ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ -...

12
መበል 23 ዓመት ቁ. 76 15 ሕዳር ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ 2013 ዓርቢ ገጽ 11 ግጥም ‘ፕለይ ኦፍ’ - ፖርቱጋል vs ሽወደን ገጽ 3 ሓጺር ሞያዊ ታሪኽ ክልተ ጠቢባን ገጽ 4 ጉዳየይ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ተሰጋጊሩ ክረኣየለይ ዝኽእለሉ ባይታ ኣሎኒ ዶ? ገጽ 9 ኣፍሮ፡ ኣብነታዊት ተጋዳሊት ገጽ 5 ብሩኖ ማርስ ኣባላት ህግደፍ ንኡስ ጨንፈር ሰሜን ጀርመን፡ መሳርዖም ኣደልዲሎም ሃገራዊ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም፡ ዓመታዊ ንጥፈታቶም ንምግምጋም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣረጋጊጾም። ካብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡እቶም ዜጋታት ጸጋታት ሃገሮም ኣብ ረብሓኦምን ረብሓ ሃገሮምን ንምውዓል፡ ኣብ ሃገሮም ንዝተፈጥረ ንዜጋታት ቀዳምነት ዝህብ ዕድላት ወፍሪ ብተገዳስነት ክጥቀሙሉ ኣዘኻኺሩ። ካብ ቤት-ጽሕፈት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ሰሜን ጀርመን፡ኣባላት ህግደፍ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም ተወልደን ኣቶ ፍጹም ሳህለን ብግደኦም፡ኣባላት ህግደፍ ንኡስ ጨንፈር ሰሜን ጀርመን ኣብ 2013 ንዘሰላሰልዎ መደባት ብምምጓስ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት’ውን ንተጻብኦታት ብስሙር መኸተ ንምምካት ብተወፋይነትከምዝሰርሑ ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም። መንእሰይ ሰምሃር ገብርኣብ ኣብ ዘቕረበቶ -ንቅርጺ፡ ዕላማን መምርሒታትን መንእሰያት ህግደፍ ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ፡ መንእሰያት ንዘካየድዎ ንጥፈታትን በጺሖሞ ዘለዉ መድረኽን ብዝርዝር ኣቕሪባ። ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ኣብ ዝቐረበ ገምጋምን መግለጺታትን ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ልምዓታዊ መደባት ሃገር ንምድንፋዕ ጻዕርታቶም ከምዘሐይሉ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ንዝተስገደደ ዘይሕጋዊ እገዳታት ንምምካት መኸተኦም ከምዘሐይሉ ኣነጺሮም። ንጥፈታት ወለንታውያን ኣገልገልቲ ጥዕና ዓዲ ንኽዕወት፡ ምትሕብባር ኩለን ኣካላትን ህዝብን ክዓዝዝ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ-ባሕሪ ነቲ መደብ ኣመልኪቱ ንሓለፍቲ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ካብ ኣሃዱ ስድራ-ቤትን ኮምን ኣቶ ፍስሃ ዘርኣይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ሚኒስትሪ ንኣገዳስነት ዝተወሃሃደ ኮም ዝሰረቱ ጥዕናዊ መደባት ኣብ ምውሓስ ጥዕና ሕብረተሰብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንጥፈታት ኣገልገልቲ ጥዕና ዓዲ ንምዕዋት ምትሕብባር ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ ብምግንዛብ ይደፍኣሉ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣድማዕነቱ ክረጋገጽ ግና ውሁድ ሓባራዊ ስራሕ ክህሉ መሰረታዊ ከምዝኾነ ኣነጺሩ። ወለንታውያን ኣገልገልቲ ጥዕና ዓዲ፡ ራሕቂ ገለ ዓድታት ካብ ትካላት ጥዕና ኣብ ግምት ኣትዩ ንህዝቢ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብን ጎስጓስ ኣብ ምክያድን ዝነጥፉ ምዃኖም ብምምልካት ድማ፡ ኣብ ካልእ ዞባታት ኣቐዲሙ ተኣታትዩ ዕዉት ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ዞባ ንኽዕወት ምትሕብባር ናይ ኩሎም ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ተስፋጽዮን ግርማይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ጥዕና ኣብ ምክያድ ልምዓታዊ መደባትን ዕለታዊ ንጥፈታትን ወሳኒ ከምዝኾነ ጠቒሱ፡ ምምሕዳር ዞባ ጥዕናዊ መደባት ብዓወት ንኽሰላሰል ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊጹ። ወኪል ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ መሓመድ ናጉስ ብግደኡ፡ መደብ ወለንታውያን ኣገልገልቲ ጥዕና ዓዲ መቐጸልታ ናይቲ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ መደባት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ 12 ዓዲታት ናይ’ቲ ዞባ ክተኣታቶ ስለዝኾነ፡ ንምዕዋቱ ምትሕብባር ናይ ኩሉ ዜጋ ከይፍለዮም ተማሕጺኑ። ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ብዛዕባ’ቲ መደብ ንህዝቢ ጎስጓስን ሓበሬታን ክወሃብ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ንወለንታውያን ኣገልገልቲ ጥዕና ዓዲ ኣብ ስርሖም ዝሕግዞም ስልጠናታት ክህቦም ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Upload: others

Post on 14-Feb-2020

41 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

መበል 23 ዓመት ቁ. 76 15 ሕዳር ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

2013

ዓርቢ

ገጽ 11ግጥም ‘ፕለይ ኦፍ’ -

ፖርቱጋል vs ሽወደን

ገጽ 3

ሓጺር ሞያዊ ታሪኽ ክልተ ጠቢባን

ገጽ 4ጉዳየይ ናብ ካልእ ቤት

ፍርዲ ተሰጋጊሩ ክረኣየለይ ዝኽእለሉ ባይታ ኣሎኒ ዶ?

ገጽ 9

ኣፍሮ፡ ኣብነታዊት ተጋዳሊት

ገጽ 5

ብሩኖ ማርስ

ኣባላት ህግደፍ ንኡስ ጨንፈር

ሰሜን ጀርመን፡ መሳርዖም

ኣደልዲሎም ሃገራዊ መደባት

ልምዓት ንምዕዋት ከም ወትሩ

ድሉዋት ምህላዎም፡ ዓመታዊ

ንጥፈታቶም ንምግምጋም ኣብ

ዘካየድዎ ኣኼባ ኣረጋጊጾም።

ካብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ

ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ

ወልዱ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘስመዖ

ቃል፡እቶም ዜጋታት ጸጋታት

ሃገሮም ኣብ ረብሓኦምን ረብሓ

ሃገሮምን ንምውዓል፡ ኣብ

ሃገሮም ንዝተፈጥረ ንዜጋታት

ቀዳምነት ዝህብ ዕድላት

ወፍሪ ብተገዳስነት ክጥቀሙሉ

ኣዘኻኺሩ።

ካብ ቤት-ጽሕፈት ህዝባውን

ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ

ሰሜን ጀርመን፡ኣባላት ህግደፍ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም

ተወልደን ኣቶ ፍጹም ሳህለን

ብግደኦም፡ኣባላት ህግደፍ ንኡስ

ጨንፈር ሰሜን ጀርመን ኣብ

2013 ንዘሰላሰልዎ መደባት

ብምምጓስ፡ ኣብ ዝቕጽል

ዓመት’ውን ንተጻብኦታት

ብስሙር መኸተ ንምምካት

ብተወፋይነትከምዝሰርሑ

ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

መንእሰይ ሰምሃር ገብርኣብ

ኣብ ዘቕረበቶ -ንቅርጺ፡ ዕላማን

መምርሒታትን መንእሰያት

ህግደፍ ዝምልከት ሰፊሕ

መብርሂ፡ መንእሰያት ንዘካየድዎ

ንጥፈታትን በጺሖሞ ዘለዉ

መድረኽን ብዝርዝር ኣቕሪባ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡

ኣብ ዝቐረበ ገምጋምን

መግለጺታትን ምይይጥ ድሕሪ

ምክያድ፡ ልምዓታዊ መደባት

ሃገር ንምድንፋዕ ጻዕርታቶም

ከምዘሐይሉ ብምርግጋጽ፡ ኣብ

ልዕሊ ሃገሮም ንዝተስገደደ

ዘይሕጋዊ እገዳታት ንምምካት

መኸተኦም ከምዘሐይሉ

ኣነጺሮም።

ንጥፈታት ወለንታውያን ኣገልገልቲ ጥዕና ዓዲ ንኽዕወት፡ ምትሕብባር ኩለን ኣካላትን ህዝብን ክዓዝዝ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ-ባሕሪ ነቲ መደብ ኣመልኪቱ ንሓለፍቲ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ካብ ኣሃዱ ስድራ-ቤትን ኮምን ኣቶ ፍስሃ ዘርኣይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ሚኒስትሪ ንኣገዳስነት ዝተወሃሃደ ኮም ዝሰረቱ ጥዕናዊ መደባት ኣብ ምውሓስ ጥዕና ሕብረተሰብ

ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንጥፈታት ኣገልገልቲ ጥዕና ዓዲ ንምዕዋት ምትሕብባር ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

ብምግንዛብ ይደፍኣሉ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣድማዕነቱ ክረጋገጽ ግና ውሁድ ሓባራዊ ስራሕ ክህሉ መሰረታዊ ከምዝኾነ ኣነጺሩ። ወለንታውያን ኣገልገልቲ ጥዕና

ዓዲ፡ ራሕቂ ገለ ዓድታት ካብ ትካላት ጥዕና ኣብ ግምት ኣትዩ ንህዝቢ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብን ጎስጓስ ኣብ ምክያድን ዝነጥፉ ምዃኖም ብምምልካት ድማ፡ ኣብ ካልእ ዞባታት ኣቐዲሙ ተኣታትዩ ዕዉት ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ዞባ ንኽዕወት ምትሕብባር ናይ ኩሎም ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ተስፋጽዮን ግርማይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ጥዕና ኣብ ምክያድ ልምዓታዊ መደባትን ዕለታዊ ንጥፈታትን ወሳኒ ከምዝኾነ ጠቒሱ፡ ምምሕዳር ዞባ ጥዕናዊ መደባት ብዓወት ንኽሰላሰል ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊጹ።ወኪል ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ

ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ መሓመድ ናጉስ ብግደኡ፡ መደብ ወለንታውያን ኣገልገልቲ ጥዕና ዓዲ

መቐጸልታ ናይቲ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ መደባት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ 12 ዓዲታት ናይ’ቲ ዞባ ክተኣታቶ ስለዝኾነ፡ ንምዕዋቱ ምትሕብባር ናይ ኩሉ ዜጋ ከይፍለዮም ተማሕጺኑ።ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ብዛዕባ’ቲ

መደብ ንህዝቢ ጎስጓስን ሓበሬታን ክወሃብ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ንወለንታውያን ኣገልገልቲ ጥዕና ዓዲ ኣብ ስርሖም ዝሕግዞም ስልጠናታት ክህቦም ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Page 2: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሕዳር 2013 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስኤደን ዘርእጋብር

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

12፡00 at a glance12፡30 ዜና ብትግርኛ12፡50 ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ13፡30 ዜና ብዓረብ13፡45 ሄሎ ደባይዋ ብቐጥታ15፡30 ሞዛይክ18፡00 ኖሪት18፡30 ዜና ብትግረ19፡20 ኣልመልፍ ኣልእስቡዒ20፡00 ዜና ብዓረብ20፡20 ዋልታ21፡00 ዜና ብትግርኛ21፡30 ልዝብ መንእሰያት22፡30 ዜና ብእንግሊዝ22፡30 ድባብ23፡20 Film

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሰለስተ-ርብዒ ዘመን ዝቐጸለ ዓለማዊ ውዲትን ከቢድ ተጻብኦታትን ፈንጢሱ፡ ከም ናጻን ልኡላውን ህዝቢ፡ ዘሐብን ሃገራዊ መንነትን ክብርን ክፈጥር ዘኽኣሎ ጸጋ፡ ብቐንዱ እቲ ብብርቱዕ ሃገራዊ ፍቕሪን ስጡም ሓድነትን ስኒትን ዝልለ ፖለቲካዊ ሓይሉ እዩ። እዚ ሓያል ጥምረት ዝጸገየ ፖለቲካዊ ሓይሊ’ዚ፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ ማና ወይ ፍሉይ ትዕድልቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ከቢድ ብድሆታትን፡ ብድሆታት ንምስጋር ብነዊሕ ተሞኩሮ ዝተዀስኰሰ ባህልን እዩ።ከምዝፍለጥ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ጸላእቲ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡

ብዓረርን ሓውን ጥራይ ከሰንፍዎ ከምዘይክእሉ ብምግንዛብ፡ ብጽዑቕ ሽርሒታትን ስነኣእምሮኣዊ ዘመተን ውሽጣዊ ጥምረት ንምዝራግ ክሳብ ዕለተ ዕርበቶም ጽዒሮም እዮም። “ክቐትሉኻ ክብሉ ይቐልቱኻ” ከምዝበሃል ግን፡ እዚ ፈተነታት’ዚ፡ ኣብ መወዳእታ ንህዝቢ ኤርትራ ምርቓ እዩ ኮይኑዎ። ዕላማ ሃገራዊ ናጽነት ንምዕዋት ግድን ንኹሉ ከፋፋሊ ውዲታትን ድሑር ስምዒታትን ብንቕሓት ሰጊሩ ድልዱል ሃገራዊ ሓድነት ክፈጥር ስለዝሓገዞ።ርእሰ ሓያላን ዓለምና፡ ቅድም ኣመሪካ ድሓር ሕብረት ሶቭየት፡ ኣብ ጎድኒ

ገዛእቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፈን፡ ሰውራ ኤርትራ ንምጥፋእ ምርብራበን እውን፡ ካልእ ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ክምርኰስን ልዑል ነብሰ ምትእምማን ክሃንጽን ዘኽኣሎ ተወሳኺ ረቛሒ እዩ። ከም ህዝቢ ኤርትራ ገይሩ፡ ብሓያል ፖለቲካዊ ድልየትን ተወፋይነት ንውሱን ዓቕሙ፡ ብዕጽፍታት ዘራብሐ፡ ሓድነቱን ጽንዓቱን ናብ ፍጹም ዘይንደል ከውሒ ብምቕያር ንሓያላን ኣላሽ ዘበለ ህዝቢ ኣብ ዓለምና ኣይተራእየን። ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፡ “ካብ ህውከትን ዘይምርግጋእን ንረብሕ ኢና” ዝብሉ ሓይልታት ዓለምና፡ ኣብ ዞባና ንስርዓት ወያነ ከም ኣገልጋሊ ዓሲቦም፡ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ንምድፋር ዘንቀልዎ ወራራት፡ ብዘሕፍር መልክዕ ተሓምሺሹ ዝበርዓነ፡ በዚ ሃገራዊ ጸጋ’ዚ እዩ። ድሕሪ’ቲ ዘሕንኽ ስዕረት፡ ብዝተፈላለየ መልክዕን ኣገባባትን፡ እንተላይ ዘይፍትሓዊ እገዳ ብምስግዳድ፡ ዝተፈተነን ገና ዝቕጽል ዘሎን ተጻብኦታት ፋይዳ ዝተሳእኖ እውን፡ ምስዚ፡ ብረዚን መስዋእቲ ዝተሃንጸ ስልጡን ፖለቲካዊ ባህሊ’ዚ ብምርጻሙ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ብግጭትን ፖለቲካዊ ቅልውላዋትን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እታ እንኮ ውሽጣዊ ሰላም፡ ርግኣትን ሃገራዊ ውህደትን ዘውሓሰት ሃገር ክፈጥር ምብቅዑ እምበኣር፡ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ውጽኢት ብድሆታት ዝሰሓሎ ተሪር ሃገራዊ ሓድነትን ስልጡን ፖለቲካዊ ባህልን እዩ። እዚ ማሕበራዊ ርግኣት ዘውሓሰ ምዕቡል ፖለቲካዊ ባህሊ’ዚ፡ ግዳማዊ

ሽርሒታት ኣብ ምምካት ከይተሓጽረ፡ ንህንጸት ሃገር እውን ምቹእ ባይታ ፈጢሩ ይርከብ። ምኽንያቱ ርግኣት፡ ቅድመ-ኩነት ኩለንተናዊ ምዕባለ እዩ። ኣብ ምውዳድ መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጺታት፡ ምድንፋዕ ኣፍራይነት፡ ምርግጋጽ ምዕሩይ ቀረብ ኣገልግሎታት፡ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ግዳማዊ ሓገዝ ዘመዝገበቶ ልምዓታዊ ቅያታት፡ ብመንጽር ናይ ነዊሕ ዓመታት ግስጋሰ ሃገራት፡ ብርቂ ተርእዮ እዩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ዝተነድቀ፡ ናይ ምግባር ዓቕሚን ርእስ-ምትእምማን ድማ፡ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ካብ ቀረባ ርሕቀት ከምዝርአ ገይሩዎ ኣሎ። ትስፍውቲ ሃገር - ጻማ ስልጡን ፖለቲካዊ ባህሊ ዝውንን ንቑሕ ህዝቢ!!

ማሕበራዊ ስኒት ዝጸገየ - ስልጡን ባህሊ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ካብ 13 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ክታበት ጸረ ሕማም ፖልዮ

ዞባ ጋሽ-ባርካ ክታበት ጸረ ሕማም ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ

ክወሃብ ጀሚሩ ስለዘሎ፡ እቲ መደብ ብኣድማዕነት ንኽሰላሰል፡ ህዝብን ምምሕዳራትን ዘድሊ ምቅርራባት

ክግበሩ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና’ቲ ዞባ ሓላፊ ኣሃዱ መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ ሓቢሩ።

ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቶ ብርሃነ፡ ሕማም ፖልዮ ካብ ኤርትራ ካብ ዝጠፍእ 15 ዓመታት’ኳ እንተገበረ፡ ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ይርአ ስለዘሎ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና -ንዝያዳ ውሕስነትን ጥንቃቐን ሰፊሕ ዘመተ ክታበት ክካየድ ከምዝወሰነ ጠቒሱ፡ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሰፊሕን መዳውብቲ ክልተ ሃገራትን ብምዃኑ፡ እቲ መደብ ካብ 13 ክሳብ 19 ሕዳር ኣብ ንኡሳን ዞባታት ላዕላይ ጋሽ፡ ሞልቊ፡ ሻምብቆ፡ ሞጎሎን መንሱራን፡ ካብ 20 ክሳብ 27 ሕዳር ድማ ኣብተን ዝተረፋ ንኡሳን ዞባታት ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቶ ብርሃነ ኣስዒቡ፡ ነቲ ወፍሪ ንምዕዋት ኣብ መላእ ዞባ ጋሽ-ባርካ 509 መኽተቢ ንቚጣታት ቈይመን 480 ክኢላታት ተዋፊሮም ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ኣስታት 115 ሽሕ ህጻናት ክኽተቡ ትጽቢት ከምዝግበር ኣፍሊጡ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ ኣብ መወዳእታ፡ ወለዲ ንኩሎም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻውንቲ ደቆም ንክታበት ኣብ ዘቕርቡሉ፡ ናይ ክታበት ካርድ ናይቶም ቈልዑ ክማልኡ፡ ከምኡ’ውን ዝኾነ ዜጋ ምስ ሕማም ለምሲ ዝመሳሰል ሕሙም ህጻን ኣብ ዝርእየሉ ብዝቐልጠፈ ኣብ ጥቓኡ ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ከመልክት ኣዘኻኺሩ።

ነበርቲ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ኣብ ከባቢኦም ተዋዲዱ ኣገልግሎት ንዝህብ ዘሎ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብግቡእ ክጥቀሙሉን ቀጻልነቱ ንምውሓስ ክከናኸንዎን፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተኽለብርሃን ገብረወልድ ጸዊዑ።ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣቶ

ተኽለብርሃን፡ ህዝቢ ተወዲቡ ኣብ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድንን ከባብያዊ ጽሬትን ድማ ብፍላይ ዘርእዮ ዘሎ ዕዙዝ ሱታፌ ብምምስጋን፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ብዝለዓለ ክቕጽሎ ተላብዩ። ሓላፊት ማሕበራዊ ኣገልግሎት

ኣብቲ ንኡስ ዞባ ወይዘሮ ፋጥና እድሪስ ብወገና፡ ብፍላይ ኣብተን ራሕቂ ዘለወን ምምሕዳራት ከባቢ ዝርአ ምቁራጽ ተመሃሮን ዋሕዲ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲን

ኣቑርደት፡ ህዝቢ ንትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብግቡእ ክጥቀመሉ ኣመሓዳሪ ጸዊዑ

ንምምሕያሽ፡ ወለዲ ምስ ኣብያተ-ትምህርቲ ክተሓባበሩ ተላብያ።ህዝቢ ንዝወሃቦ ኣስተምህሮታት

ብግቡእ ክጥቀመሉ ዘዘኻኸሩ ጸሓፊት ህግደፍ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ወይዘሮ ሓሊማ መሓመድ-ስዒድን ካብ ሆስፒታል ኣቑርደት ዶክተር ፊሊሞን መብራህቱን ድማ፡ ኣብ መፋርቕ ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ምሉእ’ቲ ዞባ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ክታበት ጸረ ሕማም ፖልዮ ንምዕዋት ክተሓባበር ኣዘኻኺሮም።ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ እቲ

ዝተኻየደ መድረኽ ምብህሃል ኣብ ዕለታዊ ሂወቶም ኣገዳሲ ብምዃኑ ቀጻልነት ክህልዎ ብምዝኽኻር፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናትን ዘተኰረ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ክካየድ ተማሕጺኖም።

ንኡስ ዞባ ጎልጅ ብርክት ዝበላ ካብ ካልእ ከባቢታት ዝሳገማ ጥሪት ስለዘአንግድ፡ ሓረስቶት ምህርቶም ተቐላጢፎም ብግቡእ ክእክቡ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣሚነ ብርሃነ ኣዘኻኺሩ።ኣቶ ኣሚነ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ

ሓበሬታ፡ ደንጒዩ ዝጀመረ ክራማት ሎሚ ዘመን ዝርግሐኡን ዓቐኑን ኣብቲ ንኡስ ዞባ ከም’ቲ ዝድለ ከምዘይነበረ ብምምልካት፡ ሓረስቶት ዝርካቡ ምህርቶም ከምኡ’ውን ተረፍ ምህርትን ሳዕሪን ብእዋኑ ብምእካብ ንዝመጽእ ሓጋይ ዘሰጋግር መግቢ ጥሪት ክኽዝኑ ኣተሓሳሲቡ።ኣቐዲሞም ንጥፈታት ምዕቃብ

ማይን ሓመድን ዘሰላሰሉን ግርሁኦም ብግቡእ ዘደላደሉን ሓረስቶት ደሓን ምህርቲ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ዝኣመተ ኣቶ ኣሚነ፡ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ናይቲ ንኡስ ዞባ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ተመኲሮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅድሚ ክራማት ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ከካይዳ ተላብዩ።ካብ ሓረስቶት - ኣቶ ሽማንጉስ

ግደይን ኣቶ መሓመድዓሊ ኣድምን፡ ምህርቶም ብኣጋ ንምእካብ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ተጸሚዶም ከምዘለው ብምግላጽ፡ ኣገዳስነት ምኽዛን መግቢ

ሓረስቶት ጎልጅ፡ ምህርቶም ብግቡእ ክእክቡ መተሓሳሰቢ

ቀሪቡእንስሳ ካብ ሕሉፍ ተመኲሮኦም ስለዝተማሃሩሉ፡ ተረፍ ምህርትን ሳዕርን ብግቡእ ኣብ ምእካብ ይነጥፉ ከምዘለው ኣረዲኦም።

Page 3: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሕዳር 2013 - ገጽ 3

ብዛዕባ’ዞም ኣርእስተይ ኮይኖም ዘለዉ፡ ሓዲኦም ብሞያ ማሰን መልቀስን፡ ሓዲኦም ከኣ ብሞያ ተባህለ ጸብለል ዝብሉ ክልተ ጠቢባን ክጽሕፍ ምስ ሓሰብኩ፡ ሓንቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝሰማዕኩዋ ዘረባ ዘኪረ። ደግያት መሓሪ ዓንደመስቀል (ድበዛና) ኣብ ቀብሪ’ቶም ውሩይ ማሰኛ ዝነበሩ ግራዝማች ሰለሙን ከሊብ (ዓዲ ድቡስ) ውዒሎም ንዓዶም ክምለሱ ኸለዉ ዝረኸቡዎም ሰባት፡ “ጐይታና ኣበይ ደኣ ውዒልኩም፧” ኢሎም ምስ ሓተቱዎም፡ “ልቢ ክንቀብር ውዒልና፡” ዝብል መልሲ ሃቡዎም ይብሃል። እዚ ስእላዊ ኣገላልጻ ናይ’ዞም መስተውዓሊ ሹመኛ፡ ብበሊሕ ኣእምሮኦም ጥበብ ዘፈልፍሉ ማሰኛታትን ብልዑል ናይ ምጽናዕን ምዝካርን ክእለቶም ያታ ዓቂቦም ንወለዶታት ዘመሓላልፉ ተባህለ በሃልትን ክሞቱ ኸለዉ፡ ማዕረ ክንደይ ልቦና፡ ጥበብን ፍልጠትን ምስኦም ከም ዝቕበር ብልክዕ የንጸባርቕ። ኣብዚ ዘመንና ጥራይ’ኳ ክንደይ ልብታት ቀቢርና ኢና’ሞ፡ ሕጂ ኣርእስተይ ኮይኖም ዘለዉስ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓመትን ቁሩብን ዝተቐብሩ ጠዓመ ደስታን ገብረመድህን ብስራትን ዝብሃሉ ክልተ ልብታት’ዮም። ኣቶ ጠዓመ ደስታ ሃይሉ፡ ብ1924 ኣብ

ዓዶም ኣምበሰተ ገለባ ተወልዱ። ኣብ 88 ዓመቶም ከኣ፡ ብ5 መስከረም 2012 ኣብ ኣስመራ ዓሪፎም፡ ብመሰረት ለበዋኦም ኣብ

መካነ መቓብር ናይቲ “ሊባኖስ ኣቦይ!” ኢሎም ዝምሕሉሉ ዝነበሩ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ (ሃም) ተቐብሩ።ማሰኛ ገብረመድህን ብስራት ካሕሳይ፡

ብጥቅምቲ 1922 ኣብ ዓዶም ዓዳኻ ተወልዱ። ኣብ 91 ዓመቶም ድማ፡ ብ9 ነሓሰ 2013 ኣብታ ኣስታት 50 ዓመት ዝተቐመጡላ ከተማ ሰንዓፈ ዓሪፎም ኣብኣ ተቐብሩ። ኣቶ ጠዓመ ደስታ፡ ብደረጃ ሃገር

ክፍለጡ ዘኽኣሎም ኣዝዩ ክብ ዝበለ ተባህለ ናይ ምባል ብቕዓት ዘጥረዩ በሃር ኣቦ ነበሩ። ብስፍሓቱ ይኹን ዕምቈቱ ዘገርም ፍልጠት ኣፋዊ ያታታት፡ ብፍላይ ከኣ ማሰን መልቀስን፡ ኣብ ኣእምሮኦም ብቓል ዓቚሮም ዝጸንሑ ሓደ ካብ’ቶም ዝዓበዩ መዛግብቲ ሃገርና እዮም። ክሳዕ ሎሚ

ሓጺር ሞያዊ ታሪኽ ክልተ ጠቢባንሰሎሞን ጸሃየ

ተጌሩ ብዘሎ መጽናዕቲ፡ እታ ዝገደመት ምዃና ተፈሊጣ ዘላ፡ ቅድሚ ኣስታት 250 ዓመት ብ1765 ኣቢላ ብኣይተ ፈለስኪኖስ ዝተገብረት “ሰብ ኢለዶ” ዘርእስታ ማሰ ብ2008 ኣብ ዝኽሪ ኣቶ ጠዓመ ደስታ እያ ተረኺባ። ኣቶ ጠዓመ፡ ብዙሕ ካብቲ ኣብ ከባቢታት ቤት መጣዕ፡ ወደከለ፡ ሽመጃና፡ ሎጎ ሳርዳ፡ ኣኽራን፡ ወዘተ. ዝተባህለ ማሰን መልቀስን ብቐጥታ ካብ ኣፍ በሃልቱ ዝቘለቡዎ ወይ ከኣ ብተባህለ ካብ ካልእ ዝሰምዑዎ ኣብ ሓንጎሎም ሒዞም ተባህለ እናበሉ ልቦና፡ ጥበብን ታሪኽን ቀዳሞት ናብ ዳሕረዎት ወለዶታት ኣብ ምስግጋር ንኡድ ኣበርክቶ ዝገበሩ ድንድል ያታዊ ባህሊ ነበሩ።ኣቶ ጠዓመ ደስታ፡ ካብ ናይ ኣይተ

ፈለስኪኖስ ኣትሒዞም፡ ማሰን መልቀስን ናይ ኣይተ ወልደድንግል ገድሉ፡ ሹም ዕቝቢት ግርሙ፡ ከንቲባ ጠዓመ ሃይሉ፡ ኣይተ ሃብቱ ሓጐስ፡ ኣይተ ገብረዝጊ ሃይሉ፡ ዑጥባን እስማዒል (ዒትባኖ)፡ ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡

ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡ ባሻይ ኣብርሃ መድህን፡ ኣይተ ንጉሰ ጐይትኦም፡ ባሻይ ተመልሶ ቐለተ፡ ሸቃ ምስግና ገብረዝጊ፡ ወረደምህረት ጐበና፡ ይፍጠር ገብረሚካኤል፡ ነጋሽ ባይራኡ፡ ገብረመድህን ብስራት፡ ክፍላት ተኽለን ካልኦትን ብዝተፈላለየ መጠን ኣብ ዝኽሮም ዓቂቦም ብምጽናሕ ካብ ምቕባር ድሒኑ ንኽስነድ ዘብቅዑዎ ተቐዲሖም ዘይውድኡ ማዕከን ልቦና ነበሩ።ምስ ምዕራፍ ውሩይ ማሰኛ ገብረመድህን

ብስራት፡ እቲ ንዘመናት ተኸታቲሉ ክቕጽል ዝጸንሐ ወለዶታት ዓበይቲ ማሰኛታት ኤርትራ ኣብቂዑ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ወይ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ዝስርዑ ውሩያት ማሰኛታት ሃገርና ሰንሰለት፡ ዛዛሚ ቀለበቱ እዞም ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ 91 ዓመቶም ዝተፋነናዮም ኣቶ ገብረመድህን

ብስራት’ዮም።ሽሕ’ኳ እቶም ቀዳሞት ቀለበታት ናይዚ

ሰንሰለት’ዚ ክፍለጡ ዘይክእሉ እንተ ኾኑ፡ ገለ ካብ’ቶም ኣብዚ ዝሓለፈ 250 ዓመት ዝነበሩ ቀዳማይ ተርታ ዝሕዙ ኣዝዮም ፍሉጣት ማሰኛታት፡ ኣይተ ፈለስኪኖስ፡ ኣይተ ወልደድንግል ገድሉ፡ ሹም ዕቝቢት ግርሙ፡ ባሕረጋስ ቶምቦሳ ወልደሚካኤል፡ ተወልደመድህን ዘበኑ፡ ግራዝማች ሰለሙን ከሊብ፡ ካሕሳይ ዕቝባይ (ካሕሳይ ሰምዲ)፡ ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡ ተወልደ መዓሾ፡ ባሻይ ተመልሶ ቀለተ፡ ባሻይ ባህታ ክፍለ፡ ባሻይ ኣብርሃ ብርሃነ፡ ነጋሽ ባይራኡ ክጥቀሱ ይኽእሉ።ብንእሽቶኦም ጓሳ ኸለዉ፡ ከም መግለጺ

ናይቲ ትኽትኽ ዝበለ ድልዱልን ምሉእን ነብሶም “ሓርቢ መዓር” ዝብል ሳጓ ዝወጾም ገብረመድህን ብስራት ብሓይሊ ይኹን ብዘረባ ብመዛኑኦም ዘይድፈሩ ጐብለል ነበሩ። ኣብ ኣውሎ ኾፈኮፍ ንዓዳኻ ንዝመጹ ወራዶ መርዓ ቅጽበታዊ መልሲ ክህቡዎም ዝተዓዘቡ ወራዙት ዓዶም፡ ናብ ካልእ ዓዲ መርዓ ክወርዱ ኸለዉ፡ ነቶም ዓዲ እንዳ ጓል ኣፎም ዘትሕዝ ኣውሎ ኾፈኮፍ ምእንቲ ክገብሩሎም፡ ገና ብንኡሶም መርዓ ከውርድዎም ከም ዝጀመሩ ኣቶ ገብረመድህን ይገልጹ።ኣቶ ገብረመድህን፡ ብ1948 ኣቢሎም

ብወግዒ መልቀስ ከም ዝጀመሩን እታ ናይ ፈለማ መልቀሶም ከንቲባ ክንፉ ወልደገብርኤል በዓል ጉርጉር (ዘርኢ ሞሲ) ምስ ሞቱ ዝገበሩሎም መልቀስ ከም ዝኾነትን ይገልጹ። ብውላድ ይኹን ብሃብቲ፡ እዚ ጐዲሉኒ ከይበሉ መዋእል ጸጊቦም ኣዝዮም ምስ ሸምገሉ ኣብ ተስዓታት ዕድሚኦም ንዝሞቱ ከንቲባ ኽንፉ ኸኣ፡ ኣብ ዓለም ዝተረፎም ነገር ከም ዘይነበረ ብምስትውዓል ብቝዝማን ምስቍርቋርን ዘይኮነስ፡ ብጽንዓትን ትብዓትን ከምዚ ኽብሉ ኣልቀሱሎም።

ነቒልኩምዶ ከንቲባ ኸበዶምእንቋዕ ደኣ ለቐቑላ ንእዶምባዕሎምኦም ነቒሎም ተፈሪዶምእምበር ሓያል ኣይረኸቡን ዘገደዶምተስዓ ዓመት በሊዖም መድሚዶምሚእቲ ዓመት በሊዖም መድሚዶምደጊም እንተ ሞቱ እንታይ ግዶም!

ኣብቲ ማሰን መልቀስን ዝጀመሩሉ

ቀዳሞት ዓመታት ካብ ዝገበሩዎ ማሰ፡ እታ ኣብርሀት ወልደገብርኤል ንዝብሃላ ተቐማጢት ሰንዓፈ ዝበሉለን ማሰ ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል። ወይዘሮ ኣብርሀት ብሰንኪ ውላድ ኣብ ሰለስተ ሰብኡት ተኣትየን ውላድ ምስ ቀበጻ ብዅምርና ኣብ ሰንዓፈ እናተናበራ ኸለዋ፡ ካብ ኣቶ ኪዳነ መሓሪ በዓል ጨጓሮ፡ ጓል ምስ ተበኰራ ኣብ ጥምቀተን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ዝርከቦ ነዊሕ ማሰ በሉለን።

(. . .)ኣብርሀታ’ቲ ኣብርሀታ ኣብርሀታኣብ ደግያት ተፈሪ ኔራኣ ሓቲታ ኣይኮነላን ኣይጸሓፎን ጌታኣብ ኣዝማች ኣድሓኖም ኔራኣ ሓቲታ ኣይኮነላን ኣይጸሓፎን ጌታኣብ በረምበራስ በራኺ ኔራኣ ሓቲታ ኣይኮነላን ኣይጸሓፎን ጌታ ወሊድኪዶ ከይትኾኒ ጻንታውላድኡ ንዓለም መብራህታማርያም መጺኣትኪ ተቛሚታበሊ ጓል ሂባትኪ’ላ መበኰርታወዲ’ለኪ ዳሕራይ ንዓመታእንተ ዓወትሲ ናይ ኪዳነ ደኣሉ ዓወታ

ኣብ ጨጓሮ ኣብዛ ዓባይ ቦታ ኣብ ዓድሹም ተኽልየስ ኣብ ዓይነታ ዝተሓትመት ቆፎ ዝኸፈታ።

ወይዘሮ ኣብርሀት፡ ከምቲ ኣቶ ገብረመድህን ዝተነበዩለን ካብ ኣቶ ኪዳነ

ወዲ ኣስዒበን ወሊደንን ከቢደንን ነበራ።ማሰኛ ገብረመድህን ብስራት ኣብ

ምጅማሮም’ኳ ነቲ ዝተዓዘቡዎ ኵነታት ብልክዕ ዝገልጽ ከምዚ ዝበለ ዓሚቝን ትንቢታውን ማሰን መልቀስን ዝገበሩስ፡ እናተመኰሩ ምስ ከዱ ማዕረ ክንደይ ብሉጽ ዝኾነ ማሰን መልቀስን ከም ዘፍረዩ ብቐሊሉ ክግመት ዝከኣል’ዩ።ኣቶ ጠዓመ ደስታ፡ ኣውራን ብዓቢኡን

ዝፍለጡ’ኳ ከም ተባህለ በሃሊ እንተ ኾኑ፡ ክኢላ መላቐስን መዳርን’ውን እዮም ኔሮም። ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ክዛረቡ ኸለዉ ብፍረ ነገሮም፡ ብኽብን ለጠቕን ድምጾም ማለት ቃናኦም ይኹን ብኣቀዋውማኦም ንሰማዕቶም ሃነን ዘብሉ ፍሉጥ መዳሪ ከም ዝነበሩ ይንገረሎም።ኣቶ ጠዓመ ደስታ፡ ብዙሕ ዝፈትዉዎምን

ዘኽብሩዎምን ዝነበሩ ኣቦሓጎኦም ኣይተ ሃይሉ ተስፋይ ኣብ መጐትን ሕግን ደኣ’ምበር ኣብ ማሰን መልቀስን ከይግደሱ ይላበዉዎም ስለ ዝነበሩ፡ ቃሎም ከየዕብሩ ኽብሉ፡ ሳሕቲ ነብሶም ምቍጽጻር ስኢኖም ለበዋ ኣቦሓጎኦም ብምጥሓስ ዝበሉዎ እንተ ዘይኮይኑ፡ ብመጠን ዝንባሌኦምን ተውህቦኦምን ማሰን መልቀስን የዘውትሩ ከም ዘይነበሩ ይገልጹ።ኣዝዮም ዘቕርቡዎምን ዝሓልዩሎምን

ዝነበሩ፡ “ድሕሪ’ቲ ብዓቢኡ ልዑል ኣምላኽ፡ ‘ጐይታይ’ ዝብሎም ዝነበርኩ ሓደ ሰብ ንሶምኦም ኔሮም፡” ዝብሉዎም ኣንበሰተ ገለባ ዝዓዶም ሃብታም ሓሙኦም ግራዝማች ገብረማርያም ድራር ምስ ሞቱ፡ እቲ ዝነበሮም ፍቕርን ስኒትን ደሪኹዎም ነዛ ትስዕብ ናይ መጀመርታኦም ዝኾነት መልቀስ ከም ዝገበሩሎም ኣቶ ጠዓመ የዘንትዉ።

ኣብዚኦም’ሞ ከመይ ኢልካ ይሕፈርኣምበላይ ዝህቡ በዓል መንፈርደቂ’ሓኦም ዘግዘሙኒ መውፈርቅርሺ ዝሃቡኒ ምሉእ ከፈር

ሊሎ ሰማይ ዘውርዱ እንካብ ጠፈርኣብ ጎዱፎም ሰላዲ ዝቝፈርሕልናይ ካብ በለኒ ድፈርሞያኦም ክነግር ብዘይ መስፈር።

ናብ 9ይ ገጽ ይቕጽል

ኣቶ ጠዓመ ደስታ

ኣቶ ገብረመድህን ብስራት

ኣቶ ገብረመድህን ፍሉይ ሽልማት ምስ ተቐበሉ

Page 4: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሕዳር 2013 - ገጽ 4

ሳሙኤል ገብረብርሃን

ኣብ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ኣሎኒ። ንጉዳየይ ሒዙ ዘሎ ቤት ፍርዲ ግን ካብቲ ኣነ ዝሰርሓሉ ቦታ ዝረሓቐ እዩ። ብኸምዝን ካልእ ምኽንያታትን ድማ ጉዳየይ ኣብዚ ቤት ፍርዲ ክረአ ፍጹም ምቹእነት የብሉን። ሕቶይ፡ ጉዳየይ ካብዚ ቤት ፍርዲ’ዚ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ተሰጋጊሩ ክረአየለይ ዝኽእለሉ ሕጋዊ ባይታ ኣሎ ዶ?

ኣቶ ገብረሂወት ሚካኤል - ሓዝሓዝ

ዝኸበርኩም ኣቶ ገብረሂወት፡ ኣቕሪብክምዎ ዘለኹም ሕቶ ብቐጥታ ምስ ክሊ ስልጣን ቤት ፍርዲ ዝተኣሳሰር እዩ። ብመስረቱ፡ ዝዀነ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረብ ጉዳይ ነቲ ጉዳይ ክርእዮ ስልጣን ብዘለዎ ቤት ፍርዲ ጥራይ እዩ ክረአ ዝግባእ። ኣብ ፍሉይ ኩነታት ግን ጉዳይ ካብ ሓደ ቤት ፍርዲ ናብ ካልእ ዝሰጋገረሉ ኣጋጣሚታት ኣለዉ። ዓንቀጽ 31 ናይ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሓደ ቤት ፍርዲ ዝተኸፍተ መዝገብ፡ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ዝሰጋገረሉ መገዲ ደንጊጉ ይርከብ። ዝኸበርኩም ሓታቲ፡ ብመሰረት እዚ፡ እቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ዝካየድ ንስኹም ንሓደ ካብቶም ኣብዚ ዓንቀጽ ተዘርዚሮም ዝርከቡ ምኽንያታት ብምጥቃስ፡ ናይ ምስግጋር ትእዛዝ ክወሃበልኩም ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ እተመልክቱ

ጉዳየይ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ተሰጋጊሩ ክረኣየለይ ዝኽእለሉ ባይታ ኣሎኒ ዶ?

እዩ። እቲ ምልክታኹም ዝቐረበሉ ቤት ፍርዲ ነቲ ጥርዓን መርሚሩ እቲ እተቕርብዎ ምኽንያት ቅቡል

ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ፡ ጉዳይኩም ናብ ሓደ ነቲ ጉዳይ ንምድናይን ምርኣይን ዞባዊ ክሊ ስልጣን ዘይብሉ፡ እንተኾነ

ግን ንዋታዊ ክሊ ስልጣን ዘለዎ ቤት ፍርዲ የሰጋግሮ ወይ’ውን ነቲ ጉዳይ ባዕሉ ክርእዮ ይኽእል። ንኣብነት ጉዳይኩም ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ተኸፊቱ እንተ ነይሩ እሞ፡ ንስኹም ሓታቲ ብመሰረት እዚ ዓንቀጽ ኣመልኪትኩም እተቕርብዎ ሕቶ ተቐባልነት ምስ ዝረክብ ጉዳይኩም ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ዞባ ይሰጋገር ወይ’ውን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ባዕሉ ክርእዮ ይኽእል።እቶም ኣብ ዓንቀጽ 31 ናይ

መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ ተዘርዚሮም ንረኽቦም ንምስግጋር መዝገብ ምኽንያት ዝኾኑ ነጥብታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ ኣብቲ ክሲ ቀሪብሉ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ርትዓዊ/ዘይሻራዊ/ ዉሳኔ ንምሃብ ዘይከኣል ምስ ዝኸዉን ንኣብነት ሓታቲ፡ መከራኽርትኹም ኣብ ከባቢ ጉዳይኩም ዝሓዘ ቤት ፍርዲ ህቡብ ብምዃኑ ድዩ ወይስ ብኻልእ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፍርዲ ጽልዋ ብምሕዳር እቲ ቤት ፍርዲ ጸግዒ /ወገን/ ከም ዝሕዝ ከይገብር ስክፍታ እንተደኣሃልዩኩም፡ ጉዳይኩም ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ክሰጋገረልኩም

ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።ኣብቲ ጉዳይ ቅድሚ ሕጂ ተላዒሉ

ዘይፈልጥ ከቢድ ናይ ሕጊ ሕቶ ክልዓል እዩ ዝብል እምነት ምስ ዝህሉ። እዚ ነጥቢ ንብቕዓትን ተሞክሮን ናይቶም ክሲ ቀሪብሎም ዘሎ ደያኑ ዝትንክፍ እዩ። ስለዚ፡ ጉዳይኩም ቅድሚ ሕጂ ክርእይዎ ዕድል ዘይረኸቡ ከቢድ ናይ ሕጊ ሕቶ ከም ዘልዕል ምስ እትርድኡ፡ እሞ እቶም ደያኑ ነቲ ጉዳይ ብዝግባእ ክዳንይዎ ብቕዓት የብሎምን ኢልኩም ምስ እትኣምኑ ጉዳይኩም ናብ ካልእ ክሰጋገረልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።ንምቹኡነት ተኸራኸርቲ ወገናት

ወይ’ውን መሰኻክሮም ወይ’ውን ፍትሒ ብግቡእ ንምንጋስ ተባሂሉ ዝግበር ምስግጋር። ማለት፡ ዋላ እኳ እቲ ጉዳይኩም ዝሓዘ ቤት ፍርዲ ነቲ መዝገብ ንምድናይ ክሊ ስልጣን እንተሃለዎ፡ ሰብ ጉዳይ ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ንከይትከላኸሉ ብምሕላን፡ ኣብ ዘይጥዕመኩም ወይ’ዉን ብዙሕ ወጻኢታት ኣብ ዘስዕበልኩም ከባቢ ከም ዝተመረጸ ምስ ዝረጋገጽ’ውን ናይ ምስግጋር ትእዛዝ ክወሃብ ክትሓቱ ሕጋዊ ባይታ ኣሎኩም።

ሓብትና ካብ ስድራ-ቤትና ተፈልያ ደሃይ ካብ ተጥፍእ ነዊሕ እያ ገይራ። ንሕና ኣሕዋታ ከኣ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲልና ኣብ ልዕሊ ሓፍትና ብቤት ፍርዲ ናይ ‘ጥፍእቲ’ ውሳነ ኣወሲንና። ድሕሪ’ዚ፡ ወረስታ ምዃንና ኣረጋጊጽና። ቀጺልና’ውን ናይ ውልቂ ንብረት ሓብትና ዝዀነ ገዛ ናብ ሳልሳይ ኣካል ሸይጥናዮ። ሕጂ ክንሓቶ ደሊና ዘለና፡ ‘ጥፍእቲ’ ተባሂላ ዝተወሰነላ ሓፍትና እንተደኣ ተመሊሳ፡ ዝሸጥናዮ ገዛኣ ክምለሰላ ሕጋዊ ባይታ ኣሎ ዶ?

ኣሕዋት - ስምና ንዓኹም

ዝኸበርኩም ሓተትቲ፡ ኣብ ሕቶኹም ከም ጭብጢ ተታሒዙ ክምለስ ዝግባእ ነጥቢ፡ ‘ጠፊኣ’ ብምባል ኣብ ልዕሊ ሓብትኹም ናይ ‘ጥፍእቲ’ ውሳነ ድሕሪ ምርካብኩም፡ መሰል ውርሲ ኣረጋጊጽኩም፡ ንብረት ሓብትኹም ንሳልሳይ ወገን ዝሸጥክምሉ ግዜ

‘ጥፍእቲ’ ተባሂላ ዝተወሰነላ እንተደኣ ተመሊሳ ንብረታ ክምለሰላ ይኽእል ዶ?

ኣብ ዝተረጋገጸሉ እዋን፡ ሓብትኹም እንተደኣ ተመሊሳ፡ ክምለሰላ ዘለዎ እቲ ገዛ ድዩ ወይ ናቲ ገዛ ሽያጥ ዋጋ እዩ? ዝብል እዩ። ዝኸበርኩም ሓተትቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓፍትኹም ናይ ‘ጥፍእቲ’ ውሳኔ ድሕሪ ምውሃቡ፡ እዚ ዘዛርብ ዘሎ ገዛ ብመልክዕ ውዕል-መሸጣ ናብ ሳልሳይ ወገን ዝተሓላለፉ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ። ናይ ‘ጥፉእ’ ውሳነ ውጽኢት ከም ዘይህልዎ ካብ ዝገብሩ ምኽንያታት (effects of termination of absence) ሓደ፡ ምምላስ ጠፊኡ ናይ ዝተባህለ ሰብ ምዃኑ ኣብ መሰጋገሪ ስቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ ቊ. 117 ተመልኪቱ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ድንጋጌ‘ዚ፡ ጠፊኡ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ዝምለሰሉ ግዜ፡ ንብረቱ

ከምዘለዎ መሊሱ ክርከብ፡ ከምኡ’ውን ናይ ዝተሸጡ ንብረት ዋጋ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎ ብግልጺ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ሓተትቲ፡ ንብረት ሓብትኹም ተሸይጡ’ዩ። ብመንጽር ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ድንጋገ መሰረት፡

ሓብትኹም እንተደኣ ተመሊሳ፡ ክምለሰላ ዘለዎ’ምበኣር ብኣካሉ እቲ ዝተሸጠ ገዛኣ ዘይኰነ፡ ናይ ሽያጡ ዋጋ’ዩ ብምባል ሕጋዊ ምኽርና ንልግሰልኩም።

Page 5: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሕዳር 2013 - ገጽ 5

? ገብሩ ክብረኣብ

ብሩኖ ማርስ

ምሉእ ስም፡ ፐተር ጀነ ሃርናንደዝዝተወልደሉ ዓመት፡ 1985

ዓዲ፡ ኣመሪካዊሞያ፡ ድምጻዊ - ተዋሳኢ - ሙዚቀኛ - ተላሃዪ

ንዓለምና ብጥበበዊ ዕዮታቶም ይምስጥዋ ካብ ዘለዉ ስነጥበበኛታት ሓደ’ዩ። ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ክሳብ ወዲ ተስዓን ሓሙሽተን ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ንደርፍታቱ ከድንቑን ብደርፍታቱ ክዘናግዑን ይውዕሉ። ወናኒ ፍሉይ ትዕድልቲ ምዃኑ ገና ብንኡሱ’ዩ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝተወልደሉ ከባቢ ምርኢታት ከርእን ደርፍታት

ክሰርሕን ኣፉ ክሳብ ዝኸፍት ጥራሕ’ዩ ተጸብዩ።ምሉእ ስሙ ፐተር ጀነ ሃርናንደዝ

ይበሃል። ንሱ ብሩኖ ማርስ ብዝብል መጸውዒ’ዩ ኣብ መድረኽ ዝፍለጥ። ናይ መድረኽ ስሙ ዝቖመሉ ቅጽላት ብኽልተ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝጠበቖ’ዩ። ገና ወዲ ክልተ ዓመት ከሎ ኣቦኡ ብሩኖ ክብል ይጽውዖ ነበረ። ጸኒሑ ምስ ጐበዘ ጐራዙ ኣመሪካ ንፍሉይ ብቕዓቱ ድሕሪ ምዕዛብ ‘ካብ ካልእ ፕላኔት ዝመጻኻ ኢኻ’ በልኦ። በዚ ንሱ ነዘን ክልተ ቅጽላት ከም መጸውዒኡ ኣጽደቐን። ብሩኖ ማርስ ብዝብል ቅጽል ኣብ መድረኽ ስነጥበብ ዓለም ተቐልቀለ።ብሩኖ ማርስ ብ8 ጥቅምቲ 1985

ሆኖሉሉ - ሃዋይ ኣብ ዝተባህለ ክፋል ኣመሪካ፡ ካብ ኣቦኡ ፐተር ሀርናንደዝ ከምኡ’ውን ኣደኡ በርናደት ተወሊዱ። ኣቦኡ፡ ካብ ፖርቶሪካዊ ኣቦን ሃንጋሮ ዩክረይ ኣደን ዝተወልደ ነበረ። ኣደኡ ኸኣ ፊሊፒናዊት’ያ። ስነጥበብ ኣብ ገዛ እንዳ ፐተር ሃርናንደዝ ልሙድ ዕዮ

ነበረ። እታ ኣብ ግንቦት 2013 ዝሞተት ኣደኡ ሳዕሳዒትን ደራፊትን ክትከውን ከላ፡ ኣቦኡ ኸኣ ወናም ወቓዒ ከብሮን ካልእ መሳርሒ ሙዚቃን ዝፈታትንን’ዩ ነይሩ። እዚታት ነቲ ምስ ተውህቦኡ ዝተወልደ ብሩኖ ማርስ ጽቡቕ ዕድል’ዩ ነይሩ። ከይደንጐየ ኸኣ ምስ ቅድታት ሬጌ፡ ሂፕ ሆፕ፡ R&B ክላለ ዕድል ኸፈተሉ። ንተውህቦኡ ጽቡቕ

ገይሩ ዘላለየ ኣኮኡ ኸኣ ነቲ ገና ወዲ ሰለስተ ዓመት ዝነበረ ብሩኖ ማርስ ናይ ድምጻዊት ኤልቪስ ፕሪስሊ ደ ር ፍ ታ ት ን ኽ ደ ግ ም ኣተባብዖ። እሾኽ ምስ ብልሓ ትፍጠር ከም ዝበሃል፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ዝኣኸለ ብሩኖ፡ ብዘይሓገዝ ሰባት ን ደ ር ፍ ታ ት ማይክል ጃክሰን ክደግም ጀመረ። ነቲ ደርፍታት ምስታ ኣብ ሰሙን ክሳብ ኣርባዕተ ግዜ ልምምድ ትገብር ዝነበረት

ብስድራኡ ዝቖመት ጉጅለ ባህሊ ብምዃን ይትግብሮ ነይሩ። ብኣባላት ናይታ ጉጅለ ብዙሕ ሞራል ምስ ሰነቐ ድማ’ዩ ንዝቕጽል ዕዮኡ ዝተበገሰ። ጸኒሑ መሳርሒ ሙዚቃ ጊታር

ክጻወት ዝጀመረ ብሩኖ ማርስ ህቡብነቱ ኣብ ከባቢኡ ክዓቢ ግዜ ኣይወሰደን። ሕልሙ ግን ንስነጥበበዊ ፍርያቱ ኪንዮ ዝተወልደሉ ሃዋይ ኣብ ምሉእ ዓለም ከብጽሖ ነበረ። ኣይደንጐየን ኸኣ ጉዕዞኡ ጀሚሩ - ነቲ ናይ ውሽጡ ትሃን ከውጽእ። ኣብ 2003 ኣብ መበል 17 ዕድመኡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሩዘርቨልት ምስ ዛዘመ ናብ ሎስ ኣንጀሎስን ካሊፎርኒያን ኣበለ - ናይ ሙዚቃ ሕልምታቱ ከተግብር። ድሕሪ ሒደት እዋን’ውን ናብ ሎስ እንጆሎስ ድሕሪ ምእታው ሞቶውን ምስ ዝተባህለ ትካል ሙዚቃ ክፍርም ክኢሉ። ድሕሪ ምፍራሙ ብዙሕ ሓደሽቲ ነገራት ክምሃር ክኢሉ’ዩ። ብፍላይ ድማ ምስ ጸሓፍን ኣወሃሃድን ሙዚቃ ፍሊፕ ላውረንስ

ምስ ተላለየ። እንተዀነ ግን ድሕሪ ናይ ዓመት ጻንሖቱ ትካል ሞቶውን ውዕሉ ከሐድስሉ ኣይክኣሉን። ድሕሪ ኮለል ስቲቭ ሊንድሰይ ምስ

ዝተባህለ ኣሕታሚ ትካል ተፈራረመ። ኣብዚ’ውን ሓደ ነገር ተረዲኡ - ናይ ሙዚቃ ሕልምታቱ ክበጽሖም እንተዀይኑ ንደርፍታቱ ባዕሉ ክጽሕፎም ከወሃህዶምን ከም ዘለዎ።እዚ ሓሳብ ሒዙ ምስ ተበገሰ

ንብቕዓቱ ዘስተብሃለ ትካል ስቲቭ ሊንድሰይ ንሓሙሽተ ዓመት ዝቐጸለ ብቑዕ ስልጠና ሂብዎ። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ዓለም ንብቕዓት ብሩኖ ማርስ ክትርእዮ ጀሚራ። ዋላ’ኳ ንሱ ከም ድምጻዊ ንዓለም ቅልጥፍ ኢሉ ክላለያ እንተዘይክኣለ ጥበቡ ዝሓለፎም ደርፍታት ግን ክመልእዋ ኣይደንጐዩን። እታ ብፍሎሪዳን ከሻን ዝተደርፈት ‘ራይት ራውንድ’ ከምኡ’ውን እታ ኣብ ደቡብ ኣፍራቃ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኩዑሶ እግሪ ዓለም ብሶማላዊ ድምጻዊ ኸንኣን ዝተዘየመት ‘ወይቪን ፍላግ’ ንሱ ጥብቆ ግጥምን ዜማን ዝዓየየለን’የን። ደርፍታት ‘ናቲን ኦን ዩ’ ከምኡ’ውን ‘ቢልዮነር’ (ምስ Travie McCoy) ከም ተሓጋጋዚ ድምጻዊ ድምጹ ዝሓወሰለን ነበራ። ንሓይሊ ድምጹ ድማ ኣጉልሖኦ።ኣብ ዝቐጸላ ኣዋርሕ ብቕዓቱ ጥርዚ

በጽሐ። ንኣልቡም “ዱ ዎፕስ ኤንድ ሁሊጋንስ’ ኣብ ስቱድዮ ክቐርጽ በቕዐ። ኣብቲ ዓመት እታ ኣልቡም ኣብ Billboard 200 መበል ሳልሳይ ክትስራዕ ኣይደንጐየትን። እተን ሽዑ ዝተዘርጋሓ ደርፍታቱ “ጃስት ዘ ወይዩ ኣር” ከምኡ’ውን “ግረናይድ” ከኣ

ኣብ ቢል ቦርድ ኣብ ቅድሚት ክስርዓ ትዓግተን ደርፊ ኣይረኸባን። እታ ኣልቡም ንሽውዓተ ሽልማት ግራሚ ከምዝበቅዕ ገበረቶ። ዝያዳ ፍሉይ

ዝገበሮ ግን ብመንገዲ እታ ኣልቡም ‘ብሉጽ ኣቀናባርን ብሉጽ ድምጺን’ ዝብል ሽልማት ምዕታሩ’ዩ። ድሒረን ዝተሰርሓ ደርፍታቱ

“ሎክድ ኣውት ኦፍ ሀቨን’ “ዌን ኣይ ዋዝ ዩር ማን” እውን ንኻልእ ሽልማት ኣብቀዖኦ። ደጊሙ ኸኣ ብሉጽ ኣቀናባሪ ሙዚቃ ተባህለ። እታ ኣብ 2013 ዝተሰርሐት “ትረጀር” Treasure ኸኣ ንብሉጽ ወዲ ተባዕታይ ንዝውሃብ ሽልማት ክዓትር ኣኽኣለቶ። ብሩኖ ማርስ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋናት “ግራሚ ኣዋርድ፡ ኣመሪካ ሚዩዚክ ኣዋርድ፡ ቢልቦርድ ኣዋርድን ካልእን ክዕወተሉ ክኢሉ’ዩ። ድምጻዊ ብምዃን ካብ 2010 ኣትሒዙ ልዕሊ 10 ሚልዮን ኣልቡም ከምኡ’ውን 58 ሚልዮን ንጽል ደርፊ ሸይጡ’ሎ። ‘ናይ 2011 ዝበዝሐ ሽያጥ ዝረኸበ ድምጻዊ” ዝብል ክብሪ ክኣ ክረክብ ክኢሉ። ኣብ ሓጺር ግዜ ብዝረኸቦ ክብርታት’ውን TIME MEGAZINE ሓደ ካብ’ቶም ሚእቲ ጸለውቲ ሰባት ዓለምና ከም ዝኾነ ክትምስክር በቒዓ።ብሩኖ ማርስ ንሓያል ጻዕሩ ዘመስክር

ካልእ ኩነት እንተሎ ነታ grenade ትብል ደርፉ ክሊፕ ክሰርሓላ ከሎ፡ ነታ ኣብታ ክሊፕ ዝጎታ (ምስ ሰፈራ ዝተቀመጠት ፒያኖ) ብብቕዓት መታን ክጎታ ብዙሕ ኣካላዊ ምንቕስቓስ (ንመዓልቲ ካብ 800 ክሳብ 967 ፑሽ-ኣብ) ይሰርሕ ምንባሩ’ዩ። እዚታትን ካልእን ጻዕሩ ድማ ንስርሓቱ ልሉይ ክገብሮ ክኢሉ።ብሩኖ ማርስ ህቡብ ድምጻዊ ቅድሚ

ምዃኑ ንብዙሓት ድምጻውያን ደርፍታት ክጽሕፍ በቒዑ’ዩ። ኣላክሳድራ ቡርክ፡ ትራይቫ ማኮይ” “ኣዳም ለቬን” “ብራንዲ” “ኪንግስተን” ገለ ካብቶም ስነጥበበዊ ዕዮታት ብሪኖ ማርስ ዝተቐበሉን ዝዓየዩን’ዮም። ንፍሉይ ክእለቱ ሓያል ጻዕርን ናይ

ባዕሉ ቅዲ ግጥምን እናእተወ ዝኸይድ ብሩኖ ኣብዛ “ጎሪላ” ዝሰመያ ሓዳስ ኣልቡሙ ነቲ ሰብ ለሚድዎ ዝጸንሐ ግጥምታቱ ብምቕያር’ዩ ተቐልቂሉ።

ማሕበራዊ ህይወትብሩኖ ኣብ’ታ ብማሕበራዊ ህይወትን ፍቕሪ ሙዚቃን ዝማሞቐት ስድራ

ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለውዎ። ሓደ ካብ ኣሕዋቱ ኣብ’ታ ብእኡ ዝቖመት ጉጅለ ሙዚቃ፡ ከም ወቓዒ ከብሮ ኰይኑ ይነጥፍ።

ሚኪኤል ኤያሱ

Page 6: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሕዳር 2013 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደ

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ሱዓድ ሳልሕ ኣሕመድ መሓመድ ምባል ተሪፉ፡ ሱዓድ ሳልሕ ሓምድ ማሕሙድ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/11/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣቶ ማቱሳላ እስቲፋኖስ ተኽለማርያም፡ስም ኣደይ ንግስቲ ዓንደሚካኤል ምባል ተሪፉ፡ ንግስቲ ዓንደመስቀል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/11/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 10ይ መጋባኣያ ቁ.52 ይቕረብ።

ኣበባ ኣስፍሃ ኣርኣያ፡ ስም ኣደይ ሰለሙን ገብረማርያም ብርሃነ ምባል ተሪፉ፡ ሰሎሜ ገብረማርያም ብርሃነ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ተስፍኣለም ትኩእ ኣዲስ ምባል ተሪፉ፡ ተስፋኣለም ምትኩእ ኣብዲሳ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/11/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 10ይ መጋባኣያ ቁ.52 ይቕረብ።

ንያት ገብረሚካኤል ገብረንጉስ ምባል ተሪፉ፡ ነቢይ ገብረሚካኤል ገብረንጉስ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/11/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኑራ ስዒድ ናስር ምባል ተሪፉ፡ መስዑዳ መሓመድ ስዒድ ናስር ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/11/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 10ይ መጋባኣያ ቁ.52 ይቕረብ።

ዘርአ ዳዊት ገብረንጉስ ምባል ተሪፉ፡ ዘርአዳዊት ገብረንጉስ ወልደሩፋኤል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሰስቲ 1.ወ/ሮ ዘቢት ዑቕበ ተወልደ 2.ኣቶ ሃይለ ዑቕበ ተወልደ 3.ኣቶ ኢሰያስ ዑቕበ ተወልደ፡ ተኸሰስቲ ኣቶ ኣብርሃም ዑቕበ +6፡ ተኸሳሲ በረኸት ሰለሙን ዑቕበ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 10ይ መጋባኣያ ቁ.52ናይ ምቅሊት ውርሻ ክሲ ቀሪቡልካ ስለዘሎ ን10/12/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ጉዳይካ ኣብ ዘየለኻሉ ክረአ ይኽእል እዩ።

ወ/ሮ ሮማ ዘወልዲ ገብሩ ምባል ተሪፉ፡ ሮማ ዘወልዲ ገብረ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን19/11/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 10ይ መጋባኣያ ቁ.52 ይቕረብ።

ተስፋይ ስምረት ገብረእግዚኣብሄር ምባል ተሪፉ፡ ስምረት ወልደገርግስ ገብረእግዚኣብሄር ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሳምያ ሳልሕ ኣሕመድ መሓመድ ምባል ተሪፉ፡ ሳምያ ሳልሕ ሓምድ መሓመድ እስማዒል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/11/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 10ይ መጋባኣያ ቁ.52 ይቕረብ።

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ኣበባ ኣስፍሃን ተኸሰስቲ ወ/ሮ ደሃብ ሰለሙን +6 ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ኣሰፋ ሰለሙን ኣስገዶም ብመጸዋዕታ ክቐርቡ ስለዘይከኣሉ፡ ተጸዊዑ ን2/12/13 ሰዓት 8፡30 ቅ/ቀ ኣብ ላ/ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቁ.29 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ድማ ጉዳይ ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ

ን16ን 17ን ሕዳር ኣብ ስኔማ ኢምፔሮ ከምኡ’ውን ኣብ ስኔማ ደቀምሓረ

ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣኽርያ

ወ/ሮ ህድኣት ዘርኣይ ገብረክርስቶስ፡ በዓል ቤተይ ገብራይ ተኽለ ተማኑ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 9 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/11/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ኣባሻውል 4 ኣስመራ

ኣቶ ብርሃነ ፍስሃየ ሃብተኪኤል፡ ሓፍተይ ሸማይነሽ ፍስሃየ ሃብተኪኤል ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይን 2 ተተካእትን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/12/13 ሰዓት 8፡

00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ጸሃይነሽ የማነ ሰለሙን፡ በዓል ቤተይ በረኸት መለስ በርሀ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/12/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኣዜብ ኣብርሃም ቦኽረጽየን፡ ወድና ኣሚር ብርሃኑ መሓመድ ስለዝሞተ፡ ናይ ወድና ኣነን ኣቡኡን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/12/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳ

ወ/ሮ ትርሓስ ኪዳነ ገብረጊዮርጊስ፡ በዓል ቤተይ ተስፋኣለም ርእሶም ገብረሃንስ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ

መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ኤደን ገብረትንሳኤ ጳውሎስ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ሱታፌ ዘርኣይ መሓሪ ዘሎ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ክርክር፡ ተኸሳሲ ብኣድራሽኡ ክርከቡ ስለዘይከኣሉ፡ ን11/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ጉዳዩ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

ኣቶ ጎይትኦም ኣርኣያ እሴት፡ ኣቦና ኣቶ ኣርኣያ እሴትን ኣደና ወ/ሮ ለተገርግሽ ወልደኣብን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Invitation for Bids (IFB)

Name of Country: Eritrea

Name of Project: Global FundGrant No: ERT-T-MOH Dated: November 12,2013 IFB Title: - procurement of solar system for pharmacy store IFB Number: GF/R10 TB/ICB/01/2013

The 1. Ministry of Health of the State of Eritrea has received a grant from the Global Fund towards the cost of HIV/AIDS, Malaria, and TB Project. It is intended that part of the proceeds of this grant will be applied to eligible payments under the contract for procurement: Solar system for pharmacy store

The 2. Project Management Unit of the Ministry of Health now invites sealed bids from eligible bidders for the supply of Solar system for pharmacy store

Bidding will be conducted through the International Competitive Bidding (ICB) procedures 3. specified in the Global fund Guidelines: Interested bidders may obtain further information from 4. PMU, Ministry of Health and inspect the Bidding Documents at the Procurement Office, PMU, Ministry of Health, Denden Street No.82, Asmara, Eritrea; Tel: 291-1-122978, Fax: 291-1-124357 from 08:00 to 12:00 hours.A complete set of Bidding Documents in 5. English language may be purchased by interested bidders on the submission of a written Application ( if agents, presentation of authorization and renewed license) to the address and upon payment of a non refundable fee USD fifty (50.00) or equivalent. The method of payment will be cash or Bank transfer to the credit of our account No. 120-122-0186 with Bank of Eritrea through DZ BANK SWIFT. GENO DE F - Frankfurt, Germany IBAN. DE39500604000001030 736. The document will be sent by DHL/Express mail.Bids must be delivered to Project Management Unit/MOH, Denden Street No. 82 Asmara, 6. Eritrea; Tel: 291-1-122978; Fax; 291-1-124357, on or before 15:00 Hours on December 5,2013 All bids must be accompanied by a bid security to be not less than two (2) percent of the bid amount in a freely convertible currency which should be submitted sealed within the bid offer envelop. Late bids will be rejected. Bids will be opened in the presence of the bidders’ 7. representatives who choose to attend at 15:00 hrs on December 5,2013

Page 7: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሕዳር 2013 - ገጽ 7

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ምልክታታትብስም ዘይቱና ነጋሽ ኑሩ፡ ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ዝርከብ ገዛ ፕሎት 32 ፓርሰል ኤምን ኤንን ናይ ገዛ ስእልን ፕላንን ዝሓዝናዮ ሰነድ ስለዝጠፈኣና፡ ረኺበዮ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል እንተሎ፡ ብቁጽሪ ተሌፎን 120350 ደዊሉ ክሕብረና። እንተዘይኮይኑ ኣምሳዩ ክወሃበና ንዝምልከቶ ኣካል ክንሓትት ምዃንና ንሕብር።

ባንክ ኣባይትን ንግድን ኤርትራ

ኣብ ዉሽጢ ቀጽሪ ቤ/ጽሕፈት ሚኒ/መጓ/መራኸቢታትን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ደው ኢለን (ተዓሽገን) ዘለዋ መካይን ዋናታትን ወይ ሕጋዉያን ተወከልቲ፡ እዚ ምልክት ኣብ ጋዜጣ ካብ ዘወጸሉ ዕለት ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ዘለዎም ጉዳያት ኣጻፊፎም መካይኖም ክወስዱ እናሓበርና፡ ዝተጠቕሰ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ትራፊክ ጽርግያ ቁ.154/2006 ስጉምቲ ከም እንወስድ ንሕብር።

ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን

ብስም ወረስቲ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚ/ሪ መሬትን ማይን ኣከባብን ዝተወሃበኒ ዉዕል ክራይ መሬት ቁጽሪ 05419 ስለዝጠፈኣኒ ዝረኸበ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል እንተሎ፡ ብቑጽሪ ተሌፎን 07193154 ክሕብረኒ። እንተዘይኮይኑ መተካእትኡ ክሓትት ምዃነይ የፍልጥ።

ካብ ወረስቲ እድሪስ መሓመድ ዓሊወኪል ማሕጁብ ጣህር መሓመድኑር

ብስም እዝግሃርያ ካሳ ወልደሳሚኤል፡ ዝተመዝገበ ቁ/ፍ/ዋኒን ASL-00005152 ዝኾነ ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ጎዳይፍ ጎደና ተጋደልቲ ቁጽሪ ገዛ 55 ዝርከብ ናይ ፋግሮን ፈለኛሞን ትካለይ ንኣቶ ጸሃየ ዓንደብርሃን በራኺ ካብ 1/10/2013 ክሳብ 1/10/2018 ኣካርየዮ ስለዘለኹ፡ ዝቃወም ምስዝህሉ፡ እዚ ምልክታ’ዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ስልጣን ንቤ/ፍ ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ክራይ ውዕል ሕጋዊ ምዝገባ ከምዝፍጸመሉ አፍልጥ።

ወ/ሮ እዝግሃርያ ካሳ ወልደሳሚኤል

ወረ/ነፍ ሳሙኤል ኣስፍሃ ሃይለ ዝኾንና፦ 1.ወ/ሮ ኣበባ ኣርኣያ 2.ኣቶ መኮነን ኣርኣያ 3.ወ/ሮ ብርኽቲ ኣርኣያ 4.ወ/ሮ ለምለም ኣርኣያ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዞባ 7 ዝርከብ ብዋንነት ምስክር ወረቐት ቁጽሪ 115185 መወከሲ ቁጽሪ 120776/120777 ዝተመዝገበ ናይ ገዛ ሊብሬቶ ስለዝጠፍኣና፡ ብዕዳ ሒዘዮ ወይ ረኺበዮ ዝብል ሰብ እንተሎ፡ ብቁጽሪ ሞባይል ቴሌፎን 07316460 ክትሕብሩና። እንተዘይኮይኑ ግን መተካእትኡ ክዋሃበና ንዝምልከቶ ኣካል ክንሓትት ምዃንና ነፍልጥ።

ወ/ሮ ኣበባ ኣርኣያ በራኺ

ሓበሬታኩሉኹም ሕጹያት ተመረቕቲ 2014 ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ካብ 01 ታሕሳስ 2013 ክሳብ 15 የካቲት 2014 ናይ መመረቕታ ስእሊ ኣብ ፎቶ ኣሉሊ እናመጻእኩም ክትሰኣሉ ንሕብር።ኣመጻጽኣኹም 3 መዓልቲ ኣብ ሰሙን ማለት ዓርቢ፡ ቀዳም፡ ሰንበት ኮይኑ ንመጽሄት ዝኸውን ክፍሊት’ውን ክትማልኡ ነዘኻኽር።

ንዝግበረልና ምትሕብባር ኣቐዲምና ነመስግን።ቡለቲን ኮሚቴ 2014

ምልክታ ጨረታሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን Sony data projector model UPL- DX 100 220v –SoHz ከምኡ’ውን Lan master Engineers Toolkit mith Sottelayt finder ክገዝእ ስለ ዝደለየ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ከማልኡ ግዱሳት ተጫረትቲ ይዕድም።

1. ናይ 2012 ዝተሓደሰ ልቸንሳ።2. መኽበሪ ጨረታ 15,000 ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ብCPO የትሕዙ።3. ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ን20 መዓልታት ክፉት ኮይኑ ጸኒሑ ንጽባሒቱ ሰዓት 9፡00 ቅ/ቀ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት።4. ሕጋዊ መጫረትቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈትና ቀጽሪ ማእከላይ መንግስቲ (ክፍሊ-ሃገር ነበር) ኣብ ቁ.71 ክወስድ ይከኣል።5. ቤት ጽሕፈትና ዝሓሸ ኣማራጺ ምስ ዝረክብ በዚ ጨረታ’ዚ ኣይግደድን።6. ንዝያዳ ሓበሬታ ብቁ.ቴሌፎን 123291 ክትድውሉ ትኽእሉ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

ኣቶ ጎይትኦም ኣርኣያ እሴት፡ ኣደይ ወ/ሮ ለተገርግሽ ወልደኣብ ስለዝሞተት፡ ኣብ ቤ/ፍ ዞ/ማእከል ለበዋ ስለዝገደፈትለይ ለበዋ ይጽደቐለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ኣቶ ክብሮም ገብረሚካኤል ብርሃነ፡

ወላዲትና ደሃብ ገብረሚካኤል ዑቕባዮናስ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 2 መወቲ ኣሕዋተይን 5 ተተካእቲ ደቀንን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ንፋስ

ፍስሃየ ተወልደብርሃን ሃብተማርያም፡

ምስ ሓፍተይ ትርሓስ ተወልደብርሃን

ሃብተማርያም፡ ኣበባ ተስፋይ ምሕረትኣብ

ስለዝሞተት፡ ብጀካና ካልእ ወራሲ

ከምዘይብላ ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣

ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/12/13 ኣብ ቤ/ፍ

ይቕረብ።

ዞባ ደቡብመንደፈራ

ከሰተ ተኽለ ምባል ተሪፉ፡ ቀሺ ተኸስተ

ተኽለ ግርሙ የውሃንስ ተባሂሉ

ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፡ ዝቃወም እንተሎ፡

ን25/11/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ድባርዋ

ዳዊት ስዩም ከንቲባ ምባል ተሪፉ፡ ዳዊት

ስዩም ገብረኪዳን ተባሂሉ ይተኣረመለይ

ስለዝበለ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/12/13

ምልክታ ጨረታሚኒስትሪ ትምህርቲ ንተመሃሮ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ጻብራ ናቕፋ ዝኸውን ኣሕምልቲ፡ ስጋ፡ ካብ 1 ጥሪ 2014 ክሳብ ሰነ 2014 ከምኡ’ውን ካብ መስከረም 2014 ክሳብ ታሕሳስ 2014 ዘቕርቡ ሕጋውያን ነጋዶ ንጨረታ ይዕድም።

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም፦

- ናይ 2013 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን መንነትን ፎቶ ኮፒ ምቕራብ የድሊ። - ምልክታ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 27 ሕዳር ክፉት ኮይኑ ይጸንሕ።- ሳንዱቕ ጨረታ ንጽባሒቱ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ይኽፈት።- መኽበሪ ጨረታ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ናቕፋ ዝተረጋገጸ ቸክ (CPO) ይተሓዝ።- ተወሳኺ መግለጽን ዝርዝራዊ ሓበሬታን ኣብ ሚ/ትምህርቲ ቤት ጽሕፈት ቁጽሪ 20 ወይ ብቴሌፎን 200595/123749 ተወከሱ።ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ

ምልክታ ጨረታጨ/ትም/ዞባ ዓንሰባ ንኣሕዳሪት ቤ/ት/ቦርዲን ኣስማጥ ዝኸውን ኣሕምልቲ (ኩዳር) ኣጫሪትና ክንዕድግ ስለዝደለና፡ ጉዱሳት ተጫረትቲ ይዕድም።

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም ነገራት

1. ናይ 2012 ፍቓድ ንግዲ ዝተሓደሰ ፎቶ ኮፒ የቕርቡ።2. መኽበሪ ጨረታ 50,000.00 ናቕፋ የትሕዙ።3. ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 23/12/2013 ክፉት ኮይኑ ይጸንሕ። ን24/12/2013 ልክዕ ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ግዜ ስራሕ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝህልወሉ እቲ ጨረታ ይኽፈት።4. ናይ ጨረታ ወረቓቕቲ (ፕሮ-ፎርማ) ካብ ጨ/ትም/ዞባ ዓንሰባ ከረን መጺእኩም ክትወስዱ ትኽእሉ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ቴሌፎን 402289 ደዊልኩም ተወከሱ።5. ኣወሳስዳ ንብረት ካብ ወርሒ 1/2014 ክሳብ ወርሒ 31/12/2014 መወዳእታ ብወርሓዊ መቑነን መሰረት የቕርቡ።6. ጨ/ትም/ዞባ ዓንሰባ ካልእ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብኸፊል ወይ ብምሉኡ በዚ ጨረታ ኣይግደድን።

ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ 1ይ መጋባኣያ ዓዲዃላ

ወ/ሮ ሰናይት ክፍሉ ተስፋማርያም፡ ምስ ተጸዋዒ ፍቓዱ መኮነን ንጉሰ፡ ብናይ ሃገር ባህልን ልምድን ብ2001 ተመርዒና 1 ቆልዓ ወሊድና እንተኾነ ተጸዋዒ ካብ 2008 ኣትሒዙ ምስ ከደ ደሃዩ ስለዘይብለይ፡ ተጸዊዑ ክቐርበለይ ብቤተዘመድ ሽማግለ ክውሰነለይ፡ እንተዘይቀሪቡ ድማ ናይ ፍትሕ ውሳነ ክወሃበኒ ስለዝበላ፡ ዝቃወም እንተሎ፡

ን25/11/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓደውሒ

1.ወ/ሮ ሂወት ክፍሉ ተስፋጽዮን

2.ኣስመሮም ክፍሉ ተስፋጽዮን

3.መብራህቶም ክፍሉ ተስፋጽዮን 4.ወ/ት

ሰለማዊት ክፍሉ ተስፋጽዮን 5.ዓብለል

ክፍሉ ተስፋጽዮን፡ ኣቦና ክፍሉ ተስፋጽዮን

ስለዝሞተ፡ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና

ስለዝበሉ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/11/13

ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 8: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሕዳር 2013 - ገጽ 8

ሰላም ርእሶም

ኢንዱስትሪ ፊልም ቱርኪ ብደረጃ ዓለም ዳርጋ ከም ሆሊውድን ቦሊዉድ (ኢንዱስትሪ ፊልም ህንዲ)ን ተወዳዳርን ብዙሕ ተዓዛቢ ዘለዎን ክኸውን ዝበቅዕ ዘሎ ኢንዱስትሪ ምዃኑ ብብዙሓት ይእመነሉ። እቲ ኢንዱስትሪ፡ ብቛንቋ ዓረብ ተተርጒመን ብደረጃ ዓለም ዓቢ ስምን ተፈታውነትን ከጥርያ ዝኸኣላ፡ ብርክት ዝበላ ናይ ተለቪዥን ተኸታተልቲ ፊልምታት ኣብ ምፍራይ ይርከብ። እዚ ብ10ታት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ተኸታተልቲ ዘለዎ ተኸታታሊ ናይ ተለቪዥን ፊልምታት ቱርኪ፡ ከም በዓል “ኑር”፡ “ኢዘል”፡ “እቲ ክልኩል ፍቕሪ” (ናይ ሰማርን ዓድናንን)ን ካልኦት ዓቢ ስም ዘለወን ፊልምታትን የጠቓልል። ብተመሳሳሊ፡ ኣውራ ብናይ ፊልም ስሞም ዝፍለጡ ከም በዓል መሃነት፡ ሰማር፡ ዓድናን፡ ኑር፡ ባና፡ ፈጅር ወዘተ ዝኣመሰሉ ህቡባት ተዋሳእቲ ፈርዮም ይርከቡ። ንሎሚ’ምበኣር ምስ ሓንቲ ካብቶም ህቡባት ተዋሳእቲ ቱርኪ ዝኾነት በርን ሳዓት (ሰማር) ከነላልየኩም። በርን ሳዓት (ሰማር) ኣብ 1984 ኣብ

ርእሰ ከተማ ቱርኪ - ኣንካራ ተወሊዳ። ህብብቲ ተዋሳኢት ሰማር፡ ድሕሪ ስሩዕ ናይ ትምህርቲ ግዜኣ ድማ፡ ኣብ ዩንቨርስቲ ባስካን ብዓውዲ ምሕደራ ስነ-ቑጠባ ተመሪቓ። ብድሕሪ እዚ ድማ’ያ ሰማር

በርን ሳዓት (ሰማር) - እታ ህብብቲ ቱርካዊት ተዋሳኢት

ምስቶም ኣብቲ ኮለጅ መማህርታ ዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ናይ ተዋስኦ ንጥፈታት ክትሳተፍ ዝጀመረት። ኣብታ “The Forbidden Love”

(እቲ ክልኩል ፍቕሪ) እትብል፡ ብቛንቋ ዓረብ ተተርጒማ ኣብ ኤም.ቢ.ሲ-4ን ኣብ ዝተፈላለያ ካልኦት ናይ ቲቪ ቻነላትን ዝቐረበት ህብብቲ ተኸታታሊት ፍቕራዊት ፊልም ብዘርኣየቶ ናይ ምውሳእ ብቕዓት ድማ ደሚቓ ክትርአ ዝኸኣለት ተዋሳኢት እያ። ቱርካዊት ህብብቲ ኮኾብ ተዋሳኢት በርን ሳዓት (ሰማር)፡ ኣብታ ፊልም ምስ ህቡብን ፍቱውን ቱርካዊ ተዋሳኣይ ኪቫን እያ ተዋሲኣ። ህቡብ ቱርካዊ ተዋሳኣይ ኪቫን፡ ኑር ኣብ ትብል ተኸታታሊት ናይ ቲቪ ፊልም ህቡብነት ዘጥረየ ኮይኑ፡ ዝያዳ ብመሃነት ይፍለጥ።ሰማር፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ባስካን ድሕሪ

ምምራቓ፡ ዝተመረቐትሉ ሞያ ሓዲጋ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ቱርኪ ፊልምታት እያ ክትዋሳእ ጀሚራ። ካብ ቱርኪ ሓሊፋ ዝያዳ ዝናንን ተፈታውነትን ክትረክብ ዝኸኣለት ግን፡ ኣብተን ኣብ ቲቪ ዝተራእያ ተኸታተልቲ ፊልምታት ድሕሪ ምዕያያ’ዩ። ከም ኣብነት እንተርኢና በርን፡ ዝሰርሓተን ናይ ቲቪ ተኸታተልቲ ፊሊም፡ ኣብ 2004 “ኣስኩሚዝዳ ኦሉም”፡ ኣብ 2005 “ኣስካ ሱርጉን”፡ ክጥቀሳ ኸለዋ፡ ኣብ 2008 ዝዓየየታ ፊልም “ዘ ፎር ቢድን ላቭ” ግና ንሰማር ስማ ሰማይ ዘዕረገትላ ተኸታተሊት ፊልም’ያ። እዛ ፊልም ኪኖ ተፈላጥነትን ተፈታዉነትን፡ ድልድል ንዝያዳ ስራሕ’ውን ኮይናታ’ያ። ኣብታ ፊልም ብዘርኣየቶ ጥበብ ኣወሳስኣ ድማ ሰማር ዝተፈላለየ ዓወታትን ኣታዊታትን ረኸበት።እዛ ምጭውቲ ተዋሳኢት፡ ኣብዛ ፊልም

ብዘርኣየቶ ብቕዓት ኣወሳስኣ፡ ክልተ ናይ “ጎልደን ባተር” ዝተባህለ ፍሉይ ሽልማት ክትጭብጥ ከኣለት። ንሽልማት “ጎልደን ባተር” ንኽልተ ተኸታታሊ ዓመታት ዝተዓወተት ሰማር፡ ብልጽቲ ተዋሳኢት ክትከውን ዝበቕዐት እንኮ ጓለንስተይቲ’ውን ኢያ። ብዘይካዚ ቀጺላ በርን (ሰማር) ኣብ

2010 እውን ኣብ ተኸታታሊት ናይ ተለቪዥን ፊልም “ፋጥማጉል ኡን ሱክ ነ” ተዋስአት። ኣብዛ ፊልም’ውን ሰማር ዝንኣድ ብቕዓት ብምንጽብራቕ ሃገራዊ ሽልማት ክትዓትር በቒዓ’ያ። እታ ብሰማር እትፍለጥ በርን ሳዓት፡ ኣብ 2012 ምስ ቱርካዊ ድምጻዊ ከናን ዶጉሉ ፍቕራዊ ዝምድና መስሪታ ትርከብ።

መብዛሕትና ንወድዮ ጫማ ብኣፍልጦ ድዩ? ብመሰረት ብኽኢላታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ጥቕምን ጉድኣትን ትሑት ጫማ (ባሶ ጫማ)ን ታኬት ዘለዎ ጫማን ኣብ ጥዕና ዘምጽኦ ጸገማት ነዚ ይመስል።

ብኽኢላ ማይክ ኦ’ነይል ባሶ (ትሑት) ጫማ ንልዕሊ ሹድሽተ ወርሒ ብዘይምቁራጽ ምጥቃም ሓደገኛ ምዃኑ’ዩ ዝሕብር። ትሑት ጫማ ምልባስ ኣጣጢሕካ ብ ም ች ኡ ነ ት ክትንቀሳቐስን ኮፍ ክትብልን የ ኽ እ ል ።

ዝበዝሐ ሰብ ከኣ ነዚ ምቹእ ዝኾነ ትሑት ጫማ ይጠልብ። ወላ እዚ ዝተጠቕሰ ብልጫታት ይሃልዎ ግና፡ ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ትሑት (ባሶ) ጫማ ንብዙሕ ግዜ ምውዳይ ቃንዛ ዝፈጥር ኮይኑ’ዩ ተረኺቡ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዓባይ ዓባይቶ እግሪ፡ ጠንቂ ሕበጥ’ዩ። ብሰንኪ’ዚ ዝፍጠር ነድርን ቃንዛን ድማ፡ ዓንዲ ሕቖና ክጥቃዕ ይኽእል።

እንታይ ጫማ ኢና ንወዲ? ብዛዕባ ታኬት ዘለዎ ጫማ ድማ፡ ኣልይስሳ

ዱፎር ዝተባህለ ክኢላ ካብ 2002-2008 - ንሽዱሽተ ዓመታት ዝኣክል ንጉድኣት ታኬት ዘለዎ ጫማ ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ዘካየደ’ዩ። ኣብቲ መጽናዕቲ ድማ፡ ታኬት ዘለዎ ጫማ ዘዘውትራ ደቀንስትዮ ኣብ

ድሕሪት ናይ እግረን ቃንዛ ከም ዝገብረለን ይሕብር። እንተኾነ ግን ወላ’ኳ እዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ጸገም እንተለዎ፡ ነዊሕ

ታ ኬ ት ዘዘውትራ

ደቀንስትዮ መዓርግ ዘለወንን ኣዝየን ሰሓብትን ኣብ ርእሲ ምዃነን፡ ቅርጺ ኣካላተን ዝያዳ ንኽርአ ከም ዝሕግዘን’ውን እቲ መጽናዕቲ ይጠቅስ። ብሓፈሻኡ ነዊሕ ዝታኬቱ ጫማ ብዝበዝሓ

ደቀንስትዮ ዝጥለብ’ኳ እንተኾነ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ገዛ ኣብ ዝህልዋሉ ግዜ ትሑት ጫማ ከዘውትራ ከምዝምረጽ ድማ እቲ ኣልይስሳ ዝተባህለ ክኢላ ዓውዲ ፋሽን ይሕብር።

- ንስኻ እቲ እንኮ በታ ጓለነስተይቲ እትእመንን ዝበለጽካን ምዃንካ፡ መጠን ኣብ ልባ ዘለካ ቦታ ክትነግረካ፡ ብቕንዕና ንስሚዒታታ ክትገልጸልካ፡ ምሳኻ ንምዕላል ምቹእ ቦታ ክትመርጽ እንተኽኢላን ተፈቒርካ ኣለኻ ማለት’ዩ። - ኣዒንቲ ጽቡቓት መግለጺ ስምዒታት

እየን። ስለዚ ድማ ከተዕልላ ኮነ ክትጥምታ ከለኻ እትህበካ ኣድህቦ ክትከታተሎ ክትክእል ኣለካ። ተመሲጣ ዲያ? ብዓይኒ ፍቕሪ ዲያ ትጥምተካ ዘላ ዋላስ ካልእ ከተስተውዕለላ ይግባኣካ። ምሳኻ ዘላ

ጓል ተፍቅረካ እንተኾይና ኣዒንታ ካብ ኣዒንትኻ ኣይክትፈልየንን’ያ። - ዝተፈላለየ ህያባት፡ ካልኦት ጽቡቓት

ናይ መዘናግዒ ቦታታት፡ መሪጻ ምስ ትዕድመካ፡ ብዝተፈላለዩ ነገራት ክትምስጠካ ተፈቲናን፡ ክትሓተካ ከይተጸበኻ በቲ ተርእየካን ተዕልለካን ዲሌታታ ከተጽንዖም ፈትን። - ናይ ብሓቂ ኣብ ፍቕርኻ ጥሒላ

እንተላ፡ ብዘይካኻ ካልእ ወዲ - ወዲ ኣይኮነን ንዓኣ። ንስኻ ዝበለጸ ሰብ ኢኻ ንዓኣ። ዕላልካ ክትሰምዕን ምሳኻ ብዙሕ ግዜ ከተሕልፍን’ያ ትደሊ። በዚ ድማ ንስኻ ምሳኻ ኣብ ዓሚቚ ፍቕሪ ጥሒላ ምህላዋ ክትርዳእ ትኽእል። - ብሓቂ ኣብ ፍቕሪ እንተደኣ ኣላ

ኮይና፡ ጽቡቕ ገይራ ክትቅበለካን ብብሩህ ገጽን ፍሽኽታን ክትርእየካን’ያ። ምሳኻ ኣብ ትህልወሉ ድማ፡ ኣብ ፍቕራዊ ስምዒት ጥሒላ ንእትሓቶን እትደልዮን ከተተግብረልካ ድልውቲ ክትከውን’ያ።

- ንምምሳጥካ ወትሩ ድልውቲ ክትከዉን’ያ፣ ንኽትሓታ ድማ መገዲ ክትከፍተልካ ክትፍትን’ያ። ድሌታትካ ኣጽኒዓ ንምምሳጥካ ኣብ ፍቕሪ ንምዉዳቕካ ክትጽመድ’ያ፣ ስለዚ ንምሕታታ ድሕር ኣይትበል።- ጓል ንሓደ ወዲ እንተፍቂራቶ

ምስ መሓዙታን ትፈልጦም ሰባትን መሳርሕታን ብዛዕባኡ ምዝራብ ባህ ስለ ዝብላ፡ ወትሩ’ያ ስሙ እተልዕል። ምስኡ ክትህሉን ክትርአን ድማ ትደሊ። ስምካ ወትሩ ብድሕሬኻ ዝልዓል እንተኾይኑ

ግና ተፈቒርካ ኣለኻ።- ጓል ኣፍቂራትካ ምስ እትህሉ፡ ኣብ

ሰላምታ’ውን ክትገልጸልካ ትፍትን’ያ፣ ፍቕራዊ ሰላምታ’ያ ትልግሰልካ። ክትስዕመካ ከላ’ውን ሕሹዂታ ድምጺ ብምፍጣር ወላ እንተብፍላጥ፡ እንተብዘይፍላጥ ትምስጠካ’ያ።- ጓል ኣፍቂራትካ ምስ ትህሉ፡ ንሳ ትደልዮ

ነገራት ከመይ ምዃኑን ከመይ ክትከውን ከም ዘለካን ትእምተልካ’ያ። ወትሩ ከምዚ ክትከውን ኣለካ እናበለት’ውን ከተረድኣካ ትፍትን። ካባኻ ትደልዮን ትጽበዮን’ውን ትሕብረካ። ስለዚ ኣድህቦ ሃባ።- ጓል ኣፍቂራትካ እንተላ ተገዳስነት’ያ

ኣብ ልዕለኻ እተሕድር። ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኻን ኣብ ምፍዋስ ሕማምካን ከይተረፈ ብንጥፈት ትዋሳእ።- እዚ ዓሰርተ መገድታት ጓል ፈትያትካ

ከም ዘላ ዝሕብር’ዩ። ስለዚ ንብዙሓት ካብዘን ምልክታት እንተተዓዚብካ - ከይተማታእካ ሕተት ክሰልጠካ ተስፋ ድማ ንገብር።

ብጓል ከም ዝተፈቐርካ ዝሕብሩ ምልክታት

ንልቦና> ይቕረ ምባል ካብ ሕነ ምፍዳይ ይምቅር፣ ጌጋ መናብርትና እዩ፣ ምስ ተጋገና

እንፍጽሞ ከኣ ወትሩ የጣዕሰና። ህድእ ንበል’ሞ፣ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ምግባርና ኣዕሚቝና ንሕሰብ። ዓቃላትን ይቕረ በሃልትን ንኹን፣ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከኣ ንፋቐር።

=> ነብስኻ ምምላኽ ካብ ውሽጢ ደኣ’ምበር ካብ ግዳም ዝምንጩ ኣይኮነን። ስለዚ ንውሽጢ ነብስና ብምፍታሽ ነብስና ክንመልኽ ይግባእ። ከምኡ እንተ ገይርና፡ ጌጋታትና ክድገሙ ዕድል ኣይረኽቡን’ዮም። ኣብ መንጎ ጽቡቕን ሕማቕን ዘሎ ፍልልይ ድማ ከም ሕቶ ስነ-ምግባር ርኢና ኣብ ምምዝዛን ግዜና ኣይነጥፍእን። ምኽንያቱ፡ ኣየናይ ከም ዝሓይሽ ስለ ዝርደኣና መገድና ብሩህ ይኸውን። ሰሓቕ፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ ከኣ ኣብ ዙርያና ይዓስል።

(ማዘር ተረዛ)

Page 9: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሕዳር 2013 - ገጽ 9

ነጃት ኣደም

ሙተመ

ይዛ

ኤርሚያስ

ኣስፍ

ኣፍራዛ፣ በትርን ኣስኮፓን ካብ ገዝኣ ሒዛቶም

እትወፍር ናይ ወትሩ መሳሪሕታታ’ዮም። ነዞም መሳሪሒታት ከይሓዘት ካብ ገዝኣ ፈጺማ ኣይትወጽእን’ያ። ሰዓት 4፣00 ወጋሕታ ኣብ መገዲ ጎዳይፍ- ቃሓውታ፣ ንዝተተኽሉ ስየታት ክትኩስኩስ፣ ክትኩስትርን ክትሕሉን ክትጸንሓካ ናይ ግድን’ዩ። በቲ እትሰርሓሉ ከባቢ ወጋሕታ ንቤተክርስትያን ይኹን ናብ ካልእ ዋኒኑ ዝሓልፍ ሰብ ሰላምታ ለጊሱ ነቲ ሰናይ ተበግሶኣ ከየመስገናን ከየተባብዓን ኣይሓልፍን - ንወይዘሮ ብርኽቲ ተኽልዝጊ(ኣፍሮ)። ወ/ሮ ብርኽቲ(ኣፍሮ) ኣብ 1978 እያ

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፋ፣ ኣብ 1993 ድሕሪ ምጥያሳ ድማ ናብርኣ ንምምራሕን ደቃ ንምዕባይን ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ክትሳተፍ ጀሚራ። ኣፍሮ፣ ከይሰራሕካን ከይጸዓርካን ዝርከብ ጻማን ዝመሓየሽ ናብራን ከምዘየለ ካብ

ጉዕዞ ገድሊ ዝተመኮረቶ’ያ። ስለዚ ኣብ 1994 ጉልበታ ኣብ ስራሕ ከተዋፍሮ ወሰነት። በዓል ቤታ ሰሪሑ ዝኣቱ’ኳ እንተኾነ፣ ተወሳኺ ደገፍ ንኽትኮኖ ግና

ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊራ።ንሳ፣ ማዕረ ማዕረ ኣጓብዝ መንእሰያት፣

እምኒ ተልዕል፣ ተኖኮ ትሃርም፣ ዓንዲ ተሰኪማ ትሰቅል ምንባራ ተዕልል። “ምኽንያቱ ምስ ተጣየስኩ፣ ኮፍ ምባል ክርምሰኒ ስለ ዝኽእል፣ ብዘይካ’ቲ ሰሪሐ ዘእትዎ እትዋት፣ ብምንቅስቓስ ዝረኽቦ ጥዕናዊ ረብሓ’ውን ብዙሕ ስለ ዝኾነ

ናይ ጉልበት ስራሕ ኣይ ጸ ላ እ ክዎ ን ” ትብል። ወ/ሮ ብርኽቲ(

ኣፍሮ) ንነዊሕ እዋናት ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ድሕሪ ምጽናሓ፣ ካብ ለካቲት 2012 ኣትሒዛ፣ ኣብቲ ንሕልናኣ ዕጋበት ዝህባ ስራሕ ክትዋፈር ሓሳብ ኣቕረበት። ነቶም ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ ጎዳይፍ ዝተተኽሉ ናይ ስውኣት ስየታት ንኽትከናኸኖም ድሌት ከምዘለዋ ንዝምልከቶም ኣካላት ምስ ሓበረት ድማ ርኸቢ ኣይትስኣኒ ዝብል መልሲ’ያ

ረኺባ፡ ኣፍሮ፣ ኣብ እዋን ቀትሪ ንስየታት ክትሕሉን ክትከናኸንን’ዩ ተፈቒዱላ።

ንሳ ግን፣ እቲ ስየታት ምእንቲ ሃገር በጃ ዝኾኑ ናይ ስውኣት ኣሕዋታ ብምዃኑ ቀትሪ ጥራይ ኣመቶም ክትገብር ሕልናኣ ኣይገበረላን። ወጋሕታ’ውን ካብ ድቃሳ ተሲኣ፣ ትኹስኩሶም፣ ካብ ጤለ በጊዕ ክትሕልዎምን ኣብ ከባቢኦም ጎሓፍ ከይጉሓፍ ክትከላኸለሎምን ጀሚራ፡ ኣብ ከባቢ’ቲ ኣግራብ ርስሓት ምስ ዝህሉዎ’ውን ባዕላ ተጽርዮ ነበረት፡ ኣፍሮ፣ ለይቲ ናብቲ ስራሕ እትወፍረሉ

ምኽንያት፣ መብዛሕትኡ ግዜ ጎሓፍ ብለይቲ ስለ ዝጎሓፍን እንስሳታት’ውን ኣብ ጽምዋ ኣግራብ ከም ዘበላሽው ብምእማና’ያ፣ ንሳ፣ 220 ናብ ዝቑጽሮም ስየታት ገስጊሳ መዓልታዊ 40 ዝኾኑ ስየታት ኮስኲሳን ኣጽርያን ሰዓት 9፣00 ናብ ገዝኣ ክትምለስ እንከላ ምሉእ ዕግበት ከምዝስምዓ’ያ ትገልጽ፡ ነቶም ንዝኽሪ ስውኣት ዝተተኽሉ

ስየታት ከም ደቃን ኣሕዋታን እናሓሰበት ከም ትከናኸኖም እትገልጽ ኣፍሮ፣ እቶም ስየታት ብግቡእ ምስ ዓብዩ “ሳላ ኣፍሮ’ዮም’’ ክበሃለላ ምንዮታ ምዃኑ’ያ ትሕብር። እቶም ስየታት ሳላ ዝገበረትሎም ክንክን ክንዲ ቁመት ሰብኣይ በጺሖም ብምህላዎም ድማ ሕልናኣ ክቐስን ጀሚሩ ኣሎ፡ ኣፍሮ ንዝጋዕዘየ ተኽልታት መጽረዩ

ዝኸውን ካብተን ዝረኸበተን ቁሩብ ቑራቦ

ኣፍሮ፡ ኣብነታዊት ተጋዳሊትገንዘብ ብ50 ናቕፋ ኣስታት 50 ዝኸውን መጽረይ መኾስተር ገዚኣ ከም ተጽርዮ’ያ ትሕብር። ካብዚ እቲ 15 ኣብ ስራሕ እንከላ ከም ዝኣረጋ’ውን ከይጠቐሰት ኣይሓለፈትን፡ ኣፍሮ በዚ ትሰርሖ ስራሕ ብህዝቢ ኣዝያ ከም ትምስገን ትሕብር፡ ሓደ እዋን በቲ እተካይዶ ስራሕ ዝተሓጎሱ ሰባት ኣስታት 1,400 ናቕፋ መተባብዒ ዝሃብዋ ነይሮም፡ ኣብቲ ዝተተኽለ ስየታት ሕሉፍ ፍቕሪ ዘለዋ ኣፍሮ ግን ንዝረኸበቶ ገንዘብ ኣብቶም ኣግራብ ናይ ስውኣት’ያ ኣውዒላቶም። ንሓንቲ ገረብ ብሕሳብ ሸሞንተ ናቕፋ ሰራሕተኛ ቆጺራ ድማ ከም ዝጽልጸሉን ዝስተኻኸሉን ገይራ፡ ኣፍሮ፣ ለይቲ ንስራሕ ክትወፍር

ከላ ኣባላት 7ይ መደበር ፖሊስ ስለ ዝተሓባበርዋ ኣብ ጉዕዞኣ ዝኾነ ጸገማት ከምዘየጓንፋ ትሕብር፡ በዓል ቤታ ኣቶ ደስበለ ዑቕባጽየን ድማ ኣብቲ ስራሕ ዘይብሉ እዋናት “ንስኺ ኣዕርፊ” ብምባል ለይቲ ተንሲኡ ነቶም ስየታት ከምዝከታተሎምን፣ እንሓንሳብ‘ውን ኣብ ጎድና ኮይኑ ኣብ ስራሕ ከምዝደጋገፋን ከይጠቐሰት ኣይሓለፈትን፡ ኣፍሮ፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ ንዝኽሪ

ስውኣት ዝተተኽለ ስየታት፣ ተቐማጢ ጎዳይፍን ቀሓውታን ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ምምሕዳራት ዝርከብ ህዝቢ ከም ናቱ ርእዩ ክከናኸኖም ድሕሪ ምልባው፣ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ካብ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ከይፍለያ ተማሕጺና።

ኣብ ሰንዓፈ ንመጽናዕቲ ማሰን መልቀስን ተባሂሉ ኣብ ዝተገብረ ባሻይ ሓጐስ ዕቝባኡ (ወዲ ወዶም ንኣይተ ወልደድንግል ገድሉ)፡ ኣቶ ጠዓመ ደስታን ማሰኛታት ነጋሽ ሳግላን ገብረመድህን ብስራትን ዝነበሩዎ ሰፊሕን ምቁርን ዕላል፡ ኣቶ ጠዓመ ንኽልቲኦም ማሰኛታት ጨሪሶም ረሲዖሞ ዝነበሩ ማሰኦምን መልቀሶምን ምስ ኣዘከሩዎም፡ ኣቶ ነጋሽን ኣቶ ገብረመድህንን በቲ ናይ ምዝካር ክእለት ኣቶ ጠዓመ ብዘይ መጠን ዓጊቦም፡ “ምስክርና ኢኹም ንስኹም፡” በሉዎም። ኣቶ ጠዓመ ኸኣ፡ “ዘይበልኩሞ ኢሎሞ ኢለ ኸይዛረብ፡ ንኣይ’ውን ንስኻትኩም ኢኹም ምስክረይ፡” ኢሎም መለሱሎም። ክልቲኦም ወገናት ማለት ማሰኛታትን ተባህለ በሃልን ድማ፡ ምስክርን መወከስን ሓድሕድ ምዃኖም ምስናይ ምክብባሩ ተፈላጥነት ተወሃሃቡ።ኣቶ ገብረመድህን ብስራት፡ ጋእ

ከይበሉ፡ መብዛሕትኡ ብሓደ ቤት ጀሚሩ ዝውድእ ነዋሕትን ዓመቝትን ግጥምታት ናይ ምምሃዝ ፍሉይ ተውህቦ ዝነበሮም፡ ብልዑል ናይ ማሰን መልቀስን ክእለቶም ዝልለዩ ግኑን ማሰኛ ነበሩ። ምስ ናይ ሞያ ፍላይ ማንታኦም ውሩይ ማሰኛ ነጋሽ ባይራኡ (ነጋሽ ሳግላ) ብማሰ ክመላለሱ ኸለዉ ዝህቡዎ ዝነበሩ ቅጽበታዊ መልስታት፡ ማዕረ ኽንደይ በሊሕን መሃዝን ምንባሮም ዝገልጽ’ዩ። ኣቶ ነጋሽ፡ ካብቲ

ሓጺር ሞያዊ ታሪኽ . . .ካብ 3ይ ገጽ ዝቐጸለ

ብዙሕ ብዛዕባ መዘናኦም ኣቶ ገብረመድህን ዝበሉዎ፡ “ገረመድሂን ብስራት፡ ዕባይ ኣቦይ

ወለድንግል፡ ዕባይ ተመልሶ ቐለተኡ። ክፈትወካ ኸሎኡ ጥዑም’ምበር፡ ትንክፍ

እንተ’ቢልካዮ ካብ መዓቱ የድሕንካኡ ዘብል።…” ብምባል ነበልባል ዝኾነ ማሰን

መልቀስን ዘውሕዙ ቅልጡፍ ሓሳባይ ምንባሮም ምስክርነቶም ይህቡ።ማሰኛ ገብረመድህን ምስ ማሰኛ ነጋሽ

እናተመላለሱ ዝበሉዎ ማሰን መልቀስን’ኳ ኣብ “ማሰን መልቀስን ቀዳሞት” (ቀዳማይ መጽሓፍ) ድሮ ተሓቲሙ እንተ ሃለወ፡ 100 ዝኸውን ማሰኦምን መልቀሶምን ዝሓዘ እኩብ ፍርያቶም ብዓቢኡ ብመጽናዕቲ ተሰኒዱ ኣብ “ማሰን መልቀስን ቀዳሞት” (ካልኣይ መጽሓፍ) ክሕተም ኣብ መደብ ኣሎ። ታሪኽ፡ ያታ፡ ጥበብ፡ ፍልስፍና፡ ኮታ ኩሉ’ቲ ሊቅነታዊ መርኣያታት ናይ ሓደ ስልጡንን ወረጃን ሕብረተ ሰብ ዘንጸባርቕ ማሰኦምን መልቀሶምን ከኣ፡ ንመጻኢ ወለዶታት መምሃሪ፡ መወከስን መዘናግዕን ውርሻ ኾይኑ ክቕጽል’ዩ።ኣቶ ገብረመድን ብስራት፡ ኣብ

ፈስቲቫል ኤርትራ 2005 ኣብ ሞያ ማሰን መልቀስን ንዝገበሩዎ ውህሉል ኣበርክቶ ኣፍልጦ ዝህብ ፍሉይ ሽልማት ተቐቢሎም። ኣቶ ጠዓመ ደስታ’ውን ከምኡ ብውህሉል ፍልጠት ኣፋዊ ያታታትን ልዑል ናይ ምዝንታው ክእለትን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2008 ፍሉይ ሽልማት ተዋሂቦም።እዞም ክልተ ጠቢባን፡ ከም’ቶም

ቅድሚኦም ዝሓለፉ ዓበይቲ ሰብ ሞያ፡ ንታሪኽናን ማሕበራዊ ሂወትናን ብርቀት ኣንጸባሪቑ መንነትና ዘድምቕ ሓወልቲ ጥበብ ስለ ዝገደፉልና ንዘለኣለም ክዝከሩን ክለዓሉን ክነብሩ እዮም።

ኣቶ ጠዓመ ፍሉይ ሽልማት እናተቐበሉ

Page 10: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሕዳር 2013 - ገጽ 10

ገምጋም-ፊልም መንከም ህያብዳይረክተርን፥ D.r. Sweet.J ደራሲ፥ ሃብቶም ዓንደብርሃን

ስኣሊ፥ ተሻለ ብርሃነ ኣርታዒ፥ ሙሴ ገብረኣብ

ደረጃ ብጽሩራ፥ ክልተ (61.50%)

ብመማይት ኮሚቴ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ 4ይን መወዳእታን

5. ሲነማቶግራፊ

ንጻረ

ዋሕዲ ብርሃን ንምእራም ዝተወስደ ናይ “ገይን” ምብርታዕ ዝጠንቁ ነጠብጣባት ኣብ መበል 2 ደቒቕ። 13 ደቒቕ። 34 ደቒቕ። 39 ደቒቕ። 1 ሰዓትን 39 ደቒቕ። 1 ሰዓትን 54 ደቒቕን …. ወ.ዘ.ተ. ተራእዩ፣ እዚ ብተደጋጋሚ ዝተራኣየ ከኣ ንንጻረ ስእሊ ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ፣

ብተወሳኺ። ዘይግቡእ ናይ ፎካስ ምንጽጻር ኣብ መበል 10 ደቒቕ። 29 ደቒቕ። 47 ደቒቕ ተራእዩ፣ ብዘይካ’ዚ። ኣብ ገለ ትርኢታት። ዝተፈላለየ ነጠብጣባት ንስእሊ ጸዪቑ፣ ንኣብነት። ኣብ 11 ደቒቕ። 15 ደቒቕ። 46 ደቒቕ። 1 ሰዓትን 31 ደቒቕ። ከምኡ’ውን ኣብ 1 ሰዓትን 46 ደቒቕን ንምጥቃስ ይከኣል፣

ኣቃውማ ስእሊብተዛማዲ ዝሓሸ ስራሕ ዝቐረበ

ኣብ ኣቃውማ ኣሳእል እዩ፣ ዳህላክ ተሌፎን እናተዛረበት ዘርኢ ስእሊ ደረጃ 360 ዝዘውር ጽቡቕ ኣቀራርባ ነይሩዎ፣ ኣብ ገለ ገለ ካልእ ትርኢታት (ንኣብነት። ኣብ 54 ደቒቕ ናይ መዓልቲ ልደት ስእሊ) ዘሎ ዘይልሙጽ ምንቅስቓሳት

ካሜራ ግን ውጽኢቱ ኣዕጋቢ ኣይነበረ፣ ብተወሳኺ። ኣብ ሓደ-ሓደ ትርኢትታት ዘይምጡን ኣቆራርጻ ኣሳእል ተራእዩ፣ (ስእሊ ቍ. 1 ርአ)

ኩርናዓትቁመት ካሜራ ብመንጽረ-

ትርኢት ዘይምሕላው። ካብ ዝተራእዩ ድኽመታት ሓደ እዩ፣ (ንኣብነት። ኣብ 27 ደቒቕ) ስእሊ ቍ.2 ርአ፣

ከም ውጽኢት ምስባር ኣክሲስ። ኣብ’ዘን ናይ ‘መድዩም ሾት’ ኣሳእል ክልተኤን ኣንጻር ናይቲ ኣብ ‘ጀነራል ሾት’ (ቀዳመይቲ ስእሊ) ዝነበረ ኣንፈት ይጥምታ፣

ኣብ 1 ሰዓትን 52 ደቒቕን ከምኡ’ውን ኣብ 2 ሰዓትን 13 ደቒቕን ዝተራእየ ተዋሳእቲ ናብ ካሜራ ብቐጥታ ዝጥምትሉ ትርኢታት ኣደናጋሪ ውጽኢት ፈጢሩ፣ (ስእሊ ቍ. 3 ርአ)

ብርሃንን ሕብርንኣብዚ ፊልም ዝተራእየ ዝዓበየ

ጉድለት ስእሊ። ኣብ ኣጠቓቕማ ብርሃንን ሕብርን እዩ ነይሩ፣ ብዙሕ ትርኢታት። (ብፍላይ ኣብ ደገ ዝተሳእለ) ልዕሊ ዓቐን ብብርሃን ተደጒሑ እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ትርኢታት ዝነበረ ዓቐን ብርሃንን ክሕሎ ኣይተኻእለን፣ ኣብ መዳይ ሕብሪ ብብዝሒ ኣብዚ ፊልም ዝተራእየ ኣርትዖት። ኣብ

ብዙሕ ትርኢታት ምስ ቅልጣፈን ናህርን ትርኢታት ዝጓዓዝ ስምዒት ብግቡእ ዝሕሉ

ዓይነት ኣቆራርጻን ምቅብባልን ኣሳእልን ምንባሩ’ዩ፣ እዚ። ኣብ መበል 15 ደቒቕ መርሃዊ ንኣደኡ ሰልዲ ሃብኒ ክብላ ከሎ ተንጸባሪቑ ኣሎ፣ ብተመሳሳሊ። ኣብ መበል 56 ደቒቕ ኣብ ዘሎ ናይ መዓልቲ ልደት ትርኢት። ብብዝሒ ተዋሳእትን ኩርንዓትን ንዝግበር ዝነበረ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣርትዖት ዝነኣድ ነይሩ፣ ኣብ ስእላዊ ኣቀራርባ ናይ’ዚ ትርኢት ዝነበረ ናይ ኣልያ (directing) ተራ’ውን ብቕዓቱ ዘረጋገጸ’ዩ ነይሩ፣

ካብ 1 ሰዓትን 58 ደቒቕ ኣብ መደበር ዝጅምር። መንከም ብሽግለታ እናዘወረ ብዝተፈላለየ ጐደናታት እናተወናጨፈ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ እንዳ ህያብ ዝኣትወሉ። ሓፈሻዊ ምውህሃዱን ኣቀራርባኡን ነቲ ዝድለ ናይ ምንጥልጣል ኩነት ዘጕልሕ ብምንባሩ። ብኣቃራርባኡ ዝነኣድን ብኣርትዖት ዝበለጸን ትርኢት ኣብዚ ፊልምን እዩ፣

ኣብ ገምጋም ሲነማቶግራፊ ልዒሉ ከም ዝተገልጸ። እቲ ቀንዲ ድኽመት ስእሊ ናይዚ ፊልም ኣብ ብርሃንን ሕብርን ብምዃኑ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኣርትዖት ዝያዳ ናይ ብርሃንን ሕብርን ምእራም ስርሓት ክግበር እንተ ዝከኣል ዝሓሸ ውጽኢት ምተረኽበ፣

ብተወሳኺ። ምልሰት ምዃኑ ንምሕባር ተባሂሉ ዝተነጽፈ ሕብርታት። ብዓይነቱ ቅቡል እኳ እንተዀነ። ንንጻረ ስእሊ ግን ኣዝዩ ኣድኪሙዎ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ትርኢታት። ብፍላይ ኣብ ሲነማ ኣብ ዝቐርበሉ ንጻረኡ ዘይብቑዕ ከም ዝኸውን ይግምገም፣

ኣብ ናይ ድምጺ ስራሕ ካብ ዝተራእየ ጉድለታት ኣርትዖት። ኣብ ገለ ትርኢታት። ድምጺ ካብ ቀንዲ ማይክሮፎን ብዝተመልአ ድምጺ ኣብ ክንዲ ምቕራብ። ኣንፈት ማይክሮፎን ናይቲ/ታ ዝድለ ተዋስኣይ/ኢት ካብ ዘይረኽበሉ ቅላዓት ተወሲዱ፣ እዚ ከኣ። ኣብ ድምጺ ክብን ለጠቕን ኣስዒቡ፣

ብተወሳኺ። ኣብዚ ፊልም ካብ ዘሎ ብዙሕ ድምጺ ብላዕሊ ዝተመልአ እዩ፣ እዚ ከም ኣሰራርሓ ዝውቱርን ቅቡልን እኳ እንተዀነ። ብተደጋጋሚ ናይ ዕጹው ገዛ ዝመስል መቓልሕ ዘለዎ ኰይኑ ስለ ዝቐረበ ውጽኢታዊ ኣይነበረን፣ ንኣብነት። ኣብ 1 ሰዓትን 24 ምስ ዘሎ ናይ ጐደና ዝርርብ ኣይቃዶን፣

4. ኣርትዖት

ስእሊ ቍ. 1 ዘይምጡን ኣቆራርጻ ስእሊ

ስእሊ ቍ. 2 ናይ ኣክሲስ ምስባር ጸገም ዝተራእየሉ ትርኢት

ናይ ምቕያሕን ምጽዕዳውን ዝዓብለሎ ሓፈሻዊ ምዝንባዕ ሕብርታት ተንጸባሪቑ፣

• ምንዳድ ስእሊ፤ ኣብ 11 ደቒቕ። 15 ደቒቕ። 21 ደቒቕ። 35 ደቒቕ። 59 ደቒቕ። 1 ሰዓትን 21 ደቒቕ። 1 ሰዓትን 25 ደቒቕ። 1 ሰዓትን 37 ደቒቕ… ወ.ዘ.ተ፣

• ምቕያሕን ምጽዕዳውን ስእሊ፤ ኣብ 1 ደቒቕ። 18 ደቒቕ። 20 ደቒቕ። 23 ደቒቕ። 59 ደቒቕ። 1 ሰዓትን 15 ደቒቕን። 1 ሰዓትን 53 ደቒቕን። 5 ደቒቕ (ምጽዕዳው)… ወ.ዘ.ተ፣

• ፍልልይ ብርሃን ኣብ ውሽጢ ትርኢታት፤ ኣብ 52 ደቒቕ። 1 ሰዓትን 35 ደቒቕ። 2 ሰዓትን 03 ደቒቕን ተራእዩ፣

• ብምሸት ዝተሳእለ ትርኢታት ዝግብኦ ዓቐን ብርሃን ስለ ዘይረኸበ። ነጠብጣባት ዓብሊሉዎ ንጻረኡ ኣጕዲሉ፣ ንኣብነት። 48 ደቒቕ። 1 ሰዓትን 54 ደቒቕን፣

ድምጺዝበዝሐ ኣብዚ ፊልም ዘሎ

ድምጺ ንምስምዑ ንጹር እዩ፣ ኣብ ኣቆራርጻ ድምጺ ካብ ዝተሰምዑ ጉድለታት ንምጥቃስ፥

• ቁጽጽር ከባብያዊ ድምጺ፤ ንኣብነት ኣብ 7 ደቒቕ፣

• ናይ ንፋስን ካልእ ገልጠምጠማትን፤ ንኣብነት ኣብ 16 ደቒቕ፣

• ግራውንድ ዝገብር ገለ-ገለ ድምጺታት፤ ንኣብነት ኣብ ፒሰርያ ኣብ 36 ደቒቕ ኣብ ዘሎ ትርኢት፣

* * *ስእሊ ቍ. 3 ናብ ካሜራ ምጥማት

Page 11: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሕዳር 2013 - ገጽ 11

ስፖርትዮናታን ገብረሂወት

[email protected]

48 ሸቶታትን ሸውዓተ ሃትሪክን ኣብ መንጎኦም ብምህላዉ፡ ክሪስትያኖ ሮናልዶን ዝላታን ኢብራሂሞቪችን ኣብ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ኣዛረብቲ ኮይኖም ኣለዉ። እንተኾነ ግን ካብ ክልቲኦም ኣጥቃዓቲ ንሃገራዊት ጋንታኡ ወኪሉ ኣብቲ ዝመጽእ ክረምቲ ብራዚል እተአንግዶ ዋንጫ ዓለም 2014 ዝሳተፍ ተጻዋታይ ሓደ’ዩ። ሎሚ ሃገራውያን ጋንታታት ፖርቱጋልን ሽወደንን ካብ ሰዓት

ቴክኒካዊ ብቕዓት ጋንታታት ብኸመይ ክልካዕ’ዩ? ብቕዓት ደያኑ ብኾምሽነራት ክዕቀን ድዩ ዘለዎ? ኩነታት ዳንነትን መቕጻዕቲ ተጻወትቲን ከ ብጽፈት ክትግበር ድዩ ወይስ ናይ ሓበሬታዊ ጽሑፍ ጌጋ ተባሂሉ ዓበይቲ መቕጻዕቲ ብምሕረት ክሕለፍ’ዩ? ክብረት ደያኑ’ውን ብእኡ መጠን ብኸመይ ክሕሎ’ዩ? ምስግጋር ተጻወትቲ ኣብ ዞባታት፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ዞባ ውድድርን ሊግን ብሓደ ሕግን መምርሕን ይካየድ ዶ? ኣታዊታት ሜዳ ንጋንታታት ካብ ኮነ፡ ክልተ ጸወታታት ኣብ ሓደ ግዜ ምስ ዝምደብ ኣታዊታት ብኸመይ ክመሓደርን ክመቓራሕን’ዩ? ኣብ ሜዳ ኣብ መንጎ ተጻወትቲን ደያኑን ረብሻን ዕግርግርን ንኸይርአ ንምቁጽጻር እንታይ ዝተታሕዘ መደብ ኣሎ? ሎሚኸ ብቕዓት ተጻወትቲ ሊግ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ኰይንካ ጥራይ

ካብ ሕቶታት ሊግ ኤርትራ . . .

ድዩ ክምዘን ወይስ ኣካየድቲ ሊግ ንዞባታት ክዘሩ’ዮም? ወዘተ. . .? እዞም ሕቶታት’ዚኣቶም ኣብቲ ጽባሕ ሰንበት ዝጅምር ውድድር ሃገራዊ ሊግ ኤርትራ ይምለሱ ዶ ይኾኑ?

መደብ ጸወታ ሰንበት

ሊግ ኤርትራ

ደንካልያ - ስሚንቶ (ዓሰብ)ኣልሂላል - ኣልታሕሪር (ስታድዩም ከረን)ማይ ኣድከሞም - ኣልነስር (ጊንዳዕ)ሱሉማ - ቀይሕ ባሕሪ (ባረንቱ)መረብ - ኣዱሊስ (መንደፈራ)

ኣስመራ ቢራ ደቀምሓረ (ስታድዩም ኣስመራ)

ኩሉ ጸወታታት ካብ ሰዓት 3.30 ድ.ቐ ጀሚሩ ክካየድ’ዩ።

ግጥም ‘ፕለይ ኦፍ’ - ፖርቱጋል vs ሽወደን

10፡45 ምሸት ጀሚሩ ድሕሪ ዘካይዳኦ ግጥም ፕለይ ኦፍ ድማ’ዩ ክፍለጥ። ወዲ 32 ዓመት ኣጥቃዓይ ፓሪስ ሴንት

ጀርመይን - ኢብራሂሞቪች፡ ሃገራዊት ጋንታኡ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2010 ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዘይምስታፋ ሎሚ ንሳልሳይ ግዜኣ ናብቲ ዓቢ ውድድር ንምሕላፋ ዓሊሙ እኳ እንተሎ፡ ወዲ 28 ዓመት ተጻዋታይ ሪያል ማድሪድ

- ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ድማ ንፖርቱጋል ንሻዱሻይ ግዜኣ ናብ ዋንጫ ዓለም ንምስታፋ ተስፋ ኣንቢሩ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ገሊጹ። “ብኣቃውማኣን ዘለዉዋ ውልቀ

ተጻወትቲን፡ ፖርቱጋል ትድነቕ ጋንታ’ያ” ዝበለ ኢብራ፡ “ዝኾነ ኾይኑ ምስ ጀርመን ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ንምድብና ዛዚምናዮ። ነዛ ኣብ ኤውሮጳ ዝበለጸት ጋንታ ምዃና ዝኣምነላ ጀርመን ስዒርናያ ከለና ድማ ንሳ ሓሊፋ። ስለዚ ልዕሊኣ ንሕና ንብራዚል ከነምርሕ ዘይግብኣና ኣይኮነን” ኢሉ። ብዝውንኖ ድልዱል ቁሞናን ሓያል

ቅልዒትን ንብዙሓት ዝምስጥ ወዲ 32 ዓመት ሽወደናዊ ኢብራሂሞቪች፡ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ናብ ዋንጫ ዓለም መን ሓለፈት ግጥም ፕለይ ኦፍ፡ ሰባት እቲ ጸወታ ኣብ መንጎ ሽወደንን ፖርቱጋልን ድኣ’ምበር ጠመተኦም ኣብ ክልተ ተጻወትቲ (ኣብኡን ኣብ ሮናልዶን) ክገብሩ ከምዘይብሎም ኣተሓሳሲቡ። ኣሰልጣኒ ሽወደን ኤሪክ ሃምረ፡ ኣብ መንጎ

እዘን ጋንታታት ሓያል ስፖርታዊ ህልኽን ቀስቃሲ ስምዒትን ክንጸባረቕ ክንበ እንከሎ፡ ክልቲኦም ከዋኽብቲ ተጻወትቲ ብሉጽ ብቕዓት የንጸባርቑ ብምህላዎም፡ መኖም ይደምቕ ንኽርኢ ተሃንጥዩ ይርከብ። ናይ ቅድም ተጻዋታይ ማንቸስተር

ዩናይትድ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ፡ ኣብዚ ወቕቲ’ዚ ንክለቡን ንሃገራዊት ጋንታኡን 20 ግዜ ብምስላፍ 28 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ። ኣብዚ ኣርባዕተ ሳዕ ሃትሪክ ምስርሑ ድማ ይፍለጥ። ንፖርቱጋል 43 ሸቶታት ዘበርከተ ሮናልዶ ክልተ ግዜ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ተሳቲፉ። ይኹን እምበር ኣብ 2006 ኣንጻር ኢራን ከምኡ’ውን ኣብ 2010 ኣንጻር ሰሜን ኮርያ ጥራይ እዩ ሸቶታት ከመዝግብ ዝኸኣለ። ኢብራሂሞቪች ብወገኑ፡ ኣብዚ

ወቕቲ’ዚ ኣብ 21 ጸወታታት 20 ሸቶታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ክልተ ግዜ ሃትሪክ ክሰርሕ እንከሎ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ክለቡ ፒ.ኤስ.ጂ ንኣንደርለኽት 5ብ0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ድማ ኣርባዕተ ሸቶታት ምምዝጋቡ ይዝከር።

ኣብ ሪያል ማድሪድ ንሰለስተ ዓመታት ንፖርቱጋላዊ ክሪስትያኖ ሮናልዶ ዘሰልጠነ ጆሴ ሞሪኖ፡ እቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሞያኡ እቲ

ዝዓበየን ዘይርሳዕን ተዘክሮ ዘትረፈሉ እዋን ምንባሩ ገሊጹ። ኣሰልጣኒ ቸልሲ ሞሪኖ፡ “ኣብ ሪያል ማድሪድ ንሮናልዶ ምስልጣን፡ ኣብ ናይ ምስልጣን ሞያይ ዛጊት እቲ ዘይሕከኽ ተዘክሮ ኣትሪፈሉ ዘለኹ’ዩ” ክብል ኣብሪሁ። ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ኣብ ትሕቲ ሞሪኖ

ኣብ 164 ጸወታታት 168 ሸቶታት ከምዘመዝገበ ይግለጽ። ሮናልዶን ሞሪኖን ኣብ ሎስ ብላንኮስ ዓይኒ ንዓይኒ ዘይተጠማመቱን ዘይፋተዉን ምንባሮም ዝግለጽ’ኳ እንተኾነ፡ ሕጂ ግን ሞሪኖ ነቲ ወዲ 28 ዓመት ተጻዋታይ ኣፉ ከፊቱ ምሉእ ምስጋናኡ ክገልጸሉ ሰገጥ ኣይበለን። “ሮናልዶ ዛጊት ካብ ዝጎነፉኒ ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ እቲ ዝበለጸ’ዩ” ክብል ን‘ፍራንስ ፉትቦል’ ገሊጹ። “ኣሰልጣንን ተጻዋታይን ኣብ ሓደ ውሱን

ግዜ ዘየሰማምዕ ክህልዎም ዝኽእል’ዩ። ዘይምስምምዖም ግን ኣብኡ’ዩ ዘብቅዕ። ብወገነይ ጸገም ዝበሃል የብለይን’’ ከኣ ኢሉ

ሞሪኖ፡ “ንሮናልዶ ምስልጣን ዘይሕከኽ ተዘክሮ ሓዲጉለይ”

ኣጥቃዓይ ፈረንሳዊት ክለብ ፓሪስ ሴንት ጀርማይን ዝላታን ኢብራሂሞቪች፡ ሊዮነል መሲን ክሪስቲያኖ ሮናልዶን ንሽልማት ባሎን

“ንሽልማት ባሎን ዲ ኦር ዝመርጾም ሮናልዶን

መሲን’ዮም” ኢብራሂሞቪች

እቲ ፖርትጋላዊ ኣሰልጣኒ። ሮናልዶ ኣብ ትሕቲ ኣሌክስ ፈርጉሰን ምስ

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ’ውን፡

“ክርስቲያኖ ሮናልዶ ልምምድ ክገብር ክርእዮ እንከለኹ መትንታት ሂወተይ ብኡ ንብኡ’ዮም ዝሕደሱ፣ ኣብ ዕድመይ ድማ ዕምሪ ይውስኽ” ክብል ገሊጹዎ ነይሩ’ዩ። ሓንሳብ ጥራይ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝኾነ ሮናልዶ ንሽልማት ባሎን ዲ ኦር ካብ ዝወዳደሩ ዘለዉ ተጻወትቲ ብቐዳምነት ይስራዕ።

ዲ ኦር ናይ ሎሚ ዓመት ቀዳሞት ምርጫኡ ከምዝኾኑ ገሊጹ። ንሱ ኣቐዲሙ’ውን እቲ

ሽልማት ካብቶም “ብሉጻት” ክብል ዝገልጾም ክልተ ተጻወትቲ ክወጽእ ከምዘይክእል ሓቢሩ ምንባሩ ይግለጽ። ሽወደናዊ ተጻዋታይ ኢብራሂሞቪች ኣስዒቡ፡ ፈረንሳዊ ተጻዋታይ ባየር ሙኒክ ፍራንክ ሪበሪ’ውን ሎሚ ዓመት ኣብ ባየር ሙኒክ ዕዉት ግዜ ስለዘሕለፈ ነቲ

ሽልማት ንኽዕወተሉ ጽቡቕ ዕድል ዘለዎ ዝመስሎም ብዙሓት ተዓዘብቲ ክህልዉ ይኽእሉ’ዮም። እንተኾነ፡ ዝኾነ መራጻይ ንመሲን ሮናልዶን ገዲፉ ንሪበሪ ክሓሪ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ልክዕ ከም ሪበሪ፡ ካልኦት ብዙሓት ተጻወትቲ’ውን ነቲ ሽልማት ንምዕዋት ሃንቀውታ ዘርእዩ ከምዘለዉ ከኣ ኣብሪሁ። “ሪበሪ ሎሚ ዓመት ምስ ባየር ዝድነቕ

ግዜ’ዩ ኣሕሊፉ፣ ክዕወተሉ ዘለዎ ኩሉ ድማ ተዓዊትሉ’ዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ውጽኢት ልምምድ ዘይኮነስ ምስ ተውህቦኡ ዝተወልደ ብሉጽ መሲ’ሞ ናበይ ምስ ከደ! ሮናልዶ’ውን ድንቂ’ዩ” ኢሉ።

ኦሊምፕ-ኣፍሪቃ ማእከል ኣስመራ ካብ 19 ጥቅምቲ 2013 ጀሚሩ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ 2013 ንጥፈታት ኣትለቲክስ ህጻናት ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ክሊ ዕድመ 13-15፡ ጽባሕ ቀዳም ካብ ሰዓት 8.30 ቅ.ቐ ጀሚሩ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ክዛዝም ስለዝኾነ፡ ኣፍቀርቲ ስፖርት ነቲ መዛዘሚ ውድድራት ብምዕዛብ ንተካእቲ ህጻናት ከተተባብዑ እቲ ማእከል ይዕድም።

ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ስፖርት

መዛዘሚ ውድድር ኣትሌቲክስ ህጻናት

Page 12: ፖልዮ ክወሃብ ጀሚሩ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15112013.pdf · 2013-11-14 · ብላታ ደበሳይ ጭሮም፡ ባሻይ መዝገቦ ሃይሉ፡

ሓዳስ ኤርትራ 15 ሕዳር 2013 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

በዓል ተራ ቤት መድሃኒት፣- ዕለት ቍ.ስልኪ

ፋርማሲ ኣሽፋእ 15/11/2013 07157709

ፋርማሲ ቍ.1 ብዘይካ’ቲ መዓልታዊ እትህቦ ኣገልግሎት ምሉእ ለይቲ’ውን ክፍትቲ ኢያ፣ ኣድራሻ። ዞባ 1 ንኡስ ዞባ 02 ጐ. ናቕፋ ቍ.1፣ 127565

ተስፋኣለም የማነ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ’ታ ሃገር ብጉዳይ ሸመተ ኣጽዋር ንምዝርራብ ምስሪ ኣትዩ። እቲ ልኡኽ፡ ንሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌ ሾይጉ ዝሓቁፍ ኮይኑ ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ምስሪ ክራኸብ’ዩ።ምስሪ ኣብ ዘመነ ሑስኒ ሙባረክ ምስ

ኣመሪካ ጥቡቕ ኩሉ መዳያዊ ዝምድና ስለዝጸንሓ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ ናብ

ምስሪ ክልተ ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣጽዋር ካብ ሩስያ ትዕድግ

ምስሪ ክኣቱ ኣብ 10’ታት ዓመታት ሎሚ ናይ ፈለማ ምዃኑ’ዩ። ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን

ምስርን ምምሕዳር ኣመሪካን ምፍሕፋሕ

ከምዝተኸስተን፡ ብሰንኩ ድማ ፕረዚደንት ኦባማ ሃገሩ ንምስሪ እትገብሮ ወተሃደራዊ ሓገዛት ክንክዮ ከምዝወሰነን ይግለጽ።ሩስያ ብወገና መርኣያ ናይቲ ምስ

ምስሪ ክትገብሮ ትደሊ ዘላ ጥቡቕ ርክብ፡ ዓባይ ወተሃደራዊት መርከብ ናብ ወደብ

ኣለክሳንደርያ ከምዝለኣኸት ይፍለጥ። ወተሃደራዊት መርከብ ሩስያ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ናብ ማያት ምስሪ ክትኣቱ ናይ ፈለማ እዋን’ዩ።

ጋዜጣታት ምስሪ፡ ሰበ-ስልጣን ሩስያን ምስርን ንዝገብርዎ ዘለዉ ርክብ “ታሪኻዊ” ብምባል’የን ዝጠቕስኦ ዘለዋ። ቅድሚ ስርዓት ሙባረክ ምስሪ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና’ኳ እንተነበራ፡ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ግን ተበቲኹ’ዩ ጸኒሑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትረልያ ነበር ኬቨን ራድ ካብ ስራሕ ፖለቲካ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተሰናበተ

ኣፍሊጡ።“ካብ ዓለም ዝበርተዐ ስራሕ - ሃገር

ምምራሕ’ዩ” ዝበለ ኬቬን ራድ፡ ንሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ቶኒ ኣቦት ነቲ ኣዝዩ በዳሂ ዕማም ንኽብድህ ጽቡቕ ዕድል ተመንይሉ። እቲ ኣብ ክልተ እብረ ንኣውስትረልያ

“ካብ ዓለም ዝኸበደ ስራሕ፡ ምምራሕ ሃገር’ዩ” ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትረልያ ነበር

ዝመርሐ በዓል-ስልጣን ነበር ኣብ 1988 ናብ ፖለቲካ ከምዝኣተወን፡ ንሰልፊ ዕዮ’ታ ሃገር መሪሑ ኣብ

2007 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ’ታ ሃገር ከምዝተዓወተን ጸብጻባት ጠቒሶም።ብመሰረት እቲ ወዲ 56 ዓመት

መራሒ ነበር ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ስራሕ ፖለቲካ ክወጽእ ዝመረጸሉ ምኽንያት ዝተረፈ ግዚኡ ምስ ስድራቤቱ ከሕልፎ ብምውሳኑ’ዩ። ኣብ ባይቶ

ኣውስትራልያ ካብ ዝነበሮ ኣባልነት ድማ ብፍቓዱ ከምዝሰሓበ ገሊጹ።ኬቨን ራድ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ

ዝተኻየደ ባይቶኣዊ ምርጫ ብቶኒ ኣቦት ከምዝተሳዕረ ይፍለጥ። ምንጭታት ኣውስትረልያ ከምዘነጽርዎ፡ እቲ ፖለቲከኛ ስልጣኑ ከረክብ ካብ ገዛእ ሰልፉ ተቓውሞታት ክገጥሞ ጸኒሑ።

ሕማም ረሲዕን ኣፈዋውሳኡን ዘጽንዑ ክኢላታት ዋህዮታት ኣዒንቲ ኣብ ኣገባብ ፍወሳ ናይቲ ሕማም ወሳኒ ተራ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።እቶም ተመራመርቲ ኣብ ዘካየድዎ

መጽናዕቲ፡ ኣብ ዘርኢ ዋህዮታት

“ዋህዮታት ኣዒንቲ፡ ሕማም ረሲዕ ኣብ ምፍዋስ ጠቐምቲ’ዮም” ተመራመርቲ

ዓይኒ ምቅይያር ብምግባር ሕማም ረሲዕ(ኣልዛይመርስ) ብኸፊል ክፍወስ ከምዝኽእል’ዮም ዝገልጹ።ንሳቶም ከምዝገልጽዎ፡ ረቲና

ዝተባህለ ክፋል ዓይኒ ብቐጥታ ምስ ሓንጎል ርክብ ስለዘለዎ፡ ኣብኡ ዝርከቡ ዋህዮታት ንጡፋት ብምግባር ብሕማም ረሲዕ ንዝተጠቕዐ ሓንጎል ከመሓይሽዎ ከምዝበቕዑ ኣፍሊጦም።እቶም ኣመሪካውያን ተመራመርቲ

ዝርዝር ውጽኢት መጽናዕቶም ብወግዒ

ከምዝዘርግሕዎ ቢቢሲ ይሕብር።እቲ ዝተገልጸ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ሕማም

ረሲዕ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ሕማም ረሲዕ ሓድሽ መድረኽ ዝኸፍት ከምዝኸውን ተመራመርቲ ገሊጾም። ምስ ምድፋእ ዕድመ እናገነነ ዝርአ

ሕማም ረሲዕ(ኣልዛይመርስ) ዛጊት ዘተኣማምን መድሃኒት ካብ ዘይተረኽበሎም ሕማማት ኣእምሮ ሓደ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ሰነዳት ሕክምና የረጋግጹ።

ፖላንድ፡ ኣብ ርእሰ ከተማኣ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሩስያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይቕሬታ ሓቲታ። ፕረዚደንት’ታ ሃገር ብሮኒስላቭ ኮሞሮስኪ፡ በቲ ፍጻመ ከምዝጎሃየ ብምግላጽ’ዩ ወግዓዊ ይቕሬታ ሓቲቱ። ሓያሎ ዜጋታት ፖላንድ ጽምብል

ናጽነት’ታ ሃገር ንምብዓል ኣብ ከተማ ዋርሶ ኣብ ዝተኣኻኸብሉ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ሩስያ ደናጉላ ከምዝደርበዩን መጠናዊ ጉድኣት ከምዘውረዱን ተሓቢሩ። መሻርኽቲ ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት

ፖላንድ፡ ኣብ 1999 ኣባል ኔቶ፤ ኣብ 2004 ድማ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ብምዃን ብመንጽር ፖለቲካዊ ኣረኣእያኣ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ተጸጊዓ ከምዘላ ይፍለጥ።

*** ፕረዚደንት ጀርመን ነበር ክሪስቲያን

ዉልፍ ብብልሽውና ተኸሲሱ። እቲ

ማሪያ ዝተባህለት ጓል 33 ዓመት ብሪጣንያዊት በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቈልዑን’ያ። ምስ በዓል-ቤታ ኣብ እዋን ንእስነቶም’ዮም ተመርዕዮም። ኣብ ሓዳር ልዕሊ 16 ዓመት ጸኒሖም ክንሶም፡ ፍቕሮም እናደልደለ ኣይመጸን። ኮይኑ ድማ፡ ማሪያ ካልእ ሰብኣይ ተፍቅር። ሕጂ’ውን ሕጉስቲ ስለዘይነበረት ናብቲ ቀዳማይ ሰብኣያ ትምለስ። ብማርያ ዝተፋለጡ ፖልን ፒተርን ዝተባህሉ ክልቲኦም ሰብኡታ ኣዝዮም ስለዝተሳነዩን ስለዝተሰማምዑን ግን ብሓባር ምስ ማሪያ ኣብ ሓደ ገዛ ክነብሩ ጀሚሮም። ምስ ክልቲኦም ከኣ ብፍቕሪ ትቕጽል ከምዘላ ትዛረብ። ንሳ ከምትብሎ፡ ካብ ፖል ዝወለደተን ክልተ ደቃ’ውን ንፒተር ኣይጸልኣኦን።

ፖል’ውን ኣይቀንአን። ዳግማይ ኣብኣ ዘለዎ ፍቕሪ ወሲኹ። መቸስ ዘይስማዕ የለን’ሞ፡ ምስ ክልተ ሰብኡት ብሓንሳብ ትነብር ዘላ ማሪያ፡ “ንኽልቲኦም ብማዕረየ ዘፍቅሮም” ትብል። “ምስ ክልቲኦም ሰብኡተይ ብሓባር እናነበርኩ፡ ሕጉስ ህይወት’የ ዝመርሕ ዘለኹ” ከኣ ትውስኽ። ወይ ጉድ! ዘብል’ዩ ነገራቱ።

ዜና ብሓጺሩ ኣብ ስልጣን ክልተ ዓመት ጥራይ ዝገበረ ፕረዚደንት፡ ካብ ሓደ ኣፍራዪ ፊልም ጎንዖ ተቐቢልካ ዝብል ክሲ’ዩ ቀሪብሉ ዘሎ። ኣምሳያ ናይቲ ዝተቐበሎ ህያብ ድማ እቲ ኣፍራዪ ፊልም ጽቡቕ ስም ንኽረክብ ከምዝጎስጎሰ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኑ ዝወረደ

ክሪስትያን ዉልፍ፡ ናብ ክሲ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ፈለማ ጀርመናዊ ርእሰ ብሄር’ዩ። እቲ ኣፍራዪ ፊልም’ውን ብተመሳሳሊ ክሲ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ምህላዉ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም። *** ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ስርዓት

ኣርጀንቲና ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተኸሰ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ኣለያንድሮ ላውለስ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ እናተወስደ ሃዲሙ። እቲ ወዲ 66 ዓመት እሱር፡ ኣብ

ከተማ ቦነስ-ኣይረስ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብመኪና እናተወስደ’ዩ ኣብ መንጎ ክመሉቕ ዝኸኣለ። ፖሊስ’ታ ሃገር ኣብ ምድላዩ ተዋፊሩ ከምዘሎን ጭቡጥ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ ጉንዖ ከምዝህቦን ገሊጹ። ኣብዚ ዓመት’ዚ

ጥራይ ብገበን ዝተኸሱ ሰለስተ መኮንናት’ታ ሃገር ነበር ካብ ማእሰርቲ ከምዝሃደሙ ተፈሊጡ’ሎ።