸስተር ሲቲቪክቶርያ ፒዘን - ሲኤስኬኤ ሞስኮ

ጽባሕቸልሲ - ስተዋ ቡካረስትሻልከ 04 - ባዝልባርሴ - ቦሩስያ ዶርትመንድናፖሊ - ኣርሰናልኣትለቲኮ ማድሪድ - ፖርቶኣውስትርያ ቬና - ዘኒት ፒተርስበርግኤሲሚላን - ኣያክስባርሴሎና - ሰልቲክኩሉ ጸወታታት ካብ ሰዓት 10፡45 ምሸት

ክጅምር’ዩ።

መደብ ጸወታ

Page 12: ጥሪት ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10122013.pdf · 2013. 12. 9. · መበል 23 ዓመት ቁ. 101 10 ታሕሳስ 2013 ገጻት

ሓዳስ ኤርትራ 10 ታሕሳስ 2013 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

በዓል ተራ ቤት መድሃኒት፦ ዕለት ኣድራሻ ቍ.ስልኪ ቤ/መ/መድሃኒት ማይ ጃሕጃሕ 3/04/2012 ጐደና 173-18 ቁ.21 ከ/ማይ ጃሕጃሕ ጥቓ ህዝባዊ ቤት ንባብ 127582

ፋርማሲ ቍ.1 ብዘይካ’ቲ መዓልታዊ እትህቦ ኣገልግሎት ምሉእ ለይቲ’ውን ክፍትቲ ኢያ። ኣድራሻ። ዞባ 1 ንኡስ ዞባ 02 ጐ. ናቕፋ ቍ.1 127565

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ኣባላት መርማሪት ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶማዊ ጸዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኑክለሳዊ ንጥፈታት ኣብ ዝካየደሉ መደበር ኢራን በጺሖም።እቲ ምብጻሕ ብሰንበት ዝተኻየደ

ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት

መርማሪት ጉጅለ ው.ሕ.ሃ ኣብ ኑክለሳዊ መደበር ኢራን በጺሓ

ፈረንሳ ንኹሎም ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዕጥቆም ክተፍትሕ ምዃና ኣፍሊጣ።ፈረንሳ፡ ኣብታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ

ዝነበረት ሃገር ሃይማኖታዊ ግጭት ተወሊዑ ተባሂሉ ድሕሪ ምግውሑ፡ ተወሰኽቲ 1600 ወተሃደራት ልኢኻ ምህላዋ ተሓቢሩ’ሎ። ብሄልኮፕተራትን ድሩዓት

መካይንን ዝተሰነዩ ወተሃደራት ፈረንሳ ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጊ ኣትዮም ከምዘለዉ ዝጠቐሰ ቢቢሲ፡ ድሮ’ውን ንጎደናታት’ታ ከተማ ተቖጻጺሮሞ ምህላዎም ሓቢሩ።ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት

ሃገራት፡ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ጸጥታ ዘውሕስ ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ዝጽውዕ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ’ያ ፈረንሳ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ትልእኽ ዘላ።

ፈረንሳ ንዕጡቓት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዕጥቆም ክተፍትሕ?

ናብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣቐዲሞም ዝኣተዉ ኣስታት 2500 ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃን ልዕሊ 1200 ወተሃደራት ፈረንሳን ከምዘለዉ’ኳ እንተተፈልጠ፡ ዛጊት ግን ኩነታት ጸጥታ’ታ ሃገር ክመሓየሽ ኣይተራእየን። እኳ ድኣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት’ታ ሃገር ግጭት ተጓሃሂሩ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ይሕብራ። ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል

ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልቲ ጥራይ ኣብ ከተማ ባንጊ ብውሕዱ 394 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።ኣብ ከተማ ባንጊ ካብ መጥቃዕቲ

ዝሰግኡ ኣማኢት ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርትን ኣብያተ ጸሎትን ተዓቚቦም ምህላዎም ድማ’ዩ ዝጥቀስ። ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ

ሃይማኖታዊ ግጭት ይጎሃሃር ምህላዉ

ናይ መጀመርታ ከምዝዀነ ሮይተረስ ሓቢሩ።ኣህጉራዊ ምቁጽጻር ኣቶማዊ ጸዓት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ‘ኣርክ’

ኣብ ዝተባህለ ኑክለሳዊ መደበር ኢራን ክበጽሕ ዝኸኣለ፡ ብመሰረት’ቲ እታ ሃገር ኣብ ዘተ ሽዱሽተ ሃገራት ዝኸተመቶ ስምምዕ’ዩ። ኑክለሳዊ መደበር ኣርክ ካብ ርእሰ ከተማ ቴህራን 245 ኪሎ ሜትር ንደቡባዊ ምዕራብ ተደኲኑ ዝርከብ ቦታ’ዩ። ኢራን ምስ ሓሙሽተ ቀወምቲ

ኣባላት ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጀርመንን ቅድሚ ገለ መዓልታት ስምምዕ ምግባራ ይፍለጥ። እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኢራን ንገለ ክፋል ኑክለሳዊ ፕሮግራማ

ንኽትድርቶ ዘገድድ’ዩ። ኣምሳያኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ተተግቢሩ ዝጸንሐ ቁጠባዊ እገዳታት ብኸፊል ክለዓል ምዃኑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሩሃኒ ብሰንበት ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ተበጺሑ ዘሎ ኑክለሳዊ ስምምዕ ኣብ ቊጠባ እታ ሃገር ድሮ እወታዊ ጽልዋ ኣምጺኡ ከምዘሎ ሓቢሩ። ብኣመሪካ ዝምርሓ ሓይልታት

ምዕራብ፡ ኑክለሳዊ መደባት ኢራን፡ ኣብ ሰለማዊ ዕላማ ዘይኮነ ኣጽዋር ንምስራሕ ዝዓለመ ምዃኑ’የን ዝገልጻ። ኢራን ግን እተካይዶ ዘላ ኑክለሳዊ

መደባት ንሰላማዊ መዓላ ዝጠመተ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ትገልጽ።

ሩስያ ኣብቲ ብዛዕባ ቅልውላው ሶርያ ኣብ ጀኔቫ ዝካየድ ዋዕላ፡ ተሳትፎ ኢራን ወሳኒ ምዃኑ ገሊጻ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጸላዊ ተራ ስለዘለዋ፡ ዋዕላ ጀኔቫ ብዘይተሳትፎ ኢራን ክዕወት ከምዘይክእል ኣገንዚቡ።ኣብ ጉዳይ ሶርያ ዝዝቲ ሓያሎ

ሃገራት ዝሳተፍኦ ካልኣይ ዋዕላ ጀኔቫ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብሰነ 2012 ዝተኻየደ ዋዕላ ኮይኑ፡ ብጻውዒት ሩስያን ኣመሪካን ዝካየድ ዘሎ’ዩ። እንተኾነ እቲ ዋዕላ ብዘይተፈልጠ

“ኢራን ኣብ ዘተ ብዛዕባ ሶርያ ክትሳተፍ ኣለዋ” ሩስያ

ዝጠቅስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኩነታት ናብ ጃምላዊ ህልቂት ገጹ የምርሕ ከምዘሎ’ዩ ዘጠንቅቕ። ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ባን ኪሙን

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት 9 ሽሕ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም ክዋፈሩ ጸዊዑ’ሎ።ይኹን’ምበር ኣቐዲሙ ኣብ

ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋፈረ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ዘፍረዮ ብዘይምህላዉ፡ ኣብታ ሃገር ዝዋፈር ዘሎ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም’ውን ንጸጥታ’ታ ሃገር ዘውሕስ ክኸውን ከምዘይክእል’ዮም ጸብጻባት ዘገንዝቡ።

ምኽንያት ንሓያሎ ኣዋርሕ ተደናጉዩ ምጽንሑ ይጥቀስ።ኣቐዲሙ፡ ኣብቲ ን22 ጥሪ 2014

ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ፡ ኢራን ክትዕደም ከምዘለዋ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምጽውዑ ይግለጽ።

ይኹን’ምበር ኣመሪካ ኢራን ክትሳተፍ ከምዘይትደሊ’ዩ ዝጥቀስ።ነቲ ዋዕላ መሓዙት ኣመሪካ ዝኾና

ሃገራት፡ ቐጠር፡ ሱዕዲ ዓረብን ቱርኪን ከምዝሳተፋኦ ድሮ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ

ዋዕላ፡ ውግእ ሶርያ ብኸመይ ሰላማዊ ፍታሕ ይርከበሉ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝዝቲ’ዩ።ኣብ ሶርያ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት

ብዝተወለዐ ውግእ፡ ዛጊት ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉን 8 ሚልዮን ድማ ከምእተመዛበሉን ኣህጉራውያን ጸብጻባት የመልክቱ።

ደቡብ ኮርያ ምቁጽጻር ክሊ ኣየራ ክተስፍሖ ምውሳና ንቻይና ኣቖጢዑ። ደቡብ ኮርያ ዘውጽኣቶ መደብ ምቁጽጻር ክሊ ኣየር፡ ንኣሰሓሓብቲ ደሴታትን ማያዊ ግዝኣትን ዘጠቓልል ምዃኑ’ያ ቻይና ትገልጽ። ይኹን’ምበር ቻይና ኣቐዲማ ተመሳሳሊ መደባት ከምዘተኣታተወት ይፍለጥ። እዚ ብቻይናን በታ ደጋፊት ኣመሪካ

ምዃና ዝንገረላ ደቡብ ኮርያን ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ፡ ነቲ ድሮ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ውጡር ኩነታት ዘጋድድ ምዃኑ’ዩ ዝጥቀስ። እቲ ስጉምቲ ናብ ግጭት ከየምርሕ ስግኣት ከምዘሎ’ውን ይግለጽ።

ዜና ብሓጺሩ***

ኣብ ሶማል ዝነጥፋ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት፡ ንዕጡቕ ሓይሊ ኣልሸባብ ጉንዖ ከምዝህባ ተሓቢሩ። ኣብታ ሃገር መጽናዕቲ ዘካየዳ ክልተ ጉጅለ ክኢላታት፡ ትካላት ረድኤት ንኣልሸባብ ገንዘባውን ዓይነታውን ክፍሊት ከምዝገበራሉን እቲ ውድብ ብወገኑ ድሕነት’ተን ትካላት ከምዘውሕስን ገሊጾም። እተን ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት

ድሕነት ኣባላተን ንምውሓስ ሕጂ’ውን እንተኾነ በቲ ዕጡቕ ሓይሊ ንዝቐረበለን ጠለባት እናማልኣ ኣብ ሶማል ይቕጽላ ምህላወን ነቲ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ቢቢሲ

ኣነጺሩ።

*** ኣብ ጃካርታ - ኢንዶነዥያ ኣማኢት

ተሳፈርቲ ዝጸዓነት ባቡር ምስ መኪና ብምግጫዋ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም፤ ዓሰርተታት ቈሲሎም። በቲ ኣብ ደቡባዊ ጃካርታ ዘጋጠመ ሓደጋ

ሓያል ባርዕ ከምዝተላዕለን ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ብዘርኣይዎ ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ግን እቲ ኩነታት ብህጹጽ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወን ምንጭታት’ቲ ከባቢ ሓቢሮም። ኣብታ ባቡር ልዕሊ 500 ተሳፈርቲ ከምዝነበሩ’ዩ ዝግለጽ።

*** ቀዳመይቲ ሚኒስተር ታይላንድ

ዪንግላክ ሺናዋት ሓድሽ ምርጫ ክካየድ ጸዊዓ። ሓያሎ ኣባላት ባይቶ’ታ ሃገር ከም መግለጺ ተቓውሞኦም ብፍቓዶም ስልጣኖም ድሕሪ ምርሕርሖም’ያ፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነዚ ጻውዒት ክተቕርብ ተገዲዳ። ብተወሳኺ ኣሽሓት ዜጋታት ታይላንድ

ኣብ ጎደናታት ከተማ ባንኮክ ብምውጻእ፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትወርድ ከምዝጸውዑ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ደገፍቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ታይላንድ፡

ኣብ ስደት ዝርከብ ሓዋ ነታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር - ታክሲን ሺናዋት፡ ንኹሉ መሓውራት መንግስቲ ይቆጻጸሮ ከምዘሎ’ዮም ዝኸሱ። እቲ ንገዛእ ርእሱ ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ዝነበረ ታክሲን ሺናዋት፡ ኣብ 2006 ብዕልዋ ካብ ስልጣኑ ከምእተሰጐ ይፍለጥ።