"ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

13
7/23/2019 " 9/18" 2 http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 1/13 1 ግዳያት 9/18… 2 ትሕቲ ህልዋት፡ ልዕሊ ምውታትምዕራፍ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ነቶም ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲኣብ መሪር ተጋድሎ ንናጽነት መሪሖምን ተመሪሖምን ናብ ዓወት ዝበጽሑ፡ ተረፍ መስዋእቲ ግዳያት ዒራዒሮዝኾኑ ጀጋኑና ዝምልከት ምቕራበይ ይዝከር፡፡ ዒራዒሮ 35 ጀጋኑ ደቂኣባት ዝተቐየዱላ ኣብ ኣጻምእ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ትርከብ ኤርትራዊትሲኦል ፡፡  ካብ ዞም  35 ጀጋኑና  እቶም  20 ብግፍዒን  ስቓይን  ኢሳይያስ  ከምተሰውኡ  ከኣ  ገሊጸነይረ፡፡ ኣብዚካልኣይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ድማ ኩነታት ትሕቲ ህልዋት፡ ልዕሊ ምውታትዝኾኑ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ዒራዒሮ ንግዚኡ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ብሕቡእ ዝተውስዱ 15 እሱራትዝነበሮም ጻኒሒት ኣመልኪተ ከቕርብየ፡፡ ኣብ መጀመሪያ ምዕፋን እዞም ጀጋኑና ተዋሳእቲ ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ነቲ ዘይፈልጥ ንኽፈልጥምስዚ ኣተኣሳሲረ ዘረጊሐዮ ኣለኹ፡፡ 

Upload: jerrylula2008

Post on 18-Feb-2018

275 views

Category:

Documents


5 download

TRANSCRIPT

Page 1: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 1/13

1

ግዳያት

 9/18…

2

“ትሕቲ ህልዋት፡ ልዕሊ ምውታት”

ምዕራፍ 

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጽሑፈይ  ነቶም ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲኣብ መሪር ተጋድሎ ንናጽነት መሪሖምን 

ተመሪሖምን ናብ ዓወት ዝበጽሑ፡ ተረፍ መስዋእቲ ግዳያት ዒራዒሮዝኾኑ ጀጋኑና ዝምልከት ምቕራበይ 

ይዝከር፡፡  ዒራዒሮ  35

ጀጋኑ

 

ደቂኣባት

 

ዝተቐየዱላ

 

ኣብ

 

ኣጻምእ

 

ሰሜናዊ

 

ቀይሕ

 

ባሕሪ

 

ትርከብ

 

ኤርትራዊትሲኦል

ያ፡፡  ካብ’ዞም  35 ጀጋኑና  እቶም  20ብግፍዒን

 

ስቓይን

 

ኢሳይያስ

 

ከምተሰውኡ

 

ከኣ

 

ገሊጸነይረ፡፡ 

ኣብዚካልኣይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ድማ ኩነታት “ትሕቲ ህልዋት፡ ልዕሊ ምውታት”ዝኾኑ ኣብ ቀረባ እዋናት 

ካብ ዒራዒሮ ንግዚኡ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ብሕቡእ ዝተውስዱ 15 እሱራትዝነበሮም ጻኒሒት ኣመልኪተ 

ከቕርብ’የ፡፡ ኣብ መጀመሪያ ምዕፋን እዞም ጀጋኑና ተዋሳእቲ ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ነቲ ዘይፈልጥ 

ንኽፈልጥምስዚ ኣተኣሳሲረ ዘረጊሐዮ ኣለኹ፡፡ 

Page 2: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 2/13

2

መስከረም 16/2001 ሕቡእ ኣኼባ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት 

ተኣከብቲ፡-

1.  ብርጋዴር

 ጀነራል

 ኣብርሃ

 ካሳ

 ሓላፊ

 ወኪል

 ሃገራዊ

 ድሕነት

 ኤርትራ

 2.  ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ (ንቕዘ) በቲ እዋን ሜጀር ጀነራልን ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 02ን 

3.  ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ኣብቲ እዋን ኣዛዚ ዞባ ስርሒት 05

4.  ብርጋዴር  ጀነራል  ስምኦን  ገብረድንግል  (በቲ  እዋን  ኮሎኔል) ሓላፊ  ውሽጣዊ  ጸጥታ፡  ኣብዚ 

እዋንኣዛዚ “ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ” 

5.  ኮሎኔል ወልደዝጊ ባህታ  (ኣብቲ እዋን ሓላፊ ስርሒት ውሽጣዊ ጸጥታ) ኣብዚ እዋን ከኣ ሓላፊ 

ውሽጣዊ ጸጥታ 

6. 

ኮሎኔል የማነ ኣፍወርቂ (ወዲ ኣፍወርቂ) (ኣብቲ እዋን ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ዞባ ማእከል) ሕጂ ሓላፊ ስርሒት ውሽጣዊ ጸጥታ 

7.  ሌ/ኮ ብርሃነ ተስፋማርያም  (ቅጫ) ኣብቲ  እዋን  ኣዛዚ ብርጌድን ሓላፊ ውፍሪ  ኣሃዱ ምግፋፍ 

ኣስመራን ከባቢኣን ኣብዚ እዋን ሓለቓ ስታፍ ክ/ሰ 23 ኣብ እዚ ምዕራብ 

8.  ኮሎኔል ሓዱሽ (ወዲ ወለላ) ኣብቲ እዋን ስታፍ ስለያ ዞባ ስርሒት 05 ሕጂ ከኣ ሓላፊ ስታፍ ስለያ 

ተወርዋሪ እዚ 

9.  ብርጋዴር ጀነራል ሚኪኤለ ሓንስ (ወዲሓንስ) ኣብቲ እዋን ኣብ ከባቢ ፍልፍል ሰሎሙና ዝነበረት 

ኣሃዱ ክ/ሰ 32 ኣዛዚ ሕጂ ከኣ ኣዛዚ ክ/ሰ 26 ኣብ እዚ ምዕራብ 10. ሌ/ኮ ኢሳቕ  ኣርአያ  (ወዲ ሓኪም) ቅድሚ ምእሳር  ጉጅለ- 15 ኣብ  ክ/ሰ  29 ኣዛዚ  ብርጌድን 

ብኢሳይያስ  ተወደበ  ተጸናጻኒ  ሓላፍትን  ዝነበረ፡፡  ድሕሪ  ምዕፋን  ጉጅለ  15 ድማ  ሓላፊ  ቤት 

ማእሰርቲ እዞም ግዳያት ኮይኑ ብፕረዚዳንት ዝተመዘ 

11.  ብ /ጀ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን (ሓላፊ መኮንን ጥዕና ሚ /ሪ ምክልኻልን ኣብዚ እዋን ከኣ 

ዲን ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ጥዕና ኮሌጅ ኦሮታ፡ እዚ ሰብ እዚ ኣብ ህልቂትን ግፍዒን 

ግዳያት ዒራዒሮ ልዑል ተራ ነይርዎ፡፡ 

ኣጀንዳ፡- ኣካቢፕረዚዳንት  ኢሳይያስ  ባዕሉ  ኮይኑ፡  ኣብቲ  እዋን  ብዛዕባ  ገዳይም  ተጋደልቲ  ጉጅለ-15

ኣመልኪቱ  ሰፊሕ ጠቐነ ድሕሪ ምቕራብ ምስ ዝነበረ  ዓለማዊ ኩነታት  ኣዛሚዱ መንግስቲ  ንምቕያዶም 

ከምዝወሰነ ድሕሪ ምግላጽ፡  ጉዳይ ምትሓዞም  ዝምልከት  ንወኪል  ሃገራዊ ድሕነት፡  ጉዳይ ሓለዎኦምን 

ቀጻሊ ክትትሎምን ዝምልከት ከኣ ንወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ሓላፍነት ድሕሪ ምሃብ፡ ስዒቡ ክመጽእ ንዝኽእል 

Page 3: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 3/13

3

ጸገማት እንተደኣ ሃሊዩ  ነዞም ኣካላት ብጥብቂ ክከታተሉን ኣዳላይ ስጉምታትን ክወስዱን መምርሒ ሂቡ 

ኣፋኒዩዎም፡፡ 

Page 4: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 4/13

4

መስከረም 17/2001 ሕቡእ ኣኼባ ሃገራዊ ድሕነት 

መስከረም 17/2001 ድሕሪ ፋዱስ ኣብ ቤ/ጽ ውሽጣዊ ጸጥታ (ቻው ሆቴል) ዝተኣከቡ 35 እሙናት ኣባላት 

ሃ/ድሕነት ብብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮሎኔል ወልደዝጊ ባህታን ኮሎኔል የማነ ኣፈወርቅን 

ዝተመርሐ ሕቡእ ኣኼባ ኣካይዶም፡፡ ኣብዚ ኣኼባ ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ካብ ኢሳይያስ 

ዝሰምዖ ትንታነ  ንተኣከብቲ ድሕሪ ምግላጹ  “ ‘ዞም   ገር   ክሸጡን ኩቡር  ፕረዚዳንት   ክግልብጡን  ኣብ 

ምንቅስቓስ ዘለው  ትሕቲ  ገራውያን ኣባላት ጉጅለ  15ን ሰዓብቶምን፡ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ  ክኣትው  

ወሲኑ  ኣሎ፡፡  ናይዚ  መደብ   ፈጸምቲ  ከኣ  ኣባላት  ውሽጣዊ  ጸጥታ   ክንኮን  ተወሲኑ  ኣሎ፡፡  ነዚ   ፍሉይ  

ተልእኾ ብብቕዓት  ክንፍጽሞ መንግስቲ ኣሚኑ ዝዓደለና መደብ  ስለዝኾነ ኣብዚ ዘለና መራሕትን ኣባላትን 

ብግቡእ  ክንፍጽሞ  ይግባእ፡፡  ስለዚ   ነዞም   ሰባት  ክንሕዞም   እንከለና  ላዕለዎት  ሓለፍትን  ተጋደልትን 

ስለዝኾኑ

 

ዕጥቂ

 

ክህልዎም

 

ስለዝኽእሉ

 

ክታኾስኹም

 

ወይ

 

እውን

 

ነብሰ

 

ቅትለት

 

ክፍጽሙ

 

ይኽእሉ

ዮም

 

ብጥንቃቐ

 

ክንሰርሕ

 

ኣለና፡፡

 

መን

 

ንመን

 

ይሕዝ

 

ዝምልከት

 

ምደብኡ

 

ወልደዝጊን

 

የማነ

 

ወዲ

 

ኣፍወርቒን

 

ክነግርኹም ’ዮም፡፡  መካይን  ተዳልየናልኩም   ኣለዋ፡፡  ብወገንኩም   ዕጥቅኹም   ኣጻፍፉ፡፡  ብመራኸቢታት 

ዘማእክለኩም  የማነ ወዲ   ኣፍወርቂ ይኾውን፡፡ ድሕሪ ምትሓዝ ናበይ ተብሉ   ‘ውን ክሕብርኹም ’ዮም፡፡”

ብምባል መደረኡ ወደአ፡፡ 

ቀጺሉ ነቶም 33 ዝኾኑ እሙናት ኣባላት ሃ/ድነሕት ዝመርሑ 3 ኣባላት ዘለውዋ ሓንቲ ጉጅለ ብምፍጣር 

ኣብ  11 ጉጅለታት መቓቒሎም  ንነፍሰወከፍንጉጅለታት  ብኮሎኔላትን ሜጃራትን  ክምርሓ  ወዲቦም  ናብ 

ስርሒት  ተዋፊሮም፡፡ ብዕለት  17 መስከረም  2001 ናብ  18 ኣብ  ዘውግሕ  ለይቲ  ንነፍሰወከፍ መራሕቲ ጉጅለ ናይቶም ዝተሓዙ ኣባላት ኣስማትን መቐዬዲ ቦቶኦምን ተነገሮም፡፡ ኣባላት ጉጅለ-15 ሰዓብቶምን ኣብ 

ምትሓዝ ሓላፍነት ዝተውሃቦም እሙናት መራሕቲ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ’ዞም ዝስዕቡ ኔሮም፡ 

1.  ሌ/ኮ ዮናስ ዘርኣይ ኣብ ጸረ ግብረ ሽብራ ተመዲቡ ይስርሕ ኔሩ ደሓር ዝደስከለ 

2.  ሌ/ኮ  ጸሃዬ  የውሃንስ  (ጭጉኒ) ቅድም  ኢሉ  ኣብ  ኔቭሰን  ካንፓኒ  ቢሻን  ዳህላክን  ዝርከቡ 

ወጻእተኛታት ኣብ ምክትታል የተሓባብር፡፡ ንሕክምና ንዓዲጣልያን ይመላለስ ኔሩ 

3.  ኮሎኔል ርእሶም ኣባይ  ወዲ መርጋኖ)ንዕደና ወርቂ ዛራ ንምክትታል ብጉልባብ ተመዲቡ ይስርሕ 

ኣሎ፡፡ 

4.  ሜጀር ሓጂ ኢብራ ም ኣብ ከባቢ ኣኽሪያ ይከታተል ኔሩ ኣይነፋዕኻን ተባሂሉ ይድስክል ይሰርሕ 

ኣብ ሰንከልከል ይርከብ፡፡ 

5.  ሜጀር ወዲ ቢኒ  ኣብ  ፈተነ  ቅትለት ብ/ጀነራል  ስምኦን  ተጠርጢሩ  ተኣሲሩ  ኔሩ፡፡  ኣብ  ቀረባ 

ተፊቲሑ ንካልኣይ ግዜ ከኣ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ፡፡ 

Page 5: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 5/13

5

6.  ሜጀር ብርሃነ ግርሙ ኣብ ምክትታል ወጻእተኛታት ተመዲቡ ይስርሕ 

7.  ሜጀር ነጋሲ ኪዳነ ኣብ ምክትታል ወጻእተኛታት ተመዲቡ ዝሰርሕ 

8.  ሜጀር ሙሉጌታ ኣማረ (ሙለር) ምክትል ሓላፊ ዞባ ሰ.ቀ.ባሕሪ 

9.  ሜጀር

 

ወዲ

 

ስዒድ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተኣሲሩ ዝተፈትሐ 

10. ሌ/ኮ መንግስትኣብተኽለ ድሕሪ 2001 ካብ ሃገር ወጺኡ ዝተሰደደ 

11.  ሜጀር ዓንደ ግደወልድ (ወዲ ጅዱ) ሓላፊ ምክትታል ላዕለዎት ትካላትን ሰበ-ስልጣናትን 

እዞም ዝተገልጹ ኣባላት ንዝተውሃቦም መደባት ቀጻሊ ስርሒት ብምክያድ ብ18.09.2001 ነቶም 11 ኣባላት 

ጉጅለ-15 ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ  ኣብ ትሕቲ  ቀይዲ  ኣእትዮም  ናብ  እምባትካላ  ኣብጺሖምዎም፡፡ 

ድሕሪ’ዚ  ኣስዒቦም  ኣብ  ውሽጢ  ሰለስተ  መዓልታት  ነቶም  ዝተረፉ  “ሰዓብቲ  ጉጅለ-15” ዝበሃሉ 

ዳጊኖምዎም፡፡ ፈለማ እምባትካላ ዝተቐበሎም ሌ/ኮሎኔል ኢሳቕ ኣርአያ  (ወዲ ሓኪም) ዝመርሖም ካብ 

ስለያ ስርሒት ዞባ 04ን 05ን ዝተውጻእጽኡ ኣባላት ነይሮም፡፡ ድሕሪ 3 ወርሒ ከኣ ዕለት 23/11/2001 ካብ 

ኣሃዱታት 17፡ 26፡ 32፡ 35 ዝተዋጽኡ ኣባላት ስለያ ኣብ ዓቢ ዓዲ ተኣኻኺቦም ናብ ኣስመራ ተላኢኾም፡፡ 

ኣብ  ኣስመራ ሜጀር ጀነራል ውጩ ረኺቡ  “መንግስቲ

 

ንዝለዓለ

 

ስራሕ

 

ደሊኩም

 

ኣሎ

” ዝብል መግለጺ 

ድሕሪ ምሃብ ናብ እምባትካላ ለኣኾም፡፡ እዞም ድሒሮም ዝሰዓቡ ኣባላት እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ዒራዒሮ 

ዝርከቡ ኣባላት ሓለዋ እዮም፡፡ 

ጻኒሒት እሱራት ኣብ እምባትካላ፡ 

ኣባላት  ጉጅለ-15ን  ሰዓብቶምን  ተዓፊኖም  እምባትካላ ድሕሪ ምእታዎም:ጉጅለ ኢሳያስ  ኣብ  ልዕሊ’ዞም 

ቅዩዳት፡ ኣለውኒ ዝብሎም ጎስጎስቲ ወዲቡ፡ ኣድላይ ባጀት ሰሊዑ፡ ንውሽጥን ንደገን ብምውፋር ሰፊሕ 

ጸለመ  ኣካይደምሎም፡፡ ሚኒስትሪ ዜና ብዛዕብኦም ተኸታታሊ  ጸለመ  ንክፍኑ ፍሉይ ልኡኽ ተዓደሎ፡፡ 

ብስም “ባይቶ” ከም በዓል ሙስጦፋ ኑርሑሴን፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ፎዝያ ሓሽም፡ ተስፋይ 

ገብረስላሰ  (ቺና)ን  ካልኦት መራሕቲ  ጉጅለ  ህግደፍ  ዝበሃላ  ኣንስቲ  ካብ ጫፍ  ናብ ጫፍ  ነቲ ኩነታት 

ከጋውሕዎ  ተራእዮም፡፡  ከም  ኣብነት  ኣብቲ  እዋን  ዝነበረ  ጸለመታት  ንምዕዛብ  ኣብዚ  ዪቱብ 

 www.youtube.com/watch?V=QTG+vu TEnusኢልካ ምርኣይ ይከኣል፡፡ 

Page 6: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 6/13

6

ህዝብና ኣብቲ እዋን ኣፍ ኣውጺኡ ዋላ ኣይዛረብ’ምበር ገለ ተባዓት ኣቦታትን ኣዴታትን “ንስኹም

 

ዝብልኩምና ሰሚናዕናኩም፡ እንተኾነ በይኑ ዝጎየየ ዝስዕሮ የብሉን ከምዝበ ል ናትኩም ጥራይ ሰሚዕና 

ክንፈርድ ስለዘይንኽእል ንሳቶም እውን ከምዚ ከማኹምን ልዕሌኹምን ንናጽነት ዝተጋደሉ  ጀጋኑ  ደቅና 

ስለዝኾኑ ሓሳባቶም  የስምዑና፡፡” ብምባል ኣብ ለባም ሪእይቶታት ከምዝቐረቡ ዝዝከር’ዩ፡፡ ብወገን’ቲ 

“ዝበልናኩም  ጥራይ ትቕበሉ” ዝመትከሉ ጉጅለ ኢሳያይስ ግን ነቲ ጸለመን ጎስጓስን ዝያዳ ክቕጽል 

ብምእዛዝ “መድል ጽቲ፡

 

ሸይጥቲ

 

ገር፡

 

ትሕቲ

 

ገራውያን፡

 

ዕሱባት

 

ወያነን

 

.

.

ስን፡

 

ረገጽቲ

 

ኣዕጽምቲ

 

ስውኣት

….”ዝብሉን ካልኦት ጠቐነታት እንዳመሃዙ ጎስጓሶም ቀጺሎም፡፡ ( www.you 

tube.com/watch?v=8sb RWSOc1y4)

ብስርሒት  ሃገራዊ ድሕነት  ናብ  እምባትካላ  ፈለማ  ዝኣተው ጠቕላላ  25 እሱራት  ነይሮም፡፡ ድሕሪ  6

ወርሒ ከኣ “ተደናገጽትን ልሳንን ጉጅለ-15” ብዝብል ኣብ ኣስመራ ተፈላለዩ መደበራት ተቐይዶም ዝጸንሑ 

9 ጋዜጠኛታት ተጸንበርዎም፡፡ 

ፍሉይ ተርእዮታት እምባትካላ 

-  ናይ ምሕሳም ምግቢ ኣድማ ተራእዩ 

-  “ኣብ ምርጫ 2002 ክንሳተፍ ኣለና፡፡ ንመንግስቲ ንገሩልና” ዝብሉ ሕቶታት ተሰሚዖም 

-  “ጉዳይና ናብ ቤት ፍርዲ ይቕረብ” ዝብል ሕቶታት የቕርቡ ነይሮም 

-  “ካብ መዓኽናት ዜና ስለዝረሓቕና ጋዜጣታት፡ መጻሕፍቲ፡ ራዲዮን ይፈቐደና” ይብሉ ነይሮም 

-  ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ዝገለጽኩዎ ጀነራል ዕቑበ ኣብርሃን ጋዘጤኛ  ፍስሃየ ጆሽዋን 

ብሕርቃን ነብሰ-ቅትለት ፈጺሞም፡፡ ሚኒስተር መሓመድ ሸሪፎ ሰኣን ሕክምና ብሕማም ሞይቱ፡፡ 

-  ኣብ  መወዳእታ  ብዕለት  7/6/2003 ብ6 ላንድክሮዘርን  2 ፒክኣፕን  መካይን  ናብ  ዒራዒሮ 

ተጓዒዞም፡፡ ኣብ ሓንቲ መኪና ሓደ እሱርን ክልተ ኣባላት ሓለዋን ተመዲቦም እሱራት ብጸሊም 

ማስኬራ ተሸፊኖም ናብ ዒራዒሮ ኣትዮም፡፡ ኣብዛ ዕለት እሱራት ዘመላለሱ ኣባላት 

Page 7: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 7/13

7

1.  ብርጋዴር ጀነራል ሚኪኤል ሓንስ (ወዲሓንስ)፡ ኣብቲ እዋን ኣዛዚ ክ/ሰ 32 ሓላፊ ሓለዋ ዙርያ 

ዒራዒሮን ዝነበረ 

2.  ኮ/ል ሓዱሽ (ወዲወለላ)፡ ኣዛዚ ስለያ ግንባር ስርሒት ዞባ 05 ዝነበረ 

3.  ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም)፡ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ 

4.  ሌ/ኮ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ፡ ኣካያዲ ትካል ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይትን ሰንበል 

5.  ሃብተኣብ፡ ኣውቲስታ ሜጀር ጀነራል ውጩ ዝነበረ 

6.  ኑረዲን (ወዲመሓመድ)፡ ኣባል ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ እዮም፡፡ 

-  ሓድሓደ ቃላት እሱራት ኣብ እምባትካላ፡ 

1.  “ን37 ዓመት ተጋዲልካስ ንብላሽ” ቃል ተጋዳላይ መሓመድ ሸሪፎ 

2.  “ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ ኤርትራ ይግበር’ሎ፡፡ ስለምንታይ ብዘይ ፍርዲ ልዕሊ 2

ዓመት ተኣሲርና?” ቃል ጋዜጠኛ  ስዩም ጸሃየ 

3.  “ዝበደልኩዎ እንተሃሊዩ እንተስ ክፍረድ እንተስ ይቕሬታ ክሓትት በጃኹም ናብ ልዕሌኹም 

ኣሕሉፉኒ” ቃል “ዶ/ር” ስራጅ 

4.  “ምስ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለም ርክብ ስለዝነበረኒ በጃኹም ብዛዕባ ውጽኢት ኩዕሶ ዓለም 

ንገሩኒ” ቃል ክፍሎም ገብረሚካኤል ሰራሕተኛ  ኢምባሲ ኤርትራ ነበር 

5.  “ሕማም ሽኮርያ ስለዘላትኒ በጃኹም ሽኮር’ባ ሃቡኒ?” ቃል ሃይለ ድሩዕ …

ኩነታት

 

ህልዋት

 

እሱራት

 

ዒራዒሮ፡

 

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ናይቶም ሂወቶም ዝሰኣኑ 20 እሱራት ኩነታት ምግላጸይ ይዝከር፡፡ ቀጺለ 

ከኣ ኣብ 2007 ናብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ዝተጸንበረ ጋዜጠኛ  ዳዋት ኢሳቕ ሓዊሱ ኩነታት ብሂወት ናይ 

ዝጸንሑ15 እሱራት  የቕርብ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን በደገን ብውሽጥን ሓያሎ ጸቕጥታት እንበርተዐ ምስ ከደ፡ 

ብትእዛዝ  ፕረዚዳንት  ኢሳይያስ  ከምቲ  ልሙድ  ኣሰራርሕኦም  ብጸላም  ዛጊት  ናብ  ዘይተረጋገጸ  ቦታ 

ወሲዶምዎም ኣለው፡፡ 

ኩቡራት  ነበብቲ  ሃለዋትጀጋኑና  ኣብቲ  ዝተቐየርሉ  ቦታ  ዝምልከት  መሊአ  ምስ  ኣረጋግጽኩ 

ከቕርበልኩም’የ፡፡  ኣብዚ  ናይ ሎሚ ጽሑፈይ  ግን  ካብ ዒራዒሮ  ቅድሚ ምውጽኦም ዝነበሮም ኩነታት 

ዝምልከት  ሓበሬታ  ብሓጺሩ  ከምዝስዕብ  ይገልጽ፡፡  ኣብ’ዛ  ብሓላፊ  ትካል  ጽርበት  ሓጺንን  ዕንጸይትን 

Page 8: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 8/13

8

ሰንበል  ኮ/ል  ገ/ሄር ኣስመላሽ  ኣብ መንጎ  ክልተ  ጎቦታት ተፋሒራ ዝተሰርሐት ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ 

ብሂወት ዝነበሩ እሱራት ዝስዕቡ ‘ዮም፡፡ 

1.  ጴጥሮስ

 

ሰሎሙን (መለለዬ ቁጽሩ 02)፡ ኣካላዊ ኩነታቱን ጥዕንኡን ብምንጽጻር ዝሓሸ  ነይሩ፡ ካብ 

ዕለት ማእስርቱ ጀሚሩ ክሳብ ካብ ዒራዒሮ ናብዘይተፈልጠ ቦታ ዝተወሰደሉ ግዜ ካብ ኢዱ ካቴና 

ኣይተፈትሓሉን፡፡ 

2.  ሃይለ ወልደትንሳኤ  -ድሩዕ  (መለለዬ  ቁጽሪ  04)፡  ብናይ  ዓንዲ ሑቐ   ጸገም፡  ብሕማም  ሽኮር 

ክልቲኡ ዓይኑ ዓዊሩ ደው ክብል ስለዘይክእል ናብታ ኣብ ውሽጢ ሼላ ትርከብ ሽቓቕከይተረፈ 

እንዳተንፋሓኸ  ይኸይድ  ነይሩ፡፡  ምግቢ  ከቐርበሉ  ከሎ  ክርኦ  ስለዘይክእል  “እንታይ  ዓይነት 

ምግቢ’ዩ?” ኢሉ ይሓትት፡፡ 

3.  ባራኺ  ገብረስላሴ  (መለለዬ  ቁጽሪ  34): ኪሎማዊ  ጸቕጥን  ተነጽሎን  ዘበገሶም  ብዝተፈላለዩ 

ውሽጣዊን ስነ-ኣእመራዊን ሕማማት ይሳቐ፡፡ ዋላ ከም ድሩዕ እንተዘይኮነ  ንሱ’ውን ኣብ ሕማቕ 

ኩነታት ነይሩ፡፡

 4.  ሜጀር  ጀነራል ብርሃነ  ገብረዝጊሄር  (መለለዬ  ቁጽሪ  07)፡  ብስነኪ  ዝተፈላለዩ  ሕማማት  ከም 

ካልኦት ብጾቱ ነብሱ ዓቢሩ፡፡ ካብ ዕለት ምእሳሩ ጀሚሩ ንኣስታት 14 ዓመታት ካብ ኢዱ መቖሕ 

(ፌሮ) ኣይወጸሉን፡፡ ኣብ ቀረባ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ከምዘይብሉ ምስፈለጡ ነቲ ፌሮ ኣልጊሶምሉ 

ነይሮም፡፡ 

5.  ብርጋዴር ጀነራል ስቲፋኖስ ስዩም (መለለዬ ቁጽሩ 23)፡ ከቢድ ስነ-ኣምራዊ ጸቕጢ ዋላ እንተሃለዎ 

ብተነጻጻሪ  ኣብ  ዝሓሸ   ኩነታት  ይርከብ፡፡  ካብ  ዝእሰረሉ  ዕለት  ጀሚሩ  ክሳብ  ካብ  ዒራዒሮ 

ዝተወሰደላ ዕለት ካብ ኢዱ መቑሕ ኣይተፈልዮን፡፡ 6.  ሚርያም ሓጎስ (መለለዬ ቁጻራ 28)፡ ካብ ዝታእሰረተሉ ዕለት ጀሚራብዕድመ ደንጉያ ኣብ ዓራርብ 

ካብ ዘርኣይ ዝበሃል ተጋዳላይ ከም ዝወለደታ ትዛረበላውላዳ እንዳዘከረት መዋእል ኣብ ብጭንቀት 

ኣብ ብኽያትን ኣውያትን ዘሕለፈት፡ እናሻዕ ቀልባ ተጥፍእ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ትርከብ፡፡ 

ብዛዕባ  ውላዳ  ገለ  ካብ  ቃላታ  “ኣነ   ንጓለይ   ኣብ  ዓራርብ   ክወልዳ   ከለኹ፡  ኣብ  ዝነበረኒ 

Page 9: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 9/13

9

ዕደመምውላድ

 

ኣጸጋሚ

 

ብምንባሩ

 

ወይ

 

ን ወትኪ

 

ወይ

 

ነዚ

 

ዕሸልኪ

 

ሓደጋ

 

ኣለዎ

 

ኢላ

 

ሓንቲ

 

ኣብር ት ትበ ል ብጺት ሓቢራትኒ ነይራ፡፡ ኣነ  ግን ደሓን እንተኾነ ንክልቴና ተድሑኑና፡ ኣይኮነን 

ከኣ  ንዕሸለይ   ኣድሕኑለይ   ኢለ  ዝወለድኩዋ   እንኮ  ጓለይ  እያ ”  እንዳበለት  ትበኪ! ጸጉራ 

ትነጺ!ምስክነይቲ እስርቲ’ያ፡፡ 

7.  እድሪስ  ኣባዓረ  (መለለዬ  ቁጽሪ  29)፡  ኣብ  ልዕሊ  ዝጸንሐ  ስንክልንኡ  ብሰንኪ  ቀዝሒን 

ዋዒንዒራዒሮተወሳኺ ተፈላለዩ ውሽጣዊ ሕማማት ተጠቒዑ ነይሩ፡፡ 

8.  ኢሳያስ (መለለዬ ቁጽሪ 33)፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ጥዕና ይርከብ፡፡ 

9.  ጋዜጠኛ  ስዩም  ጸሃየ  (መለለዬ  ቁጽሩ  10)፡  ኣብ  ከቢድ  ኣካላዊን  ስነ-ኣእምራዊን  ጸቕጥታትን 

ሕማማትን ይርከብ፡፡ 2007 ካብ ሸልኡ ሃዲሙ ወጺኡ ቦታ ጠፊኡዎ ኮለል ምስተተሓዘ ከቢድ 

ማህረምትን መግረፍትን ወሪድዎ እዩ፡፡ ካብቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ኣብ ከቢድ ስነ-ኣአምራዊ ጸቕጥን 

ኣካላዊ ማህሰይትን ይርከብ፡፡ 

10. ጋዜጠኛ ተመስገን ገረየሱስ  (መለለዬ ቁጽሪ 22)፡ ብተነጻጻሪ ኣብ ደሓን ኩነታት ጥዕናስለዝርከብ 

ካብ ዕለት ማእሰርቱ ጀሚሩ ካብ ኢዱ መቑሕ ዘይተፈተፈልዮ እሱር እዩ፡፡ 

11.  ጋዜጠኛ  ኣማኒኤል ኣስራት (መለለዬ ቁጽሪ  25) ኣብ ደሓን ኩነታት ነይሩ ከም ተመስገን ኣብ ኢዱ 

ፌሮ ኣለዎ፡፡ 

12. ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ (መለለዬ ቁጽሪ 36)፡ ዜግነቱ ሽወደናዊ ዝኾነ ጋዜጠኛ  ዳዊት ኣብ ካልእ ቤት 

ማእሰርቲ  ጸኒሑ  2007 እዩ  ናብ  ዒራዒሮ  ዝኣተወ፡፡  ብሰንኪ  ሕማቕ  ኪሎማን  ኣተሓሕዛ 

ብዝተፈላሉ ውሽጣዊ

 ሕማማት

 ተጠቕዐ

 እሱር

 እዩ፡፡

 ኩሉ

 ግዜ

 ነታ

 ዝርካባ

 ጸብሒ

 ዓደስ

 “ጨው

 ኣይትግበሩለይ” ይብል፡፡ ካብዝኣተወሉ ጀሚሩ ክልተ ኣእዳዉ ምስተሞቆሐ’ዩ፡፡ 

13. ዓሊ ኣልኣሚን ዓሊ (መለለዬ ቁጽሪ 03): ሰራሕተኛ  ኣመሪካ ኢንባሲ ኣስመራ ዝነበረ ዓሊ ብፌሮ 

ተመቆሐን ብዝተፈላዩ ስነ-ኣእመራዊ ሕማማት ዝሳቐ ’ዩ፡፡ 

14. ክፍሎም  ገብረሚካኤል  (መለለዬ  ቁጽሪ  35): ሰራሕተኛ  ኢንባሲ  ኣመሪካ  ነበር  ክፍሎም ሓያል 

ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ዘለዎ ኮይኑ: ካብ ዕለት ማእሰርቱ ጀሚሩ ብፌሮ ቅዩድ እዩ፡፡ እዞም 

2 እሱራት  (ዓሊን ክፍሎምን) ኣብ 2008 ሃንደበት ኣብ ሓደ ለይቲ ብክልተ ተፈላለያ መካይን 

ኣስመራ ተወሲዶም

 ዝተመለሱ

 እዮም፡፡

 ዕላማ

 መውሰዲኦም

 ንገለ

 ወኪላት

 መንግስቲ

 ኣመረካ

 ንምርኣይ ምንባሩ፡ ጥዑይ ልብሲ  ኣልቢሶም፡ ጨሕሞም  ለጻጺዮም፡  ዘይከውን ተስፋ  ኣስኒቖም 

ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ ምስተጠቐምሎም ብቅጽበት ብታ ዕለት ናብ ዒራዒሮ መሊሶምዎም፡፡ 

Page 10: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 10/13

10

15. ፎርኦን  ወልዱ  (መለለዬ  ቁጽሪ  13) (ሰባኣይ  ኣቐንቃኒት  ጓል  ኣንከረ) ጸጋማይ  ኢዱ  ብኩናት 

ዝሰንከለ ኮይኑ ድሕሪ ምእሳሩ ቀዝሕን ዋዒን ዒራዒሮ  ኣብ ልዕሊ  ስንክልንኡ ተወሳኺ  ጸቕጢ 

ስለዝፈጠረሉ ምጽዋር ኣብዘይክእለሉ ኣዚዩ ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና ይርከብ፡፡ 

Page 11: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 11/13

11

ቀንዲ ሓላፍቲ ቤት ማእሰርቲ “ግዳያት 9/18” ዒራዒሮ 

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ቀንዲ ተሓተቲ“ግዳያት 9/18”ዝኾኑ ላዕለዎት  ኣባላት ጉጅለ ኢሳያስ 

ገሊጸ ኣለኹ፡፡ኣስዒበ ዝጠቕሶም ከኣ በቶም ቀንዲ ተሓተቲ ሰበ-ስልጣናት ተመዚዞምን ተኣዚዞምን ኣብ 

ቀጽሪ ዒራዒሮ ዝርከቡ ገበርትን ሓደግትን ዝኾኑ ኣባላት እዮም፡፡ 

1.  ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርአያ  ወዲ ሓኪም)፡ መበቆል ዓዱ ዱባሩባ መንበሪኡ ኣስመራ፡ ዕድመ 62 ይገብር፡ 

ቴሌፎን ኣድራሽኡ፡ 07110908 ዝነበረ ኮይኑ እዛ ቴሌፎን ሕጂ ካብ ስራሕ ወጻእ ገይርዋ ኣሎ፡፡ 

ሓላፊ ቤ/ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኮይኑ ካብ ተመዘዘሉ ግዜ ጀሚሩ ብጉዳይ እሱራት ዝምልከት ዕለታዊ 

ምስ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ብኣካልን ብጸብጻብን ይራኸብ፡፡ ንጉዳይ ሓለዋ፡ ጸጥታን ኩነታትኣባላት 

ሓለዋን ዝምልከት ድማ ቀጥታ ርክቡ ምስ ጀነራል ፍሊጶስ እዩ፡፡ 

ወዲ ሓኪም ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ስነ-ኣእመራዊ ጸቕጥታት ከቢድ ጭንቀት ጌሩ፡ ካብ ሰብ ተነጺሉ፡ 

ኣብ ገለገለ ባራትን ከባቢታትን በይኑ ክዛረብ ይረአ ኣሎ፡፡ ኣብ ዕልሊ ኣእመራዊ ጭንቀቱ ሕማም 

ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ስለዘምጸአ፡ ንምሕካም ሰብ ክኣምን ስለዘይከኣለ ብርሃነ ዝበሃል ኣብ ወጻኢ 

ዝነብር ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ጸዊዑ  “በጀኻ እለየኒ ካልእ ሰብ ክኣምን ኣክእልን፡ ከጥፍኡኒ እዮም”

ኢሉ ጸዊዑ ክኣልዮ ገይሩ እዩ፡፡ 

ቁጠባዊ ትሕዝቶ ወዲ ሓኪም ካብ መሻርፍ እሱራትን ኣባላት ሓለዋን እንዳሰረቐ፡ ናጻ ጉልበቶምን 

ተጠቂሙ  እንዳስርሐ፡  ካብ  መሸጣ  ዕንጨይትን  ፈሓምን፡  ካብ  መፍረ  ጤለበጊዕን…ዝረኸቦ 

ኣኻኺቡ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ኣጥሪዩ፡ ኣብ ዱባሩባ ገዛውቲ ሃኒጹ፡ ኣብ ኣስመራ ብትእዛዝ ቤ/ጽ 

ፕረዚዳንት ገዛ ተወጊንሉ ዝነብር ሰብ እዩ፡፡ 

ወዲሓኪም  ሓላፊ  ቤ/ማእሰርቲ  ዒራዒሮ  ኮይኑ  ክሳብ  ዝሰርሓሉ  ግዜን  ነዚ  ሓበሬታ  ክሳብ 

ዘዳለኹሉ እዋንን ካብታ ዝበረኸት ቤ/ጽሕፈቱ ኮይኑ ነተን ሸላታት ብርሑቕ ካብ ምቁማትን ካብ 

ኣባላት ሓለዋ ሓበሬታ ካብ ምእካብን ሓሊፉ  ነቶም  ግዳያት ዋላ ሓንቲ መዓልቲ  እውን ቀሪቡ 

ሪእይዎም ኮነ ጸገማቶም ክፍትሕ ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ገይሩ ኣይፈልጥን፡፡ ሕሉፍ ሓሊፉ መግለጺ 

ጭካንኡ ዝኾነ ተግባር ካብታ ንመሻርፍ ዝተመደበትሎም  25,ሺሕ ናቕፋ ወርሓዊ ባጀቶም እቲ 

20, ሺሕ ናቕፋ ንውልቁ እናደውዓለ ጸኒሑ እዩ፡፡ 

Page 12: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 12/13

12

ካብ  መጀመሪያ  ክሳብ  መወዳእታ  ፍሉይ  ትኹረት  ሂቡ  ዝሰርሓላን  ዘተግብራን  መምርሒ 

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ዝኾነት ትእዛዝ  ነፍሰወከፍ እሱር ኣብ ክንዲ ስሙ ብመለለዬ ቁጽሩ ኣባላት 

ክጽውዕዎ ከምዘለዎም ክትትል ይገብር፡፡  ኣባላት ቁጽሪ ክንዲዚ  ገለ ሓቲቱ፡ ሞይቱ፡ ሓሚሙ፡ 

ሃተፍትፍ ኢሉ፡ ድምጺ ኣጥፍኡ፡ ምግቢ ተሓሲሙ…ዝኣመሰሉ ጸብጻባት ዕለታዊ የቕርብሉ፡፡ እዚ 

ንዘይገብሩ ኣባላት ሓለዋ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ መቕጻዕቲ ይቐጽዕ፡፡ 

ፕረዚዳንት

 

ኢሳይያስ

 

ኣስማት፡

 

ምስልን

 

ታሪኽን

 

ጀጋኑና

 

ካብ

 

ምድዋን

 

ሓሊፉ

 

ኣብ

 

መዓኽን

 

ሚዲያታት  ውሽጢ   ገር   ካብ  ህዝቦም   ምስዋር  ጥራይ   ዘይኮነ  ኣብታ   ዝተኣሰሩላ   ሼላ  እውን 

ወለዶም  ብዘውጽእሎም   ኣስማት ወይ ብናይ  ሜዳ  ሳጓታቶም   ከይጽውዑ ብወዲ  ሓኪም   ኣቢሉ  

ጥቡቕ ክትትል ይገብር፡፡ 

2.  ተለንተ ተስፋኣለም ሃብተ  ወዲ ሃብተ) ትውልዲ ዓዲ ሊባን ሓላፍነት ኣዛዚ 1ይ ሓይሊን ምክትል 

ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርኣያ (ወዲ ሓኪም) ነይሩ፡፡ እዚ ሰብ እዚ ሓዋ ንሰይቲ ኮ/ል ጋይም ተስፋንኪኤል 

ሓለፊ ወጻእ ስለያ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት እዩ፡፡ 

ህልቂት  እዞም  “ግዳየጥ  9/18” ቀጻሊ  እናኾነ  ብዝኸደ  ቁጽሪ  “ኣብ  መወዳእታ  ነቲ  ሚስጢር 

እንፈልጥ ሰባት ከሕቑቑና እዮም” ካብ ዝብል ሕዱር ስክፍታ ተበጊሱ ብተደጋጋሚ ካብ ዒራዒሮ 

ከውጽኦን ንገደ ክሰዶን ብሓፍቱ ኣቢሉ ቀጻሊ ንኮሎኔል ጋይም ይሓቶ ስለዝነበረ ኣብ መወዳእታ 

ኮ/ል ጋይምኣሳሊጡ ካብ ዒራዒሮ ኣውጺኡ ናብ ወኪል ሃ/ድሕነት ጨንፈር ወጻኢ ስለያ ክምደብ 

ብምግባር ካብ ሃገር ክወጽእ ገይርዎ ኣሎ፡፡ 

3.  ም/ኮፕራል ሚኪኤለ ወረደ ትውልዲ ዓዲ ደቂምሓረ ሓላፍነት  ኣዛዚ  2ይ ሓይሊ  እዩ፡፡ ድሕሪ 

ምውጻእ ወዲሃብተ ከም ምክትል ወዲ ሓኪም ኮይኑ ይነጥፍ  ኣሎ፡፡  እዚ  ሰብ’ዚ ከምሰብ  በቲ 

ኩነታት ኣዚዩ ዝጭነቕን ዝሓዝንን እዩ፡፡ 

Page 13: "ግዳያት 9/18" 2ይ ምዕራፍ

7/23/2019 " 9/18" 2

http://slidepdf.com/reader/full/-918-2- 13/13

13

ብሓፈሻ   ካብ  ወርሒ  9/2001 ጀሚሩ  ካብ  ዝተፈላለዩ  ክፍልታት  ስለያ  ዝተዋጽኡ  120 ዝኾኑ 

ኣባላት ሓለዋ ተመዲቦም፡፡ ካብዚኣቶም  29 ናብ ቤ/ጽ ስርሒት ዞባ  05 ቃሓውታ  (ናይ ውጩ 

ቤ/ጽ ዝነበረ) ዝተምለሱ ኮይኖም  ኣስታት  13 ኣባላት ድማ  ኣብ ዝተፈለለዩ  እዋናት ጠፊኦም፡፡ 

እዞም ቀጺሎም ዝግለጹ ከኣ ብስግረ ዶብ ካብ ሃገር ዝወጹ እዮም፡፡ 

1.  እዮብ ባህታ፡ 

2.  ሓጎስ ሓድሽ ገረዝጊሄር፡ 

3.  ነጋሲ በር ሓጎስ፡ 

4.  ሙሉብርሃን ገብረ ወት ተስፋስላሰ፡ 

5.  ገብረመድህን ተስፋይ ገብረስላሰ፡ 

6.  በኽሪ መሓመድ  ናራ)፡ 

7.

 

ዓሊ

 

ጋንባ፡

 

8.  ሙሳ መሓመድ ዓፋር…ዝበሃሉ፡ 

ካብዚኦም ኣብ ተራ ቁጽሪ 2 ዝተገልጸ ሓጎስ ሓድሽ ገረዝጊሄር መበቆል ዓዱ ን/ዞባ ሰንዓፈ ምምሕዳር ዓዱ 

ምሳርሓ  ኣብ  ምስሪ  ተታሒዙ  ኣብ  2007 ምስካልኦት  ኤርትራውያን  ብምንግስቲ  ምስሪናብ  ሃገሩ 

ምስተጠረዘ፡ ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ካብ ዊዓ ተዓፊኑ ተወሲዱ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ኣይፍለጥን፡፡ ኣብቲ 

ቅንያት እቲ ንኣባላት እቲ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኣኼባ ብምግባር “ኢድና ነዊሕ’ዩ፡ ሓጎስ ሓድሽ ሒዝናዮ 

ኣለና፡፡” ክብሉ ከፈራርሕሉፈቲኖም ’ዮም፡፡ 

ነፍሰወከፍ ተራ ኣባል ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ “ድሕሪ ህልቂት እሱራት ኣፈሙዞም ናባና ከቕንዑዎ 

እዮም”ኣብ  ዝብል  ከቢድ  ፍርሒ ተሸሚሙ  ዝነብር  እዩ፡፡ ብጭንቀት  ነብሶም  ዘጥፍኡ  እቶም  እሱራት 

ጥራይ  ዘይኮኑኣባላት ሓለዋ  እውን  ኣለው፡፡  ኣባላት  ሓለዋ ዒራዒሮ  ዝኾኑ ተከስተ መረጸ  (ወዲ ማይ 

ጫዕዳ) ን ፡ ተስፋይ ገብሪሂወት (ወዲ ገዛ ሓምለ) ን ነብሰ ቅትለት ዝፈጸሙ እዮም፡፡ 

ኩቡራት  ነበብትና  ነዚ  ብክልተ ምዕራፋት  ተጻሒፉ  ዝቐረበሰነድ  “ግዳያት  18/9”  ናብ  ኩሉ  ዜጋ  ሼር 

ብምግባር ኤርትራዊ ሓላፍነትኩም ክትፍጽሙ እላቦ!!!፡፡